ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እያሱ ዘይረስዖ ነገራት

እያሱ ዘይረስዖ ነገራት

እያሱ ዘይረስዖ ነገራት

 የሆዋ ንእያሱ “ሙሴ ባርያይ ሞተ: ሕጂ ድማ ተንስእ: ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም . . . ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ” በሎ። (እያሱ 1:2) እያሱ ኸመይ ዝበለ ኸቢድ ዕዮ ኰን እዩ ዝጽበዮ ነይሩ! ን40 ዓመታት ዝኸውን ኣገልጋሊ ሙሴ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ናይ ጐይታኡ ቦታ ኽሕዝን ነቶም መብዛሕትኡ እዋን ኣሸገርቲ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ኽመርሖምን ተነግሮ።

ኣብቲ ግዜ እቲ እያሱ ብዛዕባ መጻኢ ኸስተንትን ከሎ: ምናልባት ዘሕለፎ ፈተናታት ቅጅል ኢልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እያሱ ዝዘከሮ ነገራት ብዙሕ ከም ዝሓገዞ ዘጠራጥር ኣይኰነን: ንዓና ንክርስትያናት እውን ብዙሕ ክጠቕመና ይኽእል እዩ።

ካብ ባርያ ናብ ሓለቓ

እያሱ ንነዊሕ ዓመታት ባርያ ምንባሩ ይዝክር ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 1:⁠13, 14፣ 2:⁠23) ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘሕለፎ ነገራት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ስለ ዘይገልጸልና ክንግምት ጥራይ ኢና እንኽእል። እያሱ ኣብ ግብጺ ባርያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ምውዳብ ክእለት ኣጥርዩ: ነቶም ካብታ ሃገር ዝወጹ እብራውያንን ነቲ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን” ኣብ ምጥርናፍ እውን ሓጊዙ ክኸውን ይኽእል እዩ።​—⁠ዘጸኣት 12:⁠38

እያሱ ኻብ ነገድ ኤፍሬም እዩ ነይሩ። ኣባሓጎኡ ኤሊሻማዕ ሹም ናይቲ ነገድ ነበረ: ኣብ ትሕቲኡ ኸኣ ካብ ሰለስተ ነገድ እስራኤል እተዋጽኡ 108,100 እተዓጥቁ ሰራዊት ነበርዎ። (ዘሁልቍ 1:⁠4, 10, 16፣ 2:⁠18-24፣ 1 ዜና መዋእል 7:⁠20, 26, 27) እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ደድሕሪ ምውጻኦም ብኣማሌቃውያን መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወሎም ሙሴ ሰራዊት ከኽትት ዝኣዘዞ ግን ንእያሱ እዩ። (ዘጸኣት 17:⁠8, 9ሀ) ንምንታይ እዩ ግን ንእያሱ ዝመረጾ፧ ኣባሓጎኡ: ኣቦኡ: ወይ ካልእ ሰብ ዘይመረጸ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት “ሓለቓ ናይቲ ጕሉሕ ቦታ ዝነበሮ ነገድ ኤፍሬም ስለ ዝነበረ: ብናይ ምውዳብ ክእለቱ ድሮ ፍሉጥ ብምንባሩ: እቲ ህዝቢውን ኣጸቢቑ ይኣምኖ ብምንባሩ: ተዋጋእቲ ሓርዩ ብምድላው ዝመጸ [እያሱ] ዝያዳ ብቕዓት ከም ዘለዎ ሙሴ ኣመነሉ” ዝብል ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ምኽንያት እንታይ ምንባሩ ብዘየገድስ እያሱ ምስ ተመርጸ ልክዕ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። እስራኤላውያን ብዛዕባ ውግእ ዋላ ሓንቲ ተመክሮ እኳ እንተ ዘይነበሮም: ኣምላኽ ከም ዝሕግዞም ግን ርግጸኛ ነበረ። ስለዚ ሙሴ “ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ” ምስ በሎ: ካልእ መረጋገጺ ኣይደለየን። የሆዋ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ጐብለል ዝነበረ ሰራዊት ከም ዘጥፍኦ እያሱ ዘኪሩ ክኸውን ኣለዎ። ንጽብሒቱ ሙሴ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ኣእዳዉ ሓፍ ምስ ኣበለ: ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ክቐውም ዝኽእል ጸላኢ ኣይተረኽበን: ኣማሌቃውያን ድማ ተሳዕሩ። ድሕሪኡ የሆዋ ንሙሴ መጽሓፍ ክጽሕፍ እሞ ነቲ “ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺመ ኽድምስሶ እየ” ብምባል እተዛረቦ ዘረባ ‘ንእያሱ ኣብ እዝኑ ኸስምዖ’ ኣዘዞ። (ዘጸኣት 17:9ለ-14) እወ: የሆዋ ነቲ ፍርዲ እቲ ኸም ዝፍጽሞ ዘጠራጥር ኣይነበረን።

