ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ዘኽእል ኣገዳሲ ረቛሒ

ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ዘኽእል ኣገዳሲ ረቛሒ

ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ዘኽእል ኣገዳሲ ረቛሒ

 “ይቕረታ ምሕታት ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። ከመይሲ ንግጭት ብሰላም ይፈትሖ: ኣብ መንጎ ሃገራት ንእተፈጥረ ዘይምስምማዕ የዐሪ: መንግስትታት ንስቓይ ዜጋታተን ኣፍልጦ ንኽህባሉ የኽእለን: ብሕታዊ ርክባትካ ድማ ኸም ዘይበላሾ ይገብር።” ከምዚ ኢላ ዝጸሓፈት እታ ብዙሕ መጻሕፍቲ እተሸጠላ ደራሲትን ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ታውን ድማ ናይ ቋንቋ ተመራማሪት ኰይና እትዓዪን ዴብራ ታነን ኢያ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ልቢ ይቕረታ ምሕታት ንዝሓርፈፈ ርክባት ዘዐሪ ኣስላጢ መገዲ ኸም ዝዀነ የረጋግጸልና ኢዩ። ንኣብነት: ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ: እቲ ወዲ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ኻብ ልቡ ይቕረታ ምስ ሓተተ: ኣቦኡ ተሓጒሱ ኸም እተቐበሎ ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 15:⁠17-24) እወ: ኵርዓትና ገዲፍና ይቕረታ ንምሕታት ክኸብደና የብሉን። ርግጽ ኢዩ: ንትሑታት ውልቀ⁠-​ሰባት ይቕረታ ምሕታት ኣይከብዶምን ኢዩ።

ይቕረታ ምሕታት ዘለዎ ሓይሊ

ጥንቲ ኣብ እስራኤል እትነብር ዝነበረት ኣቢጋይል እትበሃል ለባም ሰበይቲ ዝሓተተቶ ይቕረታ በዓል ቤታ ብዝፈጸሞ ጌጋ እኳ እንተ ነበረ: ይቕረታ ምሕታት ዘለዎ ሓይሊ ግን ኣርእያ ኢያ። እቲ ጸኒሑ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ዳዊት ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንሱን ሰቡን ንመጓሰ ናባል ሰብኣይ ኣቢጋይል ካብ ሓደጋ ይከላኸሉለን ነበሩ። ይኹን እምበር: ኣጕባዝ ዳዊት እንጌራን ማይን ደልዮም ናብ ናባል ምስ ከዱ ኣዋሪዱ ሰጐጎም። ዳዊት በዚ ስለ እተቘጥዐ 400 ዝዀኑ ሰብኡት ሒዙ ንናባልን ስድራ​ቤቱን ከጥፍኦም ተበገሰ። ኣቢጋይል ነዚ ዅነታት እዚ ምስ ፈለጠት ንዳዊት ክትረኽቦ ተበገሰት። ምስ ረኣየቶ: ኣብ እግሩ ወዲቓ “ኣታ ጐይታይ: እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን: በጃኻ: ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረብ: ዘረባ ገረድካውን ስማዕ” በለቶ። ድሕርዚ ነቲ ዅነታት ገለጸትሉ እሞ ዝብላዕን ዝስተን ገጸ በረኸት ሃበቶ። ዳዊት ድማ “ርአዪ: ዘረባኺ ሰሚዔ: ገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ: ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢ” ኢሉ መለሰላ።​—⁠1 ሳሙኤል 25:2-35

ኣቢጋይል ዝነበራ ትሕትናን ኣብ ክንዲ እቲ ሰብኣያ ዝገበሮ ሕማቕ ተግባር ዘቕረበቶ ይቕረታን ንህይወት ስድራ​ቤታ ኣድሒኑ ኢዩ። ዳዊት ኣብ ደም ካብ ምእታው ስለ ዝኸልከለቶ እውን ኣመስገና። ንዳዊትን ሰቡን ዝበደለት ኣቢጋይል እኳ እንተ ዘይነበረት: ነቲ በዓል ቤታ ዝፈጸሞ ጌጋ ተሰኪማ ምስ ዳዊት ሰላም ገበረት።

