ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብቑዓት መምህራን ንኽንከውን ዘዳልወና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ

ብቑዓት መምህራን ንኽንከውን ዘዳልወና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ

ብቑዓት መምህራን ንኽንከውን ዘዳልወና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ

“እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ።” ​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:15, 16

1. ብዛዕባ ግዜን ናይ ብሕቲ መጽናዕትን እንታይ ጸገም እዩ ዘሎ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 3:⁠1 “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ይብለና። እዚ ብርግጽ ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እውን ዝዓዪ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይጥዕም ቦታ ወይ ግዜ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣዕሚቖም ክሓስቡሉ የሸግሮም እዩ። ንኣብነት: ካብ ስራሕ ደኺምካ ድሕሪ ምምጻእ እሞ ክብድ ዝበለ ድራር ምስ ተደረርካ: ብፍላይ ከኣ ኣብ ምቹእ መንበር ኮፍ ኢልካ ቲቪ ኽትርኢ ምስ ጀመርካ ንኸተጽንዕዶ ትለዓዓል ኢኻ፧ እዚ ዘይመስል እዩ። እቲ መፍትሒ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ካብቲ ንኸነጽንዕ ኢልና እንገብሮ ጻዕርታት ብዙሕ ጥቕሚ ምእንቲ ኽንረክብ መዓስን ኣበይን ኸም እንገብሮ ኽንመርጽ ኣሎና።

2. መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር ዝሓሸ ግዜ መዓስ እዩ፧

2 ብዙሓት ሰባት እቲ ዝያዳ ንቑሓት ዝዀኑሉ እዋን ንግሆ ብምዃኑ: እቲ ግዜ እቲ መጽናዕቲ ንምግባር እቲ ዝሓሸ ግዜ ዀይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ናይ ቀትሪ ዕረፍቶም ሕጽር ዝበለ መጽናዕቲ ይገብሩ። ኣብዚ ዝስዕብ ኣብነታት እውን ኣብ ኣየናይ ግዜ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ንጥፈታት ይግበር ምንባሩ ኣስተውዕል። ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት “ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ: ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ: ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ: እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 143:8) ነብዪ ኢሳይያስ ድማ “ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ: ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ: ንእዝነይ የንቅሖ” ብምባል ተመሳሳሊ ሞሳ ኣርእዩ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ እቲ ኣገዳሲ ነገር እነጽንዓሉ ግዜ ኣበየናይ ክፋል መዓልቲ ምዃኑ ዘይኰነስ: መጽናዕቲ እንገብረሉን ናብ የሆዋ እንቐርበሉን እዋን ኣብቲ ኣእምሮና ንቑሕ ዝዀነሉ ግዜ ምዃኑ እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 50:4, 5፣ መዝሙር 5:⁠3፣ 88:⁠13

3. ፍረ ዘለዎ መጽናዕቲ ንምግባር እንታይ ኵነታት እዩ ኽህሉ ዘድሊ፧

3 ካልእ መጽናዕትና ፍረ ዘለዎ ንክኸውን ዝሕግዝ ድማ ኣብ ምቹእ መንበር ወይ ሶፋ ኮፍ ዘይምባል እዩ። ከምዚ እንተደኣ ጌርና ንፈዝዝ ኢና። ከነጽንዕ ከሎና ኣእምሮና ንቑሕ ክኸውን ኣለዎ: ምቾት ምስ ዝበዝሕ ከኣ የፍዝዝ እዩ። ብተዛማዲ ጸጥ ዝበለን ኣቓልቦ ዝሰርቕ ነገራት ዘይብሉን ቦታ ንምጽናዕን ንምስትንታንን ጠቓሚ እዩ። ረድዮ: ቲቪ: ወይ ጫውጫው ዝብሉ ቘልዑ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ዄንካ ኸተጽንዕ ምፍታን ብዙሕ ፍረ ኣይህልዎን እዩ። የሱስ ከስተንትን ምስ ደለየ ናብ ጽምዊ ቦታ እዩ ኸይዱ። ክትጽሊ ኸሎኻ ኣብ ብሕት ዝበለ ቦታ ምዃን ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እውን ተዛሪቡ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠6፣ 14:⁠13፣ ማርቆስ 6:⁠30-32

