ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም ኢዮም ዝነብሩ

ክርስትያናት ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም ኢዮም ዝነብሩ

ክርስትያናት ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም ኢዮም ዝነብሩ

“ኣካል ሓድሕድ ኢና።”​—⁠ኤፌሶን 4:25

1. ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ሰብነት እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

 ሰብነትና ዘደንቕ ፍጥረት ኢዩ! ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኸምዚ ይብል:- “ሓድሓደ ግዜ ሰባት ንሰብነት ቅድሚ ሕጂ ኻብ እተሰርሐ ዘበለ ኣዝዩ ዘስተንክር ማሽን ይብልዎ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ሰብነት ማሽን ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ብብዙሕ መገዲ ምስ ሓደ ማሽን ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ሰብነት ልክዕ ከም ማሽን ብእተፈላለየ ክፋላት ዝቘመ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሰብነትና: ልክዕ ከም ሓደ ኽፋል ናይ ማሽን እተወሰነ ዕዮ ኣለዎ። ኵሉ እዚ ኽፍልታት እዚ ብሓባር ስለ ዝዓዪ ግን ንሰብነትና ወይ ነቲ ማሽን ብዘይ​ ጸገም ዕማሙ ኸም ዝፍጽም ይገብሮ።”

2. ኣብ መንጎ ሰብነትን ክርስትያናዊት ጉባኤን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

2 እወ: ሰብነት እተፈላለየ ኽፍልታት ወይ ኣካላት ዝሓዘ ዀይኑ ነፍሲ ወከፉ ኸኣ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ። ጥቕሚ ዘይብላ እትበሃል ዋላ ሓንቲ ሱር ደም: ጭዋዳ: ወይ ኣካል የላን። ብተመሳሳሊ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ንመንፈሳዊ ጥዕናን ጽባቐን ገለ ኣበርክቶ ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 12:⁠14-26) ሓደ ኣባል ጉባኤ ንገዛእ ርእሱ ካብ ካልኦት ከም እትበልጽ ገይሩ ኽርኢ እኳ እንተ ዘይብሉ: ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ ግን ክስምዖ የብሉን።​—⁠ሮሜ 12:⁠3

3. ኤፌሶን 4:⁠25 ክርስትያናት ንሓድሕዶም ዝደጋገፉ ምዃኖም ብኸመይ ኢያ እትሕብር፧

3 ልክዕ ከምቲ ኣካላት ተደጋጊፉ ዝነብር: ክርስትያናት እውን ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም ኢዮም ዝነብሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ኣመንቲ ብጾቱ “ንሓሶት ንየው በልዎ: ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ: ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ኢልዎም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:25) እቶም ኣባላት መንፈሳዊ እስራኤል ወይ እቶም “ስጋ ክርስቶስ” እተባህሉ: “ኣካል ሓድሕድ” ስለ ዝዀኑ ኣብ መንጎኦም ምርድዳእን ምትሕብባርን ኣሎ። እወ: ነፍሲ ወከፎም ኣካል ናይ ካልኦት ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠11-13) ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን ተሓጒሶም ምሳታቶም ሓቢሮም ኣለዉ።

4. ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ዝዀኑ ብኸመይ ክሕገዙ ይኽእሉ፧

4 ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ሰባት ይጥመቑ ኢዮም። ካልኦት ኣባላት ናይታ ጉባኤ ኸኣ ነዞም ሓደስቲ ‘ናብ ፍጻሜ [“ብስለት:” NW ] ንኽሓልፉ’ ተሓጒሶም ይሕግዝዎም ኢዮም። (እብራውያን 6:⁠1-3) እዚ ሓገዝ እዚ ኣብ ኣገልግሎት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምምላስ ወይ ግብራዊ ሓገዝ ምሃብ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወትሩ ተሳትፎ ብምግባር እውን ንሓደስቲ ሰናይ ኣብነት ክንኰኖም ንኽእል ኢና። ኣብ ግዜ ጸገም ምትብባዕ ወይ ምጽንናዕ ክንህቦም ንኽእል ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠14, 15) ካልኦት ‘ብሓቂ ንኽመላለሱ’ እንሕግዘሉ መገድታት ከነናዲ ኣሎና። (3 ዮሃንስ 4) ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ንኹን ነዊሕ ዓመታት ዝገበርና: ንመንፈሳዊ ድሕንነት ኣመንቲ ብጾትና ኽንጠቅም ንኽእል ኢና። እወ: ደገፍና የድልዮም ኢዩ።

