ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓጐስ ዘምጽእ ምሃብ

ሓጐስ ዘምጽእ ምሃብ

ሓጐስ ዘምጽእ ምሃብ

 ዠኒቫ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ኣብ እትርከብ ድኻታት ዝቕመጡላ ኸተማ እዩ ዝነብር። ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዋርድያ ዀይኑ እናሰርሐ ኸኣ በታ ዝረኽባ ሒደት እቶት ገይሩ ንሰበይቱን ደቁን ይናቢ። ምስናይዚ ዅሉ ጸገም ግን ወትሩ ዕሽር ይህብ ነበረ። ነዚ ኽዝክር ከሎ ኸብዱ እናሓኸኸ “ሓድሓደ ግዜ ስድራ​ቤተይ ይጠምዩ ነይሮም: እንተዀነ ግን ዋላ እውን ይሕሰመኒ ንኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ኽህቦ እየ ዝደሊ ነይረ” በለ።

ዠኒቫ ኻብ ስራሕ ምስ ኣውጽእዎ እውን ዕሽር ምሃብ ኣየቋረጸን። ሓደ እዋን እቲ ኻህኑ ብዙሕ ወፈያ ብምሃብ ንኣምላኽ ክፍትኖ ተማሕጸኖ። ኣምላኽ በረኸቱ ኸም ዘፍስሰሉ ርግጸኛ ምዃኑ እውን ገለጸሉ። ስለዚ: ዠኒቫ ቤቱ ሸይጡ ነቲ ዝረኸቦ ገንዘብ ንቤተ⁠-​ክርስትያን ክውፍዮ ወሰነ።

ካብ ልቢ ተበጊሱ ወፈያ ዝህብ ግን ዠኒቫ ጥራይ ኣይኰነን። ሓያሎ ክቱር ድኽነት ዘለዎም ሰባት ንኣብያተ⁠-​ክርስትያኖም ዕሽር ምሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ከማልእዎ ዝግባእ ብቕዓት ምዃኑ ስለ እተማህሩ ተጠንቂቖም ነዚ ይፍጽምዎ እዮም። ብሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧

ዕሽር ምሃብን ሕጊ ሙሴን

ዕሽር ምሃብ ሓደ ኻብቲ ኣስታት 3,500 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር የሆዋ ኣምላኽ ነቶም 12 ነገዳት ህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሕጊ ሓደ ዕስሪት ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ: ካብ ፍረ ኦም ኰነ: ካብተን እተወልዳ መጓሰ ነቶም ኣብ ማሕደር ዘገልግሉ ዝነበሩ ነገድ ሌዊ ክወሃብ ይእዝዝ ነበረ።​—⁠ዘሌዋውያን 27:⁠30, 32፣ ዘሁልቍ 18:⁠21, 24

የሆዋ ንእስራኤላውያን እቲ ሕጊ ‘ኣዝዩ ዘሸግሮም’ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጹሎም ነበረ። (ዘዳግም 30:⁠11) ትእዛዛት ኣምላኽ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ ዕሽር ምሃብ ዝወጸ ሕጊ ብተኣማንነት ክሳዕ ዝሓለዉ: ኣኽል⁠-​ታርፍ ምህርቲ ኽሓፍሱ ምዃኖም ተመባጺዕሎም ነይሩ። ብተወሳኺውን: እቶም ህዝቢ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ዝበልዕዎ ዝነበሩ ነገራት ንምዕዳግ ዝውዕል ካልእ ዓመታዊ ዕሽር ከም መሐለውታ ይቕመጥ ነበረ። በዚ ምድላው እዚ ድማ ‘ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይጸግቡ’ ነበሩ።​—⁠ዘዳግም 14:⁠28, 29፣ 28:⁠1, 2, 11-14

እቲ ሕጊ ነቶም ዕሽር ዘይሃቡ መቕጻዕቲ ኣይበየነን፣ ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ በዚ መዳይ እዚ ናይ ምድጋፍ ስነ⁠-​ምግባራዊ ግዴታ ነበሮ። የሆዋ ነቶም ብግዜ ሚልክያስ ዕሽር ምሃብ ዕሽሽ ዝበሉ እስራኤላውያን ‘ብዕሽርን ብመባእን ከም ዝሰረቕዎ’ ገሊጹ እዩ። (ሚልክያስ 3:⁠8) እዚ ግን ኣብ ክርስትያናት ዝዓዪ ድዩ፧

