ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ሃገር ዓድና ዀነት

እታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ሃገር ዓድና ዀነት

ታሪኽ ህይወት

እታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ሃገር ዓድና ዀነት

ዲክ ዎልድረን ዘዘንተዎ

እዋኑ መስከረም 1953 ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ። ናብ ደቡብ⁠-​ምዕራብ ኣፍሪቃ (ሕጂ ናሚብያ ) ካብ እንመጽእ ሰሙን እኳ እንተ ዘይመላእና: ኣብታ ቪንትሁክ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ህዝባዊ ኣኼባ ኽንመርሕ ንዳሎ ነበርና። ካብ ኣውስትራልያ ናብ ኣፍሪቃ ዘምጽኣና ጕዳይ ግን እንታይ እዩ፧ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ሰለስተ ኻልኦት ደቂ ኣንስትዮን ሚስዮናውያን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ኢና ናብ ኣፍሪቃ መጺእና።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

 ኣብታ ዘይትረሳዕ ዓመት ማለት ብ1914 ኣብታ ኣብ ርሑቕ እትርከብ ሃገረ ኣውስትራልያ እየ ተወሊደ። መንእሰይ ከለኹ ዓብዪ ቝጠባዊ ቕልውላው ስለ ዘጋጠመ: ስድራ​ቤትና ኣብ ምንባይ እጃመይ አበርክት ነበርኩ። ስራሕ ዝብልዎ ኣይነበረን: እንተዀነ ግን ኣብ ኣውስትራልያ ብዙሓት ማንቲለ ስለ ዝርከባ ንዓታተን ክሃድን ጀመርኩ። ስለዚ: ወትሩ ስጋ ማንቲለ እናኣምጻእኩ ኣብ መኣዲ ስድራ​ቤትና ኣበርክቶ እገብር ነበርኩ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ እተባርዓሉ እዋን ማለት ብ1939: ኣብ ከተማ ሜልቦርን ኣብ ዝርከባ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ስራሕ ጀሚረ ነበርኩ። ኣብተን ኣውቶቡሳት 700 ዝዀኑ ሰብኡት ብእብረ ይሰርሑ ነበሩ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እብረ ኸኣ ሓድሽ መራሕ ማኪና ወይ ተቘጻጻሪ ቲከት የጋጥመኒ ነበረ። መብዛሕትኡ እዋን “እንታይ እዩ ሃይማኖትካ፧” ኢለ እሓቶም እሞ: ብዛዕባ እምነቶም ንኽገልጹለይ ኣጋጣሚ እህቦም ነበርኩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ እዩ ዘዕግብ መልሲ ኽህበኒ ኽኢሉ። ንሱ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ ብዛዕባ እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ንዘለኣለም ዝነብሩላ ገነታዊት ምድሪ ነገረኒ።​—⁠መዝሙር 37:⁠29

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ጀመረት። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ስራሕ ኣምስየ ኽመጽእ ከለኹ: ድራረይን ኮንሶሌሽን (ሕጂ ንቕሑ!) እትበሃል መጽሔትን ተዳልዩ ይጸንሓኒ ነበረ። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ባህ ይብለኒ ነበረ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብኩ ስለ ዝፈለጥኩ: ምስ ሓንቲ ጉባኤ ሓበርኩ: ኣብ ግንቦት 1940 ድማ ተጠመቕኩ።

ኣብ ሜልቦርን 25 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነብሩሉ ቤት ነበረ። ኣነ ድማ ምሳታቶም ክነብር ጀመርኩ። መዓልቲ መዓልቲ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘጋጠሞም ዘደንቕ ተመክሮታት እሰምዕ ነበርኩ: ስለዚ: ከማታቶም ንምዃን ባህጊ ሓደረኒ። ድሕሪ ገለ ግዜ ፓይነር ንክኸውን ኣመልከትኩ። ተቐባልነት ምስ ረኸብኩ ኣብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ተጸዋዕኩ። በዚ ኸምዚ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰንኩ።

