ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ገለልተኛታት ክርስትያናት

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ገለልተኛታት ክርስትያናት

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ገለልተኛታት ክርስትያናት

“ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።”​—⁠ዮሃንስ 17:16

1, 2. የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰዓብቱ ምስ ዓለም ዘለዎም ርክብ እንታይ በለ: እቲ ዝበሎኸ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዘበግስ፧

 የሱስ በታ ኸም ፍጹም ሰብ ኰይኑ ንመወዳእታ ግዜ ዝጸንሓላ ምሸት ደቀ መዛሙርቱ እናሰምዕዎ ነዊሕ ጸሎት ጸለየ። ኣብ መንጎ እቲ ጸሎቱ ንህይወት ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝገልጽ ነገር ተዛረበ። ብዛዕባ ሰዓብቱ ከምዚ በለ:- “ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ: ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።”​—⁠ዮሃንስ 17:14-16

2 የሱስ: ሰዓብቱ ካብ ዓለም ከም ዘይኰኑ ኽልተ ሳዕ ጠቒሱ ኢዩ። ካብ ዓለም እተፈልዩ ብምዃኖም ድማ ዓለም ከም እትጸልኦም ገሊጹ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ክርስትያናት በዚ ኽጭነቑ የብሎምን: ከመይሲ የሆዋ ይሕልዎም ኢዩ። (ምሳሌ 18:⁠10፣ ማቴዎስ 24:⁠9, 13) ነዚ ቓላት የሱስ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ዓለም ዘይኰኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ካብ ዓለም ዘይምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ክርስትያናት ብዓለም ዝጽልኡ እንተ ዀይኖም: ንዓለም ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዋ፧ ብፍላይ ንመንግስታት ዓለም ብኸመይ ኢዮም ዝርእይወን፧’ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ ንዅላትና ስለ ዝትንክፈና ኣገዳሲ ኢዩ።

‘ካብ ኣምላኽ ኢና’

3. (ሀ) ካብ ዓለም እተፈለና ዝገብረና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዓለም “በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ዘርእየና መርትዖ እንታይ ኢዩ፧

3 ካብ ዓለም ዘይኰንናሉ ሓደ ምኽንያት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ስለ ዘሎና ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ዮሃንስ ብዛዕባ ዓለም እተዛረቦ ቓላት ኣሉ ዘይበሃሎ ሓቂ ኢዩ። ኣብዚ ግዜና ውግእ: ዓመጻ: ጭካነ: ጭቈና: ምትላል: ከምኡውን ርኽሰት ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ ንዓለምና ጽልዋ ዝገብረላ ዘሎ ኣምላኽ ዘይኰነስ ሰይጣን ምዃኑ መርትዖ ይዀነና ኢዩ። (ዮሃንስ 12:⁠31፣ 2 ቈረንቶስ 4:⁠4፣ ኤፌሶን 6:⁠12) ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣይሳተፍን ወይ ነዚ ኣይቅበሎን ኢዩ: እዚ ኸኣ ካብ ዓለም ከም ዘይከውን ይገብሮ።​—⁠ሮሜ 12:⁠2፣ 13:⁠12-14፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠9-11፣ 1 ዮሃንስ 3:⁠10-12

4. ናይ የሆዋ ምዃንና በየናይ መገድታት ኢና እነርኢ፧

4 ክርስትያናት ‘ካብ ኣምላኽ ምዃኖም:’ ዓለም ግን ካብ ኣምላኽ ዘይምዃና ዮሃንስ ገሊጹ ኣሎ። ህይወቶም ንየሆዋ ዝውፍዩ ዘበሉ ዅሎም ናቱ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብህይወት እንተ ነበርና: ንጐይታ ኢና እንነብር: ወይስ እንተ ሞትና: ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ: ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና: ናይ ጐይታ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 14:8፣ መዝሙር 116:15) ናይ የሆዋ ስለ ዝዀንና ድማ ምሉእ ተወፋይነት ንህቦ ኢና። (ዘጸኣት 20:⁠4-6) ስለዚ: ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ንሓደ ዓለማዊ ሸቶ ህይወቱ ኣይውፍን ኢዩ። ንሃገራዊ ኣርማ ኣኽቢሩ ዝርእዮ እኳ እንተዀነ: ብተግባሩ ዀነ ብልቡ ግን ኣምልኾ ኣይህቦን ኢዩ። ንህቡባት ስፖርተኛታት ወይ ንኻልኦት ዘመናውያን ጣኦታት እውን ኣየምልኽን ኢዩ። ነቲ ኻልኦት ዝደለይዎ ኽገብሩ ዘለዎም መሰል ዘኽብር እኳ እንተዀነ: ንሱ ግን ንፈጣሪ ጥራይ ኢዩ ዘምልኽ። (ማቴዎስ 4:⁠10፣ ራእይ 19:⁠10) እዚ እውን ካብ ዓለም እተፈልየ ይገብሮ።

“መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን”

5, 6. ንመንግስቲ ኣምላኽ እንግዛእ ብምዃንና ካብ ዓለም ከም ዘይንኸውን ዝገብረና ብኸመይ ኢዩ፧

5 ክርስትያናት: ሰዓብቲ ክርስቶስ የሱስን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽን ኢዮም: እዚ ድማ ካብ ዓለም ንኸይኰኑ ዝድርኾም ካልእ ምኽንያት ኢዩ። የሱስ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንፍርዲ ምስ ቀረበ: “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:36) እዛ መንግስቲ እዚኣ ስም የሆዋ ዝቕደሰላ: ሉዓላውነቱ ዝረጋገጸላ: ፍቓዱውን ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ዝዀነላ ኢያ። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ: ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኸኣ ብሰዓብቱ ኽስበኽ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠23፣ 24:⁠14) ብ1914 እቲ ኣብ ራእይ 11:⁠15 ዘሎ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ” ዝብል ትንቢታዊ ቓላት ፍጻሜኡ ረኺቡ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ: እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ በይና ንደቅ​ሰብ ክትገዝኦም ኢያ። (ዳንኤል 2:⁠44) ኣብ እተወሰነ ደረጃ ገዛእቲ ዓለም እውን ከይተረፉ ንስልጣን እታ መንግስቲ ኣፍልጦ ኽህቡሉ ኽግደዱ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 2:⁠6-12

6 ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኢዮም ዝግዝኡ: ነቲ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ብምባል ዝሃቦም ምኽሪ ድማ ይስዕቡ ኢዮም። (ማቴዎስ 6:⁠33) እዚ ግን ነተን ዝነብሩለን ሃገራት ዘይእሙናት ኢዮም ማለት ኣይኰነን: የግዳስ ብመንፈሳዊ መዳይ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰኑን። ቀንዲ ዕዮ ናይዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዛዕባ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ምምስካር’ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠23) ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ነዚ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ኽዕንቅጾ መሰል የብሉን።

7. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልተኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም: ነዚኸ ብኸመይ ኢዮም ኣርእዮምዎ፧

7 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ የሆዋ ስለ ዝዀኑን ሰዓብቲ የሱስ ብምዃኖምን ንመንግስቲ ኣምላኽ ድማ ስለ ዝግዝኡን ኣብቲ ኣብ መበል 20ን 21ን ዘመን ኣብ መንጎ ሃገራት እተገብረ ግጭት ገለልተኛታት ኰይኖም ኢዮም። ምስ ዝዀነ ይኹን ወገን ኣይተሰለፉን: መሳርያ ኣየልዓሉን: ንዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ጕዳይ ዝምልከት ፕሮፓጋንዳ ድማ ኣየናፈሱን። ክትዋጽኣሉ ዘይትኽእል ኣብ ዝመስል ምጽራር እውን ከምቲ ብ1934 ንመራሕቲ ናዚ ዝበልዎም ዓይነት ምላሽ ኢዮም ዝህቡ። እቲ መግለጺ ኸምዚ ዝብል ነበረ:- “ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ክንኣቱ ኣይንደልን ኢና: ነታ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ግን ምሉእ ብምሉእ እተወፈና ኢና። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይክንጐድእን ወይ ኣይክንሃስን ኢና። ብሰላም ክንነብርን ኣጋጣሚ ኸም ዝፈቕደልና ኸኣ ንሰባት ሰናይ ክንገብርን ኢና እንደሊ።”

