ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሰብኣ ሰገል” እንታዎት እዮም ነይሮም፧

“ሰብኣ ሰገል” እንታዎት እዮም ነይሮም፧

“ሰብኣ ሰገል” እንታዎት እዮም ነይሮም፧

 ኣብቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ምርኢታት ሰለስተ ባርኖስ እተኸድኑ ሰብኡት ምስ ኣግማሎም ናብቲ የሱስ ገና ብዕሸሉ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱሉ ዝነበረ ቦታ ኽመጹ ይርአ እዩ። እዞም ብሉጽ ክዳውንቲ እተኸድኑ በጻሕቲ ብልምዲ ሰብኣ ሰገል ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም እንታይ እዩ ዝሕብረና፧

መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ሰብኣ ሰገል ዝበሃሉ “ኻብ ምብራቕ” ዝመጹ ምዃኖም ይሕብረና እዩ: ገና ኣብ ዓዶም ከለዉ ኸኣ እዮም ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝፈለጡ። (ማቴዎስ 2:⁠1, 2, 9) እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ይሁዳ ንኽበጽሑ ነዊሕ ግዜ ወሲድሎም ክኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታኡ ንየሱስ ክረኽብዎ ኸለዉ: ካብ ዝውለድ ብዙሕ ዘይገበረ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ዕሸል ኣይኰነን ነይሩ። የግዳስ: ንማርያም ምስቲ “ሕጻን” ማለት ምስቲ “ንእሽቶ ቘልዓ” (NW ) ኣብ ቤት እዮም ረኺቦምዎም።​—⁠ማቴዎስ 2:⁠11

መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ሰባት እዚኣቶም “ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ” (NW ) ምዃኖም ይገልጸልና እዩ: ክንደይ ምንባሮም ግን ኣይሕብረናን እዩ። ዘ ኦክስፎርድ ኮምፓንየን ቱ ዘ ባይብል “እቶም በጻሕቲ በቲ ናብ ቤት⁠-​ልሄም ዝመርሖም ኰዀብ ስለ እተደነቑ ኣብ መንጎ ሽሕርን ቈጸራ ኸዋኽብትን ዘሎ ምትእስሳር ተራእዩ እዩ” በለት። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዓይነት ጥንቈላ ዀነ ነቲ ባቢሎናውያን ብምቝጻር ከዋኽብቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብንጹር ይዅንኖ እዩ።​—⁠ዘዳግም 18:⁠10-12፣ ኢሳይያስ 47:⁠13

ነዞም ሰባት እዚኣቶም እተመሓላለፈሎም መልእኽቲ ንጽቡቕ ኣይነበረን። ከመይሲ ነቲ እኩይ ንጉስ ሄሮድስ ቅንኢ ኸም ዘሕድር ገበሮ። ብሰንኪ እዚውን ዮሴፍን ማርያምን የሱስን ናብ ግብጺ ኽሃድሙ ተገደዱ፣ ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ዝነበሩ “ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን” ሕጻናት ድማ ተቐትሉ። ሄሮድስ ካብቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ተበጊሱ የሱስ እተወልደሉ ግዜ ኣርጊጹ ፈሊጡ ነይሩ። (ማቴዎስ 2:⁠16) እቶም ሰብኣ ሰገል ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘምጽኦ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ ዝረኣይዎ ኰዀብን ብዛዕባ እቲ “እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ” እተቐበልዎ መልእኽትን ምንጩ ኻብቲ ንየሱስ ክቐትሎ ዝደለየ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ነይሩ ኽንብል ንኽእል ኢና።​—⁠ማቴዎስ 2:⁠1, 2