ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጽንናዕ መከራ ንዝወርዶም ሰባት ዝኸውን ምጽንናዕ

ምጽንናዕ መከራ ንዝወርዶም ሰባት ዝኸውን ምጽንናዕ

ምጽንናዕ መከራ ንዝወርዶም ሰባት ዝኸውን ምጽንናዕ

ኣምላኽ መከራ ኽህሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ንሓያሎ ፈላስፋታትን ናይ ሃይማኖት ምሁራትን ንብዙሕ ዘመናት ንምፍታሑ ዘጸግም ሕቶ እዩ ዀይንዎም። ገሊኣቶም ሰባት ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእል ስለ ዝዀነ: ብመሰረቱ ንሱ እዩ ተሓታቲ ይብሉ። ጸሓፊ ናይታ ክለመንቲን ሆሚሊስ እትበሃል ኣብ ካልኣይ ዘመን እተዳለወት ሓቅነታ ዘይተረጋገጸ መጽሓፍ: ኣምላኽ ብኽልቲኡ ኣእዳዉ ንዓለም ከም ዝገዝኣ ገለጸ። “ብጸጋመይቲ ኢዱ” ማለት ብድያብሎስ ኣቢሉ መከራን ጸበባን የምጽእ: “ብየማነይቲ ኢዱ” ማለት ብየሱስ ኣቢሉ ድማ የድሕንን ይባርኽን በለ።

ገሊኣቶም ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ መከራ ዘየምጽእ እኳ እንተዀነ መከራ ኽህሉ ግን የፍቅድ እዩ ዝብል ሓሳባት ክቕበልዎ ስለ ዘይከኣሉ: መከራ ዝበሃል ነገር የለን ዝብል ኣረኣእያ ሒዞም እዮም። ሜሪ ቤከር ኤዲ “እከይ ብሓሳብ እትፈጥሮ ደኣ እምበር ኣብ ጋህዲ ዓለም ዘሎ ኣይኰነን” ኢላ ጸሓፈት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን “ሓጢኣት: ሕማም: ከምኡውን ሞት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይኰኑ ጌርና እንተ ወሲድናዮም: ኣይህልዉን እዮም” በለት።​—⁠ሳይንስ ኤንድ ሄልዝ ዊዝ ኪ ቱ ዘ ስክሪፕቸርስ

ነቲ ኣብ ታሪኽ ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት: ብፍላይ ከኣ ነቲ ኻብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ዘጋጠመ ሓሳረ መከራ ምስ ረኣዩ: ኣምላኽ ንመከራ ኸወግዶ ኣይክእልን እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሑ ውሑዳት ኣይኰኑን። ዴቪድ ዎልፍ ሲልቨርማን ዝበሃል ኣይሁዳዊ ምሁር “እቲ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት: ነቲ ኣምላኽ ኵሉ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘፍረሶ ይመስለኒ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ንኣምላኽ ክንርድኦ እንተደኣ ዄንና . . . እቲ ሰናዩ ምስ እከይ ተሳንዩ ይነብር ማለት እዩ: እዚ ክኸውን ዝኽእል ከኣ ኵሉ ንምግባር ዘኽእል ሓይሊ ዘይብሉ ምስ ዝኸውን እዩ” በለ።

ይኹን እምበር: ኣምላኽ በዚ ይኹን በቲ ኣብቲ ዝወርድ መከራ ኢድ ኣለዎ: መከራ ኸወግድ ኣይክእልን እዩ: ወይ መከራ ብሓሳብና እንፈጥሮ ጥራይ እዩ ዝብል ሓሳባት ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ምጽንናዕ ኣይኰኖምን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነታት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸልና ፍትሓውን ሓያልን ሓላዪን ኣምላኽ ዘይሰማማዕ እዩ። (እዮብ 34:⁠10, 12፣ ኤርምያስ 32:⁠17፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8) ከምዚ ኻብ ኰነ: መጽሓፍ ቅዱስ መከራ ኽህሉ እተፈቕደሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እዩ ዝገልጸልና፧