ሕስብ እሞ ኣብሎ: ናይ ሓንቲ ሃገር ሕጊ ዶብ ሰጊሩ ኣይዓዪን እዩ። ንኣብነት: ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣሽከርከርቲ ብሸነኽ ጸጋም ንኽጓዓዙ ዘገድድ ሕጊ: ነቶም ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ኣይዓዪን እዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ዕሽር ምሃብ ዘጠቓለለ ሕጊ ኣብ መንጎ ኣምላኽን እስራኤላውያንን ዝነበረ ፍሉይ ኺዳን እዩ። (ዘጸኣት 19:⁠3-8፣ መዝሙር 147:⁠19, 20) እስራኤላውያን ጥራይ እዮም ነቲ ሕጊ እቲ ኽሕልዉዎ ዝግደዱ ነይሮም።

ብዘይ​ዚውን ኣምላኽ እኳ ዘይልወጥ እንተዀነ: ዝሓቶ ብቕዓታት ግን ሓድሓደ ግዜ ይልወጥ እዩ። (ሚልክያስ 3:⁠6) የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. መስዋእታዊ ሞት ሙማቱ ነቲ ሕጊ ምስኡ ድማ ነቲ ‘ዕሽር ክወስዱ ዝእዝዝ ሕጊ:’ ከም ‘ዝደምሰሶን’ ከም ‘ዝሰዓሮን’ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጸልና እዩ።​—⁠እብራውያን 7:⁠5, 18፣ ቈሎሴ 2:⁠13, 14፣ ኤፌሶን 2:⁠13-15

ክርስትያናዊ ምሃብ

ይኹን እምበር: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ወፈያታት የድሊ እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክዀኑ’ መዚዝዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ኣመንቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ: ንጉባኤታት እናበጽሑ ምብርታዕ ዝህቡ ክርስትያናት መምህራንን ተዓዘብትን እውን እናወሰኹ ከዱ። መበለታት: ዘኽታማት: ከምኡውን ካልኦት ስኡናት ድማ ደገፍ ኣድለዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ወጻኢታት እዚ ብኸመይ ይሽፍንዎ ነበሩ፧

ኣብ ከባቢ 55 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ኣብ ኣውሮጳን ንእሽቶ እስያን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድኻታት ክርስትያናት ምእንቲ ኽሕግዝዎም ጻውዒት ቀረበሎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ እቲ “ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ” ብኸመይ ክመሓደር ከም ዝግባእ ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 16:⁠1) ቃላት ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ምሃብ ዝሕብረና ነገራት ምስ እትፈልጥ ከገርመካ ይኽእል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ምእንቲ ኽህቡ ጸቕጢ ኣይገበረሎምን። እቶም ‘ብዙሕ ጸበባን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነትን’ ዝነበሮም ሰብ መቄዶንያ እሞ ኸኣ ‘ብልግሲ ንኽህቡን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ምእንቲ ኽፍቀደሎም ብዙሕ እዮም ለሚኖም።’​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠1-4

ልክዕ እዩ: ጳውሎስ ነቶም ዝያዳ ሃብቲ ዝነበሮም ሰብ ቈረንቶስ ነቲ እዞም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ዘርኣይዎ ልግሲ ክቐድሕዎ ኣተባቢዕዎም እዩ። ይኹን እምበር: ከምቲ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ዝበሎ ‘መምርሒ ኣይሃቦምን: የግዳስ ሕቶ: ሓሳባት: መተባብዒ: ወይ ምሕጽንታ እዩ ኣቕሪቡሎም። ኣገዲድዎም እንተ ዝኸውን ነይሩ: ሰብ ቈረንቶስ ብወለንታ ወይ ብውዕዉዕ ስምዒት ኣይምሃቡን ነይሮም።’ ጳውሎስ ‘ኣምላኽ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዝህቦ ዘይኰነስ ሕጉስ ወሃቢ ኸም ዝፈቱ’ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠7

እምበኣር ንሰብ ቈረንቶስ ብፍታዎም ክህቡ ዝደፋፍኦም ነገር: እኹል እምነትን ፍልጠትን ከምኡውን ንክርስትያናት ብጾቶም ዝነበሮም ፍቕሪ እዩ ነይሩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠7, 8

“ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ”

