ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣኼባና ኣይንሕደግ

ኣኼባና ኣይንሕደግ

ኣኼባና ኣይንሕደግ

“እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዝብል ማዕዳ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንረክብ ኢና። (እብራውያን 10:25) ስለዚ እምበኣር: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኸስተብህሉ’ ናብ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ክኸዱ ኣለዎም።​—⁠እብራውያን 10:24

 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት ክጽሕፈን ከሎ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዝምስጥ ቤተ መቕደስ ማእከል ኣምልኾ ኣይሁድ ኰይኑ የገልግል ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብያተ⁠-​ጸሎት ነይሩ ኢዩ። የሱስ ‘ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ: ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን ይምህር’ ነበረ።​—⁠ዮሃንስ 18:20

ጳውሎስ ንክርስትያናት ንሓድሕዶም ምእንቲ ኽተባብዑ ኽእከቡ ኽምዕዶም ከሎ ግን ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ዓይነት መአከቢ ቦታ ኢዩ ሒዙ ነይሩ፧ እዚ ዓበይቲ ህንጻታት ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ናይ ቤተ መቕደስ ኣገባብ እተቐድሐ ድዩ፧ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ክሃንጹ ዝጀመሩ መዓስ ኢዮም፧

‘ንስም ኣምላኽ እተሰርሐ ቤት’

ንኣምላኽ ንምምላኽ ብዛዕባ ዘገልግል ቦታ ዝገልጽ ናይ መጀመርታ መምርሒ ኣብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዘጸኣት ኢዩ ዝርከብ። የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ዝመረጾም ህዝቡ: ማለት ንእስራኤላውያን “ማሕደር” ወይ “ድንኳን ምርኻብ” ክሰርሑ ኣዘዞም። እቲ ታቦት ኪዳንን እተፈላለየ ቅዱስ ኣቝሑን ድማ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ። እቲ ዕዮ ብ1512 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ተዛዘመ: ‘ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ማሕደር መልኦ።’ እዚ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ ድንኳን ንልዕሊ ኣርባዕተ ዘመናት ሰባት ናብ ኣምላኽ ዝቐርቡሉ ማእከል ኰይኑ ኣገልገለ። (ዘጸኣት ምዕራፍ 25-27፣ 40:⁠33-38) ብተወሳኺውን መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ድንኳን “መቕደስ እግዚኣብሄር” ከምኡውን “ቤት እግዚኣብሄር” ኢሉዎ ኣሎ።​—⁠1 ሳሙኤል 1:⁠9, 24

ጸኒሑ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ንጉስ ምስ ኰነ: ንኽብሪ ኣምላኽ ሓደ ቐዋሚ ቤት ንምህናጽ ዘለዎ ሓያል ባህጊ ገለጸ። ዳዊት ብዙሕ ውግኣት ስለ እተዋግአ ግን የሆዋ “ንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ” በሎ። ኣብ ክንድኡስ ንሰሎሞን ወዱ ቤተ መቕደስ ክሃንጽ መረጾ። (1 ዜና መዋእል 22:6-10) ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምህናጽ ብ1026 ቅ.ኣ.ዘ. ኣመረቓ። የሆዋ ድማ “ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት: ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን” ብምባል ስምረቱ ገለጸሉ። (1 ነገስት 9:3) እስራኤላውያን እሙናት ክሳዕ ዝዀኑ: የሆዋ ነታ ቤት ሞገሱ ኸንብረላ ወሰነ። ካብቲ ቕኑዕ መገዲ እንተ ኣልጊሶም ግን ሞገሱ ኻብታ ቤት ክኣሊ: እታ ቤት ድማ ዑና ኽትከውን ምዃና ገለጸሎም።​—⁠1 ነገስት 9:⁠4-9፣ 2 ዜና መዋእል 7:⁠16, 19, 20

ድሕሪ ገለ ግዜ እስራኤላውያን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣላገሱ። (2 ነገስት 21:⁠1-5) “ስለዚ [የሆዋ] ንንጉስ ከልዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። . . . ነታ ቤት ኣምላኽ [ድማ] ኣንደድዋ: ነቲ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣፍረስዎ: ኣደራሻታ ዘበለ ዅሉውን ብሓዊ ኣንደድዎ: ኵሉ ኽቡር ኣቓሑኡ ድማ ኣጥፍኡ። ነቶም ካብ ሴፍ ዘምለጡ ዘበሉ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ: . . . ንእኡን ንደቁን ባሮት ዀኑ።” እዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ኣጋጢሙ።​—⁠2 ዜና መዋእል 36:15-21፣ ኤርምያስ 52:⁠12-14

