ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቅድሚ የሆዋ መዓልትታትና ኽንቈጽር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቅድሚ የሆዋ መዓልትታትና ኽንቈጽር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቅድሚ የሆዋ መዓልትታትና ኽንቈጽር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

‘ትማሊ ጸሓይ በሪቓ ኽሳዕ እትዓርብ: ሰስሳ ደቓይቕ ዝሓዛ ኽልተ ወርቂ ዝዀና ሰዓታት ኣጥፊአ። ንሓዋሩ ፈጺመን ክምለሳ ስለ ዘይክእላ: ዝረኸበን ዓይኑ ይብራህ እኳ ኣይበልኩለንን።’​—⁠ሊድያ ኤች. ሲጎርኒ: ኣመሪካዊት ደራሲት (1791-1865)

 መዓልትታት ህይወትና ሓጸርትን ነፊረን ዝሓልፋን ኰይነን ኢየን ዝስምዓና። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ህይወት ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ምዃና ድሕሪ ምስትንታን “ዎ እግዚኣብሄር: ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ: መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ። እንሆ: ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን: ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ” በለ። ዳዊት ብኣዘራርባኡ ዀነ ብተግባራቱ ንኣምላኽ ባህ ብዘብል መገዲ ኢዩ ኽመላለስ ዝደሊ ነይሩ። ንኣምላኽ ድማ “ተስፋይ ብኣኻ እዩ” ብምባል ኣብኡ ዘለዎ ትውክልቲ ገለጸ። (መዝሙር 39:4, 5, 7) የሆዋ ጸሎቱ ሰሚዕዎ ኢዩ። ንንጥፈታት ዳዊት ድማ ቈጺርዎን ብእኡ መሰረት ዓስቡ ሂብዎን ኢዩ።

ምሉእ መዓልቲ ትሑዝ ምዃንን በዚ ሃታሃታ ዝመልኦ ናብራ ግዜኻ ኸም ዝጻበብ ምግባርን ቀሊል ኢዩ። ብዙሕ ክትዓዮን ክትገብሮን ዝግብኣካ ነገራት እናሃለወ እኹል ግዜ እንተ ዘይብልካ: እዚ የተሓሳስበካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከም ዳዊት ንኣምላኽ ብዘሐጕሶ መገዲ ምንባር ድዩ ዘተሓሳስበካ፧ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ይዕዘበናን ተጠንቂቑ ይምርምረናን ምህላዉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ንኣምላኽ ዝፈርሆ ዝነበረ እዮብ ኣስታት 3,600 ዓመታት ይገብር: የሆዋ ንመገዱ ኸም ዝረኣዮን ንዅሉ ስጕምቱ ኸም ዝቘጸሮን ገሊጹ ኣሎ። “ምስ ተቛጻጸረንስ: እንታይ ክመልሰሉ እየ፧” ብምባል ድማ ተራር ሕቶ ሓቲቱ ኢዩ። (እዮብ 31:4-6, 14) ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ: ትእዛዛት ኣምላኽ ብምኽባር: ከምኡውን ግዜና ብግቡእ ብምጥቃም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መዓልትታትና ኽንቈጽር ንኽእል ኢና። እምበኣር ነዚ ነጥብታት እዚ ብዝርዝር ንመርምሮ።

ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንሃቦ

ቅዱሳት ጽሑፋት ‘እቲ ዝሓይሽ መርምሩ’ ብምባል ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብ ይምሕጸነና ኢዩ። እቲ ዝሓይሽ ተባሂሉ ዘሎ ግን እንታይ ኢዩ፧ ‘ፍልጠትን ምስትውዓልን’ ሓደ ኻብዚ ኢዩ። (ፊልጲ 1:⁠9, 10) ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ፍልጠት ኸነጥሪ እንተደኣ ዄንና: ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ይኹን እምበር: ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምስ እንህብ ዘዕግብን ዘሐጕስን ህይወት ከም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ንጐይታ ዘሐጕሶ ኽንምርምር’ ኣዘኻኺሩና ኢዩ። እዚ ኸኣ ድራኸናን ባህጊ ልብናን ምምርማር ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ኣስዕብ ኣቢሉ “ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ” በለ። (ኤፌሶን 5:10, 17) የሆዋ ዝሰምሮ ነገር ደኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምስላ ኸምዚ ብምባል ይምልሰልና:- “ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ: ንጥበብ ኣጥርያ: እወ: ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ: ልዕል ኣብላ: ንሳውን ክብ ከተብለካ እያ።” (ምሳሌ 4:7, 8) የሆዋ ንጥበብ ኣምላኽ ዘጥርን ብእኣ ዝመላለስን ሰብ ክርኢ ኸሎ ይሕጐስ ኢዩ። (ምሳሌ 23:⁠15) እዛ ዓይነት ጥበብ እዚኣ: ካባኻ ኽትውሰድ ወይ ክትጠፍእ ዘይትኽእል ምዃና ዘሐጕስ ኢዩ። የግዳስ “ካብ ክፉእ መገዲ: ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት” ተናግፈካን ተዕቍበካን ኢያ።​—⁠ምሳሌ 2:10-15

