ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቲ እተመደብናሉ ኣገልግሎት ፈልከት ኣይበልናን

ካብቲ እተመደብናሉ ኣገልግሎት ፈልከት ኣይበልናን

ታሪኽ ህይወት

ካብቲ እተመደብናሉ ኣገልግሎት ፈልከት ኣይበልናን

ሀርማን ብሩደር ዘዘንተዎ

ዝቐረበለይ ምርጫ ንጹር ኢዩ ነይሩ:- ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ ሓሙሽተ ዓመት ከገልግል ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞሮኮ ክዳጐን። ኣብዚ መዋጥር እዚ ብኸመይ ከም ዝኣተኹ ከዘንትወልኩም።

 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምብራዑ ሰለስተ ዓመት ኣቐዲሙ: ማለት ብ1911 ኦፐናው ኣብ እትበሃል ኣብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ኢየ ተወሊደ። ዮሴፍ ብሩደርን ፍሪዳ ብሩደርን ዝበሃሉ ወለደይ 17 ኣወዳትን ኣዋልድን ነበርዎም። ኣነ መበል 13 ውላዶም ኢየ።

ገና ሕጻን ከለኹ ናይ ወተሃደራት ጕጅለ ሙዚቃ በቲ ቐንዲ ጐደና ናይታ ኸተማና ኽምርሹ ይዝከረኒ። በቲ ምረሻ ስለ እተመሰጥኩ ነቶም ሙዚቀኛታት እናሰዓብኩ ናብ መደበር ባቡር ከድኩ: ኣብኡ ድማ ኣቦይን ካልኦት ሰብኡትን ወተሃደራዊ ኽዳን ተኸዲኖም ኣብ ባቡር ክስቀሉ ረኣኽዎም። እታ ባቡር ምስ ነቐለት: ገሊኣተን ኣንስቲ ዝርንዛሕ ነብዓ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያንና ኻህን ነዊሕ ስብከት ገበረ እሞ ንሃገሮም ክከላኸሉ ኸለዉ ናይ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሰብኡት ኣስማት ኣንበበ። “ሕጂ ኣብ ሰማይ ኢዮም ዘለዉ” ድማ በለ። ኣብ ጥቓይ ደው ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ ብኡንብኡ ውኖኣ ኣጥፍአት።

ኣቦይ ኣብ ግንባር ሩስያ ኸሎ ቲፎ ስለ ዝሓመመ: ማሲኑ ናብ ገዛ ተመልሰ: ኣብቲ ኸባቢ ናብ እትርከብ ሆስፒታል ድማ ኣተወ። እቲ ኻህን ድማ “ኣብቲ ጥቓ እቲ መቓብር ናብ ዘሎ ቤት ጸሎት ኬድካ 50 ኣቡነ⁠-​ዘበሰማያትን 50 ውዳሰ ማርያምን ድገም እሞ ኣቦኻ ክጥዒ ኢዩ” በለኒ። ነቲ ዝሃበኒ ምኽሪ ሰዓብኩ: ኣቦይ ግን ንጽብሒቱ ሞተ። ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ: እቲ ዂናት ግን ሕማቕ በሰላ ኢዩ ገዲፉለይ።

ሓቂ ዝረኸብኩሉ መገዲ

ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝነበረ ግዜያት ኣብ ጀርመን ስራሕ ብቐሊሉ ይርከብ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ብ1928 ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ወጻእኩ: ኣብ ባሰል: ስዊዘርላንድ ኣታኽልተኛ ብምዃን ስራሕ ረኸብኩ።

ልክዕ ከም ኣቦይ ጽኑዕ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ነበርኩ። ሸቶይ ኣብ ህንዲ ፈላሲ ካፑቺኖ ዄንካ ምግልጋል ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረ ሪኻርት ሓወይ ነዚ ምስ ፈለጠ: ኣእሚኑ ኸትርፈኒ ብምሕሳብ ናብ ስዊዘርላንድ መጸ። ኣብ ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣቕሽሽቲ ምውካል ዘምጽኦ ሳዕቤን ብምግላጽ ኣጠንቀቐኒ: መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብን ኣብኡ ጥራይ ክውከልን ከኣ ኣተባብዓኒ። ኣብቲ ዝበለኒ ምጥርጣራት እኳ እንተ ነበረኒ: ሓድሽ ኪዳን ከንብብ ጀመርኩ። መብዛሕትኡ እምነተይ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቃዶ ምዃኑ በብቕሩብ ንጹር ኰነለይ።