ይቕረታ ብምሕታት ዝመጸ ኣብነት ዝዀነና ካልእ ሰብ ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ። ሓደ እዋን ኣብ ቅድሚ እቲ ሳንሄድሪን ዝበሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ቐሪቡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይመጻረ ነበረ። እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ሃናንያ በቲ ጳውሎስ ካብ ቕንዕና ተበጊሱ እተዛረቦ ቓላት ስለ እተቘጥዐ ነቶም ኣብ ጥቕኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣፉ ኽዘብጥዎ ኣዘዞም። ጳውሎስ ከኣ “ኣታ ልቕሉቕ ጊድግዳ: ኣምላኽ ኪዘብጠካ እዩ: ንስኻ ኸምቲ ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ አሎኻ። እሞኸ ሕጊ ኣፍሪስካዶ ኺዘብጡኒ ትእዝዝ አሎኻ፧” በሎ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ንሊቀ ኻህናት ጸሪፍካ ኢሎም ምስ ከሰስዎ ግን ብኡንብኡ ጌግኡ ብምእማን “ኣሕዋተይ: ንሹም ህዝብኻ ኣይትጽረፍ: ተጽሒፉ አሎ እሞ: ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን” በሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 23:1-5

ጳውሎስ: እቲ ዳኛ ሓይሊ ኽጥቀም ከም ዘይብሉ እተዛረቦ ነገር ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ብዘይ​ፍላጥ ነቲ ሊቀ ኻህናት ኣኽብሮት ዝጐደሎ ጌርካ ኽርአ ብዝኽእል መገዲ ብምዝራቡ ይቕረታ ሓተተ። a በዚ ድማ እቲ ሳንሄድሪን ዘረባኡ ንኽሰምዖ መገዲ ጸረገ። ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ መጋባእያ ዝነበረ ዘይምስምማዕ እውን ይፈልጥ ብምንባሩ ብሰንኪ እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዘለዎ እምነት ይፍረዶ ኸም ዘሎ ነገሮም። እዚ ምስ በለ ፈሪሳውያን ብወገን ጳውሎስ ስለ ዝዀኑ ባእሲ ተላዕለ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 23:⁠6-10

ካብዚ ኽልተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት እንታይ ኢና እንመሃር፧ ኣብ ክልቲኡ መዳይ ካብ ልቢ ኸም እተጠዓስካ ምግላጽ ሓሳብካ ንምንጋር መገዲ ኸም ዝኸፍት ኢዩ ዝምህረና። ስለዚ ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንኽንፈጥር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እወ: ጌጋና ምእማንን ይቕረታ ምሕታትን ንሃናጺ ምይይጥ መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ።

‘ዝበደልክዎ ግን የብለይን’

ሓደ ሰብ ብዝበልናዮ ወይ ብዝገበርናዮ ኸም እተቐየመ ምስ እንፈልጥ: እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ዘይምኽንያታዊ ወይ እምብዛ ተነቃፊ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንወስዶ ንኽእል ኢና። የሱስ ክርስቶስ ግን ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ ኢዩ ዝመዓዶም:- “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።”​—⁠ማቴዎስ 5:23, 24

ንኣብነት: ሓደ ሓው ዝበደልካዮ ዀይኑ ኽስምዖ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ጌጋ ዝገበርካ ዀይኑ ይሰማዕካ ኣይሰማዕካ ብዘየገድስ ንስኻ ኬድካ ‘ምስቲ ሓውካ ኽትዕረቕ’ ከም ዘሎካ ኢዩ የሱስ ተዛሪቡ። እታ የሱስ ኣብዚ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ‘ክልቲኦም ተጻሊኦም ድሕሪ ምጽናሕ በደሎም ክተሓዳደጉ’ ኸም ዘለዎም ኢያ እተመልክት። (ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ) ክልተ ውልቀ⁠-​ሰባት ምስ ዝገራጨዉ: ክልቲኣቶም ዘይፍጹማትን ዝጋገዩን ስለ ዝዀኑ ኣብ ክልቲኦም በደል ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: ክልቲኣቶም ይቕረ ኽበሃሃሉ ኸድልዮም ኢዩ።