መከራ ብኸመይ ጀመረ፧

ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብመከራ ኽሳቐዩ ኢሉ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ነቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር ማለት ኣዳምን ሄዋንን ፍጹም ኣእምሮን ኣካላትን ሂብዎም: ከም ቤቶም ኰይኑ ዘገልግሎም ባህ ዘብል ገነት ኣዳልይሎም: ከምኡውን ትርጕም ዘለዎን ዘዕግብን ዕዮ ሂብዎም። (ዘፍጥረት 1:⁠27, 28, 31፣ 2:⁠8) ይኹን እምበር: ቀጻሊ ሓጐስ ንምርካብ ኣምላኽ ገዛኢኦም ምዃኑን ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን መሰል ከም ዘለዎን ኣፍልጦ ኽህቡሉ ነይርዎም። እዚ ናይ ምውሳን መሰሉ ኸኣ በታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ተወኪሉ እዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠17) ኣዳምን ሄዋንን ነታ ኦም ከይበልዕዋ እተዋህቦም ትእዛዝ እንተ ዝሕልዉ: ንኣምላኽ ከም ዝግዝኡ መርኣዩ ነይሮም። a

እቲ ዘሕዝን ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ምእዛዝ ኣበዩ። እቲ ደሓር ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር: ንሄዋን ንኣምላኽ ብምእዛዛ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዘምልጣ: አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣምላኽ ኣዝዩ ዝበሃግ ነገር ማለት ሓርነታ ወይ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን መሰላ ኸልኪልዋ ኸም ዘሎ ኣእመና። ኣስዕብ ኣቢሉውን ካብታ ኦም እንተ በሊዓ ‘ኣዒንታ ከም ዝኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትኸውን: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጥ’ ነገራ። (ዘፍ​ጥረት 3:⁠1-6ራእይ 12:⁠9) ሄዋን ብርእሳ ናይ ምኻድ ተስፋ ስለ ዝሓደራ: ካብታ እተኸልከለት ፍረ በልዐት: ኣዳም እውን ነዊሕ ከይጸንሐ ካብታ ፍረ በልዐ።

በታ መዓልቲ እቲኣ ኣዳምን ሄዋንን ፍረ ዕልወቶም ክዓጽዱ ጀመሩ። ኣምላኽ ንኸይገዝኦም ስለ ዝነጸግዎ: ኣምላኽ ንተገዛእቱ ዝሃቦም ዕቝባን በረኸታትን ሰኣኑ። ስለዚ: ኣምላኽ ካብ ገነት ሰጐጎም: ንኣዳም ከኣ “ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:17, 19) ኣዳምን ሄዋንን ዝሓሙ: ዝሳቐዩ: ዝኣርጉ: ዝሞቱ ዀኑ። ኰታስ መከራ ኽፍሊ ሰብኣዊ ህይወት ኰነ።​—⁠ዘፍጥረት 5:⁠29

ነቲ ጕዳይ ምፍትሑ

ገሊኣቶም ሰባት ‘ኣምላኽ ንሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን ዕሽሽ ኢሉ ኽሓልፎዶ ኣይምኸኣለን፧’ ኢሎም ይሓቱ እዮም። ከምኡ እንተ ዝገብር ነይሩ ግን ንስልጣኑ ዝርአ ኣኽብሮት መሊሱ ስለ ዝንክዮ: ምናልባትውን ካልእ ዕልወት ከም ዝለዓል ብምግባር ዝገደደ መከራ ስለ ዘምጽእ: ኣምላኽ ከምዚ ኣይገበረን። (መክብብ 8:⁠11) ብተወሳኺውን: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይምእዛዝ ዕሽሽ እንተ ዝብሎ ነይሩ: ንኣምላኽ ምስቲ ግጉይ ተግባር ከም ዝሓብር ምገበሮ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሙሴ “[ኣምላኽ] ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ብምባል የዘኻኽረና። (ዘዳግም 32:4) ኣምላኽ ምስ ባህሪኡ ኽሰማማዕ እንተ ዀይኑ: ንኣዳምን ሄዋንን ሳዕቤን ዘይምእዛዞም ክዓጽዱ ኽፈቅድ ነበሮ።

