ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ዛንታ እንረኽቦ ትምህርትታት

ካብቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ዛንታ እንረኽቦ ትምህርትታት

ካብቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ዛንታ እንረኽቦ ትምህርትታት

 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እቲ ምስ ልደት የሱስ ዝተሓሓዝ ፍጻመታት የደንቖም እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ በዓል ልደት ዝኽበረሉ ግዜ ኣብ ዝግበር ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ እተፈላለየ ምርኢታት ይንጸባረቕ እዩ። እቲ ምስ ልደት የሱስ ዝተሓሓዝ ዛንታ ዘደንቕ እኳ እንተዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ ግን ንሰባት ንምዝንጋዕ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ክፍሊ ናይቲ ንትምህርትን ንምቕናዕን ዝጠቅም መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቅዱስ ጽሑፍ እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

ኣምላኽ ንክርስትያናት ልደት የሱስ ከብዕሉ ዝደልዮም ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ልክዕ ዕለት ምተገልጸት ነይራ። እንተዀነ ግን: እታ ዕለት ተገሊጻ ድያ፧ እቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነብር ዝነበረ ኣልበርት ባርንስ ዝበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: የሱስ ኣብቲ ጓሶት ኣብ መሮር መጓሰኦም እናሓለዉ ዝሓድሩሉ እዋን ከም እተወልደ ድሕሪ ምጥቃስ ከምዚ በለ:- “ካብዚ ነጥቢ እዚ ብምብጋስ መድሓኒና ቕድሚ 25 ታሕሳስ ከም . . . እተወልደ ንጹር እዩ። እቲ እዋን እቲ ብፍላይ ኣብቲ በረኽቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ኸባቢ ቤት⁠-​ልሄም ቈራሪ ዝዀነሉ እዋን እዩ። ኣምላኽ ነታ [የሱስ] እተወልደላ ዕለት ኣይገለጸልናን። . . . ኣምላኽ ነታ ዕለት እንተ ዘይመዝጊብዋ: ምፍላጣ ኣገዳስነት የብሉን።”

ብኣንጻሩ ግን እቶም ኣርባዕተ ጸሓፍቲ ወንጌል እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ብንጹር ገሊጾሙልና እዮም። እታ ዕለት ድማ ፋስጋ ኣብ እተባዕለትላ መዓልቲ እያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ እዋን ጽድያ ዀይና ኣብ መበል 14 መዓልቲ ናይታ ኒሳን እትበሃል ናይ ኣይሁድ ወርሒ እያ እትውዕል። ብተወሳኺውን: የሱስ ንሰዓብቱ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንመዘከርታኡ ኽገብርዋ ብንጹር ኣዚዝዎም እዩ። (ሉቃስ 22:⁠19) መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ ልደት የሱስ ኰነ ልደት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክበዓል ኣይእዝዝን እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን: ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝለዓል ከምዚ ዝኣመሰለ ኽርክራት ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ እተፈጸመ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ክሽፍኖ ይኽእል እዩ።

ብኣምላኽ እተመርጹ ወለዲ

ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስድራ​ቤታት: ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ወለዲ እዩ ንወዱ ኸዕብይዎ ዝመረጾም፧ ተፈላጥነትን ሃብትን ከም ቀንዲ ረቛሒታት ገይሩ ድዩ ወሲዱ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ባህርያት ናይቶም ወለዲ እዩ ኣተኲሩ። ማርያም ኣደ እቲ መሲህ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ከም ዝረኸበት ምስ ፈለጠት: ኣብ ሉቃስ 1:⁠46-55 ተመዝጊቡ ዘሎ ዝዘመረቶ መዝሙር ውዳሰ እሞ ርአ። ኣብኡ ‘ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ’ በለት። ንገዛእ ርእሳ ኣብ ናይ “ውርደት” ቦታ ኸም ዘላ ገይራ ማለት ባርያ የሆዋ ኸም ዝዀነት ገይራ እያ እትርእያ ነይራ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ማርያም ዝዘመረቶ መዝሙር ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ፍልጠት ዘለዋ መንፈሳዊት ሰብ ምንባራ እዩ ዘርኢ። ሓጢኣት ኣዳም ዝወረሰት ጓል ሄዋን እኳ እንተ ነበረት: ንወዲ ኣምላኽ ምድራዊት ኣዲኡ ንምዃን እትበቅዕ እያ ነይራ።

እቲ በዓል ቤታ ንማርያም ዝነበረ ማለት እቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ ሰብ እዩ ነይሩ፧ ዮሴፍ ክኢላ ጸራቢ እዩ ነይሩ። ጻዕራም ብምንባሩ ድማ ነታ ደሓር እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ዝነበሩዋ ስድራ​ቤቱ ኽኣልያ ኽኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 13:⁠55, 56) ዮሴፍ ሃብታም ኣይነበረን። ማርያም ነቲ በዅሪ ወዳ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እተቕርበሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: ዮሴፍ ገንሸል ከቕርብ ብዘይ​ምኽኣሉ ጕህዩ ክኸውን ኣለዎ። ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም ድማ ነቲ ንድኻታት ክኸውን ተባሂሉ እተገብረ ምድላው ተጠቕሙሉ። ሕጊ ኣምላኽ በዅሪ ወዳ ንዝወለደት ኣደ ብዝምልከት ከምዚ ይብል:- “ገንሸል ዚአክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ: ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ: ሓንቲ ንዚሐርር መስዋእቲ: ካልአይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ: ትነጽህ ከኣ።”​—⁠ዘሌዋውያን 12:8፣ ሉቃስ 2:22-24