ማእሰርትን እገዳን

ኣብ ቤትኤል ካብ እተዋህበኒ ዕዮ ሓደ ነታ ዕንጨይቲ እትቘርጽ ማሽን ምንቅስቓስ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዋሕዲ በንዚን ብምንባሩ: ነተን ማካይን መንቀሳቐሲ ዘገልግል ፈሓም ንምድላው ኣዕጻው ንቘርጽ ነበርና። ኣብቲ ዕንጨይቲ ዝቝረጸሉ ቦታ 12 መንእሰያት ንሰርሕ ነበርና: ኵላትና ኸኣ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክንህብ ጻውዒት ቀረበልና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስና ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘይንህብ ምስ ገለጽና: ነዊሕ ከይጸንሐ ንሽዱሽተ ወርሒ ኽንእሰር ተፈርደና። (ኢሳይያስ 2:⁠4) ድሕርዚ: ናብ ሓደ ሕርሻ ቤት ማእሰርቲ ኽንሽቅል ተላኣኽና። እቲ ዝገርመኩም ከኣ ኣብኡ እተዋህበና ዕዮ: ከምቲ ኣብ ቤትኤል እንሰርሖ ዝነበረና ዕንጨይቲ ምቝራጽ እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትናን ክንረክብ ዘይፍቀደልና እኳ እንተ ነበረ: እንተዀነ ግን ነቲ ዝተዋህበና ዕዮ ብዝግባእ ስለ ዝዓየና እቲ ሓለቓ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ፈቐደልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎኒ ርክብ ሓደ ጠቓሚ ትምህርቲ ዝረኸብኩ። ኣብ ቤትኤል ክዓዪ ኸለኹ: ሓደ ፈጺሙ ዘይሰማምዓኒ ሓው ነበረ። ባህርያትና ኣጸቢቑ እተፈላለየ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ምሳይ እተኣሰረ መን ይመስለኩም፧ እዚ ሓው እዚ እዩ ነይሩ! ሽዑ ግን ኣጸቢቕና ንኽንፋለጥ እኹል ግዜ ረኸብና: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ጥብቅን ነባርን ዕርክነት መስረትና።

ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ ኣውስትራልያ ዝግበር ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገደ። ኵሉ እቲ ገንዘብ ተገበተ: ኣብ ቤትኤል ዝነበሩ ኣሕዋት ከኣ ዋሕዲ ገንዘብ ኣጋጠሞም። ሓደ እዋን: ሓደ ኻባታቶም ናባይ መጸ እሞ “ዲክ ናብ ከተማ ኸይደ ኽምስክር ደልየ ነይረ: እንተዀነ ግን እዚ ናይ ስራሕ ሳእኒ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ሳእኒ የብለይን” በለኒ። ኣነ ድማ ተሓጒሰ ሳእነይ ኣለቃሕክዎ: ነቲ ሳእነይ ወድዩ ኸኣ ናብ ከተማ ኸደ።

ድሕሪ እተወሰነ እዋን እዚ ሓው እዚ ኽሰብኽ ተታሒዙ ኸም እተኣስረ ወረ መጸና። ብኡንብኡ “ብዘጋጠመካ ነገር ሓዚነ። ነተን ሳእነይ ወድዩ ዝነበረ ባዕለይ ብዘይ​ምዃነይ ግን አሐጒስኒ” ኢለ ብምውዛይ ጽሓፍኩሉ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣነ እውን ብሰንኪ ናይ ገለልትነት ኣቕዋመይ ካልኣይ ግዜ ተኣሰርኩ። ምስ ተፈታሕኩ: ኣብቲ ንስድራ ቤትኤል መግቢ ዘቕርብ ሕርሻ ኽዓዪ ተመደብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ እተዓወትና: እቲ ኣብ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ተላዕለ።

ንሓንቲ ቐናእ ወንጌላዊት ተመርዓኹ

ኣብቲ ሕርሻ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ብዛዕባ ሓዳር ኣርዚነ ኽሓስብ ጀመርኩ: ንሓንቲ ኮራሊ ክሎጋን እትበሃል መንእሰይ ፓይነር ድማ ፈተኽዋ። ዓባያ ንኮራሊ ካብ ስድራ​ቤታ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘርኣየት ናይ መጀመርታ ሰብ እያ ነይራ። ኣብ ኣጋ ሞታ: ንቪራ ኣደ ኮራሊ “ንደቅኺ ንኣምላኽ ከም ዘፍቅራኦን ከም ዘገልግላኦን ጌርኪ ኣዕብይየን እሞ ሓደ መዓልቲ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ኽንራኸብ ኢና” በለታ። ካልእ መዓልቲ ሓደ ፓይነር ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ሞት ከይጠዓሙ ኽነብሩ እዮም ዘርእስታ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ሒዙ ናብ ቤት እንዳ ቪራ ምስ መጸ: ኣዴኣ ዝበለታ ኽርድኣ ጀመረ። እታ ጽሕፍቲ ድማ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኽነብሩ ምዃኑ ኣእመነታ። (ራእይ 21:⁠4) ኣብ መጀመርታ 1930ታት ከኣ ተጠምቀት: ከምቲ ኣዴኣ ዘተባብዓታ ድማ ነተን ሉሲ: ጂን: ከምኡውን ኮራሊ ዝበሃላ ሰለስተ ደቃ ንኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዝሓድረን ገይራ ኣዕበየተን። ኣቦ ኮራሊ ግን ከምቲ የሱስ ኣብ ስድራ​ቤታት ምጽራር ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ዝሓበሮ: ነቲ ኣባላት ስድራ​ቤቱ ዝስዕባኦ ዝነበራ ሃይማኖት ኣበርቲዑ ይጻረሮ ነበረ።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠34-36

