ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”

“ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”

“ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”

“ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ: ሕውነት ኣፍቅሩ።”—⁠1 ጴጥሮስ 2:17

1, 2. (ሀ) ሓደ ሪፖርተር ናይ ሓንቲ ጋዜጣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ሓሳባት ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዑል ስርዓታት ክስዕቡ ዝጽዕሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

 ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ሓደ ኣብ ኣማሪሎ: ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ. ዝነብር ሪፖርተር ናይ ሓንቲ ጋዜጣ: ኣብቲ ኸባቢኡ ኣብ ዝርከብ እተፈላለያ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ምብጻሕ ገበረ እሞ ብዛዕባ እቲ እተዓዘቦ ድማ ጸብጻብ ጸሓፈ። ካብተን ምብጻሕ ዝገበረሎም ግን ሓደ ጕጅለ ፍልይ ዝበሉ ዀይኑ ረኸቦም። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ንሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣማሪሎ ዝገበርዎ ዓመታዊ ኣኼባኦም ተረኺበ ኢየ። ኣብዚ ግዜያት እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ሽጋራ ከትክኽ: ቢራ ኽሰቲ ኣይረኣኹን: ወይ ጽዩፍ ቃላት ክጥቀም ኣይሰማዕኩን። ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኸብክዎም እቶም ዝጸረዩ: እዱብ ጠባይ ዘለዎም: ብግቡእ ዝኽደኑ: ከምኡውን ጽቡቕ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ኢዮም።” ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝኣመሰለ ተመሳሳሊ ሓሳባት ብዙሕ ግዜ ኢዩ ዝጸሓፍ። እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ኢዮም ብኻልኦት ሰባት ብተደጋጋሚ ዝውደሱ፧

2 መብዛሕትኡ ግዜ ህዝቢ ኣምላኽ ስለቲ ሰናይ ኣኻይዳኦም ኢዮም ዝውደሱ። ብሓፈሻኡ ኽርአ ኸሎ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ስርዓታት እናኣንቈልቈለ ይኸይድ እኳ እንተሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ልዑል ስርዓታት ክፍሊ ኣምልኾኦም ብምዃኑ የግዲ ኽስዕብዎ ኸም ዘለዎም ኢዮም ዝኣምኑ። ተግባራቶም ንየሆዋን ንክርስትያናት ኣሕዋቶምን ከም ዘወድሶም ወይ ከም ዘጽርፎም ይፈልጡ ኢዮም: ሰናይ ኣኻይዳኦም ከኣ ሓቅነት እቲ ዝሰብክዎ ኸም ዘርኢ ይግንዘቡ ኢዮም። (ዮሃንስ 15:⁠8፣ ቲቶስ 2:⁠7, 8) ስለዚ እምበኣር: ኣኻይዳና ብምጽባቕ ንስም የሆዋን ነቲ መሰኻኽሩ ዘጥረይዎ ስምን ብኸመይ ክንዕቅቦ ኸም እንኽእል ከምኡውን ከምዚ ብምግባርና ብኸመይ ከም እንጥቀም ንርአ።

ክርስትያናዊ ስድራ​ቤት

3. ክርስትያን ስድራ​ቤታት ካብ ምንታይ ኢዩ ዕቝባ ኽግበረለን ዘለዎ፧

3 ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት ዘሎ ኣኻይዳና እስከ ንርአ። እታ ብገርሃርት በሲር ከምኡውን ኢርዊን ከይ. ሾይኽ እተዳለወት ዳይ ኖይን ኢንክቪዚቶረን:- ረሊጅዮንስፍራሃይት ኡንት ግላውበንስናይት (ሓደስቲ ኣሳቐይቲ:- ሓርነት ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ቅንእን) ዘርእስታ መጽሓፍ “[ንናይ የሆዋ መሰኻኽር] ስድራ​ቤት ክበሃል ከሎ ፍሉይ ጥንቃቐ ኽግበረሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ” ብምባል ሓሳብ ሃበት። እዚ ሓሳብ እዚ ቕኑዕ ኢዩ: ሎሚ ዘለዋ ስድራ​ቤታት ካብ እተፈላለየ ነገራት ንምዕቛብ ጥንቃቐ ምግባር የድልየን ኢዩ። ኣብዚ ግዜና “ንወለዶም ዘይእዘዙ” ውሉዳት ከምኡውን ‘ፍቕሪ ስድራ​ቤቶም ዘይብሎምን ቀለልትን’ ዓበይቲ ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2, 3) ገሊኣቶም ሰብ ሓዳር ንበዓልቲ ቤቶም ይሃርሙ: ወለዲ ንደቆም ይሃስዩ ወይ ግዲ ኣይገብሩሎምን: ከምኡውን ውሉዳት ሓሽሽ ይወስዱ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራት ይፍጽሙ: ወይ ካብ ገዝኦም ይሕክሉ ኣለዉ። እዚ ዅሉ ‘መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ’ ዘምጽኦ ሳዕቤን ኢዩ። (ኤፌሶን 2:⁠1, 2) ንስድራ​ቤትና ኻብዚ መንፈስ እዚ ኸነዕቍባ ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ግን ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል፧ የሆዋ ንኣባላት ስድራ​ቤት ዝህቦ ምኽርን መምርሕን ብምስዓብ ኢዩ።