እቲ ዘድሊ ሓገዝ ሂቦም

5. ኣኪላስን ጵርስኪላን ንጳውሎስ ብኸመይ ኢዮም ዝሓገዝዎ፧

5 ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንኣመንቲ ብጾቶም ብምሕጋዝ ሓጐስ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣኪላስን ጵርስኪላ ሰበይቱን ንጳውሎስ ሓጊዞምዎ ኢዮም። ኣብ ቤቶም ተቐቢሎምዎ: ምስኡ ብሓባር ኰይኖም ድንኳን ኣብ ምስፋይ ተዋፊሮም: ከምኡውን ኣብ ቈረንቶስ ሓዳስ ጉባኤ ንኸቕውም ሓጊዞምዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 18:⁠1-4) ኣብ ክንዲ ጳውሎስ እውን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ኢዮም። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ: ጵርስኪላን ኣኪላስን: ሰላም በሉ። ንሳቶም ኣብ ክንዲ ህይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ: ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግናኦም እምበር: ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ” ኢሉ ኽጽሕፈሎም ከሎ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ይቕመጡ ነበሩ። (ሮሜ 16:3, 4) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ገለ ክርስትያናት እውን ልክዕ ከም ኣኪላስን ጵርስኪላን ጉባኤታት የቝሙ: ንኣመንቲ ብጾቶም ብእተፈላለየ መገድታት ይሕግዙ: ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ንኻልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስቓይ ወይ ሞት ምእንቲ ኸይወርዶም ኢሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኢዮም።

6. ንኣጵሎስ እንታይ ሓገዝ ኢዩ እተዋህቦ፧

6 ኣኪላስን ጵርስኪላን ነቲ ንተቐማጦ ኤፌሶን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝምህሮም ዝነበረ ኣጵሎስ ዝበሃል ክኢላ ተዛራባይ እውን ሓጊዞምዎ ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣጵሎስ ብዛዕባ እታ ዮሃንስ ንሕድገት ሓጢኣት ሕጊ ኺዳን ዝገበራ ጥምቀት ጥራይ ኢዩ ዝፈልጥ ነይሩ። ኣኪላስን ጵርስኪላን: ኣጵሎስ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ስለ እተገንዘቡ: “መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።” ምናልባት ነቲ ኣብ ማይ ምጥሓልን ምቕባል መንፈስ ቅዱስን ዘጠቓልል ክርስትያናዊ ጥምቀት ኢዮም ገሊጾምሉ ክዀኑ ዘለዎም። ኣጵሎስ ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ። ጸኒሑ ኣብ ኣካይያ “ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርአየ: ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 18:24-28) ኣመንቲ ብጾትና ዝህብዎ ሓሳባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ንኸነዕቢ ኽሕግዘና ይኽእል ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ እውን ንሓድሕድና ንደጋገፍ ኢና።

ስጋዊ ሓገዝ ምሃብ

7. ገለ ኣመንቲ ብጾት ብስጋ ሓገዝ ምስ ኣድለዮም: ሰብ ፊልጲ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧

7 ኣባላት ናይታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጳውሎስ ኣዝዮም የፍቅርዎ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብስጋ ዘድልዮ ነገራት ይልእኹሉ ነበሩ። (ፊልጲ 4:⁠15, 16) እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣሕዋት ብስጋ ሓገዝ ምስ ኣድለዮም ድማ ሰብ ፊልጲ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ እውን ውጽኢት ንምግባር ድሉዋት ምዃኖም ኣርኣዩ። ጳውሎስ እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘርኣይዎ መንፈስ ኣዝዩ የማስወሉ ስለ ዝነበረ: ንኻልኦት ኣመንቲ ከም ኣብነት ገይሩ ጠቐሶም።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠1-6