ስድራ​ቤት እንዳ ክሎጋን ናይ ሙዚቃ ተውህቦ ስለ ዝነበሮም: ሰለስቲአን ውሉዳት ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ይወቕዓ ነበራ። ኮራሊ ቫዮሊን ትወቅዕ ነበረት: ብ1939 ጓል 15 ዓመት ከላ ድማ ብሙዚቃ ዲፕሎማ ረኸበት። ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ ኮራሊ ብዛዕባ መጻኢ ህይወታ ኣዕሚቛ ኽትሓስብ ጀመረት። ኣብ ህይወታ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ እትውስነሉ ግዜ ኸኣ መጸ። በቲ ሓደ ሸነኽ ህይወታ ኣብ ናይ ሙዚቃ ዓለም ኸተሕልፎ ኣጋጣሚ ተኸፍተላ። ድሮ እኳ ምስ ናይ ሜልቦርን ሲምፎኒ ኦርኬስትራ ንኽትሓብር ጻውዒት ቐሪቡላ ነበረ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ግዜኣ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ናይ ምስባኽ ዓብዪ ዕዮ ኸተውዕሎ ትኽእል ነበረት። ንእተወሰነ እዋን ኣርዚና ድሕሪ ምሕሳብ: ንሳን ኣሓታን ብ1940 ተጠምቃ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ወንጌላውነት ንምእታው ከኣ ምድላዋት ገበራ።

ኮራሊ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምእታው ድሕሪ ምውሳና ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝዓዪ ዝነበረ ጸኒሑ ድማ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ሎይድ ባሪ ቐሪቡ ኣዘራረባ። ኣብ ሜልቦርን ዝርርብ ድሕሪ ምሃብ: ንኮራሊ “ናብ ቤትኤል ክምለስ እየ። ስለዚ: ምሳይ ብባቡር ኬድኪ ኣባል ስድራ ቤትኤል ንምንታይ ዘይትዀኒ፧” ኢሉ ሓተታ። ነዚ ዝቐረበላ ዕድመ ብፍታው ተቐበለቶ።

ኣብቲ እገዳ ዝነበረሉ ግዜ ኮራሊን ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዝነበራ ኣሓትን: ነቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ምድላው ዓብዪ ኣበርክቶ ገይረን እየን። መብዛሕትኡ ዕዮ ሕትመት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓው ማልከም ቬል ኰይነን እየን ዝዓይኦ ነይረን። ኣብ እዋን እቲ ልዕሊ ኽልተ ዓመት ዝገበረ እገዳ ነተን ዘ ኒው ዎርልድ ከምኡውን ችልድረን ዝበሃላ መጻሕፍቲ ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሕታም መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብዘይ​ምቍራጽ ሓቲመን እየን።

ካብ ፖሊስ ንምሕባእ ከኣ እቲ ዝሕተመሉ ቦታታት 15 ሳዕ ምቅይያር ኣድልዩ እዩ። ሓደ እዋን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኽሕተም ከሎ: ኣብ ላዕሊ ድማ እተፈላለየ ኻልእ ሕትመት ይካየድ ነበረ። እታ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ኮፍ እትብል ሓብቲ ገለ ዘስግእ ኵነታት እንተ ርእያ ሓደ መወልዒ ብምጽቃጥ ደወል ክትገብረለን ትኽእል ነበረት: በዚ ኸምዚ እተን ኣሓት ፍተሻ ቕድሚ ምጅማሩ ነቲ ጽሑፋት ይሓብእኦ ነበራ።

ሓደ መዓልቲ ፍተሻ ኽግበር ከሎ: ገሊኣተን ኣሓት ሓንቲ ቕዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጣውላ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ተቐሚጣ ምስ ረኣያ ሰምበዳ። እቲ ፖሊስ ናብቲ ቤት ምስ ኣተወ ግን ንቦርሳኡ ኣብ ልዕሊ እታ ግምቢ ዘብዐኛ ኣቐመጣ እሞ ፍተሽኡ ቐጸለ። ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይረኸበ: ተመሊሱ መጺኡ ቦርሳኡ ኣልዒሉ ወጸ!