መጽሓፍ ቅዱስ ዮሴፍ “ጻድቕ” ምንባሩ ይገልጸልና እዩ። (ማቴዎስ 1:⁠19) ንኣብነት: የሱስ ክሳዕ ዝውለድ ምስ በዓልቲ ቤቱ ስጋዊ ርክብ ኣይገበረን። እዚ ኸኣ ንየሱስ እቲ ናይ ሓቂ ኣቦኡ መን ምዃኑ ንዝፍጠር ግጉይ ምርዳእ ንምውጋድ ሓጊዙ እዩ። ሓደስቲ መርዑት ኣብ ሓንቲ ቤት እናሓደሩ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ክቝጠቡ ቀሊል ኣይኰነን፣ እዚ ድማ ወዲ ኣምላኽ ንኸዕብዩ እተዋህቦም ፍሉይ መሰል ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢሮም ከም ዝረኣይዎ እዩ ዝሕብር።​—⁠ማቴዎስ 1:⁠24, 25

ዮሴፍ እውን ከም ማርያም መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ዓመት ዓመት ፋስጋ ንምብዓል ስርሑ ኣቋሪጹ ንስድራ​ቤቱ ሒዙ ኻብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ይጐዓዝ ነበረ። (ሉቃስ 2:⁠41) ብተወሳኺውን: ዮሴፍ ንየሱስ ብንእሽቶኡ ኸሎ ኣብ ሰሰሙን ናብቲ ኣብ ዓዱ ዝነበረ ቓል ኣምላኽ ዝንበበሉን ዝግለጸሉን ቤት ጸሎት ናይ ምኻድ ልማድ ንኽህልዎ ኣሰልጢንዎ ክኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 2:⁠51፣ 4:⁠16) ስለዚ: ኣምላኽ ንወዱ ዘዕብዩሉ ምድራውያን ኣደን ኣቦን ብልክዕ ከም ዝመረጸ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ትሑታት ጓሶት ዝረኸብዎ ዓብዪ በረኸት

ነታ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት ሰበይቱ ዘጸግማ እኳ እንተ ነበረ: ዮሴፍ ነቲ ኣዋጅ ቄሳር ኣኽቢሩ ንኽምዝገብ ናብታ ኸተማ ኣባሓጎታቱ ተጓዒዙ እዩ። እዞም ሰብ ሓዳር ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ምስ በጽሑ: ኣብዛ ሓያሎ ሰባት ዝነበርዋ ኸተማ መሕደሪ ኣጋይሽ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ: ኣብ ደምበ ንኽሓድሩ ተገደዱ: ኣብኡ ድማ የሱስ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። የሆዋ ነዞም ትሑታት ወለዲ እዚኣቶም: እዚ ልደት እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጸሎም ነገር ብምግባር እምነቶም ኣደልዲልሎም እዩ። እንተዀነ ግን: ምርኡያት ዓበይቲ ዓዲ ቤት⁠-​ልሄም ድዩ ሰዲዱሎም፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንድኡስ: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኣብ መሮር ማሎም ክሕልዉ ዝሓደሩ ጻዕራማት ጓሶት እዩ እዚ ነገር ገሊጹሎም።

መልኣኽ ኣምላኽ ነዞም ጓሶት እዚኣቶም ተራእዮም እሞ ናብ ቤት⁠-​ልሄም ክኸዱ ኣብኡ ድማ ነቲ መሲህ ዝዀነ ሕጻን “ኣብ መብልዕ ማል . . . ደቂሱ” ኽረኽብዎ ምዃኖም ገለጸሎም። እዞም ትሑታት ጓሶት እቲ መሲህ ኣብ ደምበ ማል ከም ዘሎ ምስማዖም ኣሰምቢድዎም ወይ ኣሕፊርዎም ድዩ፧ ኣይፋልን! የግዳስ: ከይተደናጐዩ ማሎም ጠንጢኖም ናብ ቤት⁠-​ልሄም ከዱ። ንየሱስ ምስ ረኸብዎ: እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ዝበሎም ኵሉ ንዮሴፍን ንማርያምን ነገርዎም። እዚ ኸኣ ነዞም ሰብ ሓዳር ኵሉ ነገር ከምቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ ይኸይድ ምህላዉ ኸም ዘረጋገጸሎም ኣየጠራጥርን እዩ። “እቶም ጓሶት ድማ . . . በቲ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።” (ሉቃስ  2:⁠8-20) እወ: የሆዋ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ጓሶት እዚ ነገራት እዚ ብምግላጹ ቕኑዕ ምርጫ እዩ ገይሩ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ነጥብታት: ሞገስ የሆዋ ንምርካብ እንታይ ዓይነት ሰባት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ተፈላጥነት ወይ ሃብቲ ኽህልወና ኣየድልን እዩ። የግዳስ: ልክዕ ከም ዮሴፍን ማርያምን እቶም ጓሶትን ንኣምላኽ ክንእዘዞ ከምኡውን መንፈሳዊ ነገራት ቅድሚ ስጋዊ ነገራት ብምስራዕ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና። እወ: ነቲ የሱስ ኣብ እተወልደሉ ግዜ ዘጋጠመ ፍጻመታት ምስ እነስተንትነሉ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ማርያም ክልተ ርግቢ ንመስዋእቲ ብምቕራባ እንታይ እዩ ዝሕብረና፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ብዛዕባ ልደት የሱስ ንሒደት ትሑታት ጓሶት እዩ ገሊጹሎም