ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብኸመይን ስለምንታይን ተወሊዱ፧

የሱስ ብኸመይን ስለምንታይን ተወሊዱ፧

የሱስ ብኸመይን ስለምንታይን ተወሊዱ፧

 “ፈጺሙ ዘይከውን እዩ!” ብዙሓት ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ታሪኽ ምስ ሰምዑ ኸምዚ ኢሎም እዮም ዝምልሱ። ድንግል ምስ ሰብኣይ ከይተራኸበት ክትጠንስን ወዲ ኽትወልድን ኣብ ስነ⁠-​ፍልጠት ዘይተመርኰሰ ዀይኑ እዩ ዝስምዖም። ብዛዕባዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧

ብ1984 ሓንቲ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ታይምስ እትበሃል ጋዜጣ: ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተረድእ ደብዳበ ሓቲማ ነይራ:- “ተኣምራት ከም ዘይተፈጸመ ንምሕባር ስነ⁠-​ፍልጠት ምጥቃም ብርትዓዊ ኣተሓሳስባ ተቐባልነት የብሉን። ተኣምራት ክግበር ኣይክእልን እዩ ምባል ኰነ ተኣምራት ክግበር ይኽእል እዩ ምባል ናይ እምነት ጕዳይ እዩ።” እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ብሪጣንያ ዝርከቡ 14 ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት ፕሮፌሰራት ክታሞም ዘንበሩላ እያ። “ድንግል ምውላዳ: ኣብ ወንጌላት ዝርከብ ተኣምራት ምፍጻሙ: ከምኡውን ክርስቶስ ካብ ሞት ምትንሳኡ: ከም ታሪኻዊ ፍጻመታት መጠን ተሓጒስና ተቐቢልናዮ ኢና” ድማ በሉ።

እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ የሱስ ካብ ድንግል ከም እተወልደ ዝገልጽ ዛንታ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሰምዐ ምርዳእ እንተ ኣበዮ ዘደንቕ ኣይኰነን። እታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ኣደ የሱስ እኳ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ “እንሆ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ” ምስ በላ: “እዚኸ: ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ: ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧” ኢላ እያ። ድሕሪኡ እቲ መልኣኽ “ንኣምላኽ ዚሰአኖ ነገር ስለ ዜልቦ” ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ነዚ ተኣምር እዚ ኽፍጽሞ ምዃኑ ገለጸላ። (ሉቃስ 1:31, 34-37) እቲ ሰባት ንኽፋረዩ ዘኽእሎም ዘደንቕ መስርሕ ዝፈጠረ ኣምላኽ: ንየሱስ ካብ ንጽህቲ ድንግል ከም ዝጥነስን ዝውለድን ንኽገብር ከም ዘየጸግሞ እተረጋገጸ እዩ። ኣምላኽ ንኣድማስን ነቲ ብልክዕ ዝቘመ ሕግታትን ካብ ፈጠረ: ካብ ማህጸን ማርያም እንቋቝሖ ብምውሳድ ፍጹም ሰብ ክሰርሕ እውን ኣይጽግሞን እዩ።

እዚ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት

ማርያም ኣብ ዝጠነሰትሉ እዋን እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ዮሴፍ ተሓጽይዋ ነበረ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ብሕልሚ ንዮሴፍ ተራእዮ እሞ እታ ድንግል ሕጽይቱ ዝጠነሰትሉ ዘደንቕ ምኽንያት ገለጸሉ። እቲ መልኣኽ ከምዚ በሎ:- “እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ: ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ: ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ: ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ።” (ማቴዎስ 1:20, 21) እቲ የሱስ ዝብል ስም ብእብራይስጢ “የሆዋ ምድሓን እዩ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ክንድሕን ከም ዘድልየናን የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ እዚ ምድላው እዚ ኸም ዝገበረን ድማ የዘኻኽረና።

እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ: ኣዳም: ስለ ዝሓጥአ: ኵሎም ዘርኡ ዘይፍጹማት ማለት ንሕግታት ኣምላኽ ናይ ምፍራስ ዝንባለ ዘለዎም ኰይኖም ተወልዱ። (ሮሜ 5:⁠12) ዘርኢ ኣዳም ካብ ሓጢኣት ድሒኖም ፍጹማት ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ ናይ ፍትሒ ሚዛን ማዕረ ኸም ዝኸውን ንምግባር ማዕረ እቲ ናይ ኣዳም ህይወት ዝዋግኡ ኻልእ ፍጹም ህይወት ክኽፈል ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ እቲ ፍጹም ሰብኣይ ዝዀነ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝውለድ ዝገበረ፣ በዚ ምኽንያት እዚውን እዩ ንየሱስ ጸላእቱ ክቐትልዎ ዘፍቀደ። (ዮሃንስ 10:⁠17, 18፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5, 6) የሱስ ምስ ተንስአን ናብ ሰማይ ምስ ዓረገን: ኣፉ መሊኡ “ሞይተውን ነበርኩ: እንሆ ኸአ: ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ: መርሖ ሞትን ሲኦልን [ተራ መቓብር ደቅሰብ] ከኣ አሎኒ” ኽብል ከኣለ።​—⁠ራእይ 1:18