ከምቲ ኣቐዲሙ ብነብዪ ኢሳይያስ ተነጊሩ ዝነበረ ግን ኣምላኽ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ብምትንሳእ ንኣይሁድ ካብ ባቢሎን ሓራ ኣውጽኦም። (ኢሳይያስ 45:⁠1) ን70 ዓመት ኣብ ምርኮ ድሕሪ ምጽናሕ ነታ ቤተ መቕደስ ንምህናጽ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። (እዝራ 1:⁠1-6፣ 2:⁠1, 2፣ ኤርምያስ 29:⁠10) እቲ ዕዮ ህንጸት ናይታ ቤተ መቕደስ ንእተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምድንጓይ ኣብ መወዳእታኡ ብ515 ቅ.ኣ.ዘ. ተዛዘመ: ጽሩይ ኣምልኾ ኸኣ እንደገና ተመስረተ። እዛ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ከምታ ሰሎሞን ዝሰርሓ እተደንቕ እኳ እንተ ዘይነበረት: ዳርጋ ን600 ዓመታት ዝኸውን ግን ከይፈረሰት ጸኒሓ ኢያ። ይኹን እምበር: እስራኤላውያን ንኣምልኾ የሆዋ ሸለል ስለ ዝበልዎ: እዛ ቤት እዚኣ ጽገና ዘድለየላ እዋን ነይሩ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ: እታ ቤተ መቕደስ በብቕሩብ ብንጉስ ሄሮድስ ዳግም ትህነጽ ነበረት። እንተዀነ ግን እዛ ቤተ መቕደስ እንታይ ኢዩ ኸጋጥማ፧

“እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ”

የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣመልኪቱ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎም። (ማቴዎስ 24:1, 2) ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ኸኣ እታ ማእከል ናይቲ ንኣምላኽ ዝቐርብ ኣምልኾ ዀይና ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለት ቤት ብ70 ከ.ኣ.ዘ. በቶም ንዕልወት ኣይሁድ ንምጭፍላቕ ዝመጹ ሰራዊት ሮሜ ፈረሰት። a እታ ቤተ መቕደስ እቲኣ እንደገና ኣይተሃንጸትን። ኣብ ሻውዓይ ዘመን ጕልላት ናይቲ ኸውሒ ተባሂሉ ዝፍለጥ መስጊድ ኣስላም ኣብዚ ማእከል ኣምልኾ ኣይሁድ ዝነበረሉ ቦታ ተሃነጸ: ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ድማ ኣብኡ ኣሎ።

ሰዓብቲ የሱስ ግን ብዛዕባ ኣምልኾ ዝመጸ እንታይ ምድላው ኢዩ ነይርዎም፧ ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብታ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክትዓኑ ዝነበራ ቤተ መቕደስ ድዮም ንኣምላኽ ከምልኹ፧ ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትያናትከ ኣበይ ኢዮም ንኣምላኽ ከምልኽዎ፧ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝሃነጸቶም ህንጻታት ነቲ እታ ቤተ መቕደስ እትፍጽሞ ዝነበረት ኣገልግሎት ተኪእዎዶ ኢዩ፧ የሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ዝርርብ ኣብዚ መዳይ እዚ መልሲ ይህበና ኢዩ።

ሳምራውያን ንብዙሕ ዘመናት ኣብቲ ኣብ ሰማርያ ዝርከብ ከረን ጌሪዚም እተሃንጸ ቤተ መቕደስ ንኣምላኽ የምልኹ ነይሮም ኢዮም። እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ንየሱስ “ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፤ እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ: ኢኹም እትብሉ” በለቶ። የሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ: ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ኸም እትመጽእ: እመንኒ” ኢሉ መለሰላ። ቀጺሉውን “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም” ስለ ዝበላ: ብዓይኒ ዝርአ ቤተ መቕደስ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ደጊም ኣገዳስነት የብሉን። (ዮሃንስ 4:20, 21, 24) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ጸኒሑ ንሰብ ኣቴና “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ: ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ” በሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:24

እምበኣር ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝሃነጸቶ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ምስቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ቤተ⁠-​መቕደስ ዝዀነ ይኹን ርክብ የብሉን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጻታት ንምህናጽ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ድሕሪ ሙማቶም ግን እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኻብ ትምህርቲ ሓቂ ዝዘንበለ ኽሕደት ተቐልቀለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠29, 30) እቲ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ካብቲ ናብ ክርስትና እምነቱ ቐዪሩ እተባህለሉ 313 ከ.ኣ.ዘ. ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ: ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ኻብቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኸላግሱ ጀሚሮም ነበሩ።