ኣምባሳደራትን ወኪላትን ክርስቶስ

8, 9. ኣብዚ እዋን እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣምባሳደራትን ወኪላትን ዝዀኑ በየናይ መገዲ ኢዮም: እዚኸ ምስ ሃገራት ንዘለዎም ርክብ ዝትንክፎ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብጾቱን “ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት [“ኣምባሳደራት:” NW ] ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ” በለ። (2 ቈረንቶስ 5:20፣ ኤፌሶን 6:20) ካብ 1914 ኣትሒዙ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት “ደቂ” መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ: ኣምባሳደራት ክበሃሉ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 13:⁠38፣ ፊልጲ 3:⁠20፣ ራእይ 5:⁠9, 10) ብተወሳኺውን: የሆዋ ካብ ኣህዛብ “ዓብዪ ጭፍራ” ናይተን “ኻልኦት ኣባጊዕ” ኣውጺኡ ኣሎ: እዚኣቶም ድማ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኰይኖም ነቶም ቅቡኣት ኣብቲ ኸም ኣምባሳደራት ኰይኖም ዝፍጽምዎ ዕዮኦም ዝድግፍዎም ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9 NW ፣ ዮሃንስ 10:⁠16) እዞም “ኻልኦት ኣባጊዕ” እዚኣቶም “ወኪላት” ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክበሃሉ ይኽእሉ ኢዮም።

9 ሓደ ኣምባሳደርን ሰራሕተኛታቱን ኣብ ጕዳያት ናይታ ዝዓዩላ ሃገር ኣይኣትዉን ኢዮም። ብተመሳሳሊ ክርስትያናት እውን ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናይ መንግስታት ዓለም ገለልተኛታት ኢዮም። ምስ ዝዀነ ይኹን ሃገራዊ: ዓሌታዊ: ማሕበራዊ: ወይ ቍጠባዊ ጕጅለ ኣይውግኑን ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) ኣብ ክንድኡስ ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ኢዮም ዝገብሩ።’ (ገላትያ 6:⁠10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልተኛታት ስለ ዝዀኑ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ጸላእትና ዝዀኑ ዓሌት: ሃገር: ወይ ቀቢላ ወጊንኩም ኢሉ ንመልእኽቶም ክነጽጎ ዘኽእሎ ምኽንያት የብሉን።

ብፍቕሪ ይልለዩ

10. ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ቦታ ኢዩ ዘለዋ፧

10 እቲ ምስ ካልኦት ክርስትያናት ዘለዎም ርክብ እውን ኣብ ዓለማዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ከም ዝዀኑ ዝገብሮም ካልእ ምኽንያት ኢዩ። የሱስ ንሰዓብቱ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:35) ሓደ ሰብ ክርስትያን ክኸውን እንተ ዀይኑ: ሕውነታዊ ፍቕሪ ኽትህልዎ ኣለዋ። (1 ዮሃንስ 3:⁠14) ሓደ ክርስትያን ምስ ካልኦት ክርስትያናት ዘለዎ ርክብ ምስቲ ምስ የሆዋን የሱስን ዘለዎ ርክብ ዝተሓሓዝ ስለ ዝዀነ ጥብቂ ርክብ ኢዩ ዘለዎ። ንክርስትያናት ዘለዎ ፍቕሪ ኣብታ ጉባኤኡ ጥራይ እተሓጽረት ዘይኰነትስ: ነቶም ‘ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋቱ’ እውን ዘጠቓለለት ኢያ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠9

11. ኣኻይዳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ንሓድሕዶም ብዘለዎም ፍቕሪ እተጸልወ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ሕውነታዊት ፍቕሮም ነተን ኣብ ኢሳይያስ 2:⁠4 ዝርከባ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብላ ቓላት ብምፍጻም ኢዮም ዘንጸባርቕዋ። ብየሆዋ ስለ እተማሃሩ ድማ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ካልኦት ኣሕዋቶም ብሰላም ኢዮም ዝነብሩ። (ኢሳይያስ 54:⁠13) ንኣምላኽን ንኣሕዋቶምን ስለ ዘፍቅሩ ኣጽዋር ኣልዒሎም ኣብ ካልእ ሃገር ንዝነብር ክርስትያን ብጻዮም ኰነ ንኻልእ ሰብ ምቕታል ፈጺሞም ኣይሓስብዎን ኢዮም። ሰላሞምን ሓድነቶምን ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾኦም ኢዩ: ብሓቂ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ከኣ የርኢ። (መዝሙር 133:⁠1፣ ሚክያስ 2:⁠12፣ ማቴዎስ 22:⁠37-39፣ ቈሎሴ 3:⁠14) “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን” ከም ዝዀና ስለ ዝፈልጡ ‘ንሰላም ክደልይዋን ክስዕብዋን’ ይጽዕሩ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 34:⁠14, 15