ብ1933 ሓደ ሰንበት ኣብ ጀርመን ኣብ እንዳ ሪኻርት ኸለኹ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር ኣፋለጠኒ። ንሳቶም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ ከም ዘለኹ ምስ ፈለጡ: ዘ ክራይስስ a ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃቡኒ። ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ዝኸውን ከኣ ነታ ጽሕፍቲ ኻብ ምንባብ ከቋርጽ ኣይከኣልኩን። ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ድማ ኣመንኩ!

ኣብ ባሰል ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ክልተ ጥራዛት ናይተን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ* ዘርእስተን ጽሑፋትን መጽሔታትን ሃቡኒ። በቲ ዘንበብክዎ ስለ እተመሰጥኩ: ኣብቲ ዓዲ ናብ ዝርከብ ካህን ከይደ ስመይ ካብ መዝገብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክሓኮ ሓተትክዎ። እቲ ኻህን ኣዝዩ ተቘጥዐ: እምነተይ ከየጥፍእ ድማ ኣጠንቀቐኒ። እዚ ግን ፈጺሙ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ ነይሩ። የግዳስ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ሓቂ እምነት ከጥሪ ኢየ ጀሚረ።

ሓደ እዋን ኣብ ባሰል ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ዶብ ፈረንሳ ሰጊሮም ክሰብኩ መደብ ገበሩ። ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ናብቲ ስብከት ክኸይድ ዘይተዓደምኩሉ ምኽንያት ምስታ ጉባኤ ኽእከብ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ስለ ዘይገበርኩ ምዃኑ ብህድኣት ኣረድኣኒ። በዚ ስለ ዘይተሰማማዕኩ ግን ክሰብኽ ከም ዝደሊ ኣርዚነ ገለጽኩሉ። እቲ ሓው ምስ ካልእ ሽማግለ ተማኸረ እሞ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኸገልግል መደበኒ። ሰንበት ንግሆ ብሽክለታይ ተወጢሐ ናብታ ጥቓ ባሰል እትርከብ ንእሽቶ ቍሸት ኣምራሕኩ: ኣብ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳይ ድማ 4 መጻሕፍቲ: 28 መጽሔታት: ከምኡውን 20 ብሮሹራት ሒዘ ነበርኩ። ኣብታ ቝሸት ክበጽሕ ከለኹ መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነበሩ። ይኹን እምበር: ክሳዕ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ኵሉ እቲ ዝነበረኒ ጽሑፋት ተወድአ።

ነሕዋት ክጥመቕ ከም ዝደሊ ምስ ነገርክዎም: ብርዝነት ኣዘራረቡኒ: ብዛዕባ ሓቂ ድማ ኣገዳሲ ሕቶታት ሓተቱኒ። በቲ ንየሆዋን ንማሕበሩን ዝነበሮም ቅንእን ተኣማንነትን ውሽጠይ ተተንኪፈ ኢየ። እቲ ወርሓት ቘራሪ ስለ ዝነበረ: ሓደ ሓው ኣብ እንዳ ሓደ ሽማግለ ዝርከብ ባኞ ኣጠመቐኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽገልጾ ዘይክእል ሓጐስን ውሽጣዊ ብርታዐን ከም እተሰምዓኒ ኣይርስዖን ኢየ። እዚ ዅሉ ዝዀነ ብ1934 ኢዩ።

