ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቢርና ነገልግል

ሓቢርና ነገልግል

ሓቢርና ነገልግል

“ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ።”​—⁠ጸፎንያስ 3:9

1. ንጸፎንያስ 3:⁠9 ብዝምልከት እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧

 ኣብዚ ግዜና ኣብ መላእ ምድሪ ዳርጋ 6,000 ቋንቋታት ኣሎ። ብዘይ​ዚውን እተፈላለየ ላህጃታት ኣሎ። ሰባት ኣዝዩ እተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ እኳ እንተዀኑ: ኣምላኽ ግን ሓደ ዘደንቕ ነገር ገይሩ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ሓደ ጽሩይ ቋንቋ ኸም ዝመሃሩ ገይርዎም ኢዩ። እዚ ድማ ፍጻሜ ናይቲ ብነብዪ ጸፎንያስ ገይሩ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ኢዩ:- “ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ [ኣነ የሆዋ ኣምላኽ] ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ጽሩይ ቋንቋ:” NW ] ክመልሰሎም እየ።”​—⁠ጸፎንያስ 3:9

2. “ጽሩይ ቋንቋ” እንታይ ኢዩ: እንታይ ንምግባርከ ኢዩ ኣኽኢሉ፧

2 እቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እታ ስም የሆዋ እትቕድስን ሉዓላውነቱ እተረጋግጽን ንደቅ​ሰብ በረኸት እተምጽኣሎምን መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓቂ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) እዚ ቛንቋ እዚ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ብመንፈሳዊ መገዲ ጽሩይ ክበሃል ዝኽእል እንኮ ቋንቋ ስለ ዝዀነ: ካብ ኵሎም ህዝብታትን ዓሌታትን እተዋጽኡ ሰባት ይዛረብዎ ኣለዉ። ንየሆዋ “ሐቢሮም” ንኸገልግልዎ ኸኣ የኽእሎም። ስለዚ: ብሓድነት ወይ “ብስምምዕ” የገልግልዎ ማለት ኢዩ።​—⁠ዘ ኒው እንግሊሽ ባይብል

ንኣድልዎ ቦታ የብሉን

3. ንየሆዋ ብሓድነት ንኸነገልግሎ ዘኽእለና እንታይ ኢዩ፧

3 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ ኣሕዋትና ዘሎ ምትሕብባር ነማስወሉ ኢና። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ንሰብኽ እኳ እንተ ዀንና: ንኣምላኽ ግን ብሓድነት ኢና እነገልግሎ። (መዝሙር 133:⁠1) እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምጽእ ሓደ ጽሩይ ቋንቋ ስለ እንዛረብ ኢዩ።

4. ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ኣድልዎ ኽህሉ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ኣድልዎ ኽህሉ የብሉን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ቤት እቲ ኻብ ኣህዛብ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ዝበሃል ሓለቓ ጭፍራ ክሰብኽ ከሎ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ብምባል ነዚ ንጹር ገበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ከምዚ ኻብ ኰነ: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኣድልዎ: ንምጕጅጃል: ወይ ንሻርነት ቦታ የብሉን።

5. ንጉባኤ ዝጐጃጅል ነገራት ምግባር ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ሓንቲ ናይ ኮለጅ ተማሃሪት ናብ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ምኻዳ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ንኣባላት ሓደ ውሱን ዓሌት ወይ ቀቢላ ኢየን ዝሓቝፋ። . . . ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኵሎም ብሓባር ኮፍ ኢሎም ነበሩ: ኣብ ማእከሎም እውን ምጕጅጃል ኣይነበረን” በለት። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ኣባላት ናይታ ጥንቲ ዝነበረት ጉባኤ ቈረንቶስ ምጕጅጃል ይፈጥሩ ነበሩ። እዚውን ባእሲ ብምምጽኡ ነቲ ሓድነትን ሰላምን ዘምጽእ መንፈስ ቅዱስ ይጻረርዎ ነበሩ። (ገላትያ 5:⁠22) ኣብ ጉባኤና ምጕጅጃል እንተ ፈጢርና: ምስ መሪሕነት ናይቲ መንፈስ ኢና እንጻረር ዘሎና። ስለዚ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ኣሕዋተየ: ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ: ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር: ምፍልላይ ከይህልወኩም: እምዕደኩም አሎኹ” ብምባል ዝሃቦም ማዕዳ ንዘክሮ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠10) ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ እውን ብዛዕባ ሓድነት ኣርዚኑ ጽሒፉ ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠1-6, 16