እቲ ጕዳይ ኣየናዮም ቅኑዕ ወይ ኣየናዮም ግጉይ ዝብል ዘይኰነስ: ሰላም ንምግባር መኖም ኢዩ ተበግሶ ዝወስድ ዝብል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነብሩ ክርስትያናት ንኣመንቲ ብጾቶም ብሰንኪ ኣብ መንጎኦም ዘጋጠመ ኸም ናይ ገንዘብ ምስሕሓብ ዝኣመሰለ ዘይምስምማዕ ናብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ይወስድዎም ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ “ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ: ከመይከ ዘይትግፍዑ፧” ኢሉ ኣረሞም። (1 ቈረንቶስ 6:7) ጳውሎስ ከምዚ ዝበለሉ ምኽንያት ብጾቱ ክርስትያናት ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎኦም እተፈጥረ ዘይምስምማዕ ናብ ዓለማዊ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ንኸይከዱ ኢሉ እኳ እንተዀነ: እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግን ንጹር ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝህሉ ሰላም: መን ቅኑዕ መን ከኣ ግጉይ ምዃኑ ኻብ ምርታዕ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ ዝብል ኢዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ምሓዝ: ነቲ ተበዲለ ዝብል ሰብ ይቕረታ ንኽንሓቶ ዝቐለለ ይገብሮ።

ልባዊ ክኸውን ይግባእ

ገሊኣቶም ሰባት ግን ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ኢዮም ይቕረታ ዝሓቱ። ንኣብነት: ኣብ ጃፓን ይቕረታ ንምሕታት ዝጥቀሙላ ቓል ሱሚማሰን እትብል ኰይና ፍቐዶኡ ኽጥቀሙላ ኢኻ እትሰምዓ። አረ ሕሉፍ ሓሊፎምስ ጽቡቕ ንዝገበረሎም ሰብ መሊሶም ክገብሩሉ ብዘይ​ምኽኣሎም እተሰምዖም ስምዒት ብምምልካት ምስጋና ንምግላጽ እውን ይጥቀሙላ ኢዮም። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ እተፈላለየ መዳይ ስለ እትውዕልን ሰባት ብተደጋጋሚ ስለ ዝጥቀሙላን ብሓቂ እቲ ዝብልዎ ካብ ልቢ ምዃኑ የጠራጥር ኢዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ጸገማት ክህሉ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ ይቕረታ ኽትሓትት ከሎኻ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ክኸውን የብሉን። እትጥቀመሉ ቓልን ቃና ድምጽኻን ብሓቂ በቲ ነገር ከም ዝጐሃኻ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ንደቀ መዛሙርቱ “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ” ኢሉ መሃሮም። (ማቴዎስ 5:37) እምበኣር ይቕረታ ኽትሓትት ከሎኻ ካብ ልብኻ ይኹን! ብዛዕባዚ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ:- ሓደ ሰብኣይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሪጋኡ እናተጸበየ ኸሎ ብድሕሪኡ ንዝነበረት ሰበይቲ ብቦርሳኡ ገይሩ ጕንጽ ስለ ዘበላ: ይቕረታ ሓተታ። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ እቲ ሪጋ ኽንቀሳቐስ ምስ ጀመረ: እታ ቦርሳ መሊሳ ነታ ሰበይቲ ጐነጸታ። እንደገና እዚ ሰብኣይ ብትሕትና ይቕረታ ሓተታ። ሳልሳይ ሳዕ ተመሳሳሊ ነገር ምስ ኣጋጠመ ምስታ ሰበይቲ ዝነበረ ኻልእ ሰብኣይ: ነቲ ይቕረታ ሓታቲ ብሓቂ ኻብ ልቡ እንተ ዀይኑ: እታ ቦርሳኡ ነታ ሰበይቲ ደጊም ኸም ዘይትትንክፋ ገይሩ ኽሕዛ ኸም ዝነበሮ ነገሮ። እወ: ካብ ልቢ ይቕረታ ትሓትት እንተደኣ ሃሊኻ: ነቲ ጌጋ ንኸይትደግሞ እውን ቈራጽነት ክህልወካ ይግባእ።

