ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ኣምልኾ ቦታታት የድልየና ድዩ፧

ናይ ኣምልኾ ቦታታት የድልየና ድዩ፧

ናይ ኣምልኾ ቦታታት የድልየና ድዩ፧

ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ናይታ ሃገር ዝመጹ በብዓይነቱ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተሳለምቲ: በቲ ዝውቃዕ ዝነበረ ኸበሮ ተሰንዮም ነቲ ስጳኛውያን ኣብዛ ሃገር ቅድሚ ምምጽኦም ይዝውተር ነይሩ ዝበሃል ሳዕስዒት ዝስዕስዑ ቐያሕቲ ህንዳውያን: ከምኡውን ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተምበርኪኾም ናብቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝኸዱ ምእመናን ነቲ ገበላ ዀነ ነቲ ኣብ ከባቢ እቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝርከብ ጐደናታት መሊኦምዎ ነበሩ።

 እታ ኢል ኢኮኖሚስታ እትበሃል ጋዜጣ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2001 ዝነበረ ሆጭታ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምባል ኢያ ገሊጻቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ናብቲ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ዝርከብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብምኻድ ኣብ ድንግል ጓድሉፕ ዘለዎም እምነት ኣርእዮም ኢዮም። ከም እኒ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሰይንት ፒተር ዝኣመሰለ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ህንጻታት እውን ብዙሓት በጻሕቲ ይማርኽ ኢዩ።

ሃይማኖታዊ ህንጻታት ኣብ ኣልባብ ብዙሓት ንኣምላኽ ከምልኹ ዝደልዩ ሰባት ዓብዪ ቦታ ኢዩ ዘለዎ። ማርያ እትበሃል ኣብ ብራዚል እትነብር ሰበይቲ “ንዓይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክበሃል ከሎ ናብ ኣምላኽ ዝቐርበሉ ቦታ ኢዩ ነይሩ። ቅዱስ ቦታ ኸም ዝዀነ ገይረ ኢየ ዝርእዮ ነይረ። ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምኻድ ንነፍሲ ኸም ዘንጽሃ: ሰንበት ሰንበት ናብ ቅዳሴ ዘይምኻድን ዘይምንዛዝን ከኣ ሓጢኣት ከም ዝዀነ ገይረ ኢየ ዝርእዮ ነይረ” በለት። ኣብ ሜክሲኮ እትነብር ኮንስወሎ ድማ “ቤተ⁠-​ክርስትያን ውሽጣዊ ስምዒተይ ይትንክፈኒ ስለ ዝነበረ ኣኽቢረ ኢየ ዝርእዮ ነይረ። ናብኡ ምስ ዝኸይድ ከኣ ኣብ ሰማይ ዘለኹ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ነይሩ” በለት።

ገሊኣቶም ንኣብያተ⁠-​ክርስትያን ኣኽቢሮም ዝርእይዎ እኳ እንተዀኑ: ገሊኣቶም ግን ከም ናይ ኣምልኾ ቦታ መጠን ኣገዳስነት የብሉን ዝብሉ ኣለዉ። ፒተር ሲበርት ዝበሃል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ናይ ካቶሊክ ካህን: ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝመጹ ሰባት ቍጽሮም ይንኪ ምህላዉ ኽገልጽ ከሎ “[ሰባት] ካብ ሃይማኖታት እቲ ዝደለይዎ ኽፋል ኢዮም ዝመርጹ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣለዉ: እዞም ሰባት እዚኣቶም እምነቶም ኣጽኒዖም ኢዮም ዝሕዙ: መንእሰያት ግን ብዛዕባ ሃይማኖት ግዲ የብሎምን” በለ። ኣብ ለንደን እትሕተም ደይሊ ቴለግራፍ ብ20 ሕዳር 1998 ኣብ ዝወጸ ሕታማ “ካብ 1979 ኣትሒዙ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 495 ሓደስቲ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ክኽፈታ: 150 ድማ ክሕደሳ ኸለዋ ብኣንጻሩ ግን 1500 ዝዀና ተዓጽየን ኢየን” በለት።

ብ1997 ኣብ ሙኒክ: ጀርመን እትሕተም ዙትዶይች ዛይቱንግ እትበሃል ጋዜጣ “ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ናብ ሲነማታትን መንበሪ ኣባይትን ይቕየራ ኣለዋ፣ ምእመናን ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምኻድ ገዲፎምዎ: ናይ ኣምልኾ ቦታታት እውን ንኻልእ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ። . . . እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ዓዲ እንግሊዝ ልሙድ ዝነበረ ነገር ኣብ ጀርመን እውን ይልመድ ኣሎ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላውን “ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ጥራይ 30 ወይ 40 ዝዀና ኣብ ጀርመን ዝርከባ ዓበይቲ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ተሸይጠን ኢየን” በለት።

ይኹን እምበር: ብሓቅዶ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ንኣምላኽ ኣብ ምምላኽ ኣገዳስነት ኣለዎ ኢዩ፧ ዓበይትን እተሰላለመን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧ እቲ ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ኣብ ምንታይ ዓይነት ህንጻታት ኢዩ ዝምለኽ፧ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ኣድላይነትን ኣብኡ ኽግበር ዘለዎ ነገራትን እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