6, 7. ያእቆብ ብዛዕባ ኣድልዎ እንታይ ማዕዳ ኢዩ ዝሃበ: እዚኸ ኣብዚ ግዜና ዝዓዪ ብኸመይ ኢዩ፧

6 ክርስትያናት ወትሩ ኣድልዎ ዘይብሎም ክዀኑ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሎም። (ሮሜ 2:⁠11) ገሊኣቶም ኣባላት ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ነቶም ሃብታማት ሓለፋ የርእዩ ስለ ዝነበሩ: ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ኣሕዋተይ: እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ጐይታ ኽብሪ: ብዘይ​ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ: ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ አተወ: ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ: እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ እንተ ርኤኹም: ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ: እንተ በልኩምዎ: ነቲ ድኻ ድማ: ንስኻስ ኣብቲ ደው በል: ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ: እንተ በልኩምዎ: ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን: ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧”​—⁠ያእቆብ 2:1-4

7 ቀለቤት ወርቅን ባዕባዕ ዝብል ክዳንን እተኸድኑ ሃብታማት ዘይኣመንትን ረሳሕ ክዳን እተኸድኑ ድኻታት ዘይኣመንትን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ እንተ መጺኦም: ነቶም ሃብታማት ፍሉይ ቈላሕታ ይግበረሎም ነበረ። እቶም ሃብታማት ኣብ “ጽቡቕ ስፍራ” ክቕመጡ ኸለዉ: እቶም ድኻታት ግን ደው ክብሉ ወይ ኣብ ባይታ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገሊኣቶም ሰባት ይቕመጡ ነበሩ። ኣምላኽ ግን ንበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ብዘይ ኣድልዎ ንሃብታማት ኰነ ንድኻታት ኢዩ ኣዳልይዎ። (እዮብ 34:⁠19፣ 2 ቈረንቶስ 5:⁠14) ስለዚ: ንየሆዋ ኸነሐጕስን ሓቢርና ኸነገልግሎን እንተደኣ ደሊና: ኣድልዎ ኸነርኢ ወይ ‘ምእንቲ ጥቕሚ ርእስና ኢልና ንገጽ ሰብ ክንንእድ’ የብልናን።​—⁠ይሁዳ 4, 16

ካብ ምጕርምራም ርሓቕ

8. እስራኤላውያን ብምጕርምራሞም እንታይ ሳዕቤን ኢዮም ዓጺዶም፧

8 ሓድነትና ምእንቲ ኽንዕቅብን ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይነጥፍእን: ነቲ ጳውሎስ “ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራም . . . ግበርዎ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕብ ኣሎና። (ፊልጲ 2:14, 15) እቶም እምነት ዘይነበሮም እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ወጹ ኣብ ሙሴን ኣሮንን ብእኡ ኣቢሎም ድማ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ኣጕረምሪሞም ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዘይ​ካ እቶም እሙናት ዝነበሩ እያሱን ካሌብን ሌዋውያንን ኵሎም ደቂ 20 ዓመትን ካብኡ ንላዕሊ ዝነበሩን ሰብኡት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኣይኣተዉን: የግዳስ ኣብቲ 40 ዓመት ዝወሰደ ጕዕዞ በረኻ ሃለቑ። (ዘሁልቍ 14:⁠2, 3, 26-30፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠10) ብሰንኪ ምዕዝምዛሞምሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሕማቕ ሳዕቤን ኢዮም ዓጺዶም!