4. ክርስትያናት ኣባላት ስድራ​ቤት ኣብ ንሓድሕዶም እንታይ ሓላፍነታት ኢዩ ዘለዎም፧

4 ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ከርእይዎ ዘለዎም ስምዒታውን መንፈሳውን ስጋውን ግዴታታት ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 7:⁠3-5፣ ኤፌሶን 5:⁠21-23፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠7) ክርስትያናት ወለዲ ውሉዳቶም ናይ ምእላይ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። (ምሳሌ 22:⁠6፣ 2 ቈረንቶስ 12:⁠14፣ ኤፌሶን 6:⁠4) ክርስትያናት ውሉዳት እናዓበዩ ምስ ከዱ ኸኣ ንሳቶም እውን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ይመሃሩ ኢዮም። (ምሳሌ 1:⁠8, 9፣ 23:⁠22፣ ኤፌሶን 6:⁠1፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠3, 4, 8) ናይ ስድራ​ቤት ሓላፍነትካ ንምፍጻም ጻዕሪ: ቈራጽነት: ፍቕርን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን ዝሓትት ኢዩ። ይኹን እምበር: ኵሎም ኣባላት ስድራ​ቤት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሓላፍነታት ብዝግባእ ምስ ዝፍጽምዎ: ንሓድሕዶምን ንጉባኤኦምን ብዝያዳ ይጠቕሙ ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ መስራቲ ስድራ​ቤት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክብሪ የምጽኡሉ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠27, 28፣ ኤፌሶን 3:⁠15

ክርስትያናዊ ሕውነት

5. ምስ ኣሕዋትና ኻብ ዘሎና ሕብረት እንታይ በረኸታት ኢና እንረክብ፧

5 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ኣመንቲ ብጾትን ‘ኣብ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትናን’ ሓላፍነት ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:⁠9) ምስ ኣባላት ጉባኤና ዘሎና ርክብ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ወሳኒ ኢዩ። ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኽንእከብ ከሎና: ዘበራትዕ ሕውነት ንረክብ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብዘዳልወልና መግቢ ድማ ንዕንገል። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) ጸገማት እንተደኣ ኣጋጢሙና: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ጥዑይ ማዕዳ ንምርካብ ናብ ኣሕዋትና ኽንቀርብ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 17:⁠17፣ መክብብ 4:⁠9፣ ያእቆብ 5:⁠13-18) ኣብ ግዜ ጸገም ኣሕዋትና ኣይጥንጥኑናን ኢዮም። ኣባላት ማሕበር ኣምላኽ ብምዃንናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና!

6. ንኻልኦት ክርስትያናት ሓላፍነት ከም ዘሎና ጳውሎስ ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧

6 እንተዀነ ግን: ናብ ጉባኤ እንኸደሉ ምኽንያት ክንቅበል ኢልና ጥራይ ዘይኰነስ ክንህብ እውን ኢዩ። እወ: የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኽጽሕፍ ከሎ ናይ ምሃብ መንፈስ ኢዩ ኣጕሊሑ:- “እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ: ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ​ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።”​—⁠እብራውያን 10:23-25