እቲ እገዳ ምስ ተላዕለን እቲ ጨንፈር ዝውንኖ ዝነበረ ነገራት ምስ ተመልሰሉን: ዝበዝሓ ኣሓት ፍሉያት ፓይነራት ኰይነን ከገልግላ ኣጋጣሚ ተዋህበን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እያ ኮራሊ ናብ ግለን ኢንስ ዝኸደት። ብ1 ጥሪ 1948 ምስ ተመርዓና ኸኣ ምስኣ ሓቢረ ኸገልግል ጀመርኩ። ካብቲ ቦታ እቲ ኣብ እተቐየርናሉ እዋን: ሓንቲ ጽቡቕ ዕቤት እትገብር ጉባኤ ቘይማ ነበረት።

ካብኡ ቐጺልና ናብ ሮክሃምፕተን ገዓዝና: እንተዀነ ግን መንበሪ ገዛ ኽንረክብ ኣይከኣልናን። ስለዚ ኣብ ግራት ናይ ሓደ ተገዳስነት ዝነበሮ ሰብ ድንኳን ተኸልና። ኣብታ ድንኳን እቲኣ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ተቐመጥና። አረ ክራማት ምስ መጸ ብርቱዕ ህቦብላ እንተ ዘይበጣጥሳ እሞ ሓያል ማይ መጺኡ ሒዝዋ እንተ ዘይከይድ ነይሩስ ኣብኣ ምንባር ምቐጸልና ኔርና! a

ናብ ወጻኢ ሃገር ምግዓዝ

ኣብ ሮክሃምፕተን ከሎና ናብ መበል 19 ክፍሊ ናይቲ ንሚስዮናውያን ስልጠና ዝህብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተጸዋዕና። ድሕርዚ ኸኣ ኢና ብ1952 ምስ ተመረቐና ናብታ ሽዑ ደቡብ⁠-​ምዕራብ ኣፍሪቃ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ሃገር ዝገዓዝና።

ነዊሕ ከይጸናሕና ኣቕሽሽቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ብዛዕባ ሚስዮናዊ ዕዮና ዘለዎም ኣረኣእያ ኽንጸባረቕ ጀመረ። ንሽዱሽተ ተኸታታሊ ሰሙናት ሰንበተ ሰንበት ኣብ ስብከቶም ብዛዕባና ኣጠንቀቑ። ንምእመናኖም ማዕጾኦም ከይከፍቱልና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብናሎም ከደናግሮም ስለ ዝዀነ ድማ ከነንብበሎም ከየፍቅዱልና ነገርዎም። ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ኸባቢ ሓያሎ ጽሑፋት ኣበርከትና: እንተዀነ ግን: ሓደ ድያቆን ካብ ቤት ናብ ቤት እናተኸታተለ ነቲ ጽሑፋትና ኣከቦ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ እቲ ድያቆን መጽናዕቲ ዝገብረሉ ኽፍሊ ኽንመያየጥ ከሎና: ሓያሎ ኻብ መጻሕፍትና ተኣኪቡ ረኣና።

ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ናይቲ ዓዲ ሰበ⁠-​ስልጣን ንንጥፈታትና ብስግኣት ክከታተልዎ ጀመሩ። እዚ ኣቕሽሽቲ ዘበገስዎ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ: ምስ ኮምዩኒስት ርክብ ከይህልወና ድማ ኽጠራጠሩ ጀመሩ። ስለዚ: ኣሰር ኣጻብዕና ወሰዱ: ገለ ኻብቶም ዘዘራረብናዮም ሰባት ድማ ምርመራ ተገብረሎም። ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ: ኣብ ኣኼባታትና ቍጽሪ ተኣከብቲ እናወሰኸ ኸደ።

ኣብታ ዓዲ ኻብ ዝኣተናሉ ግዜ ኣትሒዝና: ነቶም ኦቫምቦ: ሄሬሮ: ከምኡውን ናማ ዝበሃሉ ደቀባት: መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነካፍሎም ሓያል ባህጊ ነበረና። እንተዀነ ግን: እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ ደቡብ⁠-​ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝስዕብ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ እያ ነይራ። ጸዓዱ ስለ ዝዀንና ኸኣ ብዘይ​ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ኣብቲ ጸለምቲ ዝነብሩሉ ኸባቢ ኼድና ኽንሰብኽ ኣይፍቀደልናን እዩ ነይሩ። እዚ ፍቓድ እዚ ኽወሃበና ደጋጊምና እኳ እንተ ኣመልከትና: ሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ ግን ኣይፈቐዱልናን።