ምላሽ ንኽንህብ ዘዳልወና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ

4, 5. እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር በየናይ መገድታት እያ ጠቓሚት ዝዀነት፧

4 ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብር ከሎና መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ ብዝሕግዝ መሳርሒታት ጌርና ኣዕሚቝና ምስ እንዅዕት: ብፍላይ ድማ ካብ ቅንዕና ተበጊሶም ንዝሓቱና ሕቶ ንምምላሽ ከምዚ ምስ እንገብር ዕግበት ይስምዓና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠4፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠23) ብዙሓት ሓደስቲ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት መጀመርታ ነታ ብ261 ቛንቋታት ተሓቲማ ዘላ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧  a እትበሃል ብሮሹር እዮም ዘጽንዑ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰት ዀይና ቀሊል ግን ከኣ ንጹር መልእኽቲ ዝሓዘት እያ። ንዘንብባ ዘበለ ኣምላኽ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኽህልወካ ዝሓቶ ብቕዓታት ቀልጢፉ ንኽርድኦ ትሕግዞ እያ። ይኹን እምበር: ብሮሹር ስለ ዝዀነት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ ዓሚቝ መጽናዕቲ ንኽትገብር ኣይተኽእለካን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዖ ሰብ ብዛዕባ ገሊኡ እትመያየጡሉ ዘለኹም ነጥብታት ክብድ ዝበለ ሕቶታት እንተ ኣልዒሉ: ነቲ ሕቶታት ክምልሰሉ ዝኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትምህርቲ ኸመይ ጌርካ ኽትረኽቦ ትኽእል፧

5 እቶም ኣብ ሲዲ⁠-​ሮም ዎችታወር ላይብረሪ ብቛንቋኦም ዘለዎም: ብኮምፕዩተር ገይሮም ብዙሕ ፍልጠት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ነዚ መሳርሒ ዘይብሎም ሰባት ደኣኸ እንታይ እዮም ክገብሩ፧ ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ዝርከብ ክልተ ኣርእስትታት ተመርኲስና ምርዳእና ብኸመይ ከም እነስፍሕን ዕምቝ ዝበለ ሕቶታት ብኸመይ ከም እንምልስን እስከ ንርአ። ብፍላይ ከኣ ሕጂ ‘ኣምላኽ መን እዩ፧ የሱስ መን እዩ፧’ ንዝብል ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠሉ።​—⁠ዘጸኣት 5:⁠2፣ ሉቃስ 9:⁠18-20፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠15

ኣምላኽ መን እዩ፧

6, 7. (ሀ) ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ሕቶ እዩ ዝለዓል፧ (ለ) ሓደ ቐሺ ኣብ ዝርርቡ እንታይ ዓብዪ ጌጋ እዩ ገይሩ፧

6 እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 2 ነዚ ‘ኣምላኽ መን እዩ፧’ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ መልሲ ትህበሉ እያ። ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይፈለጦ ወይ ብዛዕባ ህላወኡ እናተጠራጠረ ኸምልኾ ስለ ዘይክእል: እዚ ነገር እዚ መሰረታዊ ጕዳይ እዩ። (ሮሜ 1:⁠19, 20፣ እብራውያን 11:⁠6) እንተዀነ ግን: ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ብዛዕባ መንነት ኣምላኽ ብዙሕ ሓሳባት ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 8:⁠4-6) ኵሉ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ብዛዕባ መንነት ኣምላኽ እተፈላለየ መልሲ ኣለዎ። ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝበዝሓ ሃይማኖታት ንኣምላኽ ከም ስላሴ ገይረን እየን ዝገልጻኦ። ሓደ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝነብር ውሩይ ቐሺ “ንኣምላኽ ትፈልጦ ዲኻ፧” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተመርኲሱ ኣብ ዝሃቦ ዝርርብ ካብ ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ይጠቅስ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ መለኮታዊ ስም ግን ሓንሳእ እውን ኣይጠቐሶን። የሆዋ ወይ ያህወህ ዝብል ስም ዝርከቦ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ ስም ከይረቝሐ “ጐይታ” ጥራይ ዝብል ዘይንጹር ትርጕም እዩ ተጠቒሙ።

