ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣእዳውካ ኣጽንዕ

ኣእዳውካ ኣጽንዕ

ኣእዳውካ ኣጽንዕ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኢድ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና። ብዛዕባ ኢድ ዝጠቅስ ቍንቍኛ ብእተፈላለየ መልክዕ ይርከብ እዩ። ንኣብነት: ንጹህ ኢድ ክፍኣት ንዘይምህላው የመልክት። (2 ሳሙኤል 22:⁠21፣ መዝሙር 24:⁠3, 4) ኢድ ምኽፋት ክበሃል ከሎ ንኻልኦት ምልጋስ ማለት እዩ። (ዘዳግም 15:⁠11፣ መዝሙር 145:⁠16) ሓደ ሰብ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ምስ ዘእቱ: ነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ይበሃል እዩ። (1 ሳሙኤል 19:⁠5) ኣእዳው ዘርጋሕጋሕ በለ ኽበሃል ከሎ ተስፋ ቘረጸ ማለት እዩ። (2 ዜና መዋእል 15:⁠7) ኢድ ምጽናዕ ድማ ሓደ ነገር ንምግባር ጽኑዕ ምዃን ወይ ሓይሊ ምርካብ የመልክት።​—⁠1 ሳሙኤል 23:⁠16

ኣብዚ ግዜና ውዓል ሕደር ከይበልና ኣእዳውና ኸነጽንዕ የድልየና እዩ። ከመይሲ ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ተስፋ ክንቈርጽ ከሎና: ከም ሰባት መጠን ኣእዳውና ዘርጋሕጋሕ ክብላ ወይ ክንሕለል እዩ ዝቐለና። መንእሰያት ትምህርቲ ኸቋርጹ: ሰብኡት ስድራ​ቤቶም ጠንጢኖም ክኸዱ: ኣንስቲ ድማ ደቀን ክርሕርሓ ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ከም ክርስትያናት መጠን ንኣምላኽ ኣብ እንገብሮ ኣገልግሎት ዘጋጥመና ፈተናታት ንምስጋር ኣእዳውና ኸነጽንዕ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:⁠13) ከምዚ ምስ እንገብር: ንልቢ የሆዋ ነሐጕሶ ኢና።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

ኣእዳው ብኸመይ እየን ዝጸንዓ፧

ብግዜ እዝራ ዝነበሩ ኣይሁድ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ የሆዋ እንደገና ሃኒጾም ንምዝዛም ኣእዳዎም ከጽንዑ ነበሮም። ኣእዳዎም ዘጽንዑ ግን ብኸመይ እዮም፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “እግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ: ቤት ኣምላኽ እስራኤል: ንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ: ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ: በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዐሉ።” (እዝራ 6:22) ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዝጀመርዎ ዕዮ ምእንቲ ኽዛዝምዎ: የሆዋ ብመስለጢ ሓይሉ ኣቢሉ “ንጉስ ኣሶር” ንህዝቢ ኣምላኽ ክምለሱ ንኸፍቅደሎምን ፍናን ናይቲ ህዝቢ ንኽለዓዓልን ደረኸ።

ጸኒሑ መካበብያ የሩሳሌም ክዕረ ምስ ተደልየ: ነህምያ ኣእዳው ናይቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዝዓዩ ኣሕዋቱ ኣጽንዐ። ብዛዕባዚ ኸምዚ ዝብል ነንብብ:- “እታ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ሕያወይቲ ኸም ዝዀነትን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ከኣ፤ ንልዐል እሞ ንስራሕ: ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን።” ነህምያን ብጾቱ ኣይሁድን ብዝጸንዓ ኣእዳው ንመካበብያ የሩሳሌም ብዘደንቕ መገዲ ኣብ 52 መዓልትታት ኣዐረይዎ!​—⁠ነህምያ 2:18፣ 6:9, 15

ብተመሳሳሊ: የሆዋ እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ ኣእዳውና የጽንዐን እዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ነዚ ዝገብሮ ድማ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓዱ ንኽንገብር ብቑዓት’ ከም እንኸውን ብምግባር እዩ። (እብራውያን 13:⁠21) ብሉጽ መሳርሒታት ኣዳልዩልና ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ንምብጻሕ ዝሕግዘና መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ብሮሹራት: ትራክትታት: ከምኡውን ኣውድዮን ቪድዮን ካሴታት ኣሎና። ጽሑፋትና ብልዕሊ 380 ቋንቋታት እዩ ዝሕተም። ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ብናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣቢሉ ነዚ ብሉጽ መሳርሒታት ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ዝሕግዝ ቲኦክራሲያዊ ትምህርትን ስልጠናን ይህበና እዩ።

የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ኣእዳውና ዘጽንዓልና እኳ እንተዀነ: ንሕናውን ብወገንና ጻዕሪ ኽንገብር ይጽበየና እዩ። ነብዪ ኤልሳእ ነቲ ምስ ወረርቲ ሶርያውያን ንምውጋእ ሓገዝ ደልዩ ዝመጾ ንጉስ ዮኣስ እንታይ ከም ዝበሎ ዘክር። ኤልሳእ ነቲ ንጉስ ብፍላጻታት ገይሩ ንምድሪ ኽወቅዕ ነገሮ። ቀጺሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ። ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ: ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ: ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውደኦም ምሰዐርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ: በሎ።” (2 ነገስት 13:18, 19) ዮኣስ ቅንኣት ስለ ዘየርኣየ: ኣብ ሶርያውያን ዝረኽቦ ዓወት ድሩት ኰነ።

ነቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዝሃበና ነገራት ክንፍጽሞ እንተደኣ ደሊና: እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኽንዓየሉ ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ዘጋጥመና ዕንቅፋታት ወይ ብዛዕባ ኽብደት ናይቲ እተዋህበና ዕዮ ኣብ ክንዲ ምጭናቕ: ብቕንኣትን ብምሉእ ልብናን ኽንዓዮ ኢልና ተበግሶ ኽንወስድ ኣሎና። ኣእዳውና ኸነጽንዕን ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንደልን ኣሎና።​—⁠ኢሳይያስ 35:⁠3, 4

የሆዋ ኣእዳውና ኸጽንዓልና እዩ

የሆዋ ፍቓዱ ንኽንገብር ካብ ምሕጋዝናን ኣእዳውና ኻብ ምጽናዕን ዓዲ ኣይውዕልን እዩ። ርግጽ እዩ: ኣምላኽ ተኣምር ኣይገብርን እዩ: ኵሉ ነገር ድማ ኣይዓየልናን እዩ። ንሕናውን ብግዴና ጻዕሪ ኽንገብር እዩ ዝጽበየና። እዚ ድማ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ: ወትሩ ንኣኼባታት ክንዳሎን ኣብኡ ክንካፈልን: ዓቕምና ብዝፈቕደልና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንሳተፍ: ከምኡውን ከየባተኽና ኽንጽሊ ይጽበየና ማለት እዩ። ኣጋጣሚ ኸሎና ብተኣማንነትን ብትግሃትን ግዴና እንተ ጌርና: የሆዋ ነቲ ኽንገብሮ ዝጽበየና ንኽንፍጽሞ ሓይሊ ኽህበና እዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠13

ንሓደ ብዓልቲ ቤቱን ኣዲኡን ኣብ ሓደ ዓመት ዝሞታኦ ክርስትያን እስከ ንርአ። ገና እዚ ኸይኣኽሎ ሰበይቲ ወዱ ንሰብኣያ ጠንጢናቶ ኸደት: ክርስትያናዊ ኣነባብራ ድማ ሓደገቶ። እዚ ሓው እዚ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ናይቲ ዝወርደና ፈተና ዓይነት: ግዜ: ከምኡውን ተደራራብነት ክንመርጽ ከም ዘይንኽእል እየ ተማሂረ” በለ። ጸኒዑ ንክቕጽል ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ ሓይሊ ዝረኸበ፧ ብዛዕባዚ ባዕሉ ኸምዚ በለ:- “ጸሎትን ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ጸኒዐ ንክቕጽል ሓጊዙኒ እዩ። መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝገበሩለይ ደገፍ ድማ ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ጸገም ቅድሚ ምምጽኡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ናይ ብሕቲ ርክብ ምምዕባል ጠቓሚ ዀይኑ እየ ረኺበዮ።”

ኣብ ህይወትካ ዘሕለፍካዮ ጸገማት ዓይነቱ ብዘየገድስ: ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ንምግባርን ኣእዳውና ንምጽናዕ ዝገበሮ ዅሉ ምድላው ብግቡእ ንምጥቃምን ቈራጽነት ግበር። ድሕሪኡ ንየሆዋ ብሉጽ ኣገልግሎት ኸተቕርበሉ ትኽእል: በዚ ኣቢልካ ድማ ነቲ ኽቡር ስሙ ውዳሰን ክብርን ተምጽኣሉ።​—⁠እብራውያን 13:⁠15

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ዮኣስ ቅንኣት ስለ ዘየርኣየ: ኣብ ሶርያውያን ዝረኽቦ ዓወት ድሩት ኰነ