ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ክፉት ኢዩ

ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ክፉት ኢዩ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ክፉት ኢዩ

 የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንኽፍጽሙ ኸሰልጥኖም ከሎ ‘ኣብ ናሕሲ ዀይኖም ክሰብኩ’ ኣተባቢዕዎም ነይሩ። (ማቴዎስ 10:⁠27) እወ: ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ኵሉ ሰብ ንኽፈልጦ ብግሁድ ክፍጽሙ ነበሮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነዚ ስርዓት እዚ ስለ ዝዓዩሉ ንጥፈታቶም ብግሁድ ኢዮም ዝፍጽሙ። እዚ ድማ ዘጋጥሞም ምጽራር ኽሰግሩን ኣቓልቦ ኽረኽቡን ኣኽኣሎም።

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህዝቢ ኽፉት እኳ እንተዀነ: ሰባት ግን ኣቐዲሞም ብሕማቕ ስለ ዝርእይዎም ናብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምኻድ ይፈርሁ ኢዮም። ኣብ ፊን​ላንድ እዚ ሽግር እዚ ኣሎ። ኣቐዲሞም ናብ ዘይፈልጥዎ ቦታታት ምኻድ ዘይፈትዉ ሰባት እውን ኣለዉ። ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክህነጽ ከሎ ወይ ዝነበረ ኣደራሽ ክሕደስ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንበጻሕቲ ኽፉት ይኸውን ኢዩ። ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ሰባት ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽበጽሕዎን ምስ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክላለዩን ኣብ ምዕዳም እውን ፍሉይ ጻዕሪ ይግበር ይኸውን።

ኣብ ሓደ ኸባቢ እቲ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንበጻሕቲ ኽፉት ኣብ ዝዀነሉ መዓልቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሔት ናይ ምዕዳል ወፈራ ገበሩ። ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ ንሱውን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምንባብ ከም ዝፈቱ ገለጸሎም። እቶም ኣሕዋት ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንበጻሕቲ ኽፉት ምዃኑን ናብኡ ኽወስድዎ እውን ድሉዋት ምዃኖምን ገለጹሉ። እቲ ሰብኣይ ምሳታቶም ንምኻድ ፍቓደኛ ዀነ። በዓልቲ ቤቱ ድማ ነቲ ዝርርቦም ክትሰምዕ ስለ ዝጸንሐት “በል ሓዲግካኒ ኣይትኺድ!” ብምባል ምሳታቶም ነቐለት።

ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ በጽሑ: እቲ ሰብኣይ ቍሊሕ ምሊሕ ኢሉ ድሕሪ ምዕዛብ “እዚ ደኣ ብጸሊም እኳ ዘይተለቕለቐ። ባህ ዘብልን ብሩህን ገዛ እንድዩ። ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጸሊም ከም ዝልቕለቕ እኮ ኢየ ሰሚዐ!” በለ። ድሕርዚ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ንእተወሰነ ግዜ ኣብቲ ኣደራሽ ጸንሑ: ካብቲ ኣብኡ ዝነበረ ጽሑፋት ከኣ እተወሰነ ወሰዱ።

ሓንቲ ጉባኤ ድማ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝውፈየሉ ኣጋጣሚ ንበጻሕቲ ኽፉት ምዃኑ ኣብቲ ናይታ ዓዲ ጋዜጣ ምልክታ ኸተውጽእ ደለየት። እታ ቐንዲ ኣሰናዳኢት ናይታ ጋዜጣ እዚ ምልክታ እዚ ምስ ተቐበለት: ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ሓንቲ ዓንቀጽ ክጸሓፍ ሓሳብ ኣቕረበት። እቶም ኣሕዋት በዚ ተሰማምዑ እሞ ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ ፍርቂ ገጽ ዝኣክል ብዛዕባ እቲ ኣጋጣምን ብዛዕባ ንጥፈታት ናይቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ጽቡቕ ሓሳባት ዝሓዘት ዓንቀጽ ኣብታ ጋዜጣ ወጸት።

እዚ ምስ ተሓትመ: ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ጐረቤታ ተራኸበት እሞ እታ ጐረቤታ ኸኣ “ሎሚ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ሓሳባት ዝሓዘ ዓንቀጽ ወጺኡ” በለታ። እታ ሓብቲ ድማ መስከረትላ: ጂሆቫስ ዊትነስስ ኢን ዘ ትዌንቲዝ ሰንችሪ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከኣ ኣበርከተትላ።

ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንበጻሕቲ ኽፉት ኣብ ዝዀነሉን ኣብ ዝውፈየሉን እዋን ዝግበር ምድላው ንዝነበረ ግጉይ ምርዳእ ከም ዝድምሰስ ገይሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣስፋሕቲ እውን ብዙሓት ሰባት ናብ ኣኼባታት ንኽዕድሙ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። እወ: ኣብ ፊንላንድ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ሰባት እውን ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ ኽፉት ምዃኑ ተዓዚቦም ኢዮም።