ኣብ ሕርሻ መንግስቲ ኣምላኽ ምዕያይ

ብ1936 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ስዊዘርላንድ ሓደ መሬት ከም ዝዓደጉ ፈለጥኩ። ኣታኽልተኛ ዀይነ ኽዓዪ ፍቓደኛ ምዃነይ ድማ ንዝምልከቶም ገለጽኩ። እቲ ዘሐጕስ ከኣ ኣብቲ ኻብ በርን ዳርጋ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ሽተፊስበርግ ዝበሃል ናይ ሕርሻ ቦታ ኽዓዪ ተጸዋዕኩ። ዓቕመይ ዝፈቕደለይ ዘበለ ኣብቲ ሕርሻ ንዝነበሩ ካልኦት ኣሕዋት እውን ኣብ ስርሖም እሕግዞም ነበርኩ። ናይ ምትሕብባር መንፈስ ምህላው ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ቤትኤል ተማሂረ ኢየ።

ብ1936 ሓው ራዘርፎርድ ናብቲ ሕርሻ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣብ ቤትኤል ካብ ዝጸናሕኩሉ ዘይርስዖ እዋን ኢዩ። ኮሚደረና ገዘፍቲ ከም ዝዀነን ኣእካልና እውን ጽቡቕ ከም ዝፈረየን ምስ ረኣየ: ፍሽኽ ኢሉ እዚ ኸም ዘሐጐሶ ነገረኒ። ከመይ ዝበለ ተፈታዊ ሓው ዝነበረ ይመስለኩም!

ኣብቲ ሕርሻ ንሰለስተ ዓመት ኣቢለ ድሕሪ ምግልጋል: ሓደ ንግሆ እናቘረስና ኸሎና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጸት ደብዳበ ተነበት። እታ ደብዳበ ንህጹጽነት ናይ ዕዮ ስብከት እተጕልሕ ኰይና: ኣብ ወጻኢ ሃገር ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ዝደሊ እንተሎ እውን ጻውዒት እተቕርብ ነበረት። ነግ ፈረግ ከይበልኩ ወለንተኛ ዀይነ ቐረብኩ። ኣብ ግንቦት 1939 ከኣ ናብ ብራዚል ተመደብኩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጥቓ እቲ ሕርሻ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ቱን ኢየ ነይረ። ኣብ ሰናብቲ ኸኣ ካብ ቱን ብብሽክለታ ኽልተ ሰዓታት ኣቢሉ ናብ ዝወስድ ኣኽራን ኣልፕስ ብጕጅለ ኼድና ንሰብኽ ነበርና። ማርጋሪታ ስታይነር ሓንቲ ኻብቶም ጕጅለና ኢያ ነይራ። ብሃንደበት ሓደ ሓሳብ መጸኒ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በብኽልተ ክኸዱ ደይኰነን ዝለኣኾም፧ ጎቦጎቦ ገይረ ናብ ብራዚል ክኸይድ ከም እተመደብኩ ንማርጋሪታ ምስ ጠቐስኩላ: ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዝድለዩሉ ቦታ ኸይዳ ኸተገልግል ከም እትደሊ ገለጸትለይ። ብ31 ሓምለ 1939 ድማ ተመርዓና።

ዘይተጸበናዮ ዕንቅፋት

ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ናይ 1939 ካብ ሊ ሃቭረ: ፈረንሳ ናብ ሳንቶስ: ብራዚል ንምኻድ ብመርከብ ነቐልና። ኵሉ እቲ ከክልተ ሰብ ዝሕዝ ክፍልታት ስለ ዝመልአ: እተፈላለየ መደቀሲ ኽንሕዝ ነበረና። ኣብ ጕዕዞ ኸሎና ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ልዕሊ ጀርመን ውግእ ኸም ዝኣወጃ ዜና በጽሓና። ሰላሳ ኣቢሎም ዝዀኑ ጀርመናውያን ገያሾ ነዚ ዜና እዚ ምስ ሰምዑ ናይ ጀርመን ሃገራዊ መዝሙር ዘመሩ። እዚ ኸኣ ነቲ ካፕቴን ኣዝዩ ስለ ዘሕረቖ መገዱ ቐዪሩ ናብታ ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ወደብ ሳፊ ወሰደና። ናይ ጀርመን ሰነዳት ጕዕዞ ዝሓዙ ገያሾ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ካብታ መርከብ ክወርዱ ትእዛዝ ተመሓላለፈ። ስለዚ ንሕና እውን ተለከምና።