ከም ኣገልጋሊ ሙሴ

እቲ ምስ ኣማሌቅ ዘጋጠመ ውግእ ኣብ መንጎ እያሱን ሙሴን ዝያዳ ጥብቂ ርክብ ንኽህሉ ሓጊዙ ክኸውን ኣለዎ። እያሱ “ካብ ንእሽቶኡ” ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ሙሴ ዝሞተሉ እዋን ማለት ን40 ዓመታት ዝኸውን “ኣገልጋሊ” ሙሴ ነበረ።​—⁠ዘሁልቍ 11:⁠28

እዚ ኣገልግሎት እዚ ፍሉይ መሰልን ሓላፍነትን እዩ ኣምጺእሉ። ንኣብነት: ሙሴ: ኣሮን: ደቂ ኣሮን: ከምኡውን 70 ዓበይቲ እስራኤል ናብ ከረን ሲና ደዪቦም ክብሪ የሆዋ ኽርእዩ ኸለዉ: እያሱ ኣብ መንጎኦም ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ኣገልጋሊ ሙሴ ብምንባሩ: ሙሴ ናብቲ ዝበረኸ ኽፋል እቲ ኸረን ክድይብ ከሎ ኣሰንይዎ እዩ። ሙሴ ናብቲ ንህላወ ኣምላኽ ዝውክል ደበና ኽኣቱ ኸሎ ድማ ኣብ ማዕዶ ዀይኑ ይጽበዮ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ብመንጽር እዚ ክርአ ኸሎ ድማ: እያሱ ኣብቲ ኸረን 40 መዓልትን 40 ለይትን ዝጸንሐ እዩ ዝመስል። ሙሴ ነተን ጽላት ምስክር ሒዙ ኣብ ዝወርደሉ እዋን እያሱ ምስኡ ስለ ዝነበረ: ሙሴ ኽሳዕ ዝምለስ ብተኣማንነት ተጸብይዎ ማለት እዩ።​—⁠ዘጸኣት 24:⁠1, 2, 9-18፣ 32:⁠15-17

እስራኤላውያን ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ድሕሪ ምምላኾም እውን: እያሱ ኣብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ኣብ ዝነበረ ድንኳን ምርኻብ ጊልያ ሙሴ ብምዃን የገልግል ነይሩ እዩ። ኣብቲ ድንኳን እቲ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ። ሙሴ ናብ ሰፈር ክምለስ ከሎ ድማ እያሱ “ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።” ኣብኡ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ድማ እስራኤላውያን ኣብቲ ዘይንጹሃት ዝነበርሉ እዋን ናብቲ ድንኳን ምእንቲ ኸይኣትዉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እያሱ ንሓላፍነቱ ብሓቂ ኣርዚኑ እዩ ዝርእዮ ነይሩ!​—⁠ዘጸኣት 33:⁠7, 11

ከምቲ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ ዝበሎ እያሱ ምስቲ ብ35 ዓመት ዝዓብዮ ሙሴ ዝነበሮ ዕርክነት: ንእምነቱ ኣጸቢቑ ኣደልዲልዎ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ርክቦም “ኣብ መንጎ መምህርን ተማሃራይን ዝነበረ ናይ ሓደ ብሱልን ናይ ሓደ መንእሰይን ርክብ” ተባሂሉ ኣሎ: ንእያሱ ድማ “ጽኑዕን እሙንን ሰብኣይ” ንክኸውን ኣኽኣሎ። ኣብዚ ግዜና ኸም ሙሴ ዝኣመሰሉ ነብያት ኣብ መንጎና እኳ እንተ ዘይብልና: ኣብ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ግን ብተመክሮኦምን ብመንፈሳውነቶምን ናይ ሓቂ ምንጪ ብርታዐን ምትብባዕን ዝዀኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ነዚኣቶም ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮም፧ ካባታቶምከ ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧

ንኸነኣን ምስላይ

እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ምስ ተቐበሉ ድሕሪ ሓጺር እዋን: እያሱ ኣብ ህይወቱ ወሳኒ ዝዀነ ዅነታት ኣሕለፈ። ንምድሪ ተስፋ ንምስላይ ካብ ነገዱ ተሓርየ። እዚ ዛንታ እዚ ኣጸቢቑ ዝፍለጥ እዩ። ብምሉኦም እቶም 12 ሰለይቲ እታ ምድሪ ኸምቲ የሆዋ እተመባጽዖ ብሓቂ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ምዃና ተሰማምዑሉ። ይኹን እምበር: ካባታቶም እቶም ዓሰርተ እምነት ስለ ዝጐደሎም እስራኤላውያን ነቶም ተቐማጦ እታ ምድሪ ኸልቅቕዎም ከም ዘይክእሉ ተዛረቡ። እያሱን ካሌብን ጥራይ እዮም የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ስለ ዝዀነ እቲ ህዝቢ ንኸይዓሉ ወይ ንኸይፈርህ እተማሕጸንዎ። እቲ ኣኼባ ግን ንኽልቲኦም ብዳርባ እምኒ ክቐትሎም ተዘራረበ። ምናልባት እውን ክብሪ የሆዋ እንተ ዘይርአ ነይሩ ኸምኡ ምገበሩ ነይሮም። ኣምላኽ ድማ እቲ ህዝቢ እምነት ብምጕዳሉ: ኵሎም እቶም ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ምዝጉባት እስራኤላውያን ናብ ከነኣን ከም ዘይኣትዉ ገለጸ። ካብዚኣቶም እያሱን ካሌብን ሌዋውያንን ጥራይ እዮም ብህይወት ዝተረፉ።​—⁠ዘሁልቍ 13:⁠1-16, 25-29፣ 14:⁠6-10, 26-30

ኵሉ እቲ ህዝቢ ነቲ የሆዋ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ተኣምራት ርእዩዶ ኸይኰነ፧ መብዛሕትኦም ኣምላኽ ከም ዝሕግዞም ክጠራጠሩ ኸለዉ እያሱ እምነት ከሕድር ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ እያሱ ንዅሉ እቲ የሆዋ እተመባጽዖን ዝገበሮን ነገር ኣብ ኣእምሮኡ ኣስፊርዎ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ: የስተንትነሉ እውን ነበረ። ስለዚ ኸኣ እዩ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ‘ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባ እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን። ኵሉ በጽሓኩም’ ኢሉ ኽዛረብ ዝኸኣለ። (እያሱ 23:14) እምበኣር እያሱ እቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዝኣተዎ መብጽዓታት ብምሉኡ ብዘይ​ጥርጥር ከም ዝፍጸም እምነት ነይርዎ እዩ። (እብራውያን 11:⁠6) እዚ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ንኽንሓትት ክድርኸና ኣለዎ:- ‘ኣነኸ ኸመይ እየ፧ ብዛዕባ መብጽዓታት የሆዋ ዝገብሮ መጽናዕትን ምስትንታንን ኣብኡ እምንቶ ኸም ዘሕድር ገይሩኒ ድዩ፧ ኣምላኽ ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓብዪ ጸበባ ምስ ህዝቡ ኸም ዘዕቝበኒ እኣምን ድየ፧’

እያሱ እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ቅኑዕ ነገር ንምግባር ተባዕ ምንባሩ እውን ኣርእዩ እዩ። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ክቐትሎም ክዘራረብ ከሎ: ንሱን ካሌብን ጥራይ እዮም ኣቕዋሞም ምስ የሆዋ ዝገበሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኔርካ እንተ ትኸውን ከመይ ምተሰምዓካ፧ ምጃጀኻዶ፧ እያሱ ግን ኣይጃጀወን። ንሱን ካሌብን ጸኒዖም ነቲ ዝኣምኑሉ ተዛረቡ። ኣብዚ ግዜና እውን ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ተመሳሳሊ ነገር ንኽንገብር ክሓተና ይኽእል እዩ።