ጳውሎስ እተወሰነ መጠን ወይ ገለ ሚእታዊ ክውፍዩ ዘይኰነስ: “ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ” ብምባል እዩ ሓሳብ ዝሃበ። (1 ቈረንቶስ 16:2) ሰብ ቈረንቶስ መደብ ብምውጻእ እተወሰነ መጠን ኣዋህሊሎም ምስ ዝጸንሑ: ጳውሎስ ክመጽእ ከሎ ብጓሂ ወይ ብስምዒታውነት ንኽህብዎ ጸቕጢ ኣይኰኖምን ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ክንደይ ክህብ ከም ዘለዎ ብብሕቱ ዝውስኖ ጕዳይ እዩ ነይሩ: ማለት “ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ” እዩ ዝህብ ነይሩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠5, 7

ሰብ ቈረንቶስ ብበረኸት ክዓጽዱ እንተ ዀይኖም: ብበረኸት ክዘርኡ ነበሮም። ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኽህቡ እውን ሓሳብ ኣይቀረበሎምን። ጳውሎስ “ንኣኻትኩም ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን” ብምባል ነዚ ኣረጋጊጹሎም እዩ። እቲ እተገብረ ውጽኢት: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ‘በቲ ዝነበሮ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዘይ​ነበሮ ኣይኰነን።’ (2 ቈረንቶስ 8:⁠12, 13፣ 9:⁠6) ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ “ሓደ እኳ . . . ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ምስዚ ስርዓት እዚ ዝጻረር ወፈያ ኽግበር እውን ኣየተባብዐን።

ጳውሎስ ዘመሓድሮ ዝነበረ ውጽኢት ነቶም ስእነት ዝነበሮም “ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ” ምንባሩ ኸነተኵረሉ ዝግባእ ነጥቢ እዩ። ጳውሎስ ኰነ ኻልኦት ሃዋርያት ኣገልግሎቶም ንምፍጻም ውጽኢት ወይ ዕሽር ከም እተቐበሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይንረክብን ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠6) ጳውሎስ ነቲ ጉባኤታት ዝሰዳሉ ውህበት የማስወሉ እኳ እንተ ነበረ: ነሕዋቱ ምእንቲ ‘ከየኽብደሎም’ ግን ዝከኣሎ ይጽዕር ነበረ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠9፣ ፊልጲ 4:⁠15-18

ኣብዚ ግዜና ብፍታው ዝግበር ምሃብ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዕሽር ዘይኰነስ ብፍታው ይህቡ ምንባሮም ንጹር እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ግዜና ብስራት ኣብ ምስባኽን ኣብ ሽግር ንዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ምድጋፍን እዚ ኣሰራርሓ እዚ ግብራዊ ይኸውን ኣሎ ድዩ ወይስ ኣይኰነን ብምባል ትሓስብ ትኸውን።

ብ1879 ናይዛ መጽሔት እዚኣ ኣዳለውቲ “ሓግዙና ኢልና ንሰባት ፈጺምና ኣይንልምንን ኢና” ብምባል ብንጹር ገሊጾም ነይሮም። እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምዝርጋሕ ዝገብርዎ ጻዕርታት ዓጊትዎ ድዩ፧

ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት መጽሓፍ ቅዱስ: ክርስትያናዊ መጻሕፍቲ: ከምኡውን ካልእ ጽሑፋት ይዝርግሑ ኣለዉ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ እትህብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ፈለማ ወርሓዊ እትሕተም ኰይና ብሓደ ቛንቋ 6,000 ዝኸውን ቅዳሓት ሒዛ ትወጽእ ነበረት። ኣብዚ ግዜና ግን ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ እትሕተም ኰይና ብ146 ቋንቋታት ልዕሊ 24,000,000 ቅዳሓት ሒዛ ትወጽእ ኣላ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሕዳር: ኣብ 110 ሃገራት ጨንፈራት ከፊቶም ኣለዉ። ብተወሳኺውን: ነቶም ተወሳኺ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብህጉ ሰባት ዘድልዮም ንምምላእ: ብኣሽሓት ዝቝጸር መአከቢ ቦታታትን ንዓበይቲ ኣኼባታት ዝኸውን ኣደራሻትን ሃኒጾም እዮም።

ንሰባት ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ቀዳምነት ዝህብዎ እኳ እንተዀኑ: ነቲ ንኣመንቲ ብጾቶም ብስጋ ዘድልዮም ነገራት እውን ዕሽሽ ኣይብልዎን እዮም። ኣሕዋቶም ብሰንኪ ውግእ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ድርቂ: ከምኡውን ብሰንኪ ህቦብላ ጸገማት ከጋጥሞም ከሎ: መድሃኒትን መግብን ክዳውንትን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ንምሃብ ቅልጡፋት እዮም። እዚ ኸኣ በቲ ክርስትያናት በብውልቆምን ብጉባኤን ዝገብርዎ ወፈያ እዩ ዝምወል።