ይቕረታ ኽንሓትት ከሎና ኻብ ልቢ እንተ ዀይኑ: ንዅሉ ጌጋና ንእመን: ጌጋና ንኽግደፈልና ንሓትት: ዓቕምና ብዝፈቕደልና ኸኣ ነቲ ዝጐዳእናዮ ኽንክሕስ ንጽዕር። እቲ እተበደለ እውን ነቲ እተጣዕሰ በዳሊ ንኽሓድገሉ ድሉው ክኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 18:⁠21, 22፣ ማርቆስ 11:⁠25፣ ኤፌሶን 4:⁠32፣ ቈሎሴ 3:⁠13) ክልቲኣቶም ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ: ሰላም ንምፍጣር ዝገብርዎ ጻዕሪ ኸቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ሓያል ጽልዋ ኣለዎ።

ይቕረታ ምሕታት ግቡእ ዘይኰነሉ እዋን

ይቕረታ ምሕታት ንጸገማት ዝፈትሕን ሰላም ዘምጽእን እኳ እንተዀነ: መስተውዓሊ ሰብ ግን ኣብ ዘይግቡእ እዋን ነዚ ቓላት እዚ ኣይጥቀመሉን ኢዩ። ንኣብነት: ንኣምላኽ ብዛዕባ ዘሎካ ንጽህና ዝምልከት ጕዳይ ተላዒሉ ንበል። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።” (ፊልጲ 2:8) እንተዀነ ግን: ስቓዩ ምእንቲ ኽንከየሉ ኢሉ ንእምነቱ ኣመልኪቱ ይቕረታ ኣይሓተተን። እቲ ሊቀ ኻህናት “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና: በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ” ምስ በሎ እውን ብሕፍረት ይቕረታ ኣይሓተተን። የግዳስ ብትብዓት “ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ: ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ: ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም: እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ኢዩ መሊሱሉ። (ማቴዎስ 26:63, 64) ምስቲ ሊቀ ኻህናት ሰላም ንኽገብር ኢሉ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኡ ዝነበሮ ንጽህና ከበላሹ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣይነበሮን።

ክርስትያናት ኣብ ስልጣን ንዘለዉ ሰባት ኣኽብሮት የርእዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ እዙዛት ብምዃኖምን ንኣሕዋቶም ብምፍቃሮምን ንዝቐርበሎም ክሲ ይቕረታ ኽሓቱ የብሎምን።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ ሮሜ 13:⁠5-7

ንሰላም ዝዘርግ ኣይክህሉን ኢዩ

ኣብዚ ግዜና ኻብ ኣቦና ኣዳም ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ስለ ዝወረስና ጌጋታት ንገብር ኢና። (ሮሜ 5:⁠12፣ 1 ዮሃንስ 1:⁠10) ኣዳም ክሓጥእ ዝኸኣለ: ካብ ፈጣሪ ምስ ዓለወ ኢዩ። ኣብ ፈለማ ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማትን ሓጢኣት ዘይብሎምን ኢዮም ነይሮም: ኣምላኽ ድማ ንደቅ​ሰብ ኣብ መጻኢ ኣብቲ ደረጃ እቲ ኸብጽሖም ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። ንሓጢኣትን ኵሉ ሳዕቤ​ናቱን ፈጺሙ ኽድምስሶ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠56, 57

እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ልሳንና ምኽሪ ኽህብ ከሎ “ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ: ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” በለ። (ያእቆብ 3:⁠2) ፍጹም ሰብ ንልሳኑ ኽቈጻጸር ይኽእል ኢዩ: በደል ስለ ዘይብሉ ድማ ይቕረታ ኽሓትት ኣየድልዮን ኢዩ። ከመይሲ ‘ንብዘሎ ስጋኡ ኽለጕም ይከኣሎ ኢዩ።’ ስለዚ: ፍጹማት ምስ ኰንናስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ክኸውን! ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ውልቀ⁠-​ሰባት ንዝህሉ ሰላም ዝዘርግ ነገር ኣይክህሉን ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ንዝፈጸምናዮ ጌጋ ልባውን ግቡእን ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ዓብዪ ኣበርክቶ ክህልዎ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምናልባት ጳውሎስ ዓይኑ ድኹም ብምንባሩ ኢዩ ነቲ ሊቀ ኻህናት ከለልዮ ዘይከኣለ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ኣብነት ጳውሎስ እንታይ ኢና እንመሃር፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኵሉ ሰብ ፍጹም ምስ ኰነ: ንሰላም ዝዘርግ ኣይክህሉን ኢዩ