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳርን ነቲ ንኽዓልዉ ዘለዓዓሎም ሰይጣንን ብቕጽበት ዘየጥፍኦም ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ንምግባር ሓይሊ ነይርዎ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ድማ ዝሳቐዩን ዝሞቱን ውሉዳት ኣይምወለዱን ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንሓይሉ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ እንተ ዝጥቀመሉ ነይሩ: ነቲ ኣብ ልዕሊ መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ዘለዎ ስልጣን ብፍትሓዊ መገዲ ከም ዝጥቀመሉ ኣይምተረጋገጸን። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣዳምን ሄዋንን ውሉድ ከይወለዱ እንተ ዝሞቱ ነይሮም: ኣምላኽ ንምድሪ ብፍጹማት ዘርኦም ንምምላእ ዝገብሮ ዕላማ ምፈሸለ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:⁠28) ብዘይ​ካዚ “ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን። . . . ንሱ ነቲ ዝበሎ ይገብሮ፥ ነቲ ዘተስፈዎ ይፍጽሞ።”​—⁠ዘሁልቍ 23:19 ትርጕም 1990

የሆዋ ኣምላኽ ፍጹም ጥበብ ስለ ዘለዎ ነቲ ዕልወት ንእተወሰነ እዋን ክቕጽል ፈቐደ። እቶም ዓለወኛታት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ምንባር እንታይ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ንኽፈልጡ እኹል ግዜ ተዋህቦም። ደቅሰብ መለኮታዊ መምርሒ ከም ዘድልዮምን ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ካብ ኣገዛዝኣ ሰብ ኰነ ካብ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ኣጸቢቑ ኸም ዝበልጽን ታሪኽ ብዘየዳግም ክምልሶ ተገድፈ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ምድሪ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ዕላማ ንምፍጻም ስጕምትታት ወሰደ። ‘ርእሲ ሰይጣን ዝጭፍልቕ’ ማለት ነቲ ሰይጣን ዘምጽኦ ዕልወትን ሳዕቤናቱን ሓንሳእን ንሓዋሩን ዘጥፍእ “ዘርኢ” ኽመጽእ ምዃኑ ተመባጽዐ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠15

የሱስ ክርስቶስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ እዩ። ኣብ 1 ዮሃንስ 3:⁠8 “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ” ዝብል ነንብብ ኢና። ነዚ ድማ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ብምስዋእን ደቂ ኣዳም ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንኽወጹ በጅነት ብምኽፋልን እዩ ገይርዎ። (ዮሃንስ 1:⁠29፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5, 6) እቶም ኣብ መስዋእቲ የሱስ ብሓቂ ዝኣምኑ: ካብ ስቓዮም ተናጊፎም ንሓዋሩ ራህዋ ኽረኽቡ ምዃኖም መብጽዓ ተኣትዩሎም ኣሎ። (ዮሃንስ 3:16፣ ራእይ 7:⁠17) እዚ መዓስ እዩ ክኸውን፧

መከራ ዘኽትመሉ እዋን

ንስልጣን ኣምላኽ ምንጻግ እዚ ዘይበሃል ሓሳረ መከራ ኣምጺኡ እዩ። ስለዚ: ኣምላኽ ነቲ ንደቅ​ሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ መከራ መወዳእታ ንምግባርን ንምድሪ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ዕላማ ንምፍጻምን ንስልጣኑ ብፍሉይ መገዲ እንተ ተጠቕመሉ ዝግብኦ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: . . . መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ንኽጽልዩ ኽምህሮም ከሎ ነዚ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው እዩ ዝጠቅስ ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠9, 10 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ባዕሎም ንኽመሓደሩ ዝፈቐደሎም ግዜ ኽውዳእ ቀሪቡ እዩ። ካብ ፍጻሜ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንርእዮ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቱ ብ1914 ኣብ ሰማይ ቈይማ እያ። b ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅለን ሰብኣውያን መንግስታት ክትጭፍልቐንን ከተጥፍአንን እያ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