ብፍታው ወፈያ ምግባር ኣስላጢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ነቶም ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ዠኒቫ ዝኣመሰሉ ሒደት እቶት ዘለዎም ሰባት እውን ንኸይከብዶም ይሕግዝ እዩ። ዠኒቫ ገዝኡ ቕድሚ ምሻጡ: ማርያ እትበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር መጸቶ። ዠኒቫ “እቲ ሽዑ ዝገበርናዮ ዝርርብ ንስድራ​ቤተይ ካብ ዘየድሊ ጸገም ኣድሒንዎም እዩ” በለ።

ዕዮ ጐይታ ኣብ ዕሽር ከም ዘይምርኰስ ኣስተውዓለ። ዕሽር ምሃብ እውን ቅዱሳት ጽሑፋት ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓታት ኣይኰነን። ክርስትያናት ብልግሲ ኽህቡ ኸለዉ ከም ዝባረኹ: እንተዀነ ግን ልዕሊ ዓቕሞም ክህቡ ኸም ዘይግደዱ ተማህረ።

ዠኒቫ ብፍታው ክህብ ብምጅማሩ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣምጸኣሉ። ነዚ ሓጐሱ ድማ ኸምዚ ብምባል ይገልጾ:- “10 ሚእታዊት ኣታውየይ እሃብ ኣይሃብ ብዘየገድስ: በቲ ዝገብሮ ወፈያ ሕጉስ እየ: የሆዋ ኸም ዝሕጐስ እውን ርግጸኛ እየ።”

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቀዳሞት ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ዕሽር ክወሃብ ከም ዘለዎ ምሂሮምዶ እዮም፧

“እቶም ሃብታማት ነቶም ድኻታት ይድግፍዎም። . . . እቶም ርኹባት ከከም ዝደለይዎ ብፍታው ይህቡ።”​—⁠ዘ ፈርስት ኣፖሎጂ: ጀስቲን ማርቲር: ከባቢ 150 ከ.ኣ.ዘ.

“ኣይሁድ ካብ ጥሪቶም ዕሽር ዘበለ [ንኣምላኽ] ይውፍዩ ነበሩ: [ክርስትያናት] ግን ከምቲ እታ ድኻ መበለት ዘለዋ ዅሉ ንኣምላኽ ዝወፈየት: ኵሉ ጥሪቶም ንዕላማ ጐይታ እዮም ዝውፍይዎ።”​—⁠ኣገይንስት ሄረሲስ: ኢሪንየስ: ከባቢ 180 ከ.ኣ.ዘ.

“ናይ ወፈያ ሳጹን እኳ እንተሎና: ከምቲ ኣብ ገሊኡ ሃይማኖታት እተወሰነ ገንዘብ ክትከፍል እትግደድ: ኣባና ድሕነት ብገንዘብ ኣይዕደግን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንተ ደልዩ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ሒደት ወፈያ ይገብር፣ ኵሉ ነገር ብምግዳድ ዘይኰነስ ብፍታው ስለ ዝግበር እቲ ሰብ ዝደልን ዝኽእልን እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ ዝውፊ።”​—⁠ኣፖሎጂ: ተርቱልያን: ከባቢ 197 ከ.ኣ.ዘ.

“ቤተ⁠-​ክርስትያን እናዓበየት ምስ ከደትን እተፈላለያ ማሕበራት ምስ ቈማን: ነቲ ንኻህናት ዝግበረሎም ደገፍ ቀጻሊ ንምግባር ሕግታት ምውጻእ ኣድለየ። እቲ ዕሽር ምሃብ ዝብል ስርዓት ካብቲ ብሉይ ሕጊ እዩ ተወሲዱ። . . . ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንመጀመርታ ዝወጸ ንጹር ሕጊ ኣብቲ ብ567 ኣብ ቱር ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣቡናት ዝጸሓፍዎ ደብዳበን ኣብቲ ብ585 ኣብ ዋዕላ ማኮን [ዝወጸ ቀኖናታትን] ተገሊጹ ኣሎ።”​—⁠ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ

[ምንጪ ስእሊ]

Coin, top left: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ብፍታው ምሃብ ሓጐስ የምጽእ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብፍታው ዝግበር ወፈያ ንዕዮ ስብከት: ንህጹጽ ረድኤት: ከምኡውን ንህንጸት መአከቢ ቦታታት ይምውል