ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ግበር

ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ግበር

ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ግበር

“ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።”​—⁠መዝሙር 77:12

1, 2. (ሀ) ንምስትንታን ግዜ ኽንምድብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) “ኣስተንተነ” ከምኡውን “ሓሰበ” ዝብላ ቓላት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧

 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን: ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ንዕኡ እነገልግለሉ ምኽንያትን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ግዜና ዝበዝሑ ሰባት ንምስትንታን ግዜ ኣብ ዘይህብ ሃታሃታ ዝመልኦ ህይወት እዮም ዝርከቡ። ኣብ ፍቕረ⁠-​ንዋይ: ሃለኽቲ ኣቝሑ ኣብ ምሽማት: ከምኡውን ወትሩ ተድላ ኣብ ምንዳይ ተዋሒጦም እዮም ዘለዉ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸንቱ ተግባራት ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧ ከምቲ ንኽንበልዕ: ንኽንሰቲ ዀነ ንኻልእ ኣገደስቲ ንጥፈታት ግዜ እንምድብ: ንንጥፈታትን ተግባራትን የሆዋ መዓልታዊ ንኸነስተንትነሉ ድማ ግዜ ኽንምድብ ኣሎና።​—⁠ዘዳግም 8:⁠3፣ ማቴዎስ 4:⁠4

2 ኣስተንቲንካዶ ትፈልጥ፧ ምስትንታን ክበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ መዝገበ⁠-​ቓላት ነታ “ኣስተንተነ” እትብል ቃል “ብዛዕባ ሓደ ነገር ኣዕሚቑ ሓሰበ” ዝብል ትርጕም ክህባ ኸሎ: ነታ “ሓሰበ” እትብል ቃል ድማ “ብዛዕባ ሓደ ነገር ኣብ ኣእሙሮኡ ዘኪሩ ኣስተንተነ” ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ። እዚ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

3. መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር እንታይ እዩ ዘድሊ፧

3 እዚ ነገርዚ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንብጻዩ ጢሞቴዎስ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ: ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። . . . እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ብምባል ዝጸሓፈሉ ነገር ከዘኻኽረና ኣለዎ። እወ: ጢሞቴዎስ ወሰኽን ዕቤትን ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ እዩ: ካብ ቃላት ጳውሎስ ከም እንርእዮ ኸኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኣጸቢቑ ዝሓስብ ሰብ ዕቤት ክገብር ከሎ: እቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘይሓስብ ግን ብኣንጻሩ እዩ ዘጋጥሞ። እዚ ነገር እዚ ሎሚውን ኣይተቐየረን። መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር: ምስ ቃል ኣምላኽ ንዝተሓሓዝ ነገራት ‘ኣጸቢቕና ኽንሓስበሉን ንእኡ ምሉእ ርእስና ኽንውፍን’ ኣሎና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠13-15

4. ኣዘውቲርካ ንቓል የሆዋ ምእንቲ ኽትሓስበሉ ኽሕግዘካ ዝኽእል እንታይ ምድላዋት ኣሎ፧

4 ንምስትንታን ዝኸውን ንዓኻ ዝጥዕመካ ዝበለጸ ግዜ ኣብ ንጥፈታትካን ኣብቲ ስድራ​ቤትካ ዝገብርዎ ንጥፈታትን እዩ ዝምርኰስ። ብዙሓት ሰባት ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ንግሆ ንግሆ ኸንብብዋ ኸለዉ ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ ኣጸቢቖም ይሓስቡ እዮም። ዳርጋ 20,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ ቤትኤል ዘገልግሉ ወለንተኛታት: ንግሆ ን15 ደቒቕ ዝኸውን ብዛዕባ ዕለት ጥቕሲ ብምምይያጥ እዮም ንጥፈታቶም ዝጅምሩ። ኣብ ስድራ ቤትኤል ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ሓሳባት ዝህቡ ሒደት ጥራይ እኳ እንተዀኑ: እቶም ዝተረፉ ግን ነቲ ዝሰምዕዎን ዘንብብዎን ኣጸቢቖም ይሓስቡሉ እዮም። ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ናብ ስርሖም ክኸዱ ኸለዉ ብቓል የሆዋ ይሓስቡ እዮም። ነቲ ብገሊኡ ቛንቋታት ዝርከብ ኣብ ካሴት እተቐድሐ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ግምቢ ዘብዐኛ: ከምኡውን ንቕሑ! ይሰምዑ እዮም። ብዙሓት ኣንስቲ ሓዳር ኣብ ቤተን እናዓየያ ነዚ ኻሴታት እዚ ይሰምዓ እየን። ከምዚ ብምግባር ከኣ ኵላቶም ነቲ “ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ: ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ: ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ብምባል ዝጸሓፈ ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እዮም ዝመስልዎ።​—⁠መዝሙር 77:11, 12

ቅኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ ጽቡቕ ፍረ የምጽእ

5. ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር ኣርዚንና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብዚ ቲቪ: ቪድዮ: ከምኡውን ኮምፕዩተር ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ መዋእል: ብዙሓት ሰባት ምንባብ እናገደፍዎ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከምኡ ክዀኑ የብሎምን። ከመይሲ: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ የሆዋ ዘራኽበና መትረብ እዩ። ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት እያሱ ንሙሴ ተኪኡ ንእስራኤላውያን መርሖም። እያሱ በረኸት የሆዋ ንምርካብ ቃል ኣምላኽ ከንብብ ነበሮ። (እያሱ 1:⁠8፣ መዝሙር 1:⁠1, 2) ሕጂውን ናይ ግድን ኽንገብሮ ዘሎና ነገር እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ብዙሕ ስለ ዘይተማህሩ ምንባብ የጸግሞም ወይ ብዙሕ የድክሞም ይኸውን። ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ናይ ምንባብን ምጽናዕን ባህጊ ምእንቲ ኸነሕድር እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧ መልሲ ናይዚ ኣብቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ምሳሌ 2:⁠1-6 ዝጸሓፎ ቓላት ይርከብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ነዚ ጥቕስታት እዚ ኣንብቦ እሞ: ድሕሪኡ ኽንመያየጠሉ ኢና።

6. ንፍልጠት ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ኽህልወና ዘለዎ፧

6 ኣብ መጀመርታ “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ:” ዝብል ምሕጽንታ ኢና እንረክብ። (ምሳሌ 2:1, 2) ካብዚ ቓላት እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኢና ኽንግዘብ እንኽእል። እቲ “ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ” ዝብል መግለጺ እሞ ነስተብህለሉ። ኣብዚ ግዜና ዝበዝሑ ደቅሰብ ንቓል ኣምላኽ ስለ ዘየቕልቡሉ: እዚ ጕዳይ እዚ ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኰነን። ንሕናውን ካብ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ሓጐስ ንምርካብ: ቃል የሆዋ ንምቕባል ፍቓደኛታት ክንከውን ከምኡውን ክጠፍኣና ኸም ዘይንደልዮ ክቡር ነገር ጌርና ኽንሕዞ ኣሎና። መዓልታዊ ናብራና ሃለኽለኽ ዝመልኦ ወይ ኣቓልቦ ዝሰርቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ንቓል ኣምላኽ ዝነበረና ተገዳስነት ከም እነጥፍእ ወይ ብምጥርጣር ከም እንርእዮ ኽሳዕ ዝገብረና ኸነፍቅደሉ የብልናን።​—⁠ሮሜ 3:⁠3, 4

7. ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትርከብን ብኣቓልቦ ኽትሰምዕን ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧

7 ቃል ኣምላኽ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኽግለጽ ከሎ ብሓቂ ‘ነቕልብ’ ዲና፧ (ኤፌሶን 4:⁠20, 21) ምስትውዓል ምእንቲ ኽንረክብከ ‘ልብና ነድንን’ ዲና፧ ምናልባት እቲ ተዛራባይ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ: ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ግን ብኣቓልቦ ክንሰምዖ ይግባእ። ናብ ጥበብ የሆዋ ምእንቲ ኸነቕልብ ከኣ ብእተኻእለና መጠን ናይ ግድን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንርከብ ኣሎና። (ምሳሌ 18:⁠1) ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብቲ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ደርቢ እተኻየደ ኣኼባ እንተ ዘይጸንሕ ነይሩ ዝስምዖ ጓሂ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣኼባታትና ከምቲ ናይቲ ግዜ እቲ ተኣምር እንርእየሉ እኳ እንተ ዘይኰነ: ነቲ ቐንዲ መምሃሪ መጽሓፍ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንመያየጠሉ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስና እናገንጸልና ብኣቓልቦ እንተ ተኸታቲልና: ኵሉ ኣኼባታት በረኸት ከምጽኣልና ይኽእል እዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1-4፣ እብራውያን 10:⁠24, 25