7 እቲ ቐሺ ን⁠ኤርምያስ 31:⁠33, 34 ብምጥቃስ “ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም: ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ፤ ንእግዚኣብሄር ፍለጦ: [ብእብራይስጢ “ንየሆዋ ፍለጦ”] ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሀሩን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር [ብእብራይስጢ: የሆዋ]” ክብል ከሎ ኸመይ ዝበለ ኣገዳሲ ነጥቢ ዀን እዩ ስሒቱ! እቲ ንሱ እተጠቕመሉ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዝብል መለኮታዊ ስም ኣይጥቀመሉን እዩ።​—⁠መዝሙር 103:⁠1, 2 NW

8. ኣገዳስነት ስም ኣምላኽ እተርእየና ጥቕሲ ኣየነይቲ እያ፧

8 መዝሙር 8:⁠9 ስም የሆዋ ምጥቃም ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ትሕብረና እያ:- “ዎ የሆዋ ጐይታና: ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ!” ድማ ትብል። (NW ) ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስዚ ዝስዕብ እሞ ኣነጻጽራ:- “ዎ ጎይታ ጎይታና: ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ብሉጽ እዩ!” (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን፣ ቀዳማይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ እውን ርአ።) ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰ: ቃሉ ኸብርሃልና እንተ ፈቒድናሉ ኢና “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክንረኽቦ እንኽእል። ብዛዕባ ኣገዳስነት መለኮታዊ ስም ብቐሊሉ ኽምልሰልና ዝኽእል ጽሑፍ ግን ኣየናይ እዩ፧​—⁠ምሳሌ 2:⁠1-6

9. (ሀ) መለኮታዊ ስም ምጥቃም ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽንገልጽ እትሕግዘና ጽሕፍቲ ኣየነይቲ እያ፧ (ለ) ብዙሓት ተርጐምቲ ንስም ኣምላኽ ኣኽብሮት ዘየርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

9 ኣብዚ መዳይ እዚ ነታ ናብ 69 ቋንቋታት እተተርጐመት እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም ዘርእስታ ብሮሹር ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። b እቲ “ስም ኣምላኽ​—⁠ትርጕሙን ኣደማምጽኡን” (ገጽ 6-11) ዘርእስቱ ኽፋል: እተን ናይ እብራይስጢ ቴትራግራማተን (ብግሪኽኛ “ኣርባዕተ ፊደላት” ማለት እዩ) ኣብ ጥንታዊ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ዳርጋ 7,000 ግዜ ዝኸውን ከም ዝርከባ ይገልጽ እዩ። ኣቕሽሽቲ ኰኑ ተርጐምቲ ሰዓብቲ እምነት ኣይሁድነትን ህዝበ⁠-​ክርስትያንን ግን ኰነ ኢሎም ካብ መብዛሕትኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱሶም ትርጕማት ኣውጺኦምዎ እዮም። c ብስሙ ኽጽውዕዎ እናኣበዩ ክነሶም: ከመይ ገይሮም እዮም ንኣምላኽ ንፈልጦ ኢና ምስኡ ድማ ጽቡቕ ርክብ ኣሎና ኽብሉ ዝኽእሉ፧ እቲ ናይ ሓቂ ስሙ: ዕላማታቱን መንነቱን ንኽንርዳእ መገዲ ይኸፍተልና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ስም ኣምላኽ ዘይንጥቀመሉ እንተደኣ ዄንና: እታ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” እትብል የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት ጸሎት እንታይ ትርጕም እዩ ኽህልዋ፧​—⁠ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 5:43፣ 17:6

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

10. ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ምሉእ ምርዳእ ክህልወና ዝሕግዝ እንታይ እዩ፧

10 እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 3 “የሱስ ክርስቶስ መን ኢዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ኣለዋ። ኣብ ሽዱሽተ ሕጡብ ጽሑፋት ጥራይ ብዛዕባ የሱስ: መበቈሉ: ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ኣሕጽር ኣቢላ ትገልጽ እያ። ምሉእ ታሪኽ ህይወቱ እንተ ደሊኻ ግን: እቲ ወንጌላት እንተ ዘይኰይኑ: ነታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ ናብ 111 ቋንቋታት እተተርጐመት መጽሓፍ ዝወዳደራ የለን።* እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት እተመርኰሰት ኰይና ንታሪኽ ህይወትን ትምህርትታትን ክርስቶስ ብመስርዕ ፍጻመ እያ እትዝርዝሮ። እቲ 133 ምዕራፋታ ኣብ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ንዘጋጠመ ፍጻመታት ይገልጾ እዩ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኣቀራርባ እንተ ደሊኻ ኸኣ ኢንሳይት 2ይ ጥራዝ: “የሱስ ክርስቶስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

11. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ የሱስ ዘለዎም እምነት ካብ ካልኦት እተፈልየ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ብንጹር ዘፍርስ ገለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕስታት ጥቐስ: ኣብዚ መዳይ እዚኸ ኣየነይቲ ጽሕፍቲ እያ ኽትሕግዘና እትኽእል፧

11 ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን እቲ ብዛዕባ የሱስ ክርክር ዘበግስ ነገራት “ወዲ ኣምላኽ እዩ” ከምኡውን “እግዚኣብሄር ወልድ እዩ” ዝብል ሓሳባት እዩ። ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች ነዚ ጕዳይ እዚ “ማእከል ምስጢር እምነት ክርስትያን” ማለት ምስጢረ⁠-​ስላሴ ኢላቶ ኣላ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ካብ ሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ፍልይ ብዝበለ መገዲ የሱስ ብኣምላኽ ከም እተፈጥረ ደኣ እምበር እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ እዮም ዝኣምኑ። ብዛዕባዚ እታ ናብ 95 ቋንቋታት እተተርጐመት ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ጽቡቕ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። d ካብ መንጎ እቲ ንትምህርቲ ስላሴ ንምፍራስ ዝሕግዝ ሓያሎ ጥቕስታት: ማርቆስ 13:⁠32 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 15:⁠24, 28 ይርከቦ።

12. እንታይ ተወሳኺ ሕቶ እዩ መልሲ ኽንረኽበሉ ዘሎና፧

12 እዚ ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዝረኣናዮ ሓሳባት: እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘይፈልጡ ሰባት ርጡብ ፍልጠት ንኸጥርዩ ካብ ዝብል ዕላማ ተበጊስና ብኸመይ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኸም እንገብር የርእየና። (ዮሃንስ 17:⁠3) ብዛዕባ እቶም ንሓያሎ ዓመታት ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመላለሱ ዘለዉኸ፧ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ኣዋህለሉ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ክገብሩ የድልዮም ድዩ፧

‘ክንጥንቀቕ’ ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧

13. ገሊኣቶም ብዛዕባ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዮም ክሕዙ ዝኽእሉ፧

13 ንሓያሎ ዓመታት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም ዝጸንሑ ገሊኣቶም ሰባት ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑሉ ናይ መጀመርታ ሒደት ዓመታት ዘጥረይዎ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ይምርኰሱ ይዀኑ። “ንሓያሎ ዓመታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ስለ ዘንበብኩ: ከምቶም ሓደስቲ ሰባት ብዙሕ መጽናዕቲ ኽገብር ኣየድልየንን እዩ” ኢልካ ንርእስኻ ኸተእምና ቐሊል እዩ። እዚ ግን “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዙሕ መግቢ ስለ ዝበላዕኩ: ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣመጋግባይ ክጥንቀቕ ኣየድልየንን እዩ” ካብ ምባል ፈሊኻ ዝርአ ኣይኰነን። ኣካላትና ጥዕና ንኽረክብን ንጡፍ ንክኸውንን መኣዛ ዘለዎ ብግቡእ እተኸሸነ መግቢ ወትሩ ኸም ዘድልዮ ንፈልጥ ኢና። መንፈሳዊ ጥዕናናን ብርታዐናን ደኣኸ ብዝያዳ ኽንከናኸኖዶ ኣይግብኣናን፧​—⁠እብራውያን 5:⁠12-14

14. ንርእስና ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ስለዚ ንነዊሕ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርና ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ ኵላትና ነቲ ጳውሎስ ኣብቲ ግዜ እቲ ብሱልን ሓላፍነት ዝስምዖን ተዓዛቢ ንዝነበረ ጢሞቴዎስ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕብ ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 4:15, 16) ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ: ምስ ‘ፍሕሶ ሰይጣንን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን’ ቅልስ ከም ዘሎና ገሊጹልና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ድያብሎስ “ዚውሕጦ ደልዩ” ኸም ዝዘውር ሓቢሩ ኣሎ: እቲ ‘ዝወሓጥ’ ድማ ሓደ ካባና ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ሰይጣን ዝደልያ ዘሎ ነቓዕ እውን ሸለልትነት ክትከውን ትኽእል እያ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠11, 12፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠8

