ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ ንምድላው እተገብረ ቓልሲ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ ንምድላው እተገብረ ቓልሲ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ ንምድላው እተገብረ ቓልሲ

ኣብታ ሓድሓደ ግዜ መበቈል ናጻ ኣተሓሳስባ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገረ ግሪኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ተራ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ቛንቋ ናይ ምትርጓም ዕዮ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዝሓለፈ ምዃኑ ኽትፈልጥ ከሎኻ የገርመካ ይኸውን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ንኽትርድኦ ቐሊል ዝዀነ ቋንቋ ግሪኽ ከይትርጕም ዝጻረር ግን መን ኢዩ፧ ስለምንታይከ፧

 ገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መጀመርታ ብቛንቋ ግሪኽ ስለ እተጻሕፈ: ነዚ ቛንቋ እዚ ዝዛረቡ ሰባት ዕድለኛታት ከም ዝዀኑ ገይሮም ዝሓስቡ ሰባት ኣይሰኣኑን ኢዮም። ይኹን እምበር: ዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ ካብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ግሪኽ ንምትርጓም ዘገልገለ ትርጕም ሰፕቱጀንት ከምኡውን ካብቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዘገልገለ ዓይነት ቋንቋ ኣጸቢቑ እተፈልየ ኢዩ። አረ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዘመናትስ ዝበዝሑ ቛንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ቋንቋ ግሪኽ ልክዕ ከም ናይ ካልእ ቋንቋ ኣይርድእዎን ኢዮም ነይሮም። ጥንቲ ዝነበረ ቓላት ብሓድሽ ተተኪኡ: ሰዋስውን ኣሰራርዑኡን እውን ተቐዪሩ ኢዩ።

ካብ 3ይ ክሳዕ መበል 16 ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን እተኣከበ ናይ ግሪኽ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ነቲ ናይ ሰፕቱጀንት ትርጕም ናብቲ ኣብ አእዋኑ ዝዝውተር ዝነበረ ቋንቋ ግሪኽ ንምትርጓም ጻዕሪ ኸም እተገብረ ይሕብር። ኣብ ሳልሳይ ዘመን ግሪጎሪ ዝበሃል ኣቡን ኒዮሲዛሪያ (ከባቢ 213-270 ከ.ኣ.ዘ.) ንመጽሓፍ መክብብ ካብ ሰፕቱጀንት ናብ ቅልል ዝበለ ቛንቋ ግሪኽ ተርጐማ። ኣብ መበል 11 ዘመን ድማ ቶባያስ ቤን ኤሊኤዘር ዝስሙ ኣብ መቄዶንያ ዝነብር ኣይሁዳዊ ገለ ኽፋል ናይቲ ኣብ ሰፕቱጀንት ዝርከብ ኦሪት ናብቲ ናይቲ ግዜቲ ቛንቋ ግሪኽ ተርጐሞ። ነቶም ቋንቋ ግሪኽ ጥራይ ዝዛረቡ ግን ከኣ ፊደላት እብራይስጢ ዘንብቡ ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ኣይሁድ ንምጥቃም ኢሉ እውን ናይ እብራይስጢ ፊደላት ተጠቕመ። እቲ በዚ መልክዕ እዚ እተተርጐመ ሓሙሽቲኡ ኦሪት ብ1547 ኣብ ኮንስታንቲኖፓል ተሓትመ።

ኣብ ማእከል ጸልማት: ባና ብርሃን

ኣብ መበል 15 ዘመን እቲ ተዛረብቲ ቛንቋ ግሪኽ ዝነብሩሉ ኽፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ቢዛንታይን ኣብ ትሕቲ ኦቶማን ምስ ወደቐ: ኣብቲ ቦታ እቲ ዝነብሩ ዝበዝሑ ሰባት ትምህርቲ ኽረኽቡ ኣይከኣሉን። ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኦቶማን ብዙሕ ሓለፋታት እኳ እንተ ነበራ: ንምእመናና ዕሽሽ ስለ ዝበለቶም ድኻታትን ዘይተማህሩን ገባሮ ዀይኖም ተረፉ። ግሪኻዊ ጸሓፊ ቶማስ ስፒልዮስ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ:- “ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ናይ ትምህርትታታን ቀንዲ ሸቶ ነቶም ቈረብቲ ኻብ ወራር እስላምን ፕሮፓጋንዳ ናይ ሮማ ካቶሊክን ምክልኻል ኢዩ ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ትምህርቲ ቛንቋ ግሪኽ ደስከለ።” ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ጸልማት: ገሊኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈትዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ነቲ ኣብ ጭንቂ ዝነበረ ህዝቢ መስተርሆን ምጽንናዕን እተምጽኣሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ መዝሙር ከዳልዉ ሓሰቡ። ካብ 1543 ክሳዕ 1835 ኣብ ዝነበረ እዋን መጽሓፍ መዝሙር በቲ መዓልታዊ ዝዝረብ ቋንቋ ግሪኽ እተዳለዋ 18 ትርጕማት ነበራ።