8. ኤጳፍሮዲጦስ እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢዩ ኣንጸባሪቑ፧

8 ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸሎ: ሰብ ፊልጲ ህያባት ጥራይ ዘይኰነስ ንኤጳፍሮዲጦስ ኣብ ክንድኦም ወኪሎም እውን ልኢኾምሉ ኢዮም። ጳውሎስ ብዛዕባኡ “ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ: ነፍሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ” በለ። (ፊልጲ 2:25-30፣ 4:18) ኤጳፍሮዲጦስ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ይንበር ኣይንበር ዝሕብር ነገር ኣይንረክብን ኢና። ይኹን እምበር: ጥቕሚ ርእሱ ዝስውእን ረድኤቱ ዘይነፍግን ክርስትያን ኢዩ ነይሩ: ንጳውሎስ ከኣ ብሓቂ ደጊፍዎ ኢዩ። ኣብ ጉባኤኹም ከም ኤጳፍሮዲጦስ ዝኣመሰለ ኣሎዶ፧

“ንምጽንናዕ” ዝዀኑ ኢዮም ነይሮም

9. ኣርስጠርኮስ እንታይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉ፧

9 ከም ኣኪላስን ጵርስኪላን ኤጳፍሮዲጦስን ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ዓብዪ ዋጋ ኢዩ ዘለዎም። ገለ ኣመንቲ ብጾት ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣርስጠርኮስ ዝበሃል ክርስትያን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ንሱን ካልኦት ክርስትያናትን “ንምጽንናዕ” ዝዀኑ ሰባት ኢዮም ነይሮም፣ እዚ ድማ ብግብራዊ መገዲ ምጽንናዕ ወይ ደገፍ ዝህቡ ኢዮም ነይሮም ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ቈሎሴ 4:⁠10, 11) ኣርስጠርኮስ ንጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸገም ብምድጋፍ ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ከምቲ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ብምባል ኣብ ምሳሌ 17:17 እተጠቐሰ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኵላትና ንክርስትያናት ብጾትና ምንጪ “ምጽንናዕ” ክንከውንዶ ኣይግብኣናን ኢዩ፧ ብፍላይ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ኢድና ኽንዝርግሓሎም ይግባእ።

10. ጴጥሮስ ንክርስትያናት ሽማግለታት እንታይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉሎም፧

10 ብሕልፊ ክርስትያናት ሽማግለታት ንመንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ምንጪ ምጽንናዕ ክዀኑ ኣለዎም። ክርስቶስ ንጴጥሮስ “ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” ኢልዎ ኢዩ። (ሉቃስ 22:32) ጴጥሮስ ብፍላይ ድሕሪ ትንሳኤ ክርስቶስ ከም ከውሒ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ባህርያት የንጸባርቕ ስለ ዝነበረ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ፈጺምዎ ኢዩ። ሽማግለታት: ኣመንቲ ብጾትኩም ደገፍኩም ስለ ዝደልዩ ብፍታውን ብፍቕርን ንኽትሕግዝዎም ዝከኣለኩም ግበሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28-30፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠2, 3

11. ጢሞቴዎስ ዘንጸባረቖ መንፈስ ብምምርማር ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

11 እቲ መጋይሽቲ ጳውሎስ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ኻልኦት ክርስትያናት ኣጸቢቑ ዝግደስ ሽማግለ ኢዩ ነይሩ። እተወሰነ ናይ ጥዕና ጸገማት እኳ እንተ ነበሮ: ነቕ ዘይትብል እምነት ኣርእዩን ‘ምስ ጳውሎስ ንወንጌል ኣገልጊሉን’ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ “ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን” ክብሎም ዝኸኣለ። (ፊልጲ 2:20, 22፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:5) ንሕናውን ከም ናይ ጢሞቴዎስ ዝኣመሰለ መንፈስ ብምንጽብራቕ ንኣምለኽቲ የሆዋ በረኸት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሰብኣዊ ድኽመትናን እተፈላለየ ፈተናታትን ክንጻወር እኳ እንተሎና: ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግን ሓያል እምነትን ፍቕራዊ ሓልዮትን ከነርእዮም ንኽእል ኢና: ከነርእዮም እውን ኣሎና። ወትሩ ደገፍና ኸም ዝደልዩ ኣይንረስዕ።