9. ሚርያም ብምጕርምራማ እንታይ ወረዳ፧

9 እዚ ታሪኽ እዚ ብደረጃ ህዝቢ ንመጕረምረምቲ እንታይ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል የርኢ። ንመጕረምረምቲ ውልቀ⁠-​ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞም፧ ሓደ እዋን ሚርያም ሓብቲ ሙሴን ኣሮን ሓዋን “እግዚኣብሄርሲ ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧” ኢሎም ኣጕረምረሙ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ” ይብለና። (ዘሁልቍ 12:1, 2) ሳዕቤኑኸ እንታይ ነበረ፧ እታ ኣብዚ ምዕዝምዛም እዚ መሪሕነት ወሲዳ ክትከውን ዘለዋ ሚርያም ብኣምላኽ ተዋረደት። ብኸመይ ኢያ እተዋረደት፧ ብለምጺ ተወቕዐት: ክሳዕ እትነጽህ ድማ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ክትዕጾ ተገደደት።​—⁠ዘሁልቍ 12:⁠9-15

10, 11. ቀይዲ ዘይተገብረሉ ምጕርምራም እንታይ ከስዕብ ይኽእል፧ ግለጽ።

10 ምጕርምራም ክበሃል ከሎ ብዛዕባ ሓደ ጌጋ ጥርዓን ምቕራብ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ብዘይ​ምቍራጽ ዘጕረምርሙ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ኣምላኽ ናብ ገዛእ ርእሶም ክትኰር ስለ ዝደልዩ: ብቐዳምነት ብዛዕባ ስምዒታቶምን ቦታኦምን ኢዮም ዝግደሱ። እዚ ብኣጋኡ እንተ ዘይተቐይዱ: ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምክፍፋል የምጽእ: ነቲ ንየሆዋ ብሓባር ንምግልጋል ዝገብርዎ ጻዕሪ ድማ ይዓናቕፎ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ መጕረምረምቲ ምሳና ዝውግኑ ገለ ተደናገጽቲ እንተ ረኸብና ኢሎም ወትሩ ስለ ዘማርሩ ኢዩ።

11 ንኣብነት: ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኣቀራርባ ኽፍሊ ናይ ሓደ ሽማግለ ወይ ብዛዕባ እቲ ንሓላፍነቱ ዝስከመሉ ኣገባብ ይነቅፍ ይኸውን። ነቲ መዕዘምዘሚ እዝኒ ንህቦ እንተደኣ ዄንና: ኣተሓሳስባኡ ኽሰርጸና ይኽእል ኢዩ። እቲ ምጥርጣር ኣብ ኣእምሮና ኽሳዕ እተዘርኣሉ እዋን: ናይቲ ሽማግለ ተግባር ኣየበሳጭወናን ይኸውን: ድሕርዚ ግን ከበሳጭወና ይጅምር። ኣማስያኡ ኸኣ ዝዀነ ይኹን እቲ ሽማግለ ዝገብሮ ተግባራት ጌጋ ዀይኑ ይስምዓና: ንሕናውን ከነጕረምርም ንጅምር። እዚ ዓይነት ባህሪ እዚ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ተቐባልነት የብሉን።

12. ምጕርምራም ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘሎና ርክብ እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል፧

12 ኣብቶም ንመጓሰ ኣምላኽ ዝጓስዩ ሰብኡት ምጕርምራም ናብ ምጽራፍ ከምርሕ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጕርምራም ወይ ምጽላም ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣጸቢቑ ኽጸልዎ ይኽእል ኢዩ። (ዘጸኣት 22:⁠28) ተጻረፍቲ ድማ እንተ ዘይተነሲሖም መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርስዋን ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:⁠11፣ 6:⁠10) ይሁዳ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ እቶም ‘ንጕይትነት ዘቃልሉ: ንመዓርጋት ክብሪውን ዝጸርፉ’ ማለት ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ብዘለዉ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዘዕዘምዝሙ መጕረምረምቲ ጽሒፉ ኣሎ። (ይሁዳ 8) እዞም መጕረምረምቲ ሞገስ ኣምላኽ ስለ ዘይብሎም: ካብ እከይ መገዶም ክንርሕቕ ኣሎና።