ብ1630 ማክሲመስ ካሊፖሊተስ ዝበሃል ኣብ ካሊፖሊስ ዝነብር ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላሲ ንመጀመርታ ግዜ ምሉእ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብቲ ህዝቢ ዘዘውትሮ ቋንቋ ግሪኽ ተርጐሞ። እዚ ድማ ብመሪሕነትን ሓልዮትን ናይቲ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ኣካይዱ ዝበሃል ፓትርያርክ ኮንስታንቲኖፓል ሲሪል ሉካሪስ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ይኹን እምበር: ሉካሪስ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ-ክርስትያን ተጻረርቲ ነበርዎ: እዚኣቶም ድማ ተሃድሶ ምክያድ ኰነ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ህዝቢ ዘዘውትሮ ቋንቋ ምትርጓም ኣይቅበልዎን ኢዮም ነይሮም። a ስለዚ ከሓዲ ኢዩ ብዝብል ክሲ ብማሕነቕቲ ኸም ዝቕተል ተገብረ። እንተዀነ ግን: 1,500 ኣቢሉ ዝኸውን ቅዳሓት ናይቲ ማክሲመስ ዘዳለዎ ትርጕም ብ1638 ተሓትመ። ከም መልሰ⁠-​ግብሪ ናይዚ ትርጕም እዚ: ድሕሪ 34 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ የሩሳሌም እተኣከበ ናይ ኦርቶዶክስ ሲኖዶስ: ቅዱሳት ጽሑፋት “እቲ መዓሙቝ ናይቲ መንፈስ ዝፈልጥ ሰብ ብግቡእ ምርምር ድሕሪ ምግባሩ ደኣ እምበር: ተራ ሰብ ከንብቦ የብሉን” ኢሉ ኣወጀ። እዚ ኸኣ ቅዱሳት ጽሑፋት በቶም እተማህሩ ኣቕሽሽቲ ጥራይ ክንበብ ኣለዎ ማለት ኢዩ።

ብ1703 ኣብ ደሴት ለዝቮስ ዝነብር ዝነበረ ሳራፊም ዝበሃል ግሪኻዊ ፈላሲ ነቲ ማክሲመስ ዘዳለዎ ትርጕም ብምእራም ኣብ ለንደን ከሕትሞ ፈተነ። ላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣን እንግሊዝ ብገንዘብ ክድግፍዎ ምዃኖም ዝኣተዉሉ መብጽዓ ምስ ኣፍረሱ: ነቲ ዘዳለዎ ትርጕም ብገንዘቡ ኣሕተሞ። ኣብቲ መእተዊ ናይቲ ትርጕም ድማ “ኵሉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ክርስትያን” መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከም ዘለዎ ኣጕለሐ: ነቶም “ነቲ ህዝቢ ኸም ዝድንቍር ብምግባር ክፉእ ግብሮም ዝሽፍኑ” ዝለዓለ መዝነት ዝነበሮም ኣቕሽሽቲ ድማ ወቐሶም። እቶም ኦርቶዶክስ ተጻረርቱ ግን ኣብ ሩስያ ሓዝዎ እሞ ኣብ ሳይበርያ ተሓየረ: ኣብኡ ድማ 1735 ሞተ።