8, 9. (ሀ) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እንታይ ክንገብር ይሓተና፧ (ለ) ዋጋ ወርቂ ንፍልጠት ኣምላኽ ምስ ምርዳእ ብኸመይ ከተወዳድሮ ትኽእል፧

8 እቲ ጥበበኛ ንጉስ ኣስዕብ ኣቢሉ “እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ:” በለ። (ምሳሌ 2:3) እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ኣረኣእያ ወይ ዝንባለ ኽህልወና እየን ዝሕብራና፧ ቃል የሆዋ ንኽንርድኦ ሓያል ባህጊ ኽህልወና እየን ዝምሕጸናና ዘለዋ። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንኸነስተውዕል ካብ ዝብል ዕላማ ተበጊስና መጽናዕቲ ኽንገብር ድማ እየን ዝእምታ። እዚ ጻዕሪ ኸም ዝሓትት ፍሉጥ እዩ: እዚ ነጥቢ እዚ ድማ ናብቲ ሰሎሞን ቀጺሉ እተዛረቦ ቓላትን መብርህን ይመርሓና።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠15-17

9 ቀጺሉ “[ነእምሮ ወይ ምርዳእ] ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ:” በለ። (ምሳሌ 2:4) እዚ መብርሂ እዚ ነቲ ሰባት ክቡር ማዕድናት ዝበሃል ብሩርን ወርቅን ንምርካብ ንሓያሎ ዘመናት ዝገበርዎ ጻዕርታት የዘኻኽረና። ገሊኣቶም ወርቂ ንኽረኽቡ ኢሎም ሰባት ቀቲሎም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ምሉእ ህይወቶም ነዚ ንምርካብ ሃለው ክብሉ ኣሕሊፎምዎ እዮም። እንተዀነ ግን: ከም ሓቂ እንተ ርኢናዮ ወርቂ ዘለዎ ዋጋ እንታይ እዩ፧ ኣብ ምድረ⁠​በዳ እንተ ትጠፍእ እሞ ብጽምኢ ኣብ ኣፍ ሞት እንተ ትበጽሕ: ወርቂዶ ምደለኻ ወይስ ሓንቲ ኹባያ ማይ፧ ይኹን እምበር: ሰባት ነዚ ናይ ሓቂ ዋጋ ዘይብሉን ዓሰርተ ሳዕ ዋጋኡ ዝቀያየርን ማዕድን ብሃንቀውታ እዮም ዝደልይዎ! a እምበኣር ንጥበብ: ምስትውዓል: ከምኡውን ብዛዕባ ኣምላኽን ፍቓዱን ምርዳእ ካብዚ ብዝዛይድ ከነናድዮዶ ኣይግባኣናን፧ ከምዚ ብምግባርና ግን እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧​—⁠መዝሙር 19:⁠7-10፣ ምሳሌ 3:⁠13-18

10. ቃል ኣምላኽ እንተደኣ ኣጽኒዕና እንታይ ክንረክብ ንኽእል፧

10 ሰሎሞን ቀጺሉ “ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ” በለ። (ምሳሌ 2:5) ንሕና ሓጥኣን ደቅሰብ “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ማለት ንፍልጠት እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ዝዀነ የሆዋ ኽንረኽቦስ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ነገር ኰን እዩ! (መዝሙር 73:⁠28፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠24) ንሓያሎ ዘመናት ፈላስፋታት ኰኑ ጥበበኛታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ምስጢር ህይወትን ኣድማስን ክርድእዎ ጽዒሮም እዮም። ይኹን እምበር: “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ፧ እዚ ፍልጠት እዚ ኻብ ኣሽሓት ዓመታት ኣትሒዙ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ እኳ እንተዀነ: ኣዝዩ ቐሊል እዩ ብምባል ስለ ዝነዓቕዎ ክርድእዎ ኣይከኣሉን።​—⁠1 ቈረንቶስ 1:⁠18-21

11. ገለ ኻብቲ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባር እንረኽቦ ረብሓታት እንታይ እዩ፧