ኣብ መደበር ፖሊስ ሓደ መዓልቲ ምስ ጸናሕና: ኣብ ሓንቲ ኣረጊት ኣውቶቡስ ጠቕጢቖም ናብቲ 140 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ማራከሽ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ወሰዱና። ኣብኡ ድማ ተካል እዋን ኣሕለፍና። እቲ እተዳጐንናሉ ክፍልታት ብእሱራት እተጻበበን ጸልማትን ኢዩ ነይሩ። እቲ ዓይኒ ምድሪ ዅሉ ሳዕ ይዕበስ ነበረ። ንነፍሲ ወከፍና ንመደቀሲ ዝዀነና ረሳሕ ክሻ ተዋህበና: ለይቲ ለይቲ ድማ ኣናጹ ፈርሲ ዳንጋና ይነኽሳና ነበራ። ንመዓልቲ ዝወሃበና መቑነን ከኣ ክልተ ሳዕ ኰይኑ ኣብ መራት ታኒካ ኢዩ ዝወሃበና ነይሩ።

ሓደ መኰነን ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ ኸገልግል ፍቓደኛ እንተ ዀይነ: ክፍታሕ ምዃነይ ገለጸለይ። ነዚ ብምእባየይ ን24 ሰዓታት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ተዓጸኹ። ዝበዝሕ ካብቲ ግዜ እቲ ብጸሎት ኢየ ኣሕሊፈዮ።

ድሕሪ ሸሞንተ መዓልትታት ኣቢሉ እቶም ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንማርጋሪታ ኽርእያ ፈቐዱለይ። ኣዝያ ዓቢራ ነበረት: ንብዓታ ምቍጽጻር ኣብይዋ ኸኣ ጀረብረብ በለት። ኣነ ድማ ንኸተባብዓ ዝከኣለኒ ዘበለ ገበርኩ። ድሕርዚ መርመራ ተገብረልና እሞ ብባቡር ገይሮም ናብ ካዛብላንካ ወሰዱና: ኣብኡ ድማ ማርጋሪታ ተፈትሐት። ኣነ ግን ኣብቲ 180 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ፖርት ልያውተይ (ሕጂ ከኒትራ) ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐንኩ። ኣብቲ ዓዲ ዝነበረ ቆንስል ስዊዘርላንድ ንማርጋሪታ ናብ ዓዳ ኽትምለስ መኸራ: ንሳ ግን ገዲፋትኒ ኽትከይድ ኣይደለየትን። ኣብ ፖርት ልያውተይ ኣብ ዝጸናሕኩሉ ኽልተ ወርሓት: ካብ ካዛብላንካ መዓልቲ መዓልቲ እናተመላለሰት ትበጽሓንን መግቢ ተምጽኣለይን ነበረት።

ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ስርዓት ናዚ ኢድ ከም ዘይብሎም ንምሕባር ክሮይትሱግ ጌገን ዳስ ክርስተንቱም (ኣንጻር ክርስትና እተገብረ ውግእ መስቀላውያን) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣውጺኦም ነይሮም። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸለኹ ኣብ በርን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣባላት ናዚ ኸም ዘይኰንና ንምሕባር ነቶም ፈረንሳውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ደብዳበ ሰደደሎም: ምስታ ደብዳበ ድማ እዛ መጽሓፍ ነበረት። ማርጋሪታ እውን ናብ ሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ ብምኻድ ንጹሃት ምዃንና ካብ ምሕባር ዓዲ ኣይወዓለትን። ኣብ መወዳእታ 1939 ካብ ሞሮኮ ኽንከይድ ተፈቕደልና።