7, 8. ኣብ ውሽጢ ጉባኤናን ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ክርስትያናትን ናይ ልግሲ መንፈስ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ኣብ ኣኼባ ሓሳባት ክንህብ ከሎና ወይ ብኻልእ መገዲ ኣብቲ ፕሮግራም ክንካፈል ከሎና “እሙንቶ ተስፋና” ኢና እንገልጽ። እዚ ጻዕርታትና እዚ ድማ ብርግጽ ንኣሕዋትና የበራትዖም ኢዩ። ቅድሚ ኣኼባ ዀነ ድሕሪ ኣኼባ ምስ ኣሕዋትና ብምዕላል እውን ነተባብዖም ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኢና ንዱኹማት ክንድግፎም: ሕልናኦም ንዝዓረቦም ከነፋጥኖም: ንሕሙማት እውን ከነጸናንዖም እንኽእል። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠14) ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዚ መዳይ እዚ ብምሃብ ዝመጸ ለጋሳት ስለ ዝዀኑ ኸኣ ኢዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣኼባታትና ዝካፈሉ ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ መንጎና ዝርእይዎ ፍቕሪ ዝድነቑ።​—⁠መዝሙር 37:⁠21፣ ዮሃንስ 15:⁠12፣ 1 ቈረንቶስ 14:⁠25

8 ይኹን እምበር: ፍቕርና ኣብ ጉባኤና ጥራይ ተደሪታ እትተርፍ ኣይኰነትን። ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትና እውን ነፍቅሮም ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ናይ ወፈያ ሳጹን ዘሎ። ጽቡቕ ኣደራሽ መንግስቲ ይህልወና ይኸውን: ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ክርስትያናት ብጾትና ግን ምቹእ ዝእከቡሉ ቦታ ኸም ዘይብሎም ንፈልጥ ኢና። እምበኣር: ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወፈያ ምስ እንገብር: ነቶም ብብሕቲ እውን ዘይንፈልጦም ኣሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ኢና እነርኢ።

9. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ከም ዝፋቐሩ ዝገብሮም እንታይ መሰረታዊ ምኽንያታት ኣለዎም፧

9 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ዝፋቐሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ የሱስ ክፋቐሩ ስለ ዝኣዘዞም ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠17) ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ብውልቀ⁠-​ሰብን ብጕጅለን ደረጃ ኣባታቶም ከም ዝዓዪ መርትዖ ኢዩ። ፍቕሪ ሓንቲ ኻብተን “ፍረ መንፈስ” ኢያ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋላ እውን ኣብዛ ‘ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ዝዘሓለላ’ ዓለም ይነብሩ እንተ ሃለዉ: መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከቡ: ከምኡውን ከየባተኹ ኽጽልዩ ኸለዉ ፍቕሪ ንኸርእዩ ዝያዳ ዝቐለለ ኢዩ ዝዀነሎም።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠12

ምስ ዓለም ዘሎና ርክብ

10. ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎና፧

10 ጳውሎስ ብዛዕባ “እሙንቶ ተስፋና” ምግላጽ ዝጠቐሶ ሓሳባት ካልእ ሓላፍነት እውን የዘኻኽረና ኢዩ። ተስፋና ንሰባት ክንገልጸሎም ክበሃል ከሎ ነቶም ክርስትያናት ኣሕዋትና ዘይኰኑ ብዛዕባ እቲ ብስራት ምስባኽ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20፣ ሮሜ 10:⁠9, 10, 13-15) ከምዚ ዝኣመሰለ ስብከት እውን ምስ ምሃብ ይቝጽር ኢዩ። ኣብ ስብከት ንምክፋል ግዜ: ጕልበት: ምድላው: ስልጠና: ከምኡውን ናይ ብሕቲ ጥሪት ምጥቃም ዝሓትት ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል እውን ጽሒፉ ኣሎ:- “ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ። ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ።” (ሮሜ 1:14, 15) እምበኣር ንጳውሎስ ብምምሳል: ‘ዕዳና’ ኽንከፍል ከሎና በቃቓት ኣይንኹን።

11. ምስ ዓለም ንዘሎና ርክብ መምርሒ ዝዀነና ኽልተ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንታይ ኢዩ: ነየናይ ኢና ግን ኣፍልጦ እንህበሉ፧

11 ነቶም ኣመንቲ ብጾትና ዘይኰኑ ኻልእ ሓላፍነታትከ ኣሎና ድዩ፧ እሂናይ ደኣ። ልክዕ ኢዩ: ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ’ ንፈልጥ ኢና። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ከም ዝበለ ንፈልጥ ኢና። ገና ግን ኣብ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና: ድራር ዕለትና ኻብኣ ኢና እንምእርር: ካብ ኣገልግሎታ እውን ንጥቀም ኢና። (ዮሃንስ 17:11, 15, 16) ስለዚ ንዓለም ሓላፍነት ኣሎና። እዚኸ እንታይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ሕቶ እዚ መሊሱልና ኢዩ። ቀቅድሚ ምጥፋእ የሩሳሌም ነቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝርከቡ ክርስትያናት መልእኽቲ ጽሒፍሎም ነበረ: ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ ዝርከብ ሓሳባት ከኣ ምስ ዓለም ሚዛናዊ ርክብ ክህልወና ዝሕግዝ ኢዩ።