11 ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ” ብምባል ካልእ ንኸነጽንዕ ዝድርኸና ነጥቢ ጠቐሰ። (ምሳሌ 2:6) የሆዋ ነቲ ጥበብ: ፍልጠት: ከምኡውን ምስትውዓል ክረክብ ሃለው ዝብል ኵሉ ብኸምኡን ብልግስን እዩ ዝህቦ። ብርግጽ እምበኣር ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ጻዕሪ: ርእስኻ ምቕጻዕ: ከምኡውን መስዋእቲ ዝሓትት እኳ እንተዀነ: ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ብዘይ​ዚውን ኣብዚ ግዜና መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ ኢና እንረኽቦ: ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ድማ ብኢድና ኽንቀድሖ ኣየድልየናን እዩ።​—⁠ዘዳግም 17:⁠18, 19

ንየሆዋ ብቑዕ ኴንካ ምምልላስ

12. ፍልጠት ኣምላኽ ንኽንረክብ ክንጽዕር ዘለዓዕለና ምኽንያት እንታይ ክኸውን ኣለዎ፧

12 ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንኽንገብር ክድርኸና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ ካብ ካልኦት እንበልጽ ኴንና ምእንቲ ኽንርአ ድዩ፧ ዝያዳ ፍልጠት ከም ዘሎና ንኸነርኢ ድዩ፧ ተንቀሳቓሲ መዝገበ⁠-​ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንከውን ድዩ፧ ኣይፋልን። ሸቶና ልክዕ ከም ክርስቶስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ድሉዋት: ብእኡ እንመላለስ: እንዛረበሉ: ከምኡውን ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ክርስትያናት ንኽንከውን እዩ። (ማቴዎስ 11:⁠28-30) ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍልጠት ይነፍሕ: ፍቕሪ ግና ይሀንጽ” ብምባል ኣጠንቂቑና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 8:1) ስለዚ: ከምቲ ሙሴ ንየሆዋ “ምእንቲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ክረክብ: በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ” ኽብሎ ኸሎ ዘርኣዮ ዓይነት ትሕትና ኽህልወና ኣለዎ። (ዘጸኣት 33:13) እወ: ፍልጠት ክንረክብ እንጽዕር ንኣምላኽ ከነሐጕስ ኢልና ደኣ እምበር ሰባት ምእንቲ ኽርእዩልና ኢልና ክኸውን የብሉን። ብቑዓትን ትሑታትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክንከውን ኢና እንደሊ። ነዚ ሸቶ እዚ ብኸመይ ክንበጽሖ ንኽእል፧

13. ሓደ ሰብ ብቑዕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንክኸውን እንታይ ከማልእ ኣለዎ፧

13 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ብምባል ንኣምላኽ ከመይ ገይሩ ባህ ከም ዘብሎ መዓዶ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) እታ “ብቕንዕና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ መግለጺ ኻብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ግሪኽ ግሲ ዝሓቘፈት ኰይና ቃል ብቓሉ “ትኽ ኣቢልካ ምቝራጽ” ማለት እያ። (ኪንግደም ኢንተርሊንያር ) ገሊኣቶም ምሁራት ከም ዝብልዎ እዚ መግለጺ እዚ ሓደ ሰፋይ ክዳውንቲ ብመሰረት እቲ ንድፊ ገይሩ ዓለባ ክቘርጽ ከሎ: ሓረስታይ ክሓርስ ከሎ ዘውጽኦ ትልሚ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዘመልክት እዩ። ዝዀነ ዀይኑ መወዳእታኡ ቅኑዕን ትኽ ዝበለን ክኸውን እዩ ዝድለ። እዚ ድማ ጢሞቴዎስ ብቑዕን ስምረት ኣምላኽ ዘለዎን ኣገልጋሊ ንምዃን ትምህርትታቱን ጠባዩን ምስ ቃል ሓቂ ዝሰማማዕ ንኽገብሮ ‘ኽጽዕር’ ከም ዝነበሮ እዩ ዘመልክተና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

14. ናይ ብሕትና መጽናዕቲ ንእንገብሮን እንብሎን ክጸልዎ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