ኣብቲ ዓዲ ኽልተ ዓመት ምስ ጸናሕና: ሓደ ሃንደበታዊ ነገር ኣጋጠመ። ኮራሊ ነፍሰ⁠-​ጾር ኰነት። ኣብ ጥቅምቲ 1955 ሻርሎት ጓልና ተወልደት። ሚስዮናውያን ኴንና ኽንቅጽል እኳ እንተ ዘይከኣልና: ናይ ክፍለ⁠-​ግዜ ስራሕ ሓዝኩ እሞ ፓይነራት ኴንና ምግልጋል ቀጸልና።

ጸሎትና መልሲ ረኸበ

ብ1960 ሓደ ጸገም ኣጋጠመና። ኣደ ኮራሊ ስለ እተወጽዐት: ኮራሊ ቐልጢፋ እንተ ዘይመጺኣ ንኣዲኣ ብህይወታ ኸላ ኸም ዘይትርእያ እትገልጽ ደብዳበ መጸታ። ስለዚ: ካብ ደቡብ⁠-​ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውስትራልያ ኽንግዕዝ ወሰንና። ኣብታ እንነቕለላ ሰሙን ድማ ካብቲ ናይቲ ዓዲ ሰበ⁠-​ስልጣን ናብቲ ካቱቱራ ዝበሃል ጸለምቲ ዝነብሩሉ ኸባቢ ኽንኣቱ ፍቓድ ረኸብና። ሕጂ እንታይ ኢና ኽንገብር፧ ንሸውዓተ ዓመታት ፍቓድ ክንረክብ ድሕሪ ምሕታት ነዚ እተዋህበና ፍቓድ ኣረኪብናዮዶ ንኺድ፧ ካልኦት ነቲ ዝተረፈ ዕዮ ክቕጽልዎ እዮም ዝብል ምኽኒት ከነቕርብ ንኽእል ኔርና። እንተዀነ ግን: እዝስ ካብ የሆዋ ዝመጸ በረኸትን ንጸሎትና ዝረኸብናዮ መልስን ደይኰነን፧

ቀልጢፈ ውሳነ ገበርኩ። ኵላትና ናብ ኣውስትራልያ እንተ ኼድና መንበሪ ፍቓድና ኽንሕደግ ስለ እንኽእል: ኣነ ኣብታ ዓዲ ኽተርፍ ወሰንኩ። ንጽብሒቱ ነቲ ኣብ መርከብ ዘሕዛእክዎ ቦታ ሰረዝክዎ እሞ ኮራሊን ሻርሎትን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናብ ኣውስትራልያ ሰደድክወን።

ንሳተን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ: ኣነ ናብቲ ጸለምቲ ዝነብሩሉ ኸባቢ ኸይደ ኽምስክር ጀመርኩ። ብዙሓት ተገዳስነት ዘርእዩ ድማ ረኸብኩ። ኮራሊን ሻርሎትን ኣብ እተመልሳሉ እዋን ካብቲ ጸለምቲ ዝነብሩሉ ኸባቢ ሓያሎ ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ኽካፈሉ ጀሚሮም ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣረጊት ማኪና ስለ ዝነበረትኒ: ነቶም ተገዳስነት ዝነበሮም ሰባት ናብ ኣኼባታት የምጽኦም ነበርኩ። ኣኼባ ኣብ እንገብረሉ እዋን ሸውዓተ: ሸሞንተ: ወይ ትሽዓተ ሰባት እናጸዓንኩ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ሳዕ እመላለስ ነበርኩ። ኵላቶም ካብታ ማኪና ምስ ወረዱ: ኮራሊ “ሕጅኸ ኣብ ትሕቲ እቲ ኾፍ መበሊ ኽንደይ ዝዀኑ ኣለዉኻ፧” ብምባል ትዋዘ ነበረት።