ይኹን እምበር: ናብ ብራዚል ምስ ነቐልና ናይ ጀርመን ዩ⁠-​ቦት ዝበሃላ ሳብማሪን ኣብተን ኣብ ኣትላንቲክ ዝመላለሳ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም ዘውርዳ ፈለጥና። ቀንዲ ዒላማ መጥቃዕቲ ድማ ኢና ኔርና። እታ ዣሚክ እትበሃል እተጐዓዝናላ መርከብ ናይ ንግዲ እኳ እንተ ነበረት: ብቕድሚኣን ብድሕሪኣን ግን መዳፍዕ ተኺላ ነይራ። እቲ ካፕቴን ድማ መዓልቲ መዓልቲ ጥውይዋይ መገዲ ይስዕብ: ብቐጻሊ ድማ መድፍዕ ይትኵስ ነበረ። ለይቲ ለይቲ ጀርመናውያን ምእንቲ ኸይረኽቡና ዋላ ሓንቲ መብራህቲ ኣይነብርህን ነበርና። ኣብ መወዳእታኡ ግን ካብ ኣውሮጳ ኻብ እንነቅል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸኒሕና ብ6 ለካቲት 1940 ኣብ ወደብ ሳንቶስ: ብራዚል ምስ በጻሕና እፎይ በልና።

እንደገና ናብ ቤት ማእሰርቲ

መጀመርታ ሞንተኔግሮ ኣብ እትበሃል ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ናይቲ ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ዝበሃል ግዝኣት ብራዚል ክንሰብኽ ተመደብና። መራሕቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ናብቲ ቦታ ኸም ዝመጻእና ብርግጽ ወረ በጺሕዎም ክኸውን ኣለዎ። ከመይሲ ንኽልተ ሰዓታት ጥራይ ምስ ሰበኽና: ፖሊስ መጺኦም ሓዙና: ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርባት ዝሓዘ ፎኖግራፍና: ጽሑፋትና: ከምኡውን ነቲ ኻብ ሞሮኮ ዘምጻእናዮ ብቘርበት ገመል እተሰርሐ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳና እውን ከይተረፈ ገበትዎ። ናብ መደበር ፖሊስ ምስ ከድና ሓደ ኻህንን ሓደ ቛንቋ ጀርመን ዝዛረብ ድያቆንን ኣብኡ ጸንሑና። እቲ ሓላፊ ፖሊስ ካብቲ እተገበተ ንብረትና ነቲ ሓው ራዘርፎርድ ዝሃቦ ዝርርባት ምስ ወልዖ ኸኣ ነቲ ዝርርብ ሰምዕዎ። ሓው ራዘርፎርድ ኣብቲ ዝርርቡ ጎቦጎቦ ኣይበለን። ንቫቲካን ክጠቅስ ምስ ጀመረ: እቲ ኻህን ገጹ ደም መሰለ: ብድድ ኢሉ ድማ ወጸ።

እቶም ፖሊስ ነቲ ኣቡን ሳንታ ማሪያ ዘቕረቦ ሕቶ ብምስማዕ ናብታ ናይታ ግዝኣት ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ፖርቶ ኣለግረ ወሰዱና። ማርጋሪታ ነዊሕ ከይጸንሐት ተፈትሐት እሞ ኣብቲ ዓዲ ኻብ ዝርከብ ቆንስል ስዊዘርላንድ ሓገዝ ሓተተት። እቲ ቆንስል ድማ ናብ ስዊዘርላንድ ክትምለስ ሓሳብ ሃባ። ሕጂውን እንደገና ገዲፋትኒ ኽትከይድ ኣይደለየትን። ማርጋሪታ ኣዝያ እምንቲ ብጸይተይ ምዃና ኣርእያ ኢያ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ መርመራ ተገብረለይ እሞ ተፈታሕኩ። እቶም ፖሊስ ድማ ወይ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ኻብቲ ግዝኣት ክንወጽእ: ወይ ከኣ “ዝመጸና ሳዕቤን ክንቅበል” ምርጫ ኣቕረቡልና። ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብ እተዋህበና ሓሳባት ተመርኲስና ናብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ገዓዝና።

“ነዛ ካርድ ግዳ ኣንብባ”