ሓልዮት ዘርኣያ ኣንስቲ

12. ካብቲ ዶርቃስ ዝገደፈቶ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

12 ዶርቃስ ሓንቲ ኻብተን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ሓልዮት ዘርኣያ ኣንስቲ ኢያ ነይራ። ምስ ሞተት: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንጴጥሮስ ልኢኾም ኣምጽእዎ: ናብ ደርቢ ኸኣ ኣደየብዎ። ኣብኡ ድማ “ኵላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ: እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርአያኦ ከቢበናኦ ደው በላ።” ጴጥሮስ ንዶርቃስ ካብ ሞት ምስ ኣተንስኣ ‘ጽቡቕ ግብሪ ምግባርን ምጽዋት ምምጽዋትን’ ከም ዝቐጸለት ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብዚ ግዜና እውን ነቶም ስኡናት ክዳውንቲ ዘዳልዋ ወይ ካልእ ፍቕራዊ ተግባር ዝገብራ ኸም ዶርቃስ ዝኣመሰላ ኣንስቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣለዋ። ርግጽ ኢዩ: እቲ ሰናይ ተግባራተን ብቐዳምነት ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ዘደንፍዕ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠36-42፣ ማቴዎስ 6:⁠33፣ 28:⁠19, 20

13. ልድያ ንክርስትያናት ብጾታ ሓልዮት ዘርኣየት ብኸመይ ኢያ፧

13 ልድያ እትበሃል ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ እውን ንሰባት እትሓሊ ኢያ ነይራ። ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ እኳ እንተ ነበረት: ጳውሎስ ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኽሰብከላ ኸሎ ግን ኣብ ፊልጲ ትነብር ነበረት። ልድያ ምናልባት እምነታ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረት ክትከውን ትኽእል ኢያ: ኣብ ፊልጲ ድማ ቤት ጸሎት ዘይነበሮም ሒደት ኣይሁድ ኢዮም ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ክሰብከለን ከሎ ንሳን ካልኦት ውፉያት ኣንስትን ኣብ ጥቓ ርባ ኣምልኾአን ንኸካይዳ ተኣኪበን ነበራ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብለና:- “[ልድያ] ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ: እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፤ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ: ናብ ቤተይ አቲኹም ተቐመጡ: ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:12-15) ልድያ ንኻልኦት ሰናይ ክትገብር ስለ ዝደለየት: ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ቤታ ንእተወሰነ ግዜ ንኽቕመጡ ሕራይ ኣበለቶም። ሕጂ ዘለዉ ሕያዎትን ፈቃራትን ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ክዀኑ ኸለዉስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!​—⁠ሮሜ 12:⁠13፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠9

ንኣሽቱ እውን ግደ ኣለኩም

14. የሱስ ክርስቶስ ንቘልዑ ብኸመይ ኢዩ ዝሕዞም ነይሩ፧

14 ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመስረታ እቲ ሕያዋይን ርሕሩሕን ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ፈቃርን ደንጋጽን ብምንባሩ ኸኣ ሰባት ብቐሊሉ ይቐርብዎ ነበሩ። ገሊኣቶም ወለዲ ንደቆም ናብ የሱስ ከምጽእዎም ምስ ጀመሩ: ደቀ መዛሙርቱ ክኽልክልዎም ፈተኑ። የሱስ ግን “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ: ኣይትኽልእዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይአትዋ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ማርቆስ 10:13-15) በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ: ከም ቈልዑ ትሑታትን ንኽንመሃር ድሉዋትን ክንከውን ኣሎና። የሱስ ነቶም ቈልዑ ሓቚፉ ብምብራኽ ፍቕሩ ኣርኣዮም። (ማርቆስ 10:⁠16) ኣብዚ ግዜና ዘለኹም ንኣሽቱኸ ከመይ ኢዩ ዝስምዓኩም፧ ኣብ ጉባኤኹም ተፈቀርትን ተደለይትን ምዃንኩም ኣይትጠራጠሩ።

15. ኣብ ሉቃስ 2:⁠40-52 ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት የሱስ እንታይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ንነኣሽቱኸ እንታይ ኣብነት ኢዩ ሓዲጉሎም፧