12. ክርስትያናት ‘ኣጋይሽን ስደተኛታትን’ ክበሃሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም: ካብ ምንታይከ ኢዮም ክቝጠቡ ዝግባእ፧

12 ጴጥሮስ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ኣቱም ፍቁራተይ: ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፤ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:11) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናብቲ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ስለ ዘተኵሩ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ‘ኣጋይሽን ስደተኛታትን’ ክበሃሉ ይኽእሉ ኢዮም፣ እቲ ተስፋ ድማ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣብ ሰማይ: ነቶም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ኢዩ። (ዮሃንስ 10:⁠16፣ ፊልጲ 3:⁠20, 21፣ እብራውያን 11:⁠13፣ ራእይ 7:⁠9, 14-17) ስጋዊ ትምኒት ደኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ሃብቲ ወይ ዝና ናይ ምርካብ ትምኒት: ርኹስ ዝዀነ ጾታዊ ትምኒት: ከምኡውን ከም ‘ቅንእን’ ‘ስስዐን’ ዝኣመሰለ ትምኒታት ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 3:⁠5፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠4, 9፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠15, 16

13. ስጋዊ ትምኒት ‘ምስ ነፍስና ዝዋጋእ’ ብኸመይ ኢዩ፧

13 ከምዚ ዝኣመሰለ ትምኒታት ብርግጽ ‘ምስ ነፍስና ይዋጋእ’ ኢዩ። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ቀስ ብቐስ የበላሽዎ ከምኡውን ንክርስትያናዊ ተስፋና (‘ነፍስና’ ወይ ህይወትና) ኣብ ሓደጋ የእትዎ ኢዩ። ንኣብነት: ርኹስ ትምኒት እንተደኣ ኣሕዲርና: ከመይ ኢልና ኢና ንርእስና “ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ” ጌርና ኸነቕርብ እንኽእል፧ ኣብ ናይ ፍቕረ⁠-​ንዋይ መፈንጠራ እንተ ወዲቕናኸ ከመይ ጌርና ኢና ‘ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ’ እንኽእል፧ (ሮሜ 12:1, 2፣ ማቴዎስ 6:⁠33፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠17-19) እቲ ዝሓሸ መገዲ ነቲ ዓለም እተቕርቦ መስድዒታት ዝባንና ብምሃብን ንኣገልግሎት የሆዋ ቀዳምነት ብምስራዕን ኣብነት ሙሴ ምስዓብ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠19, 20፣ እብራውያን 11:⁠24-26) ምስ ዓለም ዘሎና ርክብ ሚዛናዊ ንክኸውን እዚ ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ።

“ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”

14. ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣኻይዳና ኸነጸብቕ እንጽዕር ስለምንታይ ኢና፧

14 ጴጥሮስ ቀጺሉ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ካልእ ኣገዳሲ መምርሒ ሃበ:- “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ።” (1 ጴጥሮስ 2:12) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብነታውያን ኢና ኽንከውን እንደሊ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ተጊህና ነጽንዕ ኢና። ኣብ ስራሕ ዋላ እውን ወሃብ ስራሕና ኽብለጸልና ዝደሊ እንተ መሰለ: ጻዕራማትን እሙናትን ኢና። ዘይኣማኒ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ዘለዋ ቤት እውን ከይተረፈ እቲ ኣማኒ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንምስዓብ ፍሉይ ጻዕሪ ይገብር ኢዩ። እዚ ዅሉ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: ሰናይ ኣኻይዳና ንየሆዋ ኸም ዘሐጕሶን ኣብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ኣወንታዊ ጽልዋ ኸም ዘሕድርን ንፈልጥ ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠18-20፣ 3:⁠1