ቆስጣንጢኖስ “ንክርስትና” ምስ ኣረማዊ ሃይማኖት ሮማውያን ኣብ ምትሕንፋጽ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “ቆስጣንጢኖስ ባዕሉ ኣብ ሮማ ዝርከባ ሰይንት ፒተር: ሳን ፖሎ ፎሪ ለ ሙራ: ከምኡውን ሳን ጆቫኒ ኢን ላተራኖ ዝበሃላ ሰለስተ ዓበይቲ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ክህነጻ ኣዘዘ። . . . ነቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ዝዝውተር ዝነበረ መስቀላዊ ቅርጺ ዘለዎ ንድፊ ድማ መሃዘ።” እታ ኣብ ሮማ እትርከብ እንደገና እተሃንጸት ቤተ⁠-​ክርስትያን ሰይንት ፒተር ማእከል ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን ጌርካ ኢያ እትርአ።

ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት ከኣ “ቤተ⁠-​ክርስትያን ንገለ ኻብቲ ቕድሚ ክርስትና ኣብ ሮማ ዝነበረ [ኣረማዊ] ሃይማኖታዊ ልምድታትን ኣገባባትን ወሪሳቶ ኢያ” በለ። እዚ ድማ ነቲ “ንድፊ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን” እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ካብ 10ይ ክሳዕ መበል 15 ዘመን ሓያሎ ኣብያተ⁠-​ክርስትያንን ካቴድራላትን ተሃኒጹ ኢዩ: ኣብ ንድፊ ናይቲ ህንጻታት ከኣ ዝያዳ ኣትኵሮ ይግበር ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢዩ እዚ ሕጂ ኸም ቅርሲ ጌርካ ዝርአ ዘሎ ዓበይቲ ህንጻታት ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን እተሃንጸ።

እንተዀነ ግን: ሰባት ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ከይዶም ብምምላኽ ወትሩ መንፈሳዊ ምሕዳስን ምትብባዕን ይረኽቡ ድዮም፧ ኣብ ብራዚል ዝነብር ፍራንሲስኮ “ንዓይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክበሃል ከሎ ዘሰልክን ኣድካምን ክፋል ሃይማኖት ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ቅዳሴ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ድሌተይ ዘየማልእ ትርጕም ዘይብሉን ተደጋጋምን ነገር ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ክዛዘም ከሎ ወትሩ እፎይ ኢየ ዝብል ነይረ” በለ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ኣመንቲ ኣኼባ ኽገብሩ ተኣዚዞም ኢዮም። እሞኸ ከመይ ዝበለ ኣኼባ ደኣ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧

“ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር”

ነቲ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ብምምርማር ናይ ክርስትያናት ኣኼባ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ ምንባሮም ቅዱሳት ጽሑፋት ይሕብረና ኢዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ: ጵርስኪላን ኣኪላስን: ሰላም በሉ። ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (ሮሜ 16:⁠3, 5፣ ቈሎሴ 4:⁠15፣ ፊልሞን 2) ስለዚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ እተሰላለመ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ኣይኰነን ኣምልኾኦም ዝገብሩ ነይሮም።

ኣብ ጉባኤታት ቀዳሞት ክርስትያናት: ኣኼባታት ብኸመይ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ፧ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንኣኼባ ክርስትያናት ኣመልኪቱ ቤት ጸሎት ተባሂላ እተተርጐመት ብግሪኽኛ ሲናጎግ እትብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። (ያእቆብ 2:⁠2) እዛ ናይ ግሪኽ ቃል እዚኣ “ምእካብ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ: ምስታ ኢክለሲያ እትብል ማሕበር ተባሂላ እተተርጐመት ቃል ድማ ትመሳሰል ኢያ። ድሕሪ ግዜ ግን እታ “ሲናጎግ” እትብል ቃል: ስም ናይቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ወይ ህንጻ ዀነት። እቶም ቀዳሞት ኣይሁድ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሲናጎግ ወይ ቤት ጸሎት ዝግበር ዝነበረ ነገር ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም። b

ኣይሁድ ዓመታዊ በዓላቶም ንምብዓል ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ክኸዱ ኸለዉ: ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ሕግን ንኽመሃሩ ግን ኣብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ኣብያተ⁠-​ጸሎት ይኸዱ ነበሩ። ኣብዚ ቦታታት እዚ ይጽልዩን ቅዱሳት ጽሑፋት የንብቡን ይመያየጡን ይመዓዓዱን ዝነበሩ ኢዩ ዝመስል። ጳውሎስን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ናብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ቤት ጸሎት ምስ ከዱ “እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፤ ኣቱም ኣሕዋትና: ገለ ንህዝቢ ዚንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም: ንገሩ: ኢሎም ለአኹሎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 13:15) እምበኣር እቶም ቀዳሞት ኣይሁድ ክርስትያናት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኽእከቡ ኸለዉ: ተመሳሳሊ ኣገባብ ይስዕቡ ምንባሮም: ማለት ኣብ ኣኼባታቶም ቅዱሳት ጽሑፋትን ይመሃሩን ብመንፈስ ይተሃናነጹን ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ሃናጺ ጉባኤታት

ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ምእንቲ ኽረኽቡን ጥዑይ ምሕዝነት ምእንቲ ኸጥርዩን ኣብ ተራ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ይእከቡ ኢዮም። ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኽእከቡ ጸኒሖም ኢዮም: ኣብ ገሊኡ ቦታታት እውን ክሳዕ ሕጂ ኸምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜና ብዝሒ ጉባኤታት ልዕሊ 90,000 በጺሑ ኣሎ: ቀንዲ መአከቢኦም ከኣ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይበሃል። እዚ ህንጻታት እዚ ንረኣዩለይ እተሃንጸ ኣይኰነን: ምስ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ድማ ኣይመሳሰልን ኢዩ። ተራ ዓይነት ንድፊ ዘለዎ ዀይኑ ካብ 100 ኽሳዕ 200 ዝዀኑ ሰባት ቃል ኣምላኽ ንኽሰምዑን ንኽመሃሩን ሰሙናዊ ዝእከቡሉ ቦታታት ኢዩ።

ዝበዝሓ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሳዕ ኣኼባ ይገብራ። ሓደ ኻብዚ ኣኼባታት እዚ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት ህዝባዊ ኣስተምህሮ ዝቐርበሉ ኢዩ። ደድሕሪኡ ኸኣ ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ጌርካ ኣብ ሓደ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ነጥቢ ወይ ትንቢት እተመርኰሰ ትምህርቲ ይወሃብ። ኣብ ካልእ ኣኼባ ድማ መልእኽትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ብኸመይ ከም እትነግር ኣብ ምስልጣን ዘተኰረ ቤት ትምህርቲ ኣሎ። ደድሕሪኡ ድማ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ጠቓሚ ሓሳባት ኣብ ምሃብ ዘተኰረ ኣኼባ ይካየድ። ብዘይ​ዚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ይእከቡ ኢዮም። ኵሉ እዚ ኣኼባታት እዚ ንህዝቢ ኽፉት ኢዩ። እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን ኢዩ።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፍራንሲስኮ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝግበር ኣኼባታት ኣዝዩ ጠቓሚ ዀይኑ ኢዩ ረኺብዎ። ብዛዕባኡ ድማ ኸምዚ በለ:- “ፈለማ ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ምቹእ መአከቢ ኢየ ኸይደ: ካብቲ ኣደራሽ ክወጽእ ከሎኹ ኸኣ ጽቡቕ ጦብላሕታ ኢዩ ሓዲጉለይ። እቶም ተኣከብቲ ምቕሉላት ኢዮም ነይሮም: ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍቕሪ እውን ከስተውዕለሉ ኽኢለ ኢየ። ስለዚ: ካልእ መዓልቲ ናብኡ ኽምለስ ተሃንጠኹ። አረ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘስ ካብዚ ኣኼባታት እዚ በዂረ ኣይፈልጥን ኢየ። እዚ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እዚ ህያው ስለ ዝዀነ መንፈሳዊ ድሌተይ የማልኣለይ ኢዩ። ብገለ ምኽንያት እንተ ተበሳጨኹ እኳ: ምትብባዕ ከም ዝረክብ ርግጸኛ ዀይነ ኢየ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸይድ።”

ንስኻውን ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንተ መጺእካ: ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ዘተባብዕ ምሕዝነት: ከምኡውን ንኣምላኽ ንኸተወድስ ዘኽእለካ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ። እምበኣር ናብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከይድ ብኽብሪ ንዕድመካ። ከምኡ ብምግባርካ ድማ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ቤተ መቕደስ ብሮማውያን ምሉእ ብምሉእ ዓንያ ኢያ። እቲ ኣይሁድ ካብ እተፈላለየ ቦታታት መጺኦም ዝጽልዩሉ መንደቕ ክፍሊ ናይቲ ቤተ መቕደስ ኣይኰነን ነይሩ። የግዳስ ገለ ኽፋል ናይቲ ኣጸድ ቤተ መቕደስ ኢዩ።

b ኣብያተ⁠-​ጸሎት ኣብቲ ኣይሁድ ን70 ዓመት ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝጸንሑሉን ቤተ መቕደስ ዘይነበረሉን ግዜ ወይ ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ እሞ እታ ቤተ መቕደስ ገና ኣብ ዘይተሃንጸትሉ እዋን ዝጀመረ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተን ኣብ ምድሪ ፍልስጤም ዝነበራ ንኣሽቱ ኸተማታት ሓሓደ ቤት ጸሎት ነበረን: እተን ዓበይቲ ኸተማታት ከኣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ነበረን።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ማሕደርን እቲ ደሓር ማእከል ኣምልኾ የሆዋ ዀይኑ ዘገልገለ ቤተ መቕደስን

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሮማ እተሃንጸ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሰይንት ፒተር

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይትን ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽን የካይዱ