13. ኵሉ ዓይነት ምጕርምራም ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ይኹን እምበር: ኵሉ ዓይነት ምጕርምራም ንኣምላኽ ዘጕሂ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ሶዶምን ጎሞራን ናብኡ ዝበጽሐ “ጭራሕምራሕ” ዕሽሽ ኣይበሎን: የግዳስ ነዘን እኩያት ከተማታት ኣጥፊእወን ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:⁠20, 21፣ 19:⁠24, 25) ደድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም “እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት: ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን: ኣብቶም እብራውያን ኣጕረምረሙ።” ስለዚ: እቶም “ዓሰርተው ክልተ” ነቶም ‘ብጽቡቕ እተመስከረሎም ሾብዓተ ሰብኡት ነዚ ጕዳይ እዚ’ ብምምዛዝ ነቲ ነገር ኣረምዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሽማግለታት እውን ነቲ ግቡእ ዓይነት ጥርዓን ‘እዝኖም ክዓጽዉ’ የብሎምን። (ምሳሌ 21:⁠13) ንኣመንቲ ብጾቶም ኣብ ክንዲ ምንቃፍ ከኣ ዘተባብዑን ዝሃንጹን ክዀኑ ኣለዎም።​—⁠1 ቈረንቶስ 8:⁠1

14. ካብ ምጕርምራም ንምርሓቕ ብፍላይ እተድልየና ባህሪ እንታይ ኢያ፧

14 ኵላትና ካብ ምጕርምራም ክንርሕቕ ኣሎና: ከመይሲ እዚ ባህሪ እዚ ብመንፈስ ሃሳዪ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ድማ ንሓድነትና ይዘርጎ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ወትሩ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ፍቕሪ ንኸፍሪ ንፍቀደሉ። (ገላትያ 5:⁠22) ምስቲ ‘ንጉሳዊ ሕጊ ፍቕሪ’ ተሰማሚዕና ምኻድ ንየሆዋ ብሓባር ንኸነገልግሎ ይሕግዘና ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 2:⁠8፣ 1 ቈረንቶስ 13:⁠4-8፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠8

ካብ ሕሜት ተጠንቀቕ

15. ኣብ መንጎ ውልፍስናን ሕሜትን ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

15 ምጕርምራም ናብ ወልፈስፈስ ምባል ክመርሕ ስለ ዝኽእል: ብዛዕባ እቲ እንብሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ውልፍስና ብዛዕባ ሰባትን ጕዳያቶምን ብዙሕ ምዝራብ ማለት ኢዩ። ሕሜት ግን ንሓደ ሰብ ንምጽላም ኰነ ኢልካ ብዛዕባኡ ሓሶት ምዝራብ ማለት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ሃሳዪን እከይን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ክትሐሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር: ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል” ኢሉ ዝኣዘዞም።​—⁠ዘሌዋውያን 19:16

16. ጳውሎስ ብዛዕባ ገሊኣተን ወልፋሳት ኣንስቲ እንታይ ኢዩ ዝበለ: እዚ ማዕዳ እዚኸ ብኸመይ ክትንክፈና ኣለዎ፧

16 ውልፍስና ናብ ሕሜት ክመርሕ ስለ ዝኽእል: ጳውሎስ ንገሊኣተን ወልፋሳት ኣንስቲ መጠንቀቕታ ሂብወን ኢዩ። ንጉባኤ ንምሕጋዝ ብቕዓት ዘለወን መበለታት ድሕሪ ምጥቃሱ: ገሊኣተን ግን “ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምሀራ: ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር: ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን” ኢሉወን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:11-15) ሓንቲ ክርስትያን በዚ ዝመጸ ድኽመት እንተደኣ ሃልይዋ: ነቲ ጳውሎስ ‘ረዛንን ዘይትሓምን’ ክትከውን ዝሃቦ ማዕዳ ኽትስዕብ ይግባእ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠11) ክርስትያናት ሰብኡት እውን ዘየድሊ ዘረባ ዘብዝሑ ክዀኑ የብሎምን።​—⁠ምሳሌ 10:⁠19

ኣይትፍረድ!