15 የሱስ ገና ንእሽቶ ኸሎ ንኣምላኽን ንቕዱሳት ጽሑፋትን ፍቕሪ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ ኢዩ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ: ምስ ወለዱ ዮሴፍን ማርያምን ፋስጋ ንምብዓል ካብታ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም ከደ። ክምለሱ ኸለዉ ግን ወለዲ የሱስ ምስቶም ዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘየለ ኣስተውዓሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ንኣይሁድ መምህራን ክሰምዖምን ሕቶታት ክሓቶምን ከሎ ረኸብዎ። የሱስ ድማ ዮሴፍን ማርያምን ኣበይ ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ብዘይ​ምፍላጦም ስለ እተገረመ: “ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም። ምሳታቶም ከኣ ናብ ዓዱ ተመልሰ: ይእዘዞምውን ነበረ። ብጥበብን ብቝመትን ድማ እናዓበየ ኸደ። (ሉቃስ 2:40-52) የሱስ ንነኣሽቱ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ገዲፍሎም! እወ ንወለዶም ክእዘዙን መንፈሳዊ ነገራት ንምፍላጥ ተገዳስነት ከሕድሩን ኣለዎም።​—⁠ዘዳግም 5:⁠16፣ ኤፌሶን 6:⁠1-3

16. (ሀ) የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምስክር ከሎ ገለ ቘልዑ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝጨደሩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ክርስትያናት እንታይ ፍሉይ መሰል ኢዩ ዘለዎም፧

16 ብዕድመ ንኣሽቱ ዘበልኩም ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ምስ ወለድኹም ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩም ብዛዕባ የሆዋ ትምስክሩ ትዀኑ። (ኢሳይያስ 43:⁠10-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠20, 21) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምስክርን ሰባት ከሕውን ከሎ ገሊኣቶም ቈልዑ “ሆሳእና [“ኣድሕን: ኢልና ንጽሊ:” NW ] ንወዲ ዳዊት” ኢሎም ጨደሩ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን በዚ ተናዲዶም “እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧” በልዎ። የሱስ ከኣ “እወ: ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ: ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” በሎም። (ማቴዎስ 21:15-17) ኣብ ጉባኤታት ዘለኹም ብዕድመ ንኣሽቱ ዘበልኩም ድማ ልክዕ ከምዞም ቈልዑ ንኣምላኽን ንወዱን ናይ ምውዳስ ዓብዪ መሰል ኣለኩም። ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ኣብ ጐድንና ኽትቈሙ ንደልየኩም ኢና።

ኣብ ግዜ ጸበባ

17, 18. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ንምሕጋዝ ውጽኢት ዝኣከበ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ንኣይሁዳውያን ኣመንቲ እተገብረ ወፈያ ንኣይሁድ ኰነ ንኣህዛብ ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ ኢዩ ነይርዎ፧

17 ኵነታትና ብዘየገድስ ንእተሸገሩ ክርስትያናት ብጾትና ንኽንድግፍ ፍቕሪ ትድርኸና ኢያ። (ዮሃንስ 13:⁠34, 35፣ ያእቆብ 2:⁠14-17) ጳውሎስ ነተን ኣብ ኣካይያ: ገላትያ: መቄዶንያ: ከምኡውን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝነበራ ጉባኤታት ብምትሕብባር ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ወጽኢት ንኽግበረሎም ክጽዕር ዝደረኸቶ ፍቕሪ ኢያ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ዘሕለፍዎ መስጐጕቲ: ህዝባዊ ናዕቢ: ከምኡውን ጥሜት ነቲ ጳውሎስ “ስቓይ:” “ጸበባ:” ከምኡውን “ምግባት ገንዘብ” ዝበሎ ነገራት ኣስዓበሎም። (እብራውያን 10:⁠32-34፣ ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠27–​12:1) ስለዚ: ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝርከቡ ድኻታት ክርስትያናት ገንዘብ ከም ዝዋጻእ ገበረ።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:⁠1-3፣ 2 ቈረንቶስ 8:⁠1-4, 13-15፣ 9:⁠1, 2, 7