ኣብ መቕድም ናይቲ ጸኒሑ እተሓትመ ትርጕም ማክሲመስ: ሓደ ናይ ግሪኽ ቐሺ እቶም ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ህዝቢ ብዛዕባ ዝነበሮም ክቱር መንፈሳዊ ጥሜት ክሕብር ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ግሪኻውያን ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብፍቕርን ብሃረርታን ኢዮም ተቐቢሎምዎ። ምስ ኣንበብዎ ኸኣ: ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝስምዖም ስቓይ ኣረስሪስሎም: ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ከኣ . . . ኣደልዲሉሎም ኢዩ።” ይኹን እምበር: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ህዝቢ ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተረዲእዎ: ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታትን ተግባራትን ናይቶም ኣቕሽሽቲ ኸይቅላዕ ፈርሁ። ስለዚ: ናይ ኮንስታንቲኖፓል ፓትርያርክ ብ1823 ከምኡውን ብ1836 ኵሉ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ክቃጸል ውሳነ ኣመሓላለፈ።

ተባዕ ተርጓሚ

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ምጽራርን ሕሉፍ ባህጊ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን ዝነበረሉ እዋን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዘመናዊ ግሪኽ ኣብ ምትርጓም ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበረ ሰብ ተቐልቀለ። እዚ ሰብ እዚ ናይ ቋንቋ ክኢላን ውሩይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁርን ዝነበረ ኒዮፊቶስ ቫምቫስ ይበሃል: ሓደ ኻብቶም “መምህራን ናይታ ሃገር” ጌርካ ድማ ኢዩ ዝርአ ነይሩ።

ቫምቫስ እቲ ህዝቢ ብመንፈስ መሃይም ዝዀነ ብሰንኪ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ነቲ ህዝቢ ብመንፈሳዊ ንምብርባር: መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝዝረብ ዝነበረ ቋንቋ ግሪኽ ክትርጐም ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ። ብ1831 ምስ ካልኦት ምሁራት ብምትሕብባር መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ስነ⁠-​ጽሑፋዊ ቛንቋ ግሪኽ ክትርጕሞ ጀመረ። ምሉእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብ1850 ተሓትመ። ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ምሕታምን ምዝርጋሕን እዚ ትርጕም ክትድግፎ ፍቓደኛ ስለ ዘይትኸውን ምስ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገራትን ተሓባበረ። እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ድማ “ፕሮተስታንት” ዝብል ስም ለጠፈትሉ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ተወገዘ።

ትርጕም ቫምቫስ ካብ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ብዙሕ ሓሳባት ኢዩ ወሲዱ: ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ቋንቋን ዝነበረ ፍልጠት ድሩት ብምንባሩ ድማ ነቲ ጕድለታት ናይዚ ትርጕም ወሪስዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ዘመናዊት ግሪኽ ዝነበሩ ሰባት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝሓሸ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሐጕስ ድማ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ “ኢኦቫ” ብዝብል ቃል ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ጠቒሱዎ ኣሎ።​—⁠ዘፍጥረት 22:⁠14፣ ዘጸኣት 6:⁠3፣ 17:⁠15፣ መሳፍንቲ 6:⁠24

ሰባት ነዚ ብቐሊሉ ኽትርድኦ እትኽእል መጽሓፍ ቅዱስን ንኻልኦት ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕማትን ብኸመይ ተቐበልዎ፧ ኣዝዩ ሰፊሕ ተቐባልነት ኢዩ ረኺቡ። ንማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገራትን ወኪሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሸይጥ ሓደ ሰብ ናብ ሓንቲ ኻብተን ደሴታት ግሪኽ ብጃልባ ምስ ከደ “[መጽሓፍ ቅዱስ] ዝደለዩ ቘልዑ ብጀላቡ መመሊኦም ምስ መጽዎ” ንዅሉ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ ቦታ ምእንቲ ኸይውድኦ “ነቲ መራሕ እታ ጃልባ ኻብቲ ቦታ ንክኸዱ ኽእዝዞ ተገዲዱ ኢዩ።” ይኹን እምበር: እቶም ተጻረርቲ እውን ቅልጡፍ መልሰ⁠-​ግብሪ ሃቡ።

ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክስ ነቲ ህዝቢ ነዚ ትርጕማት እዚ ኸይዕድግ ኣጠንቀቕዎ። ንኣብነት ኣብ ከተማ ኣቴንስ ሓያሎ መጽሓፍ ቅዱስ ተገበተ። ብ1833 ናይ ቅሬጥስ ኣቡን ኦርቶዶክስ ነቲ ኣብ ገዳም ዝረኸቦ ሓያሎ “ሓድሽ ኪዳን” ንሓዊ መጠዎ። ሓደ ቐሺ ግን ሓንቲ ቕዳሕ ሓቢኡ ኣትረፈ: ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ኣቝሻት ዝነበሩ ተቐማጦ ድማ እቲ ኣቡን ካብታ ደሴት ክሳዕ ዝኸይድ መጽሓፍ ቅዱሶም ሓብኡ።

ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ኣብ ደሴት ኮርፉ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ ቫምቫስ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ ከይንበብ ከልከለ። ከይሽየጥ እውን ተኣገደ: እቲ ድሮ እተሓትመ ቅዳሓት ድማ ከም ዝጠፍእ ተገብረ። ኣብ ደሴታት ኪዮስን ሲሮስን ሚኮኖስን ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ኻብ ሕሉፍ ጽልኢ እተላዕለ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣቃጸሉ። ብዘይ​ዚ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ ኻልእ ፈተነታት እውን ተገይሩ ነይሩ ኢዩ።

ሓንቲ ንግስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣሕደረት

ኣብ 1870ታት ናይ ግሪኽ ንግስቲ ኦልጋ: ህዝቢ ግሪኽ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት ከም ዘይብሉ ኣስተውዓለት። እቲ ህዝቢ ቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ዝፈልጥ ምጽንናዕን ዕረፍትን ከም ዝረክብ ትኣምን ስለ ዝነበረት ከኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትርጕም ቫምቫስ ናብ ዝቐለለ ቛንቋ ኸተተርጕሞ ሓለነት።

እቲ ሊቀ⁠-​ጳጳሳት ኣቴንስን ርእሲ ቕዱስ ሲኖዶስን ዝነበረ ፕሮኮፒዮስ ነታ ንግስቲ ዝሓለነቶ ኽትፍጽም ብብሕቱ እኳ እንተ ኣተባብዓ: እቲ ቕዱስ ሲኖዶስ ብወግዒ ስምረቱ ኽገልጸላ ምስ ሓተተት ግን ኣይፈቐደላን። ይኹን እምበር: በዚ ኸይተሓለለት እንደገና እቲ ጕዳይ ክርአ ሓተተት: ብ1899 ከኣ እንደገና ሕቶኣ ተቐባልነት ሰኣነ። ነቲ እተዋህባ ምላሽ ዕሽሽ ብምባል ብገንዘባ ሒደት ሕታማት ኣሕተመት። እዚ ዝዀነሉ ድማ ብ1900 ኢዩ።

ብቐሊሉ ተስፋ ዘይቈርጹ ተጻረርቲ

ብ1901 ኣብ ኣቴንስ እትሕተም ዘ ኣክሮፖሊስ እትበሃል ውርይቲ ጋዜጣ: ነቲ ኣሌክሳንደር ፓሊስ ዝበሃል ኣብ ሊቨርፑል: ዓዲ እንግሊዝ ዝዓዪ ተርጓሚ ነታ በቲ ኣብ ዘረባ ዝዝውተር ቋንቋ ግሪኽ ገይሩ ዝተርጐማ ወንጌል ማቴዎስ ኣሕተመታ። ዕላማ ፓሊስን መሳርሕቱን ‘ንግሪኻውያን ንምምሃር’ ከምኡውን ‘ነታ ሃገር ካብ ውድቀት ንምድሓን’ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።

ናይ ኦርቶዶክስ ስነ⁠-​ሃይማኖት ተማሃሮን ፕሮፌሰራቶምን ነዚ ትርጕም እዚ “ነቲ ናይታ ሃገር ዝኸበረ ቕርሲ ዘዋርድ:” ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዘርክስ ብምባል ሰመይዎ። ፓትርያርክ ኮንስታንቲኖፓል ጆኣኪም ሳልሳይ: እዚ ትርጕም እዚ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ዝገልጽ ኣዋጅ ኣውጽአ። እቲ ምስሕሓብ ፖለቲካዊ መልክዕ ሓዘ: ተጻባእቲ ፖለቲካዊ ደንበታት ድማ ተጠቕሙሉ።