እቲ ብዛዕባ እቶም ሰለይቲ ዝገልጽ ዛንታ: ስም እያሱ ኸም እተቐየረ እውን ይሕብረና እዩ። ሙሴ ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ሆሸዓ ማለት “ምድሓን” ዝትርጕሙ ስም ቀይሩ: ንስም ኣምላኽ ዘመልክት ፊደላት ብምውሳኽ እያሱ ማለት “የሆዋ ምድሓን እዩ” በሎ። ትርጕም ሰፕቱጀንት ከኣ ነዛ ስም እዚኣ “የሱስ” እዩ ዝብላ። (ዘሁልቍ 13:⁠8, 16) እያሱ ምስዚ ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ ስሙ ብምስምማዕ የሆዋ ምድሓን ምዃኑ ብትብዓት ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ: ስም እያሱ እተቐየረ ብወዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። የግዳስ ነቲ ሙሴ ንባህርያት እያሱ: ምስኡ ብምትሕሓዝ ከኣ ነቲ እያሱ ሓድሽ ወለዶ ብምምራሕ ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ምእታው ዝፍጽሞ ሓላፍነት ዝነበሮ ኣኽብሮት እዩ ዘንጸባርቕ።

እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ን40 ዓመታት ኰለል ክብሉ ኸለዉ ኣቦታቶም እናሃለቑ ኸዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እያሱ ዝገልጽ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር: ካብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ተማሂሩ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቶም ዓለወኛታት ዝነበሩ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ሰዓብቶምን ከምኡውን ኣብቶም ምስቲ ጽዩፍ በዓል⁠-​ጴዖር ዝሓበሩ ሰባት ዝወረደ ፍርዲ ኣምላኽ ብዓይኑ ርእዩ ክኸውን ኣለዎ። ሙሴ ኣብ ማይ መሪባ ንየሆዋ ስለ ዘይቀደሶ ኣብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዘይኣቱ ምስ ፈለጠ እውን ከም ዝሓዘነ ኣየጠራጥርን እዩ።​—⁠ዘሁልቍ 16:⁠1-50፣ 20:⁠9-13፣ 25:⁠1-9

ኣብ ክንዲ ሙሴ ምስ ተመዘዘ

ሙሴ ዝሞተላ መዓልቲ እናቐረበት ምስ ከደት: እስራኤል “ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ [ምእንቲ] ከይኸውን” ንዕኡ ዝትክኦ ሰብ ክመርጽ ንኣምላኽ ሓተቶ። የሆዋኸ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ ነቲ “መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ” ማለት ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ ኽሸሞ ነገሮ። እቶም ህዝቢ ንዕኡ ኽሰምዑ ነበሮም። ብሓቂ ንፉዕ ሰብ እዩ ተሓርዩ። የሆዋ እምነትን ክእለትን እያሱ ይዕዘቦ ነይሩ እዩ። ንእስራኤል ናይ ምምራሕ መዝነት ክፍጽም ዝኽእል ካብኡ ዝሓይሽ ሰብ ኣይነበረን። (ዘሁልቍ 27:⁠15-20) እያሱ ድሮ ኸቢድ ብድሆታት ኣጋጢምዎ ምንባሩ ሙሴ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብ መጻኢ እውን ምስኡ ስለ ዝኸውን “ጽናዕ ትባዕ ከኣ” ብምባል ተማሕጸኖ።​—⁠ዘዳግም 31:⁠7, 8

ኣምላኽ እውን ብተመሳሳሊ ንእያሱ ኸምዚ በሎ:- “ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝአዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ: ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ: ካብኡ ንየማን ኰነ ወይ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ: መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር: እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ። ጽናዕ: ትባዕ: ኢለዶ ኣይአዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ: ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።”​—⁠እያሱ 1:7-9

