ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሓቅኺ: ብህይወት ምንባር ዘሐጕስ እዩ!”

“ሓቅኺ: ብህይወት ምንባር ዘሐጕስ እዩ!”

“ሓቅኺ: ብህይወት ምንባር ዘሐጕስ እዩ!”

ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ክትፈልጥ ትደልዶ፧ ማግዳሌና እትበሃል ኣብ ሽቸቺን: ፖላንድ እትነብር ጓል 18 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ካታርዝሄና እትበሃል መማህርታ በዚ መዳይ እዚ ሓጊዛታ እያ። ካታርዝሄና ኣብ ኣምላኽ ፈጺማ ዘይትኣምን እኳ እንተ ነበረት: ማግዳሌና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣዘራረበታ ግን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኣየት።

ካታርዝሄና ነቲ ማግዳሌና ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነገረታ እኳ እንተ ፈተወቶ: ምሉእ ብምሉእ ክትቅበሎ ግን ኣይከኣለትን። ሓደ ግዜ ብዛዕባ ናይ ሓቂ መሓዙት ምስ ማግዳሌና ኽትዘራረብ ከላ “ንስኺ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎኪ፣ እንታይ ስርዓታት ክትስዕቢ ኸም ዘሎክን መሓዙት ኣበይ ከም እትረኽብን ትፈልጢ ኢኺ። እቶም ኣብዚ ግዜና ነዚ ስርዓታት ክቕበሉ ዘይከኣሉኸ እንታይ እዮም ክገብሩ፧” ኢላታ ነይራ።

ካታርዝሄና ናብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ናይ ህይወታ ነጥበ⁠-​መቐይሮ ዀነ። ናብቲ ኣብኡ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ በጽሐት: በቲ ዘርኣይዋ ሕያውነት ልባ ተተንከፈት። ማዕጾ ኸፊቶም ንኽትኣቱ ከቐድምዋን ኣብቲ እትብሎ ነገራት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምሕዳሮምን ምስ ረኣየት በዚ ተመሰጠት።

ኣብ መስከረም 2001 ትምህርቲ ምስ ተጀመረ: ካታርዝሄና መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ብስሩዕ መገዲ ሓገዝ ክግበረላ ፍቓደኛ ዀነት። ኣብዚ እዋን እዚ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ሞሳ ይዓቢ ኣሎ: ኣብ መዓልታዊ ህይወታ ኸኣ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ኣላ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንማግዳሌና “ሓድሽ ህይወት ዝጅምር ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ” በለታ። ተሌፎን ብምድዋል ድማ “ስለቲ ሎሚ ኣብ መጽናዕቲ ዝገበርክለይ ሓገዝ ኣዝየ ኸመስግነኪ እፈቱ! ሓቅኺ: ብህይወት ምንባር ዘሐጕስ እዩ! ንመን ከነመስግኖ ኸም ዘሎና ምፍላጥና ኸኣ ባህ ዘብል እዩ” በለታ።