እምበኣር ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ናይ ምባል ዝንባለ ኸነርሕቕ ኣይግብኣናንዶ፧ እወ: ንቓል የሆዋ ሞሳ ኽሓድረና: ንየሆዋ ድማ ጥዑይ ፍርሃት ክሓድረና ይግባእ። (ምሳሌ 23:⁠17, 18) ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ ኸነጥርዮ እንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና በዚ ምምልላስን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን ግን ዝሓሸ ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” በለ።​—⁠መክብብ 12:1

ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸነማዕብሎ ኻብ እንኽእለሉ ብሉጽ መገድታት ሓደ: መዓልቲ መዓልቲ ብብሕቲ ናብኡ ብምጽላይ ኢዩ። ዳዊት “ዎ ጐይታይ: ጸሎተይ ስማዕ: እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ: ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል” ብምባል ንየሆዋ ምስጢርካ ምክፋል ዘለዎ ኣገዳስነት ሓቢሩ ኢዩ። (መዝሙር 39:⁠12) ሓድሓደ ግዜ ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንስምዒትና ብምትንካፍ ክሳዕ እንነብዕዶ ይገብረና ኢዩ፧ እወ: ንየሆዋ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ነገራት ብዝያዳ ብዝገለጽናሉን ንቓሉ ብዘስተንተንናሉን መጠን ንሱውን ብዝያዳ ይቐርበና ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 4:⁠8

ምእዛዝ ተምሃር

ሙሴ ኣብ ኣምላኽ ክጽጋዕ ከም ዘድልዮ ዘስተውዓለ ናይ እምነት ሰብ ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ከም ዳዊት: ህይወት ጭንቂ ዝመልኦ ምዃኑ የስተውዕል ነበረ። ስለዚ ‘ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽረክብ: መዓልትታቱ ብኸመይ ክቘጽር ከም ዝግባእ ክምህሮ’ ንኣምላኽ ለመኖ። (መዝሙር 90:⁠10-12) ጥበበኛ ልቢ ኽንረክብ እንኽእል ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ምስ እንመሃርን ምስኡ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስን ጥራይ ኢዩ። ሙሴ ነዚ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ደጊሙ ብምንጋር ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ኸስርጸሎም ጸዓረ። ድሓር ንእስራኤላውያን ክመርሖም ብየሆዋ ዝምረጽ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ንጉስ: ቅዳሕ ናይቲ ሕጊ ኽጽሕፍን ኣብ መዓልትታት ህይወቱ ኸንብቦን ነበሮ። ስለምንታይ ኢዩ ኸምዚ ዝገብር፧ ፍርሃት ኣምላኽ ምእንቲ ኽመሃር ኢዩ። እዚ ንተኣዛዝነት ናይቲ ንጉስ ዝፍትን ነበረ። ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዓል የዕቍቦ: መዓልትታት መንግስቱ የንውሓሉ ነበረ። (ዘዳግም 17:⁠18-20) የሆዋ ንሰሎሞን ወዲ ዳዊት “ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝኸዶ ኸኣ: ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን ክትሕሉ: ብመገደይ እንተ ኸድካ: ዕድሜኻ ኸንውሕ እየ” ክብሎ ኸሎ እውን ነዚ መብጽዓ እዚ ኢዩ ደጊምዎ።​—⁠1 ነገስት 3:⁠10-14

ተኣዛዝነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቕሊልካ ዝርአ ጕዳይ ኣይኰነን። ገለ ኽፋል ናይቲ የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታትን ትእዛዛትን ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ብርግጽ ይዕዘቦ ኢዩ። (ምሳሌ 15:⁠3) ነዚ ብምፍላጥና: ንዅሉ መምርሒታት የሆዋ ንኽንስዕብ ክድርኸና ኣለዎ። ርግጽ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ እዚ ምግባር ክኸብደና ይኽእል ኢዩ። ሕግታትን ትእዛዛትን ኣምላኽ ንምስዓብ ክንጽዕር ከሎና ሰይጣን ‘ንኽዓግተና’ ዝከኣሎ ዅሉ ይገብር ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠18

ብፍላይ እቲ ኣምልኾና ንኽንፍጽምን ሕውነትና ንኸነደልድልን ኢልና ኣኼባታት ክንገብር እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ኣገዳሲ ኢዩ። (ዘዳግም 31:⁠12, 13፣ እብራውያን 10:⁠24, 25) ስለዚ ንገዛእ ርእስና ‘ነቲ ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ነገር ንምግባር ቈራጽነትን ሓቦን ኣሎኒዶ ኢዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ይግባእ። ድሕንነት ከም ዝስምዓና ኽገብር ዝኽእል ገንዘብ ንኽንረክብ ኢልና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንረኽቦ ሕብረትን መምርሕን እንተ ነጺግናዮ: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ክልሕልሕ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “[የሆዋ] ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ​ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:5) ትእዛዛት ኣምላኽ ባህ ኢሉና ምስ እነኽብሮ: ንሱ ኸም ዝሓልየልና ምሉእ ትውክልቲ ኸም ዘሎና የርኢ።

የሱስ ምእዛዝ ተማሂሩ: ካብዚውን ተጠቒሙ ኢዩ። ንሕናውን ኣሰሩ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 5:⁠8) ብዝያዳ ተኣዛዝነት ብዘማዕበልና መጠን: ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ብቐሊሉ እዙዛት ንኸውን። ልክዕ ኢዩ: ንጽህናና ሓሊና ብምምልላስና ካልኦት ሰባት የሸግሩና ይዀኑ። ብፍላይ ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እዚ የጋጥም ኢዩ። ይኹን እምበር: እስራኤላውያን ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም እንተ ኣፍቂሮም: ቃሉ ድማ እንተ ሰሚዖም: ናብኡውን እንተ ለጊቦም ንሱ ህይወቶምን ምናሕ ዕድመኦምን ክኸውን ምዃኑ’ እተነግሮም መግለጺ ንዓናውን የጸናንዓና ኢዩ። (ዘዳግም 30:⁠20) እዚ መብጽዓ እዚ ሕጂውን ኣባና ይዓዪ ኢዩ።

ግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ

ንግዜና ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ እውን መዓልትታትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንኽንቈጽር ክሕግዘና ኢዩ። ግዜ ኸም ገንዘብ ክውህለል ስለ ዘይክእል: ክትጥቀመሉ ኣሎካ: እንተ ዘይኰይኑ ግን ክጠፍእ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ ሰዓት ንሓዋሩ ኣይትምለስን ኢያ። እምበኣር ወትሩ ኻብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ዝበዝሕ ዕዮ ኻብ ሃለወና: ንግዜና ኣብ ሸቶና ንምብጻሕ ዲና እንጥቀመሉ ዘሎና፧ ኵላቶም ክርስትያናት ከውጽእዎ ዘለዎም ቀንዲ ሸቶ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮን ስርዓታዊ ዄንካ ምስታፍ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20

ንግዜ ኣኽቢርና ምስ እንርእዮ ጥራይ ኢና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእል። ስለዚ: ኤፌሶን 5:⁠16 ‘ግዜ ኽንዕድግ’ ክትምሕጸነና ሓቃ ኢያ: እዚ ድማ ካብቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ግዜ “ኽንሽምት” ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ግዜና ዘጥፍእ ነገራት ምንካይ ማለት ኢዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ተለቪዥን ወይ ኢንተርነት ግዜ ምሕላፍ: ዘይጠቅም ዓለማዊ ጽሑፋት ምንባብ: ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ምዝንጋዕ ግዜ ምሕላፍ ከድክመና ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ምውህላል ጥበበኛ ልቢ ንምጥራይ ግዜ ኸም እንስእን ክገብረና ይኽእል ኢዩ።