17, 18. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ንሓውና ምፍራድ ዝመጸ እንታይ በለ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ምፍራድ እተዛረቦ ቓላት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧

17 ንዋላ ሓደ ሰብ እኳ እንተ ዘይሓመና: ፈረድቲ ኸይንኸውን ጻዕሪ ኽንገብር ከድልየና ኢዩ። የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ዀኒንዎ ኢዩ:- “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም: ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ: ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውኻ: ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ: ትብሎ፧ እንሆ: ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ: ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።”​—⁠ማቴዎስ 7:1-5

18 ግቡእ ፍርዲ ናይ ምፍራድ ክእለትና ብምሳልያዊ “ጕንዲ” ተመዛቢሉ ኸሎ: ካብ ዓይኒ ሓውና “በሰር” ከነውጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ መሓሪ ምዃኑ ንግንዘብ እንተደኣ ዄንና ድማ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ምፍራድ ባህሪ ኣይህልወናን ኢዩ። ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ጌርና ኽንርድኦም ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ የሱስ “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ኽብል ሓቁ ኢዩ። ንዘይፍጽምናና ብቕንዕና ምምርማር: ኣምላኽ ዘይፈትዎ ፍርዲ ንኸይንገብር ክዓግተና ኣለዎ።

ድኹማት ግን ከኣ ክቡራት

19. ንኣመንቲ ብጾትና ብኸመይ ክንርእዮም ይግባእ፧

19 ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ንኣምላኽ ከነገልግል እንተደኣ ቘሪጽና: ፈረድቲ ኻብ ምዃን ንርሕቕ ጥራይ ዘይኰነስ ኣኽብሮት ንኸነርእዮም እውን ተበግሶ ንወስድ ኢና። (ሮሜ 12:⁠10) ንጥቕሞም ደኣ እምበር ጥቕሚ ርእስና እውን ኣይንደልን ኢና: ንዖኦም ዝረብሕ ትሑት ዕዮ ድማ ተሓጒስና ንዓዪ ኢና። (ዮሃንስ 13:⁠12-17፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠24) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ መንፈስ ብኸመይ ክንዕቅብ ንኽእል፧ ኵሉ ኣማኒ ብጻይና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቡር ምዃኑ ከምኡውን ልክዕ ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ወድሰብ ምስ ካልኦት ኣካላት ተደጋጊፉ ዝነብር ንሕናውን ንሓድሕድና ተደጋጊፍና ኸም እንነብር ምስ እንዝክር ነዚ መንፈስ እዚ ኽንዕቅቦ ንኽእል ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 12:⁠14-27

20, 21. ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠20, 21 ዘሎ ቓላት ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

20 ክርስትያናት ክቡር መዝገብ ናይ ኣገልግሎት ብሕድሪ እተዋህቦም ድኹማት ኣቕሓ መሬት ምዃኖም ዘይከሓድ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠7) ስለዚ ንየሆዋ ናይ ምውዳስ ቅዱስ ዕዮ ኽንፍጽም እንተደኣ ዄንና: ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ ወዱን ኣኽቢርካ ዝርአ ኣቕዋም ክህልወና ኣለዎ። ብስነ⁠-​ምግባር ኰነ ብመንፈስ ንጹሃት ምስ እንኸውን ጥራይ ድማ ኢና ኣምላኽ ዝጥቀመልና ኣቕሓ ኽብሪ እንኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር: ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ: ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ: ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ: ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:20, 21