ክርስትያናት ብዛዕባ ዓለም ዘለዎም ኣረኣእያ

12. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት እንታይ ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ኢዮም ዘንጸባርቑ: ነዚኸ ብኸመይ የርእይዎ፧

12 የሆዋ ነዛ ዓለም እዚኣ ንጥፍኣት እኳ እንተ መጠዋ: ንዅሎም ኣብኣ ዝነብሩ ውልቀ⁠-​ሰባት ግን ኣይፈረዶምን። ግዜኡ ምስ ኣኸለ ብየሱስ ኣቢሉ ኽፈርዶም ኢዩ። (መዝሙር 67:⁠3, 4፣ ማቴዎስ 25:⁠31-46፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠10) ክሳዕ ሽዑ ግን ንደቅ​ሰብ ዓብዪ ፍቕሪ የርእዮም ኣሎ። ኵሉ ሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽህልዎ ኢሉ ድማ ነቲ ሓደ ወዱ እውን ከይተረፈ ሂብዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16) ንሕናውን ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ዋላ እውን ጻዕርታትና ብተደጋጋሚ ተቐባልነት እንተ ዘይረኸበ: ንሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንድሕነት ዝገበሮ ምድላው ብምንጋር ንፍቕሪ ኣምላኽ ንቐድሓ ኢና።

13. ንገዛእቲ ዓለም ብኸመይ ክንርእዮም ይግባእ፧

13 ንገዛእቲ ዓለም ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም ዝግባእ፧ ጳውሎስ “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ [“ተዛማዲ:” NW ] ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ሂቡላ ኢዩ። (ሮሜ 13:1, 2) እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ስለ ዝፈቐደሎም “ተዛማዲ” ስልጣን ተዋሂብዎም ኣሎ (ማለት እተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም ኰይኖም ወትሩ ስልጣኖም ካብ ናይ የሆዋ ዝትሕት ኢዩ)። ሓደ ክርስትያን ንሰበ⁠-​ስልጣን ዓለም ዝግዝኦም: ንየሆዋ ኽእዘዞ ስለ ዝደሊ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዝደልየናን ሰብኣዊ መንግስቲ ኽንገብሮ ዝሓተናን እንተ ተጋጨወኸ፧

ሕጊ ኣምላኽን ቄሳርን

14, 15. (ሀ) ዳንኤል ንተኣዛዝነት ብዝምልከት ክለዓል ዝኽእል ዝነበረ ግጭት ዘወገደ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ክእለ ዘይክእል ክልተ ዝጋጮ ትእዛዛት ምስ ኣጋጠሞም እቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ኣቕዋም ኢዮም ዝወሰዱ፧

14 ዳንኤልን ሰለስተ ብጾቱን ንሰብኣዊ መንግስታትን ንኣምላኽን ዘሎና ተኣዛዝነት ብኸመይ ሚዛናዊ ኸም እንገብሮ ሰናይ ኣብነት ገዲፎምልና ኢዮም። እዞም ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ: ሕጊ ናይታ ሃገር የኽብሩ ነበሩ: ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ፍሉይ ስልጠና ኽወሃቦም ተመርጹ። ዳንኤል እቲ ስልጠና ምስ ሕጊ የሆዋ ዝጻረር ነገር ከም ዘለዎ ብምስትውዓል: ምስቲ ሓላፍነት ዘለዎ በዓል ስልጣን ተመያየጠ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ንሕልና እዞም ኣርባዕተ እብራውያን ኣብ ግምት ዘእተወ ፍሉይ ምድላው ተገብረ። (ዳንኤል 1:⁠8-17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ዘየድሊ ጸገማት ምእንቲ ኸወግዱ: ንሰበ⁠-​ስልጣን ኣቕዋሞም ኣብ ምግላጽ ኣብነት ዳንኤል ይስዕቡ ኢዮም።