እቲ ኣብ ኣቴንስ ሓያል ጽልዋ ዝነበሮ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትርጕም ፓሊስ መጥቃዕቲ ፈነወ: ንደገፍቱ ድማ ንግሪኻውያን ከናዕቡ እተላዕሉ “ኢዘሀራውያን:” “ከዳዓት:” ከምኡውን “ናይ ወጻእተኛታት ዕሱባት” ዝብል ስም ለጠፉሎም። ጥሩፋት ኣባላት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብዝገበርዎ ጐስጓስ: ካብ 5 ክሳዕ 8 ሕዳር 1901 ተማሃሮ ኣቴንስ ናዕቢ ገበሩ። ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ኸኣ ኣብ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ናይታ ዘ ኣክሮፖሊስ እትበሃል ጋዜጣ መጥቃዕቲ ኣውረዱ: ናብ ቤተ⁠-​መንግስቲ መረሹ: ንዩኒቨርሲቲ ኣቴንስ ተቘጻጸሩ: እቲ መንግስቲ ኻብ ስልጣን ክወርድ ድማ ጠለቡ። እቲ ናዕቢ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ምስ በጽሐ: ምስ ወተሃደራት ብዘጋጠመ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ተቐትሉ። ንጽብሒቱ እቲ ንጉስ ሊቀ⁠-​ጳጳሳት ፕሮኮፒዮስ ካብ ስልጣኑ ኽወርድ ሓተተ: ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ድማ ካቢነ ሚኒስትራት ፈረሰ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ እቶም ተማሃሮ እንደገና ናዕቢ ብምልዕዓል ቅዳሕ ትርጕም ፓሊስ ብግህዶ ኣቃጸሉ። እዚ ትርጕም እዚ ኸይዝርጋሕ ሓባራዊ ውሳነ ኸም ዝገበሩ ገለጹ: ኣብ መጻኢ እውን ክትርጕም ዝፍትን ዘበለ ከቢድ መቕጻዕቲ ኽወርዶ ጠለቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ከም ዝኽልከል ተገብረ። ብሓቂ ሕማቕ እዋን ኢዩ ነይሩ!

‘ቃል እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነብር’

ኣብቲ ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ እገዳ ብ1924 ተላዕለ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰባት ንኸይበጽሕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ፈጺሙ ኣይሰለጣን። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝገብርዎ ኣብ ግሪኽ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር መሪሕነት ወሰዱ። ካብ 1905 ኣትሒዞም ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ቛንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ሰባት ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኸጥርዩ ንምሕጋዝ ትርጕም ቫምቫስ ተጠቒሞም ኢዮም።

ንሓያሎ ዓመታት ብዙሓት ምሁራትን ፕሮፌሰራትን መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ ንምድላው ዝነኣድ ጻዕርታት ገይሮም ኢዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ እንተ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ዳርጋ 30 ዝኸውን ተራ ግሪኻዊ ከንብቦን ክርድኦን ዝኽእል ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ካብዚ ትርጕማት እዚ እቲ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ 16 ሚልዮን ዝዀኑ ቛንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ሰባት እተዳለወ ብ1997 ዝወጸ ናይ ግሪኽኛ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብሓቂ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ። እዚ ትርጕም እዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ዀይኑ ንምንባቡ ዀነ ንምርድኡ ቐሊል ከምኡውን ናብቲ በዅሪ ጽሑፍ ከም ዝቐርብ ኰይኑ ኢዩ ተዳልዩ።

ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም እተገብረ ቓልሲ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኢዩ ዘጕልሓልና። እዚ ድማ ተጻረርቲ ሰባት ዝገበሩ እንተ ገበሩ: ‘ቃል እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከም ዝነብር’ ኢዩ ዝሕብረና።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠25

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ሲሪል ሉካሪስ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ: ናይ 15 ለካቲት 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-9 ርአ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብ1630 ሲሪል ሉካሪስ ንመጀመርታ ግዜ ምሉእ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ ከም ዝትርጐም ገበረ

[ምንጪ ስእሊ]

Bib. Publ. Univ. de Genève

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ገለ ኻብቲ ናብ ዝውቱር ቋንቋ ግሪኽ እተተርጐመ መጽሓፍ መዝሙር:- (1) ብ1828 ብኢላርዮን: (2) ብ1832 ብቫምቫስ: (3) ብ1643 ብጁሊያኑስ። “ብሉይ ኪዳን ” (4) ብ1840 ብቫምቫስ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንግስቲ ኦልጋ

[ምንጪ ስእሊ]

Bibles: National Library of Greece; Queen Olga: Culver Pictures

[ምንጪ ስእሊ]

Papyrus: Reproduced by kind permission of The Trustees of the Chester Beatty Library, Dublin

[ምንጪ ስእሊ]

Papyrus: Reproduced by kind permission of The Trustees of the Chester Beatty Library, Dublin