ግዜኻ ብጥንቃቐ ኽትጥቀመሉ ዘተባብዑ ሰባት “ንጹር ሸቶታት ከየውጻእካ ግዜኻ ብግቡእ ምጥቃም ዘይከኣል ኢዩ” ይብሉ። ነቲ እተውጽኦ ሸቶታት ከኣ ሓሙሽተ መለክዒታት ክትገብረሉ ኢዮም ዝምዕዱ፣ እዚ መለክዒታት እዚ ድማ ንጹር: ክልካዕ ዝከኣል: ክብጻሕ ዝከኣል: ኣብ ክዉንነት እተመርኰሰ: ከምኡውን መደብ ዝወጸሉ ኢዩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ ጠቓሚ ሸቶታት ኢዩ። እምበኣር ኣብዚ መዳይ እዚ መጀመርታ እንወስዶ ስጕምቲ ሸቶና ንጹር ምግባር ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኢዩ። ድሕሪኡ ኽንወስዶ ዘሎና ስጕምቲ ነቲ ሸቶና ኽንልክዖ ከም እንኽእል ምግባር ኢዩ። ከምዚ ብምግባርና ኣበይ ከም ዝበጻሕና ምልክት ንኽንገብር የኽእለና። ሸቶና ጻዕሪ ንኽንገብርን ዝያዳ ንኽንዓምምን ዘተባብዓና ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ክብጻሕ ዝኽእልን ኣብ ክውንነት እተመርኰሰን ክኸውን ኣለዎ። ናይ ብሕቲ ኽእለትናን ግዜናን ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ገሊኣቶም ሰባት ሸቶኦም ንምውቃዕ ዝያዳ ግዜ የድልዮም ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሸቶና መደብ ከነውጽኣሉ ኣሎና። ሓደ ነገር እትፍጽመሉ ዕለት ምውሳን ነቲ ሸቶኻ ንኽትዓሞ ዝያዳ ድራኸ የሕድረልካ ኢዩ።

ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኰነ ኣብ ካልእ ጨንፈራት ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገልግሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዅሎም ኣባላት ስድራ ቤትኤል: ኣብታ ኣብ ቤትኤል ኣገልግሎት ዝጀመሩላ ናይ መጀመርታ ዓመት ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንምንባብ ንጹር ሸቶ ይገብሩ ኢዮም። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብሩን ምስቲ ዝጠቅም ዘበለ ዝምህሮም የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኽህልዎምን ኣበርክቶ ኸም ዝገብር የስተውዕሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 48:⁠17) ንሕናኸ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ሸቶ ኸነውጽእ ንኽእልዶ፧

መዓልትታትና ብምቝጻር ዝርከብ ጥቕምታት

ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ ብዙሕ በረኸት የምጽእ ኢዩ። ቅድም ቀዳድም ዕግበት ከም ዝስምዓናን ኣብ ህይወትና ዕላማ ኸም ዝህልወናን ይገብር። ወትሩ ናብ የሆዋ እንጽልዮ ልባዊ ጸሎት ናብኡ ንኽንቀርብ የኽእለና። ምጽላይና ጥራይ እኳ ንገዛእ ርእሱ ኣብኡ እምነት ከም ዘሎና ኢዩ ዘመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን እቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት መዓልታዊ ምስ እነንብብ: ኣምላኽ ክዛረበና ኸሎ ኽንሰምዖ ከም እንደሊ የርኢ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) እዚ ድማ ኣብ ህይወትና ቅኑዕ ውሳነታትን ምርጫታትን ንምግባር ዘኽእለና ጥበበኛ ልቢ ንኸነጥሪ ይሕግዘና።​—⁠መዝሙር 1:⁠1-3

ትእዛዛት የሆዋ ኸቢድ ስለ ዘይኰነ: ክንሕልዎ ኸሎና ሓጐስ ኢና እንረክብ። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) ነፍሲ ወከፍ እነሕልፋ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽንቈጽራ ኸሎና ኸኣ ምስኡ ዘሎና ርክብ ነደልድል። ንኣመንቲ ብጾትና ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ደገፍ ንህቦም። እዚ ንየሆዋ ኣምላኽ የሐጕሶ ኢዩ። (ምሳሌ 27:⁠11) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ሕጅን ንዘለኣለምን ሞገስ የሆዋ ካብ ምርካብ ዝዓቢ ዓስቢ የለን!

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ንመንፈሳዊ ነገራት ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ግዜኻ ብጥበብ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽንቈጽር ከሎና ምስኡ ዘሎና ርክብ ይድልድል