ድሕርዚ: ኣብ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ፍረ ንምርካብ: ብቛንቋ እቶም ደቀባት እተዳለወ ጽሑፋት ኣድለየና። ስለዚ: ነታ ላይፍ ኢን ኤ ኒው ዎርልድ ዘርእስታ ትራክት ኣብቲ ዓዲ ናብ ዝዝረብ ኣርባዕተ ቛንቋታት ማለት ናብ ሄሬሮ: ናማ: ንዶንጋ: ከምኡውን ክዋንያማ ንኽትርጐም ምድላው ገበርኩ። እቶም ተርጐምቲ: መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዖም ዝነበርኩ ምሁራት እዮም ነይሮም: እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳብ ብትኽክል ከም እተተርጐመ ንምርግጋጽ ምሳታቶም እዓዪ ነበርኩ። ናማ ሒደት ቃላት ዘለዎ ቛንቋ እዩ። ንኣብነት: “ኣብ መጀመርታ ኣዳም ፍጹም ሰብ ነበረ” ዝብል ሓሳባት ኽትርጐም ተደልየ። እቲ ተርጓሚ ርእሱ እናሓኸኸ ነታ “ፍጹም” እትብል መግለጺ እትኸውን ቃል ክዝክር ከም ዘይከኣለ ሓበረኒ። ኣብ መወዳእታ “ኣሃ: ሕጂ ረኺበያ። ኣብ መጀመርታ ኣዳም ከም ዝበሰለ ኩኽ ነበረ” በለ።

በታ እተመደብናላ ዓዲ ዕጉባት ነበርና

ኣብዛ ሕጂ ናሚብያ እትበሃል ሃገር ካብ እንመጽእ ዳርጋ 49 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ናብቲ ጸለምቲ ዝነብሩሉ ኸባቢ ንምእታው ፍቓድ ምውጻእ ኣየድልን እዩ። ናሚብያ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ዘይብሉ ቕዋም ብዝስዕብ ሓድሽ መንግስቲ እያ እትመሓደር ዘላ። ሎሚ ኣብ ቪንትሁክ ኣብ ዝርከብ ምቹእ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዝእከባ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉባኤታት ኣለዋ።

“ነታ እተመደብኩምላ ሃገር ዓድኹም ግበርዋ” ዝብላ ኣብ ጊልዓድ ዝሰማዕናየን ቃላት ብተደጋጋሚ ንዝክረን ኢና። የሆዋ ንነገራት ከመይ ገይሩ ኸም ዝኣልዮ ኽንርኢ ኸሎና: እዛ ሃገር እዚኣ እንነብረላ ዓዲ ኽትከውን ፍቓዱ ኸም ዝዀነ ርግጸኛታት ኢና። ነቶም እተፈላለየ ባህ ዘብል ባህሊ ዘለዎም ኣሕዋትና ነፍቅሮም ኢና። ኣብ ሓጐሶም ስሒቕና: ኣብ ሓዘኖም ድማ በኺና ኢና። ገለ ኻብቶም ኣብ ማኪናና ጠቕጢቕና ናብ ኣኼባ እንወስዶም ዝነበርና ተገደስቲ: ሕጂ ኣዕኑድ ጉባኤታቶም ኰይኖም ኣለዉ። ብ1953 ኣብዛ ሰፋሕ ሃገር ክንመጽእ ከሎና ነቲ ብስራት ዝሰብኩ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ኻብ ዓሰርተ ዝውሕዱ ነበሩ። በዞም ሒደት ዝጀመረ ንጥፈታት: ሎሚ ቝጽርና ናብ ልዕሊ 1,200 በጺሑ ኣሎ። ‘ተኸልትን ኣስተይትን’ ንሕና ንኹን ካልኦት ብዘየገድስ: የሆዋ ኸምቲ መብጽዓ ዝኣተዎ ኣብቊሉዎ እዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 3:⁠6

ኣነን ኮራሊን ነቲ ፈለማ ኣብ ኣውስትራልያ ድሓር ድማ ኣብ ናሚብያ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ሓያሎ ዓመታት ምልስ ኢልና ኽንዝክሮ ኸሎና: ዓሚቝ ዕግበት እዩ ዝስምዓና። የሆዋ ፍቓዱ ምእንቲ ኽንገብር ሕጅን ንዘለኣለምን ሓይሊ ኽህበና ጸሎትናን ትምኒትናን እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ነዚ ኣጸጋሚ እዋን ብኸመይ ከም ዝሰገርዎ ዝገልጽ መሳጢ ተመክሮ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1952 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 707-8 ወጺኡ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ሮክሃምፕተን: ኣውስትራልያ ተመዲብና ኽንግዕዝ ከሎና

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንምኻድ ክንነቅል ከሎና

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናሚብያ ምምስካር ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡልና እዩ