15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝስዕብዎ ክብ ዝበለ ስርዓታት ብዙሓት ዝግንዘብዎ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነታውያን ከም ዝዀኑ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ እተፈላለየ ጽሑፋት ብዛዕባኦም እተዋህበ ሓሳባት ክርአ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ኢል ቴምፖ ዘርእስታ ኣብ ኢጣልያ እትሕተም ጋዜጣ ኸምዚ በለት:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሳርሕቲ ዘለዉዎም ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እሙናት ሰራሕተኛታት ከም ዝዀኑን ንእምነቶም ኣጸቢቖም ስለ ዝኣምኑሉ ብዘይ​ካኡ ኻልእ ነገር ከም ዘይሓስቡን ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዎም። ይኹን እምበር: ስለቲ ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህናኦም ይንእድዎም ኢዮም።” ኣብ ቦነስ ኣይረስ: ኣርጀንቲና እትሕተም ሄራልድ ዘርእስታ ጋዜጣ ድማ “ኣብ ኵሉ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጻዕራማት: ረዘንቲ: ጥንቁቓት: ከምኡውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ዜጋታት ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም” በለት። ሰርጂ ኢቫንየንኮ ዝበሃል ሩስያዊ ምሁር እውን “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ግብሪ ብምኽፋል ዝመጸ ኣበር ዘይርከቦም ሰባት ከም ዝዀኑ ኢዮም ዝፍለጡ” በለ። ሓንቲ ኣካያዲት ስራሕ ናይቲ ኣብ ዚምባብወ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣውራጃዊ ኣኼባ እተጠቐሙሉ መአከቢ ኸኣ ኸምዚ በለት:- “ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወደቐ ወረቓቕቲ ኽኣርዩን ሽቓቕ ከጽርዩን ርእየ ኢየ። ነቲ ቦታ ኻብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ዝያዳ ኣጽርዮም ኢዮም ዘረክብዎ። መንእሰያትኩም እዱባት ኢዮም። ምልእቲ ዓለም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ትመልእ ጽቡቕ ነይሩ።”

ክርስትያናዊ ተገዛእነት

16. ምስ ሰበ⁠-​ስልጣን ዘሎና ርክብ ከመይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

16 ጴጥሮስ ምስ ሰበ⁠-​ስልጣን ብዛዕባ ኽህልወና ዘለዎ ርክብ እውን ተዛሪቡ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም: ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ: ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ: ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ: ወይስ ነቶም: ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ: ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ: ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ: ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ።” (1 ጴጥሮስ 2:13-15) ካብ ሓደ ብስርዓት ዝመላለስ መንግስቲ እንረኽቦ ጥቕሚ ነማስወሉ ኢና: ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ኸኣ መንግስቲ ዘውጽኦ ሕግታት ነኽብርን ግብሪ ንኸፍልን ኢና። ሰበ⁠-​ስልጣን ሕጊ ንዘፍረሱ ሰባት ክቐጽዑ ኣምላኽ ዝሃቦም ስልጣን ከም ዘለዎም ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና: ንዖኦም እንግዛኣሉ ቐንዲ ምኽንያት ግን ‘ስለ እግዚኣብሄር ኢልና’ ኢና። ከመይሲ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ገበን ፈጺምና ምስ እንቕጻዕ: ንስም የሆዋ ዘጽርፍ ስለ ዝዀነ: ከምዚ ኽንገብር ኣይንደልን ኢና።​—⁠ሮሜ 13:⁠1, 4-7፣ ቲቶስ 3:⁠1፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠17

17. “ዘይፈልጡ ሰባት” ክጻረሩና ኸለዉ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧

17 እቲ ዘሕዝን ግን ገሊኣቶም ስልጣን ዘለዎም “ዘይፈልጡ ሰባት” ስምና ብምጽላም ኰነ ብኻልእ መገድታት መስጐጕቲ የውርዱልና ወይ ይጻረሩና ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ሓሶቶም ወትሩ ይቅላዕ: ‘ዕሽነቶም’ ድማ ይዕበስ ኢዩ። ክርስትያናዊ ኣኻይዳና ንባዕሉ ምስክርነት ይህብ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ቅኑዓት ሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ: ብዙሕ ግዜ ኸም ገበርቲ ሰናይ ዝንእዱና።​—⁠ሮሜ 13:⁠3፣ ቲቶስ 2:⁠7, 8

ባሮት ኣምላኽ

18. ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን እንታይ ብምግባር ኢና ንሓርነትና ብዘይ​ግቡእ ካብ ምጥቃም እንቝጠብ፧

