ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ይቕረታ ምሕታት ክሳዕ ክንድዚ ዝኸብድ ስለምንታይ ኢዩ፧

ይቕረታ ምሕታት ክሳዕ ክንድዚ ዝኸብድ ስለምንታይ ኢዩ፧

ይቕረታ ምሕታት ክሳዕ ክንድዚ ዝኸብድ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ኣብ ሓምለ 2000 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ሓጋግ ኣካል ግዝኣት ካሊፎርንያ ነቶም ሓደጋ ማኪና ምስ ኣጋጠመ ነቲ ጕድኣት ዝበጽሖ ሰብ ድንጋጽ ዘርእዩ ሰባት ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ሕጊ ኣርቀቐ። እዚ ሕጊ እዚ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም እሞ ሰባት ይቕረታ እንተ ሓቲቶም ገበነኛታት ምዃኖም ኣፍልጦ ኸም ዝሃቡ ምእንቲ ኸይቍጸር ኢሎም ይቕረታ ምሕታት ከም ዝገደፍዎ ስለ እተራእየ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ እቶም ብኡንብኡ ይቕረታ ኽሕተቱ ዝጽበዩ እውን ይበሳጨዉ ኢዮም: ንኣሽቱ ሓደጋታት ማኪና ኸኣ ናብ ዓብዪ ባእሲ የምርሕ።

ልክዕ ኢዩ: ብዘይ​ፈጸምካዮ ጌጋ ይቕረታ ኽትሓትት የብልካን። ነቲ እትዛረቦ ቓላት ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ ግዜ እውን ኣሎ። ጥንቲ እተጻሕፈ ምስላ “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስአኖን: ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ” ይብል። (ምሳሌ 10:19፣ 27:12) ይኹን እምበር: ምቕሉልን ንሰባት እትሕግዝን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ዋላ እውን ኣብ ቤት ፍርዲ ዘቕርቦም ጕዳይ እንተ ዘይሃለወ: ይቕረታ ምሕታት ይገድፍዎ ምህላዎም ርኡይዶ ኸይኰነ፧ ኣንስቲ ‘በዓል⁠-​ቤተይ ይቕረታ ሓቲቱኒ ኣይፈልጥን ኢዩ’ ኽብላ ይስምዓ ኢየን። ኣሕሉቕ ሰራሕተኛታት እውን ‘ሰራሕተኛታተይ ጌጋታቶም ኣይእመኑን ኢዮም: “ኣይትሓዘለይ” እትብል ቃል እውን ዳርጋ ኣየውጽእዋን ኢዮም’ ይብሉ። መምህራን ድማ ‘ውሉዳት ኣይትሓዘለይ ንኽብሉ ኣይሰልጠኑን’ ዝብል ጸብጻብ ይህቡ ኢዮም።

ሓደ ኻብቲ ንሰባት ይቕረታ ንኸይሓቱ ዝገብሮም ነገር ብኻልኦት ንኸይጽልኡ ኢዩ። ካብ ሰባት ንኸይግለሉ ስለ ዝፈርሁ: ናይ ሓቂ ስምዒቶም ክሓብኡ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ከምዚ ምግባር ነቲ እተበደለ ኻብቲ በዳሊ ኣጸቢቑ ንኽርሕቕን ዕርቂ ንምውራድ እውን ኣዝዩ ዘጸግም ከም ዝኸውንን ክገብር ይኽእል ኢዩ።

ገሊኣቶም ሰባት ይቕረታ ዘይሓቱሉ ምኽንያት ከኣ ንስምዒት ካልኦት ሰባት ግዲ ስለ ዘይገብርሉ ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ይቕረታ ምሕታት ነቲ ዝገበርክዎ ጌጋ ኣየዐርዮን ኢዩ’ ዝብል ምኽንያት የምጽኡ ይዀኑ። ገሊኣቶም ከኣ ክመጾም ዝኽእል ሳዕቤን ብምፍራህ ኣይትሓዘለይ ኣይብሉን ይዀኑ። ‘በቲ ጕዳይ ተሓታቲ ብምዃን ዕደዮ እበሃልዶ ዀን እኸውን፧’ ኢሎም እውን ይሓስቡ። እንተዀነ ግን: ጌጋኻ ንዘይምእማን ዓባይ ዕንቅፋት ኰይና ዘላ ትዕቢት ኢያ። ዕቡይ ብምዃኑ “ኣይትሓዘለይ” ክብል ዘይደሊ ሰብ ‘ጌጋይ ክእመን ክብል ኣብ ቅድሚ ሰብ ክዋረድ ኣይደልን ኢየ። እዚ ኽብረይ ዘሕስር ኢዩ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘለዎ።

በዚ ዀነ በቲ ብዙሓት ሰባት ይቕረታ ምሕታት ይኸብዶም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ይቕረታ ምሕታት ብሓቂዶ ኣድላዪ ኢዩ፧ እንታይ ጥቕሚኸ ኣለዎ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

“ውሉዳት ኣይትሓዘለይ ንኽብሉ ኣይሰልጠኑን”

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

“ሰራሕተኛታተይ ጌጋታቶም ኣይእመኑን ኢዮም”

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

“በዓል⁠-​ቤተይ ይቕረታ ሓቲቱኒ ኣይፈልጥን ኢዩ”