15 ይኹን እምበር: ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንተገዛእነት ብዝምልከት እተላዕለ ዘይምርዳድእ ክውገድ ኣይተኻእለን። እቲ ንጉስ ባቢሎን ሓደ ዓብዪ ጣኦት ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣቘመ እሞ ንዅሎም ሰበ⁠-​ስልጣን እንተላይ ንኣመሓደርቲ ኣውራጃታት ኣብቲ ጽምብል ክርከቡ ኣዘዞም። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ዳንኤል ኣብ ልዕሊ ኣውራጃታት ባቢሎን ተሸይሞም ስለ ዝነበሩ እቲ ትእዛዝ ይምልከቶም ነበረ። ኣብቲ ጽምብል ከኣ ኵሎም እቶም እተኣከቡ ነቲ ምስሊ ኽሰግዱ ነበሮም። እቶም እብራውያን ግን እዚ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝጻረር ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። (ዘዳግም 5:⁠8-10) ስለዚ ዅሉ ሰብ ክሰግድ ከሎ: ንሳቶም ግን ኣይሰገዱን። ንትእዛዝ ንጉስ ብምፍራሶም ዘሰቅቕ ሞት ክሞቱ እኳ ቕሩባት እንተ ነበሩ: ህይወቶም ግን ብተኣምር ደሓነ፣ ይኹን እምበር: ንትእዛዝ የሆዋ ኻብ ምፍራስ ሞት ከም ዝመረጹ ኽንርስዕ የብልናን።​—⁠ዳንኤል 2:⁠49–3:⁠29

16, 17. እቶም ሃዋርያት ከይሰብኩ ምስ ተኣዘዙ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝመለሱ: ስለምንታይከ፧

16 ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ቀረቡ እሞ ብስም የሱስ ከይሰብኩ ተኣዘዙ። ንሳቶም ግን እንታይ ገበሩ፧ የሱስ ኣብ ኵለን ሃገራት እንተላይ ኣብ ይሁዳ ኽሰብኩ መዚዝዎም ኢዩ። ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለምን መሰኻኽሩ ክዀኑ እውን ነጊርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) እቶም ሃዋርያት እቲ የሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። (ዮሃንስ 5:⁠30፣ 8:⁠28) ስለዚ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠19, 20፣ 5:⁠29

17 እቶም ሃዋርያት ዓለወኛታት ኣይኰኑን ነይሮም። (ምሳሌ 24:⁠21) ይኹን እምበር: ሰብኣውያን ገዛእቲ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ምስ ከልከልዎም: “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ” ኢልካ ምምላስ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ኢሉ ኢዩ። (ማርቆስ 12:17) ሰባት ስለ ዝኣዘዙና ኢልና ትእዛዝ ኣምላኽ እንተ ጥሒስና: እቲ ናይ ኣምላኽ ንሰብ ንህብ ኣሎና ማለት ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ንቄሳር ዝግብኦ ዘበለ ንህቦ እኳ እንተ ዀንና: የሆዋ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ግን ኣፍልጦ ንህብ ኢና። የሆዋ ናይ ኣድማስ ሉዓላውን ፈጣርን ምንጪ ዅሉ ስልጣናትን ኢዩ።​—⁠ራእይ 4:⁠11

ክንጸንዕ ኢና

18, 19. ብዙሓት ኣሕዋትና እንታይ ሰናይ ኣቕዋም ኢዮም ዝሓዙ: ኣብነቶም ክንስዕብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

18 ኣብዚ ግዜና ዝበዝሓ መንግስታት ዓለም ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ኣፍልጦ ስለ ዝህባሉ ነማስወን ኢና። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ ምጽራር ኣጋጢምዎም ኢዩ። ካብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ገሊኣቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ‘ጽቡቕ ገድሊ እምነት እናተጋደሉ’ ብዙሕ ቃልሲ የሕልፉ ኣለዉ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠12