18 ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ከም ውጹኣት ሓራ: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር: ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ጴጥሮስ 2:16፣ ገላትያ 5:13) ሎሚ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘሎና ፍልጠት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትታት ሓራ ኣውጺኡና ኢዩ። (ዮሃንስ 8:⁠32) ብዘይ​ዚውን ናጻ ድሌት ስለ ዘሎና ምርጫታት ክንገብር ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ንሓርነትና ብዘይ​ግቡእ ኣይንጥቀመሉን ኢና። ኣዕሩኽና: ኣከዳድናና: ኵለንትናዊ ኣቃውማና: መዘናግዒታትና: ከምኡውን እንበልዖ ዀነ እንሰትዮ ኽንመርጽ ከሎና እውን ከይተረፈ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ባሮት ኣምላኽ ምዃኖም ስለ ዘይንርስዕ: ንርእስና ባህ ዝብለና ነገራት ኣይንደልን ኢና። ባሮት ስጋዊ ትምኒትና ወይ ባሮት ናይዚ ዘመን ኣምጽኦ ንፋስ እዛ ዓለም እዚኣ ክንከውን ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ከነገልግል ኢና እንደሊ።​—⁠ገላትያ 5:⁠24፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠22፣ ቲቶስ 2:⁠11, 12

19-21. (ሀ) ንሰበ⁠-​ስልጣን ብኸመይ ኢና እንርእዮም፧ (ለ) ገሊኣቶም ‘ሕውነት ከም ዘፍቅሩ’ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧ (ሐ) ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ ሓላፍነትና እንታይ ኢዩ፧

19 ጴጥሮስ ቀጺሉ “ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ: ሕውነት ኣፍቅሩ: ንኣምላኽ ፍርህዎ: ንንጉስ ኣኽብርዎ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:17) የሆዋ ኣምላኽ ንሰባት እተፈላለየ ስልጣን ክሕዙ ስለ ዘፍቀደሎም: ዝግብኦም ኣኽብሮት ንህቦም ኢና። ኣገልግሎትና ብሰላምን ብኣምላኻዊ ተወፋይነትን ምእንቲ ኽንፍጽም ብዛዕባኦም እውን ንጽሊ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠1-4) ይኹን እምበር: ዓለምለኻዊ ‘ሕውነትና ምፍቃር’ እውን ኣይንርስዖን ኢና። ወትሩ ንጥቕሚ ክርስትያናት ኣሕዋትና እምበር ንጕድኣቶም ኣይንዓይን ኢና።

20 ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ብዓሌታዊ ናዕቢ እተሓመሰት ኣፍሪቃዊት ሃገር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ክርስትያናዊ ኣኻይዳ ፍልይ ኢሉ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ እትሕተም ሪፎርሚርተ ፕረሰ እትበሃል ጋዜጣ “ብ1995 ኣፍሪካን ራይትስ . . . ብዘይ​ካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵለን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ኣብዚ [ግጭት እዚ] ኢደን ከም ዘእተዋ ኣረጋጊጹ” በለት። ዜና ናይዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ኣብ ዓለም ምስ ተዘርግሐ: ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡንብኡ ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ኣሕዋቶም ኰኑ ንኻልኦት መግብን መድሃኒትን ሰደዱ። (ገላትያ 6:⁠10) ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:⁠27 ዝርከብ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ዝብላ ቓላት ድማ ኣብ ግብሪ ኣውዓልወን።

21 ይኹን እምበር: ካብቲ ንሰበ⁠-​ስልጣን ክንህቦም ዘሎና ኽብርን ንኣሕዋትና ኸነርእዮም ዘሎና ፍቕርን ዝዓቢ ሓላፍነት እውን ኣሎና። እዚኸ እንታይ ኢዩ፧ ጴጥሮስ “ንኣምላኽ ፍርህዎ” ብምባል ነዚ ገለጾ። ካብቲ ንሰባት እነርእዮ ኣኽብሮት ንላዕሊ ንየሆዋ ኢና ኽንፈርሆ ዘሎና። ብኸመይ ኢዩ ኸምዚ ዝዀነ፧ ንኣምላኽን ንሰበ⁠-​ስልጣን ዓለምን ዘዝግብኦም ኣብ ምሃብከ ሚዛናውያን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክምለስ ኢዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ክርስትያናት ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት እንታይ ሓላፍነታት ኢዩ ዘለዎም፧

• ኣብ ጉባኤና ናይ ምሃብ መንፈስ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ምስ ሰበ⁠-​ስልጣን ኣብ ዘሎና ርክብ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎና፧

• ኣብ ኣኻይዳና ልዑል ስርዓታት ብምስዓብ ክንረኽቦ እንኽእል ገለ ረብሓታት እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ስድራ​ቤታት ምንጪ ዓብዪ ሓጐስ ክዀና ዝኽእላ ብኸመይ ኢየን፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ዝፋቐሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሕዋትና ብብሕቲ እኳ እንተ ዘይፈለጥናዮም ፍቕርና ኸነርእዮም ንኽእልዶ፧