15. እንታይ መንፈሳዊ መከላኸሊ እዩ ዘሎና: ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንከናኸኖ እንኽእል፧

15 ብምንታይ ደኣ ኢና እሞ ክንከላኸሎ እንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ: ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ: ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ” ብምባል ኣዘኻኺሩና እዩ። (ኤፌሶን 6:13) እዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዝህቦ ጥቕሚ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ብቕዓት ጥራይ ዘይኰነስ ብቐጻሊ ኣብ እትገብረሉ ምክንኻን እዩ ዝምርኰስ። እቲ ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ እምበኣር ነቲ ሓድሽ እተረኽበ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ብቓሉን በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያኡን ኣቢሉ ዝገልጸልና ሓቂ ዘሎና ምርዳእ ምስቲ ሓድሽ ዝግለጽ ፍልጠት ማዕረ ማዕረ ክስጕም ከም ዘለዎ የጕልሓልና። ንመንፈሳዊ ኣጽዋርና ንምክንኻን ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ክንገብር የድልየና።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ ኤፌሶን 6:⁠14, 15

16. እቲ ‘ዋልታ እምነትና’ ድልዱል ምዃኑ ንምርግጋጽ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

16 ጳውሎስ “ዋልታ እምነት” ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይቲ ኣጽዋር ምዃኑ ኣጕሊሑ እዩ: በዚ ዋልታ እዚ ጌርና ኸኣ ነቲ ኸም ርሱን መንትግ ሰይጣን ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ክስታትን ትምህርቲ ኽሕደትን ክንከላኸሎን ከነጥፍኦን ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 6:⁠16) ስለዚ: ዋልታ እምነትና ኽሳዕ ክንደይ ድልዱል ምዃኑ ከምኡውን ንኽንዕቕቦን ንኸነደልድሎን እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ከም ዘሎና ኽንምርምር ኣሎና። ንኣብነት: ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:- ‘ነቲ ክፍሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሰሙናዊ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ እየ ዝዳለወሉ፧ ኣብ ኣኼባ: ጽቡቕ ገይረ እተዳለኹሉ ሓሳባት ብምሃብ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ብዝግባእ አጽንዕዶ እየ፧ ነቲ ምዕራፉን ቍጽሩን ደኣ እምበር ትሕዝቶኡ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት: መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺለ አንብቦ ድየ፧ ኣብ ኣኼባታት ህያው ተሳትፎ ብምግባር ንኻልኦት አተባብዕ ድየ፧’ መንፈሳዊ መግብና ዕጹም ስለ ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንተደኣ ዄንና ከነሕቕቖ ኣሎና።​—⁠እብራውያን 5:⁠14፣ 10:⁠24

17. (ሀ) ሰይጣን መንፈሳውነትና ንምብልሻው እንታይ መርዚ እዩ ዝጥቀም ዘሎ፧ (ለ) ንሕንዚ ሰይጣን ፈውሲ ዝዀነና እንታይ እዩ፧

17 ሰይጣን ድኻም ዘይፍጹማት ሰባት ይፈልጥ እዩ: ፍሕሶታቱ እውን ብጕርሒ እተኣልመ እዩ። ሓደ ኻብቲ እከይ ጽልዋታቱ ዝዝርግሓሉ መገዲ በቲ ኣብ ቲቪ: ኢንተርነት: ቪድዮ: ከምኡውን ኣብ ጽሑፋት ዝርከብ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ኣቢሉ እዩ። ገሊኣቶም ክርስትያናት እዚ መርዚ እዚ ነቲ ዝደኸመ መከላኸሊኦም ጥሒሱ ኽኣቱ ፈቒዶምሉ እዮም: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮም ፍሉይ መሰላት ስኢኖም ወይ ከቢድ ሳዕቤን ዓጺዶም እዮም። (ኤፌሶን 4:⁠17-19) ነዚ መንፈሳዊ ሕንዚ ደኣ እሞ እንታይ እዩ ፈውሱ፧ ነቲ ስሩዕ ናይ ብሕትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ክርስትያናዊ ኣኼባታትና: ከምኡውን ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። እዚ ድማ ቅኑዕን ጌጋን ንኽንፈልን ነቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ንኽንጸልእን የኽእለና።​—⁠መዝሙር 97:⁠10፣ ሮሜ 12:⁠9