ኣብ ብራዚል ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣቀባብላ እኳ እንተ ኣጋጠመና: በዚ ግን ሓጐስና ኣየጥፋእናን! ሕስብ እሞ ኣብልዎ: ብህይወት ጸኒሕና: ዝኣኽለና ጽሑፋት ረኺብና: ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ክንሰብኽሲ እንታይ ዘየሐጕስከ ነይሩና፧ እንተዀነ ግን: ቋንቋ ፖርቱጋል ጽቡቕ ጌርና ከይፈለጥና እሞ ከመይ ጌርና ኢና ኽንሰብኽ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ምስክርነት ዝሓዘ ካርድ ሓጊዙና ኢዩ። ኣብ ዕዮ ስብከት ፈለማ እተመሃርናየን ቃላት “ፖር ፋቮር: ለያ ኢስተ ካርቱን ” (“ነዛ ካርድ ግዳ ኣንብባ”) ዝብላ ነበራ። እዚ ድማ ብዙሕ ኣሳልጦ ረኺብናሉ ኢና። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወርሒ ልዕሊ 1,000 መጻሕፍቲ ዓደልና። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዝወሰዱ ብዙሓት ሰባት ሓቂ ተቐበሉ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ካባና ንላዕሊ እቲ ጽሑፋትና ኢዩ መስኪሩ። እዚ ኸኣ ንጽሑፋትና ኣብ ኢድ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ከም ዝኣቱ ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ ኸም ዘስተውዕል ገበረኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ርእሲ ኸተማ ብራዚል ኢያ ነይራ: መልእኽትና ኸኣ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ጽቡቕ ተቐባልነት ይረክብ ነበረ። ንሚኒስተር ፋይናንስን ሚኒስተር ሰራዊትን ናይ ምምስካር ፍሉይ ኣጋጣሚ እውን ረኺበ ኢየ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ መንፈስ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ብንጹር ርእየ ኢየ።

ሓደ ግዜ ኣብ ማእከል ሪዮ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ እናመስከርኩ ኸለኹ: ኣብ ህንጻ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣተኹ። ከይተረድኣኒ ኸኣ ጸሊም ክዳን እተኸድኑ ሰባት ኣብ ዘለዉዋ ኽፍሊ ኣተኹ። እቲ ኣጋጣሚ ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ይመስል ነበረ። ፍልይ ዝበለ ኣከዳድና ናብ እተኸድነ ሰብ ቀሪበ ነታ ምስክርነት ዝሓዘት ካርድ ሃብክዎ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ግን ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ኣይነበረን። የግዳስ: ኣብ መንጎ መጋባእያ ኢየ ኣትየ: እቲ ካርድ ዝሃብክዎ ሰብኣይ ከኣ ዳኛ ኢዩ። ንሱ ድማ እናሰሓቐ ነቶም ወተሃደራት ገለ ኸይገብሩኒ ምልክት ሃቦም። ችልድረን b ዘርእስታ መጽሓፍ ወሰደ እሞ ወፈያ ኸኣ ገበረ። ካብታ ኽፍሊ ኽወጽእ ከለኹ: ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ፕሮይቢዳ ኣ ኢንትራዳ ደ ፐሶኣስ ኢስትራንያስ (ዘይምልከቶም ሰባት ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ) ዝብል ብጕሉሕ እተጻሕፈ ምልክት ኣርኣየኒ።

ካልእ ብዙሕ ፍረ ዝረኸብናሉ ቦታ ኸኣ እቲ ወደብ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ባሕረኛ ንጕዕዞ ቕድሚ ምንቃሉ ጽሑፋት ወሰደ። ደሓር ምስዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ተራኸብና። ኣብቲ ግዜ እቲ ብምሉኦም ኣባላት ስድራ​ቤቱ ሓቂ ተቐቢሎም ነበሩ: ንሱ ድማ ጽቡቕ ዕቤት ይገብር ነበረ። እዚ ብዙሕ ኣሐጒሱና ኢዩ።

ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ብዘይ​ ገለ ዕንቅፋት ኣይነበረን። እቲ ንሽዱሽተ ወርሒ እተዋህበና ቪዛ ምስ ወደቐ: ካብቲ ዓዲ ኸይንጥረዝ ፈሪህና ኔርና። ብዛዕባ ዅነታትና ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምስ ጸሓፍና ግን ካብ ሓው ራዘርፎርድ ብኸመይ ጸኒዕና ኽንቅጽል ከም እንኽእል ሓሳባት እትህብ ደብዳበ መጸትና። ባህግና ኣብ ብራዚል ክንጸንሕ ኢዩ ነይሩ: ብሓገዝ ሓደ ጠበቓ ድማ ብ1945 ቀዋሚ ቪዛ ተወሃብና።

ሓያሎ ዓመታት ዝወሰደልና ሓላፍነት

እዚ ቕድሚ ምዃኑ ግን ብ1941 ጆናታን: ብ1943 ሩት: ብ1945 ከኣ ኤስተር ዝበሃሉ ውሉዳት ወለድና። ስለዚ: ስድራይ ንምንባይ ዓለማዊ ስራሕ ጀመርኩ። ማርጋሪታ ግን እታ ሳልሰይቲ ውላድና ኽሳዕ እትውለድ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ስብከት ትካፈል ነበረት።

ደቅና ገና ብሕጻንነቶም ከለዉ ኣትሒዝና: ኣብ ኣደባባያት: ኣብ መደበራት ባቡር: ኣብ ጐደናታት: ከምኡውን ኣብ ናይ ዕዳጋ ቦታታት ብሓባር ንሰብኽ ነበርና። ቀዳም ቀዳም ምሸት መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንዕድል ነበርና: እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ ብፍላይ የሐጕሰና ነበረ።

ኣብ ገዛና ነፍሲ ወከፍ ውሉድ መዓልታዊ ኽገብሮ ዘለዎ ዕዮ ነበሮ። ጆናታን ምድጃን ክሽነን ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ነበሮ። እተን ኣዋልድ ከኣ ነታ መዝሓሊት የጽርያ: ካንሸሎ ይዅስትራ: ጫማታትና ድማ ይውልውላ ነበራ። እዚ ድማ ውሉዳትና ወዛላት ንኸይኰኑን ንስራሕ ተበግሶ ንኸሕድሩን ሓጊዝዎም ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ደቅና ገዝኦምን ንብረቶምን ጽቡቕ ገይሮም ዝሕዙ ጻዕራማት ሰብ ሓዳር ኢዮም: እዚውን ንዓይን ንማርጋሪታን ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሰና።

ንደቅና ኣብ ኣኼባታት ጽቡቕ ጠባይ ክህልዎም እውን ኣሰልጢንናዮም ኢና። ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ: ማይ ይሰትዩን ይሸኑን ነበሩ። ኣብ ኣኼባ ድማ ጆናታን ብጸጋመይ: ሩት ብየማነይ: ቀጺላ ማርጋሪታ: ኤስተር ከኣ ብየማና ኮፍ ይብሉ ነበሩ። እዚ ኸኣ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ብኣቓልቦ ንኽከታተሉን መንፈሳዊ መግቢ ንኽምገቡን ሓጊዝዎም ኢዩ።

