ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ኵሉ ንኣምላኽ ዝኣተናዮ መብጽዓ ናይ ግድን ክንፍጽሞ ኣሎና ድዩ፧

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት መብጽዓ ኽበሃል ከሎ ንኣምላኽ ሓደ ነገር ክትገብር: ወፈያ ኽትህብ: ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ወይ ዅነታት ክትኣቱ: ወይ ከኣ ካብ ዘይተኸልከለ ነገር ክትቝጠብ እትኣትዎ ቓል ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ መጀመርታ ሓደ ነገር እንተ ገይሩሎም: ገለ ነገር ከም ዝውፍዩሉ ብዛዕባ ዝገልጽ መብጽዓታት ንረክብ ኢና። ንኣብነት: ኣደ ነብዪ ሳሙኤል ዝነበረት ሃና “ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ: ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ: ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ: ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ: ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን: ኢላ መብጽዓ ተማባጻዔት።” (1 ሳሙኤል 1:11) መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ብፍታው ዝግበር ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። ንኣምላኽ እንገብሮ መብጽዓ ግን ናይ ግድን ኽንፍጽሞ ኣሎና ማለት ድዩ፧

ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ሰሎሞን “ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉ: ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ” ኢሉ ኢዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ: ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ” በለ። (መክብብ 5:4, 5) ኣብቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ: ሓጢኣት ከይዀነካ: ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ” ዝብል ነበሮ። (ዘዳግም 23:21) እምበኣር ንኣምላኽ መብጽዓ ምእታው ኣቕሊልካ ዝርአ ጕዳይ ኣይኰነን። መብጽዓ ዝኣቱ ሰብ ካብ ሰናይ ድራኸ ተበጊሱ ክኸውን ኣለዎ: እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ድማ መብጽዓኡ ንምፍጻም ዘለዎ ዓቕሚ ዘጠራጥሮ ክኸውን የብሉን። እንተ ዘይኰይኑ ግን ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ። ሓንሳእ መብጽዓ እንተ ኣቲኻ ግን ኵሉ እቲ መብጽዓታት ናይ ግድን ክትፍጽሞ ኣሎካ ማለት ድዩ፧

ሓደ ሰብ መብጽዓ ድሕሪ ምእታዉ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ኰይኑ እንተ ረኸቦኸ፧ ንኣብነት እቲ መብጽዓ: ንርኽሰት ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓናፍጽ ኢዩ ነይሩ ንበል። (ዘዳግም 23:⁠18) ከምዚ ዝኣመሰለ መብጽዓ ኽፍጸም ከም ዘየድሊ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: ሓንቲ ሰበይቲ ዝኣተወቶ መብጽዓ ብኣቦኣ ወይ ብሰብኣያ ኽስረዝ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።​—⁠ዘሁልቍ 30:⁠4-16

ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ንጽል ኰይኑ ኽነብር ንኣምላኽ ድሕሪ ምምብጽዑ: ጸኒሑ ኣብ መዋጥር እንተ ኣትዩኸ፧ መብጽዓኡ ኽፍጽም ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ምጥሓስ ዘብጽሖ ዀይኑ ኽስምዖ ይኽእል ኢዩ። መብጽዓኡ ንኽፍጽም ጻዕሪ ኽገብርዶ ኣለዎ፧ ንኣምላኽ ምሕረትን ይቕረታ ኽገብረሉ ብምልማን ንመብጽዓኡ ኣፍሪሱ ካብ ርኽሰት እንተ ርሓቐዶ ኣይሕሾን፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝሕሾ ኽውስን ዝኽእል። ካልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክውስነሉ ኣይክእልን ኢዩ።

ሓደ ሰብ ብታህዋኽ መብጽዓ እንተ ገበረኸ፧ መብጽዓኡ ኽፍጽም ጻዕሪ ኽገብር ኣለዎዶ፧ ይፍታሕ ንኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ምፍጻም ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ ፈጺምዎ ኢዩ። (መሳፍንቲ 11:⁠30-40) ሓደ ሰብ መብጽዓኡ ምስ ዘይፍጽም: ኣምላኽ ‘ክዅርን’ ንግብሪ ኣእዳው እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ከጥፍኦን ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 5:⁠6) መብጽዓኻ ኣብ ምፍጻም ዝመጸ ዕሽሽ እንተደኣ ኢልካ: ሞገስ ኣምላኽ ክትስእን ትኽእል ኢኻ።

የሱስ ክርስቶስ “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:37) ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ መብጽዓኡ ብዛዕባ ምፍጻም ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ኰነ ንሰባት ዝዛረቦ ዘበለ ዅሉ ኽእመን ዝኽእል ክኸውን ይግባእ። ምስ ካልእ ሰብ ኣብ መጀመርታ ጽቡቕ ዝመሰሎ ስምምዕ ድሕሪ ምግባር ተጠንቂቑ ምስ መርመሮ ግን ዕሽነት ኰይኑ እንተ ተሰምዖኸ፧ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣቕሊሉ ኽምልከቶ የብሉን። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስቲ ሰብ ክላዘብ ይግባእ: ድሕርዚ እቲ ሰብ ካብቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ሓራ ኽገብሮ ይደሊ ይኸውን።​—⁠መዝሙር 15:⁠4፣ ምሳሌ 6:⁠2, 3

ብዛዕባ መብጽዓ ምእታው ኰነ ብዛዕባ ኻልእ ነገራት እቲ ቐንዲ ዘገድሰና ነገር: ወትሩ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንምዕቃብ ክኸውን ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ሃና መብጽዓኣ ኻብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለትን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ይፍታሕ ንኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ክፍጽሞ ኣዝዩ ኸቢድዎ እኳ እንተ ነበረ: ፈጺምዎ ኢዩ