18. “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ኣብ መንፈሳዊ ቕልስና ዝሕግዝና ብኸመይ እዩ፧

18 ኣዘውቲርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር እንተደኣ ዄንና: እቲ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ዝህበና ድልዱል መከላኸሊ ጥራይ ዘይኰነስ ኸነጥቅዕ ዘኽእለና “ናይ መንፈስ ሰይፊውን: ማለት ቃል ኣምላኽ” ይህልወና። “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (ኤፌሶን 6:17፣ እብራውያን 4:12) ኣጠቓቕማ እዚ “ሰይፊ” እዚ እንተ መሊኽናዮ: ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ በቲ ዘይጐድእን ማራኽን ዝመስል ነገራት ኣይንዕሾን: ኣብ ሞት ዘብጽሕ መፈንጠራ ምዃኑ ድማ ንፈልጦ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝደለብናዮ ፍልጠትን ምርዳእን እከይ ዘበለ ክንነጽግን ሰናይ ክንገብርን ይሕግዘና እዩ። ስለዚ: ኵላትና ንርእስና ‘ሰይፈይ በሊሕ ድዩ ጐዲም፧ ንመጥቃዕትታተይ ከበራትዓለይ ዝኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምዝካር የሸግረኒ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። እምበኣር ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ጽቡቕ ልማድና ኣይነጥፍእ: በዚ ድማ ንሰይጣን ንጻረሮ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠22-24

19. ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እንተደኣ ጌርና እንታይ ረብሓታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

19 ጳውሎስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እዚ ንጢሞቴዎስ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናዮ: መንፈሳውነትና ኸነደልድልን ኣገልግሎትና ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ኽንገብሮን ንኽእል ኢና። መንፈሳውያን ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንጉባኤታቶም ብዙሕ ክጠቕምወን ይኽእሉ እዮም: ንሕናውን ኣብ እምነት ጸኒዕና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17፣ ማቴዎስ 7:⁠24-27

[እግረ-ጽሑፍ]

a መብዛሕትኡ እዋን በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ዘጽንዕ ዘሎ ተገዳስነት ዘርኣየ ሓድሽ ሰብ: ቀጺሉ በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ እዩ ዘጽንዕ፣ እዘን ጽሑፋት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ እየን። እዚ ኣብዚ ዝዋሃብ ዘሎ ሓሳባት መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይገብር ዝዓግቶ ነገራት ንምእላይ ዝሕግዝ እዩ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። እቶም ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብቛንቋኦም ዘለዎም ኣብ 2ይ ጥራዝ: “የሆዋ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኽውከሱ ይኽእሉ እዮም።

c ገሊኡ ብቛንቋ ስጳኛን ካታሎንያን እተዳለወ ትርጕማት ኣብተን ናይ እብራይስጢ ቴትራግራማተን ዝርከባሉ ቦታታት “ያቬ:” “ያህቬ:” “ጃቬ:” ከምኡውን “ኻኦቫ” ዝብል ኣደማምጻ ብብዝሒ ተጠቒሙሉ ኣሎ።

d ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ትዝክሮዶ፧

• ፍረ ዘለዎ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር ዝሕግዝ እንታይ ሃዋሁ እዩ፧

• ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ብዝምልከት እንታይ ጌጋ እዩ ተገይሩ፧

• ትምህርቲ ስላሴ ንምፍራስ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ምተጠቐምካ፧

• ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትና እኳ እንተ ጸናሕና: ንፍሕሶ ሰይጣን ንምክልኻል እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ፍረ ዘለዎ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር: ኣቓልቦ ዝሰርቕ ነገራት ዘይብሉ ቦታ የድልየካ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“ሰይፍኻ” በሊሕ ድዩ ጐዲም፧