21 ምስቲ ኣምላኽ ዝሓቶ ብቕዓታት ተሰማሚዖም ዘይመላለሱ ውልቀ⁠-​ሰባት ‘ኣቕሓ ውርደት’ ኢዮም። ይኹን እምበር: መገዲ ኣምላኽ እንተ ስዒብና: ‘ኣቕሓ ኽብሪ: ንኣገልግሎት የሆዋ እተቐደስና ወይ እተፈለና: ከምኡውን ንሰናይ ግብሪ እተዳሎና’ ኽንከውን ኢና። ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ‘ “ኣቕሓ ኽብሪ” ድየ፧ ኣብ ኣመንቲ ብጾት ጽቡቕ ጽልዋ አሕድር ድየ፧ ምስ ክርስትያናት ብጾተይ ብሓባር ዝዓዪ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

ሓቢርና ምግልጋል ንቐጽል

22. ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ምንታይ ክትመሳሰል ትኽእል፧

22 ክርስትያናዊት ጉባኤ ልክዕ ከም ሓንቲ ስድራ​ቤት ኢያ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሓንቲ ስድራ​ቤት ንየሆዋ ዘምልኽ እንተደኣ ዀይኑ: ፍቕርን ምትሕግጋዝን ባህ ዘብል ሃዋሁን ይሰፍን ኢዩ። ኣብታ ስድራ​ቤት እተፈላለየ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ክህልዉ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ኵላቶም ግን ኣኽቢርካ ዝርአ ግደ ኣለዎም። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ዅነታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ኵላትና እተፈላለናን ዘይፍጹማትን እኳ እንተ ዀንና: ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ናብኡ ስሒቡና ኢዩ። (ዮሃንስ 6:⁠44፣ 14:⁠6) የሆዋን የሱስን የፍቅሩና ኢዮም: ኣባላት ሓድነት ዘለዋ ስድራ​ቤት ስለ ዝዀንና ድማ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣሎና።​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠7-11

23. እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና: እንታይ ንምግባርከ ኢና ቘራጽነት ክንወስድ ዘሎና፧

23 እቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ኸም ናይ ስድራ​ቤት ዝኣመሰለ ምድላው እውን ተኣማንነት ክህሉ ትጽቢት እንገብረሉ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰብኡት ብዘይ​ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት [“እሙናት:” NW ] ኣእዳው ኣልዒሎም: ኣብ ኵሉ ስፍራ ኺጽልዩ: እደሊ አሎኹ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:8) ስለዚ ጳውሎስ ኣብቲ ክርስትያናት ዝእከቡሉ “ኵሉ ስፍራ:” ተኣማንነት ምስቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝቐርብ ጸሎት ኣተኣሳሲርዎ ኣሎ። እምበኣር እሙናት ሰብኡት ጥራይ ኢዮም ኣብ ጉባኤ ኽጽልዩ ዝኽእሉ። ልክዕ ኢዩ: ኣምላኽ: ኵላትና ንዕኡን ንሓድሕድናን እሙናት ክንከውን ትጽቢት ይገብረልና ኢዩ። (መክብብ 12:⁠13, 14) ስለዚ ልክዕ ከም ኣካላት ሰብነት ብስኒት ሓቢርና ንምዕያይ ቈራጽነት ንግበር። ከም ኣባላት ስድራ​ቤት ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ብሓድነት ነገልግል። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንየሆዋ ሓቢርና ምግልጋል እንተ ቐጺልና: ንሓድሕድና ተደጋጊፍና ኸም እንነብር ከምኡውን ሞገስን በረኸትን ኣምላኽ ከም እንረክብ ኣይንረስዕ።

ብኸመይ ምመለስካ፧

• ህዝቢ የሆዋ ሓቢሮም ንኸገልግሉ ዘኽእሎም እንታይ ኢዩ፧

• ክርስትያናት ኣድልዎ ኸይገብሩ ዝጥንቀቑ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ምጕርምራም ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

• ንኣመንቲ ብጾትካ ኸተኽብሮም ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ ” ኣስተብሃለ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንሚርያም ዘዋረዳ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እሙናት ክርስትያናት ንየሆዋ ሓቢሮም ብሓጐስ የገልግልዎ