ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”

“መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”

“ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”

“መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”

“ወትሩ ጽን ኢልኩም ትሰምዑና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተባብዓና ሓሳባት ድማ ተካፍሉና ኢኹም።”​—⁠ፓመላ

“ስለቲ ምእንታና እትገብርዎ ዅሉ ኸመስግነኩም እፈቱ። እዚ ኣባና ዓብዪ ጽልዋ ኢዩ ዘሕድር።”​—⁠ሮበርት

 ፓመላን ሮበርትን ነቶም ኣብ ገጉባኤኦም ዝርከቡ ክርስትያን ሽማግለታት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሎም ክጽሕፉ ልቦም ደረኾም። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ እዞም ‘መጓሰ ኣምላኽ ዝጓስዩ’ ኣሕዋት ዝህብዎ ደገፍን ሓልዮትን የማስዉሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:⁠2) እወ: ህዝቢ የሆዋ ነቲ ሽማግለታት ዝገብሩሎም ብዙሕ ነገራትን ነቲ ዘርእይዎም ባህርን የመስግኑሉ ኢዮም።

“ዕዙዛት”

ክርስትያን ሽማግለታት ብዙሕ ሓላፍነታት ኣለዎም። (ሉቃስ 12:⁠48) ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንዝቐርብ ዝርርባት ይዳለዉ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ድማ ይካፈሉ ኢዮም። ንኣመንቲ ብጾቶም እውን ጕስነታዊ ምብጻሕ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም። ንስድራ​ቤቶም ብመንፈስን ብስጋን ዕሽሽ ከይበሉ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ካልኦት ፍሉይ ቈላሕታ ዘድልዮም ሰባትን ግዜኦም ይስውኡሎም ኢዮም። (እዮብ 29:⁠12-15፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:⁠4, 5፣ 5:⁠8) ገሊኣቶም ሽማግለታት ኣብ ምህናጽ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሓገዞም ይህቡ ኢዮም። ገሊኣቶም ድማ ኣባላት ናይቲ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ይዀኑ ወይ ኣብ ሆስፒታል ንዝደቀሱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይበጽሑ ኢዮም። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብወለንታ ይዓዩ ኢዮም። እወ: ሽማግለታት ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ኢዮም።’ (1 ቈረንቶስ 15:⁠58) ስለዚ: እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጻዕራማት ሽማግለታት ካብተን ዝኣልይወን መጓሰ ሞሳ እንተ ረኸቡ ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠12, 13

ንክርስትያናት ብጾቶም ብመንፈስ ንኸበራትዕዎም ኢሎም ናብ ኣባይቶም ወይ ናብቲ ዝርከቡሉ ቦታታት ብምኻድ ኣዘውቲሮም ምብጻሕ ዝገብሩ ሽማግለታት: ምንጪ ምትብባዕ ኢዮም ዝዀኑ። ሓደ ብዘይ​ ኣቦ ዝዓበየ ቶማስ ዝበሃል ሓው “ሽማግለታት ፍቕራዊ ደገፎምን ምትብባዖምን እንተ ዘይህቡኒ: ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ንየሆዋ ኸገልግሎ ኣይምኸኣልኩን ነይረ” በለ። ብዙሓት ንጽል ወለዲ ዘዕበይዎም መንእሰያት ነቲ ኻብ ሽማግለታት ዝረኸብዎ ቘላሕታ ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ንኸማዕብሉ ኸም ዝሓገዞም ኣፍልጦ ይህቡሉ ኢዮም።

ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ጉባኤ እውን ነቲ ናይ ጕስነት ምብጻሕ የማስዉሉ ኢዮም። ኣብ መፋርቕ 80ታት ዕድሚኦም ዝርከቡ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር ብኽልተ ሽማግለታት ምብጻሕ ምስ ተገብረሎም ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ጸሓፉ:- “ስለ ዝበጻሕኩምና ኸነመስግነኩም ንፈቱ። ካባና ምስ ከድኩም ነቲ ዝጠቐስኩምልና ጥቕስታት እንደገና ኣንቢብናዮ ኢና። ነቲ ዝሃብኩምና ምትብባዕ ፈጺምና ኣይክንርስዖን ኢና።” ሓንቲ ጓል 70 ዓመት መበለት ከኣ ንሽማግለታት ከምዚ ኢላ ጸሓፈትሎም:- “የሆዋ ሓገዝ ክህበኒ ብጸሎት ክልምኖ ቐንየ: ንሱ ድማ ንኽልቴኹም ኣሕዋት ናብ ቤተይ ልኢኹኩም። ዝገበርኩምለይ ምብጻሕ ካብ የሆዋ ዝመጸ በረኸት ኢዩ ነይሩ።” ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ ጉባኤኻ ሽማግለታት ካብ ዝገበሩልካ ምብጻሕ ተጠቂምካዶ፧ ነቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ መጓሰ ንምጕሳይ ዝገብርዎ ጻዕርታት ኵላትና ነማስወሉ ኢና።

ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዝመስልዎም ጓሶት

የሆዋ ፈቃር ጓሳ ኢዩ። (መዝሙር 23:⁠1-4፣ ኤርምያስ 31:⁠10፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠25) የሱስ ክርስቶስ እውን ብመንፈሳዊ መገዲ ሓለፍ ዝበለ ጓሳ ኢዩ። “ሕያዋይ ጓሳ:” “ዓብዪ ጓሳ:” ከምኡውን “ሓለቓ ጓሶት” እውን ተባሂሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 10:⁠11፣ እብራውያን 13:⁠20፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠4) የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ክዀኑ ዝደልዩ ብኸመይ ኢዩ ሒዝዎም፧ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 11:28

ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ብተመሳሳሊ ነተን መጓሰ ምንጪ ዕረፍትን ዕቝባን ክዀንወን ኢዮም ዝጽዕሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:2) እዞም መዕቈቢ ዀይኖም ዘገልግሉ ኣሕዋት እዚኣቶም ዕረፍቲ የምጽኡ: ካብቲ መጓሰ ኣኽብሮት ይወሃቦም: ከምኡውን ስምረት ኣምላኽ ይረኽቡ ኢዮም።​—⁠ፊልጲ 2:⁠29፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠17

ኣንስቶም ዝህባኦም ዕዙዝ ደገፍ

ህዝቢ ኣምላኽ ንክርስትያናት ሽማግለታት ኰነ ነቲ ኣንስቶም ዝህባኦም ፍቕራዊ ደገፍ የማስዉሉ ኢዮም። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ደገፈን ንምሃብ መብዛሕትኡ ግዜ መስዋእቲ ምግባር የድልየን ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ሰብኡተን ንጉባኤ ዝምልከት ጕዳያት ክዓዩ ኸለዉ ወይ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክገብሩ ኸለዉ ኣብ ገዝአን ኰይነን ይጽበያኦም ኢየን። ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብታ ጉባኤ ህጹጽ ቈላሕታ ዘድልዮ ጸገም ክለዓል ከሎ: እቶም ሽማግለታት ምስ ስድራ​ቤቶም ብጥንቃቐ ዘውጽእዎ መደብ ይቕይርዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ብዛዕባዚ ሓንቲ ሚሸል እትበሃል በዓልቲ ሓዳር: “በዓል ቤተይ ንኣኼባታት ኣብ ምድላው ወይ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ኣብ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ትሑዝ ምዃኑ ኽርኢ ኸለኹ: ዕዮ የሆዋ ይዓዪ ኸም ዘሎ እዝክር: ብእተኻእለኒ መጠን ድማ ክድግፎ እጽዕር” በለት።

በዓል ቤታ ሽማግለ ዀይኑ ዘገልግል ሸሪል እትበሃል በዓልቲ ሓዳር እውን “ኣብ ጉባኤና ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘዘራርብዎ ሽማግለ ኸም ዝደልዩ እፈልጥ ኢየ: ኣብ ቃሕ ዝበሎም ግዜ ናብ በዓል ቤተይ መጺኦም ንኸዘራርብዎ ድማ ክስከፉ ኣይደልዮምን ኢየ” በለት። ከም እኒ ሚሸልን ሸሪልን ዝኣመሰላ ደገፍ ዝህባ ኣንስቲ: ሰብኡተን ንመጓሰ ኣምላኽ ምእንቲ ኽኣልዩ ብፍቓደን መስዋእትታት ይኸፍላ ኢየን። ኣንስቲ ሽማግለታት ስለቲ ዘርእያኦ ናይ ደገፍ መንፈስ ክምስገና ይግብአን።

ይኹን እምበር: ሓደ ብዕዮ ትሑዝ ዝዀነ ሽማግለ ንመንፈሳውን ስጋውን ድሌት በዓልቲ ቤቱ ዀነ ደቁ ዕሽሽ ክብል የብሉን። ሓዳር ዘለዎ ሽማግለ “መንቅብ ዜብሉ: ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ: ብርኽሰት ወይስ ብዘይ​ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ” ክኸውን ይግብኦ። (ቲቶስ 1:6) ንስድራ​ቤቱ እውን ብግቡእ ዘስተናብር ክኸውን ይግባእ: እዚ ድማ ካብ ክርስትያን ተዓዛቢ ዝሕተት ብቕዓት ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-7

ሓደ ብዕዮ ትሑዝ ዝዀነ ሽማግለ ደጋፊት ሰበይቲ ምስ እትህልዎ ብሓቂ ዓብዪ ነገር ኢዩ። ሓዳር ዝገበሩ ሓለይቲ ሽማግለታት ከምኡ ኢዩ ዝስምዖም። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ [“ንፍዕቲ:” NW ] ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ” ኢዩ ዝብለና። (ምሳሌ 18:⁠22) ሽማግለታት ንኣንስቶም ኻብ ልቢ ዝመነጨ ሞሳ ብቓላትን ብተግባርን ይገልጹለን ኢዮም። እዞም ክርስትያናት ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓባር ዝገብርዎ ልባዊ ጸሎትን መጽናዕትን: ናብ ገማግም ባሕሪ: ናብ ኣግራብ ዝበዝሖ ቦታታት: ናብ መናፈሲታት: ወይ ናብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝዛነዩሉ ቦታታት ንምኻድ ግዜ ይምድቡ ኢዮም። እወ: ሽማግለታት ንኣንስቶም ፍቕራዊ ሓልዮት ብምርኣይ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠7

እዞም ንመጓሰ ኣምላኽ ብዘይ​ስስዐ ዝጓስዩ ሽማግለታት ንህዝቢ የሆዋ ምንጪ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኢዮም። ብሓቂ ንጉባኤታት በረኸት ዝዀኑ “ውህበት ሰብኡት” ኢዮም!​—⁠ኤፌሶን 4:⁠8, 11-13 NW