እያሱ እቲ የሆዋ ዝበሎ ነገራት ኣብ እዝኑ የቃልሕ ብምንባሩን ብዙሕ ተመክሮ እውን ኣኪቡ ስለ ዝነበረን ዘጠራጥር ነገራት ኣይነበሮን። ነታ ምድሪ ኸም ዝሕዛ ድማ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ልክዕ እዩ: ጸገማት ዘይተርፍ እዩ: ሓደ ኸይበለ እኳ ንርባ ዮርዳኖስ መሊኡ ኸሎ ኽሰግሮ ነበሮ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ባዕሉ እዩ ‘ተንስእ ንዮርዳኖስ ተሳገሮ’ ኢሉ ዝኣዘዞ። ስለዚ: ኣየናይ ጸገም እዩ እሞ ኽዓግቶ፧​—⁠እያሱ 1:⁠2

ድሕርዚ ኣብ ህይወት እያሱ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ፍጻመታት​—⁠ስዕረት ያሪኮ: ንጸላእቶም በብደረጃ ምንብርካኽ: ከምኡውን ሽንሸና እታ ምድሪ​—⁠ንመብጽዓታት ኣምላኽ ወትሩ የተኵረሉ ምንባሩ እዩ ዘርእየና። የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ጸላእቶም ዕረፍቲ ምስ ሃቦም እያሱ ኣብ ኣጋ ሙማቱ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣኪቡ ኣምላኽ ዝገበረሎም ነገራት ኣዘኻኸሮም: ብምሉእ ልቦም ከገልግልዎ ድማ ተማሕጸኖም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብምሉእ ልቦም ነቲ ምስ የሆዋ ዝገበርዎ ኪዳን ሓደስዎ: እዚ መራሒኦም ብዘርኣዮ ኣብነት ተደሪኾም ከኣ ‘ብዅሉ ዘበን እያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ።’​—⁠እያሱ 24:⁠16, 31

እያሱ ንዓና እውን ሰናይ ኣብነት እዩ ዝዀነና። ሎሚ ክርስትያናት ኣብ እምነቶም ሓያሎ ፈተናታት የጋጥሞም እዩ። ሞገስ የሆዋ ክንረክብን ፍጻሜ መብጽዓታቱ ኽንርእን እንተ ዄንና: ነዚ ፈተናታት ብዓወት ክንሰግሮ ኣሎና። እያሱ ዕዉት ክኸውን ዝኸኣለ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ እዩ። ልክዕ እዩ: ከም እያሱ ተኣምራት ኣምላኽ ኣይረኣናን። በዚ ዝጠራጠር እንተሎ ግን እታ ብስም ብእያሱ እትጽዋዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ: የሆዋ ዝበሎ ዅሉ ዘተኣማምን ምዃኑ ብዓይኖም ብዛዕባ ዝረኣዩ መሰኻኽር ትገልጸልና እያ። ንሕናውን ልክዕ ከም እያሱ ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ እንተ ኣንቢብና: ኣብ ግብሪ ድማ እንተ ኣውዒልናዮ ጥበብን ኣሳልጦን ከም እንረክብ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ።

ሓድሓደ ግዜ ክርስትያናት ብጾትካ ብዘርእይዎ ጠባይ ትህሰ ዲኻ፧ እያሱ ጌጋ ዘይገበረ ኽነሱ ምስቶም እምነት ዘይነበሮም ብጾቱ ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ኰለል እናበለ እተጸመሞ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንእትኣምነሉ ነገራት ጸኒዕካ ምቛም ይኸብደካዶ እዩ፧ እያሱን ካሌብን ዝገበርዎ ዘክር። ስለቲ ዘርኣይዎ እምነትን ተኣዛዝነትን ዘደንቕ ዓስቢ ረኺቦም እዮም። እወ: የሆዋ ዅሉ መብጽዓታቱ ኸም ዝፍጽም እያሱ እምነት ነይርዎ እዩ። ንሕናውን ንዕኡ ንምሰሎ።​—⁠እያሱ 23:⁠14

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እያሱ ምስ ሙሴ ዝነበሮ ዕርክነት ንእምነቱ ኣደልደለሉ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እያሱን ካሌብን ኣብ ሓይሊ የሆዋ እምንቶ ነበሮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

መሪሕነት እያሱ ነቲ ህዝቢ ምስ የሆዋ ንኽለግብ ደረኾ