የሱስ ንሓጺር እዋን ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ: መግዛእቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዘምጽኣሎም በረኸታት ብእተወሰነ ደረጃ ኣርእዩ እዩ። ንድኻታትን ግፉዓትን ይድንግጸሎም ምንባሩ ወንጌላት መርትዖ የቕርበልና እዩ። ንዝሓመሙ ኣሕውዩ: ንዝጠመዩ ዓንጊሉ: ንዝሞቱ ድማ ኣተንሲኡ እዩ። ባህርያዊ ሓይልታት እውን ንድምጹ ተኣዚዙ እዩ። (ማቴዎስ 11:⁠5፣ ማርቆስ 4:⁠37-39፣ ሉቃስ 9:⁠11-16) የሱስ ነቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ብዝረብሕ መገዲ ምስ ተጠቕመሉ እንታይ ኵነታት ከም ዝህሉ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣምላኽ ብግዝኣት ክርስቶስ ኣቢሉ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይመባጽዓልና እዩ።​—⁠ራእይ 21:4

መከራ ንዝወረዶም ዝኸውን ምጽንናዕ

እቲ ፈቃርን ኵሉ ዝኽእልን የሆዋ ኣምላኽና: ከም ዝሓልየልናን ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ንደቅ​ሰብ ራህዋ ኸም ዘምጽኣሎምን ምፍላጥና ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ! መብዛሕትኡ ግዜ: ከቢድ ሕማም ዘለዎ ሰብ ዋላ እውን ኣዝዩ ዘሳቒ ሕክምና ኽገብር እንተ ኣድሊዎ: ብፍታው እዩ ዝቕበሎ። ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ዝወስዶ ስጕምትታት ዘለኣለማዊ በረኸታት ከም ዘምጽእ እንተ ፈሊጥና: እዚ ፍልጠት እዚ ኣብዚ ግዜና እነሕልፎ ግዝያዊ ጸገማት ክብደቱ ብዘየገድስ ንኽንጻወሮ የኽእለና እዩ።

እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሪካርዶ: ካብ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንናዕ ረኺቡ እዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “በዓልቲ ቤተይ ምስ ሞተት: ካብ ሰብ ክርሕቕ ደለኹ። እንተዀነ ግን: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ከምዚ ምግባረይ ንበዓልቲ ቤተይ ከም ዘይመልሳን ንስምዒተይ ዝገደደ ኸም ዝጐድኦን ኣስተውዓልኩ።” ኣብ ክንድኡስ: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ምኻድን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ንኻልኦት ምክፋልን ቀጸለ። ብዛዕባዚ ድማ ከምዚ በለ:- “ፍቕራዊ ደገፍ የሆዋ ኽርእን ኣብ ንኣሽቱ ዝመስል ጕዳያት እውን ጸሎተይ ብኸመይ ከም ዝመለሰለይ ከስተውዕልን ምስ ጀመርኩ: ናብኡ ዝያዳ ቐረብኩ። ኣምላኽ ከም ዘፍቅረኒ ምፍላጠይ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ዝኸበደ ፈተና ንኽጻወሮ ዘኽኣለኒ።” ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ሕጅውን በዓልቲ ቤተይ ምስኣነይ የጕህየኒ እዩ: ይኹን እምበር: የሆዋ ዝፈቐዶ ዝዀነ ይኹን ነገር ነባሪ ጕድኣት ከምጽኣልና ኸም ዘይክእል ብጽኑዕ እኣምን እየ” በለ።

ከምቲ ሪካርዶን ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትን ዝጽበይዎ: ነቲ ሕጂ ዘሎ መከራ “ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ዝበሃለሉ እዋን ብሃረርታ ትጽበ ዲኻ፧ (ኢሳይያስ 65:⁠17) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ: ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ እንተ ስዒብካዮ: መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ክትረኽቦ ምዃንካ ኣይትጠራጠር።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠6

ነዚ ንምግባር: ንንባብን መጽናዕትን ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሃቦ። ንኣምላኽን ነቲ ንሱ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ፍለጦም። ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ጽዓር: በዚ ኸምዚ ድማ ንሉዓላውነቱ ኽትግዛእ ከም እትደሊ ተርኢ። ከምዚ ምስ እትገብር: ኣብዚ ግዜና ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመካ: ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ ኢኻ። ኣብ መጻኢ ኸኣ ኣብታ መከራ ዘይብላ ዓለም ህይወት ከተስተማቕራ ኢኻ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ኣብ እግረ⁠-​ጽሑፍ ናይ ዘፍጥረት 2:⁠17 ነታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ” እትብል ሓረግ “ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን ኣኻእሎ ከምኡውን ምስኡ ተሰማሚዕካ ምንባር፣ ወድሰብ ከም ፍጡር መጠን ዘለዎ ደረጃ ምቕባል ብምእባይ ምሉእ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሓርነት ይግብኣኒ እዩ ምባል” ኢልዋ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን “እቲ መጀመርታ እተፈጸመ ሓጢኣት ኣብ ሉዓላውነት ኣምላኽ እተፈነወ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ” በለ።

b ብዛዕባ 1914 ዝምልከት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 10ን 11ን ርአ።

