ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ብመሰረት ራእይ 20:⁠8: ኣብቲ ሰይጣን ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ፈተና ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ክስሕቱ እዮም ክንብል ንኽእልዶ፧

ራእይ 20:⁠8 ሰይጣን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኸም ዝፍኑ ትገልጸልና እያ። እታ ጥቕሲ ብዛዕባ ሰይጣን ክትዛረብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ: ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም: ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም: ኪወጽእ እዩ: ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ።”

ኣብ ስነ⁠-​ፍልጠት ብዙሕ ምዕባለታት እኳ እንተ ተገብረ: “ሑጻ ባሕሪ” ግን ቍጽሩ ክንደይ ምዃኑ ገና ኣይተፈልጠን። ስለዚ: እዚ መግለጺ እዚ ንዘይተፈልጠ ቝጽሪ እዩ ዘመልክት ክበሃል ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን: ኣዝዩ ዓብዪ ነገርን ማእለያ ዘይብሉ ቝጽርን ድዩ ዘመልክት ወይስ ዘይተፈልጠ ግን ከኣ ብዝሕ ዝበለ ቍጽሪ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ሑጻ ባሕሪ” ዝብል መግለጺ ብእተፈላለየ መልክዕ ኣትዩ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ዘፍጥረት 41:⁠49 “ዮሴፍ ከኣ: እቲ እኽሊ ቝጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ: ምቝጻር ክሳዕ ዚሐድጎ: ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ አከበ” ዝብል ነንብብ ኢና። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ እኽሊ ክቝጸር ዘይከኣል ከም ዝዀነ እዩ ዘጕልሕ ዘሎ። ብተመሳሳሊ: የሆዋ “ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ኪፍቀድ: ሑጻ ባሕሪ ኸኣ ኪስፈር ዘይከአል: ከምኡ ድማ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይ . . . ከብዝሖም እየ” ኢሉ እዩ። ልክዕ ከምቲ ከዋኽብቲ ሰማይን ሑጻ ባሕርን ክፍቀድ ዘይክእል: የሆዋ ንዳዊት ዝኣተዎ መብጽዓ ብርግጽ ክፍጽሞ እዩ።​—⁠ኤርምያስ 33:⁠22

መብዛሕትኡ ግዜ “ሑጻ ባሕሪ” ዝብል መግለጺ ንብዝሕ ዝበለ ወይ ንዓብዪ ነገር እዩ ዘመልክት። ፍልስጥኤማውያን “ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም” ሰራዊት ሒዞም ኣብ ሚኽማሽ ምስ ሰፈሩ: ኣብ ጊልጋል ዝነበሩ እስራኤላውያን ተሸቢሮም እዮም። (1 ሳሙኤል 13:⁠5, 6፣ መሳፍንቲ 7:⁠12) “ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሀቦ።” (1 ነገስት 4:29) እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ንብዙሕ ወይ ንዓብዪ ነገር ዘመልክት እኳ እንተዀነ: ደረት ግን ነይርዎ እዩ።

“ሑጻ ባሕሪ” ብዝሒ ብዘየገድስ ንዘይተፈልጠ ቝጽሪ እውን ኸመልክት ይኽእል እዩ። የሆዋ ንኣብርሃም “ኣዝየ ኽባርኸካ እየ: ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 22:17) የሆዋ ነቲ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝዀነ ያእቆብ እዚ መብጽዓ እዚ ኣብ ዝደገመሉ እዋን “ከም ሓመድ ምድሪ” ዝብል መግለጺ ኽጥቀም ከሎ: ያእቆብ ነዚ መብጽዓ ኽጠቅስ ከሎ “ከም ሑጻ ባሕሪ” ዝብል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። (ዘፍጥረት 28:14፣ 32:12) ድሕሪ ግዜ ግን ብዝሒ “ዘርኢ” ኣብርሃም: የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቶም “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ዝጸውዖም 144,000ን ምዃኖም ተፈልጠ።​—⁠ሉቃስ 12:⁠32፣ ገላትያ 3:⁠16, 29፣ ራእይ 7:⁠4፣ 14:⁠1, 3

ካብዚ ኣብነታት እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ እቲ “ከም ሑጻ ባሕሪ” ዝብል መግለጺ ወትሩ ማእለያ ንዘይብሉ ቍጽሪ ወይ ንኣዝዩ ዓብዪ ነገር የመልክት ማለት ኣይኰነን። የግዳስ መብዛሕትኡ ግዜ ንዘይተፈልጠ ግን ከኣ ብርክት ዝበለ ቝጽሪ እዩ ዘመልክት። እምበኣር እቶም ኣብቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዝፍንዎ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቱ ዝድግፍዎ ዓለወኛታት: ኣዝዮም ብዙሓት ወይ ማእለያ ዘይብሎም ዘይኰነስ: ስግኣት ንምፍጣር እኹል ብዝሒ ዘለዎም ክዀኑ እዮም ምስ እንብል እዩ ምኽንያታዊ ዝኸውን። ብዝሖም ግን ኣብዚ ግዜና ኣይፍለጥን እዩ።