14 ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ ንዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትያናት “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር . . . ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ” ኢሉ ኽጽሕፈሎም ከሎ ተመሳሳሊ ማዕዳ እዩ ሂብዎም። (ቈሎሴ 1:10) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጳውሎስ ንየሆዋ ብቑዕ ምዃን ምስ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ምፍራይን ብፍልጠት ኣምላኽ ምስ ምዕባይን’ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ የሆዋ ዝያዳ ግምት ዝህቦ ነገር ንፍልጠት ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዘይኰነስ: ኣብ እንገብሮን እንብሎን ዘበለ ኽሳዕ ክንደይ ንቓል ኣምላኽ ከም እንስዕብ እዩ። (ሮሜ 2:⁠21, 22) እዚ ድማ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንደሊ እንተ ዄንና: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንኣተሓሳስባናን ጠባይናን ክጸልዎ ኣለዎ ማለት እዩ።

15. ንኣእምሮናን ኣተሓሳስባናን ብኸመይ ክንከላኸለሉን ክንቈጻጸሮን ንኽእል፧

15 ኣብዚ ግዜና ሰይጣን ምስ ኣእምሮና ኸም እንዋጋእ ብምግባር ንመንፈሳውነትና ኸዳኽም ቈሪጹ እዩ ተላዒሉ ዘሎ። (ሮሜ 7:⁠14-25) ስለዚ: ንየሆዋ ኣምላኽና ብቑዓት ምእንቲ ኽንከውን ንኣተሓሳስባና ክንከላኸለሉን ክንቈጻጸሮን ኣሎና። እቲ ‘ንዅሉ ኣእምሮ ንምእዛዝ ክርስቶስ ክንማርኸሉ’ እንኽእል “ፍልጠት ኣምላኽ” ድማ ከም መሳርያ ክዀነና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ኣእምሮና ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኸነወግድ ስለ ዝሕግዘና: ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነቕልብ ዝያዳ ምኽንያት እዩ ዝዀነና።​—⁠2 ቈረንቶስ 10:⁠5

ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ነገራት

16. የሆዋ ኽምህረና ኸሎ ብኸመይ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንጠቅም እንኽእል፧

16 ካብ የሆዋ እንረኽቦ ትምህርቲ መንፈሳውን ስጋውን ረብሓታት የምጽኣልና እዩ። ቅጭ ዘምጽኣልካን ጥቕሚ ዘይብሉን ስነ⁠-​ሃይማኖት ኣይኰነን። ስለዚ ድማ እዩ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ዝብል እነንብብ። (ኢሳይያስ 48:17) የሆዋ በቲ ዝጠቕመና መገዲ ዝመርሓና ብኸመይ እዩ፧ ፈለማ: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። እዚ ቐንዲ መምሃሪ መጽሓፍና ስለ ዝዀነ ወትሩ ንውከሶ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ኽንከታተል ዝግባእ። ከምዚ ምግባር ዘምጽኦ ጥቕሚ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 ተመዝጊቡ ዝርከብ ብዛዕባ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዝገልጽ ዛንታ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።

17. ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ: እዚኸ እንታይ እዩ ዝሕብረና፧

17 እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እምነቱ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ነበሮ: ቅዱሳት ጽሑፋት እውን የጽንዕ ነበረ። ሓደ እዋን ብሰረገላኡ እናተጓዕዘ ኸሎ መጽሓፍ ኢሳይያስ የንብብ ነበረ: ፊልጶስ ድማ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ሰረገላ እናጐየየ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ስሉብ ከኣ “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ።” ድሕርዚ ፊልጶስ ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐ ነቲ ስሉብ ብዛዕባ ትንቢት ኢሳይያስ ኣረድኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:27-35) እዚ እንታይ እዩ ዝሕብረና፧ ብብሕትና እንገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እኹል ዘይምዃኑ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣብቲ ግዜኡ ቓል ኣምላኽ ንኸረድኣና ይጥቀመሉ ኣሎ። እዚ ብኸመይ እዩ ዝግበር፧​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ ሉቃስ 12:⁠42

18. እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብኸመይ እዩ ዝሕግዘና፧

18 የሱስ ነቲ ኽፍሊ ባርያ “እሙን ኣስተውዓሊ” እኳ እንተ በሎ: ፈጺሙ ዘይጋገ እዩ ግን ኣይበሎን። እዚኣቶም ብእሙናት ቅቡኣት ኣሕዋት ዝቘሙ ጕጅለ ዘይፍጹማት ክርስትያናት እዮም። ካብ ሰናይ ድራኸ ተበጊሶም ክዓዩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ: ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቅቡኣት ጌጋ ዝፈጸሙ እዚኣቶም እውን ክጋገዩ ይኽእሉ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠9-15፣ ገላትያ 2:⁠8, 11-14) ይኹን እምበር: ሕማቕ ድራኸ የብሎምን: የሆዋ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕን ኣብ ቃል ኣምላኽን መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ንምድልዳልን ዝሕግዘና ነገራት ንኸዳልዉልና ይጥቀመሎም ኣሎ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም እቲ ባርያ ካብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምእንቲ ኽንጥቀም ኢሉ ዝገበረልና መሰረታዊ ምድላው እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ42 ቋንቋታት: 114 ሚልዮን ብዝኸውን ቅዳሓት ተሓቲሙ ኣሎ። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብር ከሎና ነዚ ትርጕም እዚ ኸመይ ጌርና ኢና ብዝግባእ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14-17

19. ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም​—⁠ምስ መወከሲኡ ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል እንታይ መወከሲታት እዩ ዝርከቦ፧

19 ከም ኣብነት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም​—⁠ምስ መወከሲኡ እስከ ንውሰድ። ኣብዚ ትርጕም እዚ መወከሲ ጥቕስታት ዝሓዘ ዓምዲ: እግረ⁠-​ጽሑፍ: “መሐበሪ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ” ከምኡውን “መሐበሪ ቃላት እግረ⁠-​ጽሑፍ” ዝበሃል ሕጽር ዝበለ መሐበሪ: 43 ኣርእስትታት ዝሽፍን መመላእታ ጽሑፍ: ከምኡውን ካርታታትን ሰሌዳታትን ይርከቦ። ነዚ ፍሉይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዘገልገለ ምንጪ ጽሑፋት ዝገልጽ “መእተዊ” እውን ኣለዎ። ክትርድኦ ብእትኽእል ቋንቋ ዝርከብ እንተደኣ ዀይኑ: ብእተኻእለካ መጠን ነዚ መወከሲታት እዚ ፍለጦን ተጠቐመሉን። ዝዀነ ዀይኑ: መጀመርታ ኸነጽንዖ ዘሎና ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ድማ ንመለኮታዊ ስምን ንመንግስቲ ኣምላኽን ብዝግባእ ዘጕልሕ ትርጕም እዩ።​—⁠መዝሙር 149:⁠1-9፣ ዳንኤል 2:⁠44፣ ማቴዎስ 6:⁠9, 10

20. ብዛዕባ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እንታይ ሕቶታት እዩ መልሲ ዘድልዮ፧

20 ሕጂ ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ እንታይ ተወሳኺ ሓገዝ እዩ ዘድልየና፧ ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ እቲ እንገብሮ መጽናዕቲ ብዝያዳ ኸም ዝጠቕመና ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንኻልኦትከ ብኸመይ እዩ ኽትንክፎም ዘለዎ፧’ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ክርስትያናዊ ዕቤትና ኽትገልጾ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ካብ 1979 ኣትሒዙ ዋጋ ወርቂ ኽብ ለጠቕ ክብል ጸኒሑ እዩ። ብ1980 ከቢሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሓንቲ ግራም 27.4 ዶላር ኣመሪካ ኣቢሉ ኽበጽሕ ከሎ ብ1999 ሓሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ንሓንቲ ግራም 8.2 ዶላር ኣመሪካ ኣቢሉ ዀይኑ ነይሩ።

ትዝክሮዶ፧

• “ኣስተንተነ” ከምኡውን “ሓሰበ” ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምጽናዕ ዝመጸ እንታይ ኣረኣእያ ኽህልወና ኣለዎ፧

• ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንኽንገብር ዝድርኸና እንታይ ክኸውን ይግባእ፧

• መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ ዝሕግዘና እንታይ ጽሑፋት እዩ ተዳልዩልና ዘሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት ስድራ ቤትኤል መዓልቲ መዓልቲ ዕለታዊ ጥቕሲ ምንባብ ብመንፈስ ዘበራትዕ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጕዕዞና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካሴታት ብምስማዕ ግዜና ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ወርቂ ንምርካብ ንነዊሕ እዋን ኣበርቲዖም ዓዪዮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ደኣኸ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ጻዕሪ እትገብር፧

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of California State Parks, 2002

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሓና ዝኽእል መዝገብ እዩ