19 ንሕናኸ ከመይ ጌርና ኢና ኸማታቶም ክንጸንዕ እንኽእል፧ ብቐዳምነት: ምጽራር ናይ ግድን ከም ዘጋጥመና ኽንጽበ ኣሎና። ምጽራር እንተ ኣጋጠመና ክንጃጁ ወይ ክንስንብድ የብልናን። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ ከም ዘጠንቀቖ ኣይንረስዕ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠12) ኣብዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዘሎ ዓለም: ከመይ ኢልና ኢና እሞ ምጽራር ከየጋጠመና ኽንነብር ኢልና እንሓስብ፧ (ራእይ 12:⁠17) እሙናት ክሳዕ ዝዀንና: ‘እናተጻረፉ ብኣና ዝግረሙ’ ሰባት ወትሩ ኽህልዉ ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 4:⁠4

20. እንታይ ዘተባብዕ ሓቅታት ኢና ተዘኻኺርና፧

20 ካልኣይ: የሆዋን መላእኽቱን ከም ዝሕግዙና ርግጸኛታት ኢና። ጥንቲ ዝነበረ ኤልሳእ ከም ዝበሎ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ።” (2 ነገስት 6:⁠16፣ መዝሙር 34:⁠7) ምናልባት የሆዋ ንሰናይ ዕላምኡ ኢሉ ኻብ ተጻረርቲ ጸቕጢ ኽወርደና ይፈቅድ ይኸውን። ይኹን እምበር: ንኽንጸንዕ ዘኽእለና ብርታዐ ወትሩ ይህበና ኢዩ። (ኢሳይያስ 41:⁠9, 10) ገሊኣቶም ኣሕዋትና እኳ እንተ ተቐትሉ: እዚ ግን ኣየፍርሃናን ኢዩ። የሱስ “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር: ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ: ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:16-23, 28) ኣብዚ ኣገባብ እዚ “ስደተኛታት” ኢና። ስለዚ ነዚ ሕጂ ዘሎና ግዜ ‘ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ንምርካብ’ ማለት ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ ዘኽእለና ነገራት ንምግባር ኢና እንጥቀመሉ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠11፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠19) ንኣምላኽ እሙናት ክሳዕ ዝዀንና ዋላ ሓደ ሰብ ነዚ ዓስቢ እዚ ኸሕድገና ኣይክእልን ኢዩ።

21. እንታይ ኢና ወትሩ ኽንርስዕ ዘይብልና፧

21 እምበኣር: ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ኽቡር ርክብ ንዘክር። ሰዓብቲ ክርስቶስን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽን ብምዃንና ዝረኸብናዮ በረኸት ወትሩ ነማስወሉ። ነሕዋትና ብምሉእ ልብና ነፍቅሮም: ብዘርእዩና ፍቕሪ ድማ ባህ ይበለና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ “ብእግዚኣብሄር ተሰፎ: በርትዕ: ልብኻ ቀጥ ይበል: ኣጆኻ: እወ: ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ ልብና ነሕድሮ። (መዝሙር 27:⁠14፣ ኢሳይያስ 54:⁠17) ድሕሪኡ: ከምቶም ቅድሜና ዝሓለፉ ብዙሓት ክርስትያናት በታ ርግጽ ተስፋና ኽንጸንዕ ኢና፣ እወ: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ገለልተኛታት ክርስትያናት ክንከውን ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ካብ ዓለም ዝፈልየና ብኸመይ ኢዩ፧

• ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ኣብዛ ዓለም ገለልተኛታት እንኸውን ብኸመይ ኢና፧

• ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ: ገለልተኛታትን ካብ ዓለም እተፈለናን ዝገብረና ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ንመንግስቲ ኣምላኽ እንግዛእ ምዃንና ምስ ዓለም ንዘሎና ርክብ ብኸመይ ይትንክፎ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሁቱን ሓደ ቱትሲን ብሓባር ተሓጒሶም ክዓዩ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣይሁዳውን ዓረብን ክርስትያናት ኣሕዋት

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሰርብያውን ቦዝንያውን ክሮኤሻውን ክርስትያናት ብሓባር ከለዉ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሰብኣውያን መራሕቲ ንሕጊ ኣምላኽ ኸነፍርስ ክእዝዙና ኸለዉ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