ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መኣዲ ሓለቓ መርከብ እተገብረ ምይይጥ

ኣብ መኣዲ ሓለቓ መርከብ እተገብረ ምይይጥ

ኣብ መኣዲ ሓለቓ መርከብ እተገብረ ምይይጥ

 ብመርከብ ክትጐዓዝ ከሎኻ ኣብ መኣዲ ሓለቓ መርከብ እንተ ተቐሚጥካ: ምስ ዘደንቑ ሰባት ብምልላይካ: ጽቡቕ መግቢ ብምምጋብካ: ከምኡውን መሳጢ ዕላል ብምዕላልካ ኽትሕጐስ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መኣዲ ናይቲ ዋይት ስታር ላይን ናይ ዝበሃል ኩባንያ ሰራሕተኛ ዝነበረ ሓለቓ መርከብ ሮበርት ጂ. ስሚዝ እተገብረ ምይይጥ ግን: ኣብ መንፈሳዊ ብልዒ ዘተኰረ ነበረ።​—⁠ኢሳይያስ 25:6

ብ1894 ሮበርት ወዲ 24 ዓመት ከሎ ኪንክሉን ኦቭ ዳንዲ ናይ እትበሃል መርከብ ኣዛዚ ዀነ። ጸኒሑ ኣዛዚ ናይ ከም እኒ ሰድሪክ: ሰቪክ: ከምኡውን ሩኒክ ዝኣመሰላ መራኽብ ዋይት ስታር ዀነ። a ሮበርት ብሓንቲ ኻብዘን መራኽብ ገይሩ ኻብ ኒው ዮርክ ናብታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ሊቨርፑል ንምኻድ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ከቋርጽ ከሎ: ንቻርለስ ቴዝ ራስል ኣብ መኣዱ ኣአንጊድዎ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ራስል ዝገበሮ ምይይጥ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ስለ ዘለዓዓለሉ: ዝያዳ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢሉ ነተን ራስል ዘዳለወን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስተን ጽሑፋት (እንግሊዝኛ) ተሓጒሱ ወሰደ።

ራስል ምስ ሮበርት ደብዳበ ምጽሕሓፍ ቀጸለ: ሮበርት ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ተገዳስነት እውን እናወሰኸ ኸደ። ነቲ ሓድሽ ዝረኸቦ ፍልጠት ከኣ ንበዓልቲ ቤቱ ኣካፈላ። ነዊሕ ከይጸንሐ ክልቲኣቶም ንጡፋት ኣባላት ናይቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ጸኒሑ ሮበርት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርባት ናይ ምሃብ ፍሉይ መሰል ረኸበ። ንኣብነት: ኣብ ቢዝቤን: ኣውስትራልያ: “በለሳን ጊልዓድ” ዘርእስቱ ዝርርብ ሃበ: ቃል ኣምላኽ ዝሓዞ መልእኽቲ “ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጸበባ ፈውሲ” ዝዀነ ብኸመይ ምዃኑ ድማ ገለጸ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ በዓልቲ ቤቱን ንኣሽቱ ደቆምን እታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዘርእስታ ስላይድ ክትርአ ኸላ: ነቲ ኣብ ዲስክ እተቐድሐ ራስል ዝሃቦ ሓሳባት ኣብ ምውላዕ ብምስታፎም እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።

ሮበርት ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኸቦ ሓቂ ንደቁ ኣውረሶም። ክሳብ እዚ ግዜና ሓሙሽተ ወለዶ እኳ እንተ ሓለፈ: 18 ኣባላት ስድራ​ቤቱ ነቲ ብስራት ብንጥፈት ንኻልኦት የካፍልዎም ኣለዉ። ነቲ ኣብ መኣዲ እቲ ሓለቓ መርከብ እተገብረ ምይይጥ ድማ ኣዝዮም እዮም ዘማስዉሉ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጽሑፋቶምን በቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህብዎ ትምህርትን ገይሮም: እቲ ነቲ ሓለቓ መርከብ ዝመሰጦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ይዝርግሕዎ ኣለዉ። ንስኻውን ኣብ መኣዲ እቲ ሓለቓ መርከብ እተገብረ ምይይጥ ክሳዕ ክንድዚ መሳጢ ዝዀነሉ ምኽንያት ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ታይታኒክ ምስዘን መራኽብ እዚኣተን እትመሳሰል ኰይና: ንመጀመርታኣ ግዜ ኣብ ዝገበረቶ መገሻ ኽትስበር ከላ ኢ. ጀይ. ስሚዝ (ምስ ሮበርት ስሚዝ ዝምድና የብሉን) ዝበሃል ሓለቓ መርከብ ይመርሓ ነበረ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሮበርት ጂ. ስሚዝ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ቻርለስ ቲ. ራስል