[ኣብ ገጽ 6, 7 ዘሎ ሳጹን]

ንዝወርደና መከራ ብኸመይ ክንጻወሮ ንኽእል፧

“ንዅሉ ሓልዮትኩም [ኣብ ኣምላኽ ] ኣውድቕዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:7) መከራ ኽወርደና ኸሎ ወይ እነፍቅሮ ሰብ ሓሳረ መከራ ኽወርዶ ኸሎ እንገብሮ ይጠፍኣና: ንሓርቕ: ከምኡውን እተደርበና ዀይኑ ይስምዓና። እንተዀነ ግን: የሆዋ ስምዒትና ኸም ዝርድኦ ኣይንጠራጠር። (ዘጸኣት 3:⁠7፣ ኢሳይያስ 63:⁠9) ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ኣብ ልብና ዘሎ ምጥርጣርን ጭንቀትን ከነፍስሰሉ ንኽእል ኢና። (ዘጸኣት 5:⁠22፣ እዮብ 10:⁠1-3፣ ኤርምያስ 14:⁠19፣ ኣንባቆም 1:⁠13) ንፈተናታትና ብተኣምራታዊ መገዲ ኣይኣልዮን ይኸውን: እንተዀነ ግን ክንዋጽኣሉ ዘኽእለና ጥበብን ሓይልን ብምሃብ ነቲ ልባዊ ጸሎትና ይምልሶ እዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠5, 6

“ከም ሓዊ ዚባላዕ ፈተና ኺረኽበኩም ከሎ፥ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።” (1 ጴጥሮስ 4:⁠12 ትርጕም 1990 ) ኣብዚ ጴጥሮስ ብዛዕባ ዝወርደና መስጐጕቲ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ቓላቱ ግን ሓደ ኣማኒ ንዘሕልፎ ዝዀነ ይኹን ሓሳረ መከራ እውን ከመልክት ይኽእል እዩ። ሰባት ብሰንኪ ስእነትን ሕማምን ሞት ዝፈትዉዎ ሰብን መከራ ይወርዶም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጊዜን ኣጋጣምን” ንዅላትና ኸም ዝመጸና እዩ ዝሕብረና። (መክብብ 9:⁠11) ኣብዚ ግዜና ንደቅ​ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት የጋጥሞም እዩ። ነዚ ምፍላጥና ንዝወርደና ሓሳረ መከራ ኽንጻወሮ የኽእለና። (1 ጴጥሮስ 5:⁠9) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” ዝብል መተባብዒ ምዝካርና ምንጪ ምጽንናዕ ይዀነና እዩ።​—⁠መዝሙር 34:15፣ ምሳሌ 15:3፣ 1 ጴጥሮስ 3:12

“ብተስፋ ተሐጐሱ።” (ሮሜ 12:12) ኣብ ክንዲ ወትሩ በቲ ቐደም ዘሕለፍናዮ ጥዑም እዋን ጥራይ እነስተንትን: ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ኸም ዘወግዶ ዘተስፈወና መብጽዓ ኸነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። (መክብብ 7:⁠10) እዛ ድልዱል መሰረት ዘለዋ ተስፋ ልክዕ ከም ቍራዕ ርእሲ ዀይና ኽትከላኸለልና እያ። ተስፋ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጸገማት ንኽንጻወሮ ተኽእለና: ኣብ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መንፈሳውን ጥዕናና ነባሪ ጕድኣት ከየጋጥመና ኸኣ ትከላኸለልና።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠8

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳምን ሄዋንን ንግዝኣት ኣምላኽ ነጸግዎ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ መከራ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ምዃና ተመባጺዑ እዩ