የሱስ በዚ ምሳልያዊ መርሖ ሞትን ሲኦልን ገይሩ ነቶም ሓጥኣን ደቅሰብ እቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ህይወት ንኽረኽቡ መገዲ ኸፈተሎም። “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 11:25, 26) ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ መብጽዓ ዀን እዩ! እንተዀነ ግን: የሱስ እተወልደሉ ኻብዚ ዝዓቢ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ።

እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ምኽንያት

ህይወት የሱስ ዝጀመረ ኣብ ማህጸን ማርያም ካብ እተጠንሰሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣይኰነን። “ካብ ሰማይ ወሪደ” ብምባል ነዚ ባዕሉ ብንጹር ገሊጹልና እዩ። (ዮሃንስ 6:38) ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙስ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ይነብር ነይሩ እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ኢሉ እዩ ዝገልጾ። (ራእይ 3:14) የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ እቲ ንሰባት ካብ ኣምላኽ ዘርሓቖም እኩይ መልኣኽ ክዓሉ ኸሎ ርእዩ እዩ። እዚ ድማ ንየሱስ ፍጹም ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ንኽውለድ ዝዓበየ ምኽንያት ኰኖ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

የሱስ ከምዚ ዝገበረሉ ቐንዲ ዕላማ ሰማያዊ ኣቦኡ ንኣድማስ ናይ ምግዛእ ስልጣን ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ እዩ። ካብታ ኣብ ምድሪ እተወልደላ ኽሳዕ እታ ዝሞተላ መዓልቲ እሙን ኰይኑ ብምጽናሕ: በቲ የሆዋ ንፍጥረታቱ ዝገዝኣሉ መገዲ ትሕት ኢሉ ንኽግዛእ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርኣየ። የሱስ ብኢድ ጸላእቲ ኣምላኽ ቀቅድሚ ሙማቱ: መስዋእታዊ ሞት ክመውት ንምንታይ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ብንጹር ገሊጹ እዩ። እዚ ድማ ባዕሉ ኸም ዝገለጾ ነቦኡ ኸም ዘፍቅሮ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ እዩ። (ዮሃንስ 14:⁠31) እቶም ቀዳሞት ክልተ ሰባት ማለት ኣዳምን ሄዋንን ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ዘማዕብሉ ነይሮም: እቲ ዝቐለለ ፈተና ኸጋጥሞም ከሎ እሙናት ክዀኑ ይኽእሉ ነይሮም።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠15-17

እቲ የሱስ ዘርኣዮ ተኣማንነት ነቲ እኩይ መልኣኽ ዝዀነ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣቃሊዕዎ እዩ። ሰይጣን: “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ብምባል ንኣምላኽን ንሰባትን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣካፊእዎም እዩ። (እዮብ 2:1, 4) ኵሎም ደቅሰብ ብህይወት ክነብሩ ኽብሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ይጥሕሱ እዮም ብምባል እዩ ኸሲሱ።

እዚ ኽሲ እዚ ግዝኣት ኣምላኽ ጽድቃዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ ነይሩ። ነዚ መልሲ ንምሃብ የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ንኽውለድን ክሳዕ ሞት እሙን ንክኸውንን ፍቓደኛ ዀነ።

ስለዚ: የሱስ ኣብ ምድሪ እተወልደሉ ቐንዲ ምኽንያት “ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ” ብምባል ባዕሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 18:⁠37) ግዝኣት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ጽድቃዊ ኸም ዝዀነን ንኣምላኽ ምስ እንግዝኦ ድማ ነባሪ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልናን ብቓልን ብግብርን ኣርእዩ እዩ። ንሰብኣዊ ህይወቱ “በጃ ብዙሓት ኪህብ” ናብ ዓለም ከም ዝመጸ እውን ገሊጹ እዩ: እዚ ድማ ሓጥኣን ሰባት ፍጹማት ንክዀኑን ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡን የኽእሎም። (ማርቆስ 10:⁠45) ደቅሰብ ነዚ ኣገዳሲ ነጥብታት ንኽርድእዎ: ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ዛንታ ናይ ግድን የድልዮም እዩ። ብዘይ​ዚውን: ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ምስ ልደት የሱስ ዝተሓሓዝ ካልእ ኣገዳሲ ትምህርትታት ክንርኢ ኢና።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ዘርኢ ኣዳም ካብ ሓጢኣት ክድሕኑ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