የሆዋ ነዚ ዅሉ ጻዕርታትና ባሪኽዎ ኢዩ። ኵሎም ደቅና ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎን ኣብ ዕዮ ስብከት ብሓጐስ ይሳተፉን ኣለዉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ጆናታን ኣብታ ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ እትርከብ ጉባኤ ኖቮ መይር ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ክሳዕ 1970 ኣብ ዝነበረ እዋን ደቅና ዅላቶም ሓዳሮም ስለ ዝወጹ: ኣነን ማርጋሪታን ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዝድለዩሉ ቦታ ኼድና ኸነገልግል ወሰንና። መጀመርታ ናብታ ኣብ ግዝኣት ሚናስ ገራይስ እትርከብ 19 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበርዋ ከተማ ፖሶስ ዲ ካልዳስ ገዓዝና። መአከቢኦም ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቤት ብምንባሩ መሳዅቲ ኣይነበሮን: ብዙሕ ጽገና ኸኣ የድልዮ ነበረ። ነዚ ምስ ረኣኹ ሓዘንኩ። ብኡንብኡ ዝሓሸ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከነናዲ ጀመርና: ነዊሕ ከይጸናሕና ኸኣ ኣብ ጽቡቕ ቦታ ባህ ዘብል ህንጻ ረኸብና። እዚ ዓብዪ ለውጢ ኢዩ ኣምጺኡ። ከመይሲ: ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 155 በጽሐ። ብ1989 ናብታ ኣብ ግዝኣት ሪዮ ዲ ጃንየሮ እትርከብ ከተማ ኣራሩማ ገዓዝና: ኣብኡ ድማ ትሽዓተ ዓመታት ኣገልገልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽልተ ሓደስቲ ጉባኤታት ክቘማ ኸለዋ ብዓይንና ርኢና ኢና።

ካብቲ እተመደብናሉ ኣገልግሎት ፈልከት ብዘይ​ምባልና ዝረኸብናዮ ዓስቢ

ብ1998 ናይ ጥዕና ጸገማት ስለ ዘጋጠመና: ጥቓ ደቅና እውን ክንከውን ስለ ዝደለና ናብታ ኣብ ግዝኣት ሪዮ ዲ ጃንየሮ እትርከብ ከተማ ሳኦ ጎንሳሎ ገዓዝና። ሕጂ ኣነ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይነ አገልግል ኣለኹ። ኣብ ዕዮ ስብከት ስርዓታውያን ኴንና ንምስታፍ ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና። ማርጋሪታ ኣብ ጥቓና ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ድኳን ከይዳ ንሰባት ምምስካር የሐጕሳ ኢዩ: ጉባኤና ኸኣ ጥዕናና ከም ዘፍቅደልና ብቐሊሉ ምእንቲ ኽንሰብኽ ኢሎም ኣብ ጥቓ ኣባይትና ዝርከብ ዞባታት መዲቦምልና ኣለዉ።

ኣነን ማርጋሪታን ህይወትና ዝወፈና ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ እንኸውን ልዕሊ 60 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ‘ገዛእቲ ዀኑ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ: ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኽፈልየና ኸም ዘይኰነሉ’ ተመኲርናዮ ኢና። (ሮሜ 8:⁠38, 39) እቶም ኣብታ ባህ ዘብሉ ፍጥረታት ኣምላኽ ዝመልእዋ ፍጽምቲ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ዘለዎም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ክእከቡ ኸለዉ ምርኣይናስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጐስ ኰን ኢዩ! (ዮሃንስ 10:⁠16) ብ1940 ናብዛ ሃገር ክንመጽእ ከሎና: ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጃንየሮ 28 ኣስፋሕቲ ዝነበርዋ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ ኢያ ነይራ። ሎሚ ግን ልዕሊ 250 ጉባኤታትን ካብ 20,000 ኣጸቢቖም ዝዛይዱ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽን ኣለዉ።

ናብቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝሓደግናዮም ቤተሰብና ኽንምለሰሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ግን ኣብ ብራዚል ከነገልግል ኢዩ መዲቡና። ካብቲ እተመደብናሉ ኣገልግሎት ፈልከት ብዘይ​ምባልና ድማ ኣዚና ሕጉሳት ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት ኰይና ሕጂ ኣይትሕተምን ኢያ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት ኰይና ሕጂ ኣይትሕተምን ኢያ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መወዳእታ 1930ታት ኣብ ሽተፊስበርግ: ስዊዘርላንድ ዝነበረ ሕርሻ መንግስቲ ኣምላኽ (ኣነ ብጸጋማይ ጫፍ ኣለኹ )

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1939 ቀቅድሚ መርዓና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1940ታት ዝነበረት ካዛብላንካ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ስድራ​ቤትና ብሓባር ኴንና ኽንሰብኽ ከሎና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ከሎና