ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ፧ ‘ኣታ ኣምላኽ: ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ኣፍቂድካ፧’

ስለምንታይ፧ ‘ኣታ ኣምላኽ: ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ኣፍቂድካ፧’

ስለምንታይ፧ ‘ኣታ ኣምላኽ: ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ኣፍቂድካ፧’

ሪካርዶ ኽሳዕ ሕጂ ነታ ምስ በዓልቲ ቤቱ ማሪያ ኾፍ ኢሉ ኻብ ሓኪም መልሲ ዝጽበየላ ዝነበረ እዋን ኣይርስዓን እዩ። a ክልቲኣቶም ነቲ ናይ ማሪያ ውጽኢት መርመራ ናይ ሕክምና ዝገልጽ ወረቐት ንምንባብ ፈሪሆም ነበሩ። ድሕሪኡ: ሪካርዶ ነታ ጶስጣ ኸፈታ እሞ ብቕጽበት ክልቲኣቶም ነቲ ውጽኢት መርመራ ዝሓዘ ወረቐት ከንብቡዎ ጀመሩ። ነታ “መንሽሮ” እትብል ቃል ድማ ረኣይዋ: ትርጕም ናይታ ቓል ምስ ተረድኦም ከኣ ብሓንሳእ ክበኽዩ ጀመሩ።

ሪካርዶ “እቲ ሓኪም ኣዝዩ ሕያዋይ እዩ ነይሩ: እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኸበደና እውን ኣስተውዒሉ ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘሎና ብተደጋጋሚ ይነግረና ነይሩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ማርያ ብጸርጊ ዝግበር ሕክምና ቕድሚ ምጅማራ: ነታ የማነይቲ እግራ ኽትቈጻጸራ ኸም ዘይከኣለት እቲ ሓኪማ ኣስተውዓለ። ተወሳኺ መርመራታት ምስ ገበረት እቲ መንሽሮ ኽሳዕ ርእሳ ኸም ዝለሓመ ተፈልጠ። ንሓደ ሰሙን ናይ ጸርጊ ሕክምና ድሕሪ ምግባራ: እቲ ሕክምና ተቛረጸ። ማሪያ ውኖኣ ኣጥፍአት: ክልተ ወርሒ ጸኒሓ ድማ ሞተት። ነዚ ኣመልኪቱ ሪካርዶ ኸምዚ በለ:- “ካብ ስቓይ ምግልጋላ የሐጒሰኒ እዩ: እንተዀነ ግን: ካብ ሓዘን እተላዕለ ሞት እምነ ነበርኩ። ብተደጋጋሚ ድማ ንኣምላኽ ‘ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ኣፍቂድካ፧’ ኢለ እሓቶ ነበርኩ።”

ዘሕዝን ነገር ከጋጥም ከሎ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ሪካርዶ መከራ የጋጥሞም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንጹሃት ሰባት እዮም መከራ ዝወርዶም። ነቲ እተፈላለየ ውግኣትን ግጭታትን ዘስዓቦ ልቢ ዝዅምትር ሓዘን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ግዳያት ምግሳስ ዝዀና ደቀ ኣንስትዮ: ማህሰይቲ ዝወረዶም ቈልዑ: ግዳያት ናይቲ ኣብ ቤት ዘጋጥም ዓመጻ ዝዀኑ ሰባት: ከምኡውን ካልእ ሕማቕ ነገራት ዘጋጠሞም ሓያሎ ሰባት ዘሕልፍዎ ስቓይ እሞ ሕሰበሉ። ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ: ሰብኡትን ኣንስትን ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ዝፍጽምዎ ገበንን ጕድኣትን መወዳእታ ዘለዎ ኣይመስልን እዩ። (መክብብ 4:⁠1-3) ብዘይ​ካዚ ባህርያዊ ዕንወት ዘጋጠሞም ወይ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። እምበኣር: ብዙሓት ሰባት “ኣምላኽ መከራ ኽወርድ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧” ኢሎም እንተ ሓተቱ ዘገርም ኣይኰነን።

እቶም ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፉ ዘሳቒ ነገር ከጋጥሞም ከሎ ምጽዋሩ ይኸብዶም እዩ። ንስኻውን ሓደ ፈቃርን ዅሉ ዝኽእልን ኣምላኽ: ሰባት መከራ ንኽወርዶም ዘፍቀደሉ ምኽንያት የተሓሳስበካ ይኸውን። ነዚ ዘደንጹ ሕቶ ዘዕግብን ቅኑዕን መልሲ ምርካብ ንውሽጣዊ ሰላምናን ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብን ወሳኒ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ መልሲ ይህበና። ብዛዕባዚ እንታይ ከም ዝብል ንምርኣይ በጃኻ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ኣንብባ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሓኪም ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘሎና ብተደጋጋሚ ይነግረና ነይሩ