18 ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ቅዱሳን እተዋጽአ ወፈያ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ኣምለኽቲ የሆዋ ማእሰር ሕውነት ከም ዘሎ መረጋገጺ ዀነ። እቶም ካብ ኣህዛብ ዝነበሩ ክርስትያናት ገንዘብ ኣዋጺኦም ከብጽሕዎ ብምኻዶም እውን ነቲ ኻብ ኣይሁድ ኣመንቲ ብጾቶም ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ውህበት ዘለዎም ሞሳ ንኽገልጹ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኢዩ። ስለዚ: ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ሓደ ነቲ ሓደ የማቕሎ ነበረ። (ሮሜ 15:⁠26, 27) ኣብዚ ግዜና ንስኡናት ኣመንቲ ብጾት ዝግበር ወፈያ እውን ካብ ፍቕሪ ተደሪኽካ ብፍታው ኢዩ ዝግበር። (ማርቆስ 12:⁠28-31) ጥሪትና ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ክኸውንን ‘ሒደት ዝኣከበ ምእንቲ ኸየጕድልን’ እውን ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ኣሎና።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:15

19, 20. ሓደጋታት ከጋጥም ከሎ ህዝቢ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝደጋገፉ ዘርኢ ኣብነት ሃብ።

19 ክርስትያናት ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ከም ዘሎና ምፍላጥና: ነቶም ብእምነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀልጢፍና ንኽንሕግዞም ይድርኸና ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ 2001 ኣብ ኤል ሳልቫዶር ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ እሞ ካብ ሓደ ኸረን ሓመድን ደናጕላን ሸታሕታሕ ኢሉ ምስ መጸ: ከቢድ ዕንወት ኣጋጠመ። ሓደ ጸብጻብ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ:- “ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ኤል ሳልቫዶር ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብቲ ረድኤት ተኻፊሎም ኢዮም። ገሊኣቶም ኣሕዋትና ካብ ጓቲማላ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ከምኡውን ካብ ካናዳ ኽሕግዙና መጹ። . . . ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ልዕሊ 500 ኣባይትን 3 ባህ ዘብል ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ተሃንጸ። እዞም ጥቕሚ ርእሶም ዝስውኡ ኣሕዋት ዘርኣይዎ ትግሃትን ምትሕብባርን ዓብዪ ምስክርነት ሂቡ ኢዩ።”

20 ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ጸብጻብ እውን ከምዚ ይብል:- “ኣብ መብዛሕትኡ ኽፍሊ ሞዛምቢክ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ: ንሓያሎ ክርስትያናት ኣሕዋትና እውን ተንኪፍዎም ኢዩ። ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንመብዛሕትኡ እቲ ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ምድላው ገይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቶም ስኡናት ኣሕዋትና ምእንቲ ክዀኖም ዘይበለየ ልባስ ክዳውንቲ ኽንሰድድ ሓተቱና። ንሕና ድማ 12 ሜትሮ ዝንውሓቱ ኮንተይነር መሊእና ክዳውንቲ ኣኪብና ሰደድናሎም።” እወ: በዚ መዳይ እዚ እውን ንሓድሕድና ንደጋገፍ ኢና።

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

21 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ: ኵሉ ኣካላት ሰብነት ጠቓሚ ኢዩ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እቲ ዅነታት ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ኵላቶም ኣባላት ንሓድሕዶም ይደጋገፉ ኢዮም። ብሓድነት ከገልግሉ ምእንቲ ክኽእሉ እውን ደገፍ ኣሕዋቶም የድልዮም ኢዩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝዀነሉ ረቛሒታት ክትገልጸልና ኢያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣብ መንጎ ሰብነትን ክርስትያናዊት ጉባኤን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

• እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ኣመንቲ ብጾቶም ብስጋ ሓገዝ ምስ ኣድለዮም እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧

• ክርስትያናት ንሓድሕዶም ከም ዝደጋገፉን ዝተሓጋገዙን ዝሕብር ገለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣኪላስን ጵርስኪላን ንሰባት ይሓልዩ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሓደጋታት ከጋጥም ከሎ ህዝቢ የሆዋ ንሓድሕዶምን ንኻልኦትን ይረድኡ ኢዮም