ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንቕሑ”!

“ንቕሑ”!

“ንቕሑ”!

“እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ።”​ማርቆስ 13:37

1, 2. (ሀ) ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ንብረቱ ምሕላው እንታይ ትምህርቲ እዩ ረኺቡ፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰራቒ ዝሃቦ ምሳሌ ንቑሕ ኴንካ ብዛዕባ ምጽናሕ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

 ኽዋን ነቲ ኽቡር ጥሪቱ ኣብ ቤቱ ኣብ ትሕቲ ዓራቱ ሓቢእዎ ነበረ። እዚ እቲ ዝበለጸ ስቱር ቦታ ገይሩ እዩ ወሲድዎ። ሓደ ለይቲ ግን ንሱን ሰበይቱን ደቂሶም ከለዉ ሓደ ሰራቒ ኣብቲ መደቀሲ ኣተወ። እቲ ሰራቒ: እቲ ኽቡር ጥሪት ኣበይ ተሓቢኡ ኸም ዘሎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ሰላሕ ኢሉ ንዅሉ እቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ነገራት እንተላይ ነቲ ኽዋን ኣብ ተመዛዚ ናይ ኮሞዲንኡ ሓቢእዎ ዝነበረ ገንዘብ ሓንቲ ኸየትረፈ ወሰዶ። ንጽብሒቱ ንግሆ ኽዋን ከም እተሰርቀ ፈለጠ። ካብዚ ዘጋጠሞ ነገር ዝደቀሰ ሰብ ንብረቱ ኽሕሉ ኸም ዘይክእል ዓብዪ ትምህርቲ ተማህረ።

2 እዚ ኣብ መንፈሳዊ መዳይ እውን ዝውዕል እዩ። እንተ ደቂስና ተስፋናን እምነትናን ክንሕሉ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ “ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” ብምባል እተላበወና። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠6) የሱስ ንቑሕ ኴንካ ምጽናሕ ንህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኸጕልሓልና ኸሎ ናይ ሰራቒ ኣብነት ሂቡና ኣሎ። ነቲ ኸም ፈራዲ ዀይኑ ዝመጽኣሉ ግዜ ዝሕብር ኵነታት ድሕሪ ምግላጹ ኸምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፤ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ: ምነቕሔ: ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይ​ሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።” (ማቴዎስ 24:⁠42-44) ሓደ ሰራቒ ‘ኣብዚ መዓልቲ እዚ ኽመጽእ እየ’ ኢሉ ኣይእውጅን እዩ። ኣዘንጊዑ ማንም ሰብ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ እዩ ኽሰርቕ ዝደሊ። ብተመሳሳሊ መገዲ: መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እውን ከምቲ የሱስ ዝበሎ ንሕና ‘ብዘይ​ሓሰብናያ ግዜ’ እዩ ኽመጽእ።

“ንቕሑ: ኣብ እምነት ጽንዑ”

3. የሱስ ብዛዕባ እቶም ካብ መርዓ ንዝምለስ ጐይታኦም ዝጽበዩ ባሮቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ: ኣድላይነት ናይ ንቑሕ ምዃን ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

3 ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተጻሒፉ ዘሎ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ: የሱስ ንክርስትያናት ምስቶም ንጐይታኦም ካብ መርዓ ኽምለስ ዝጽበይዎ ባሮት ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ክመጽእ ከሎ ድሉዋት ኰይኖም ምእንቲ ኽቕበልዎ: ንቑሓት ኰይኖም ክጸንሑ የድልዮም ነበረ። የሱስ እውን ብተመሳሳሊ “ወዲ ሰብ ብዘይ​ሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: እተዳሎኹም ኩኑ” በለ። (ሉቃስ 12:⁠40) ገለ ኻብቶም ንየሆዋ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገልዎ ሰባት ብዛዕባ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ከጥፍኡ ይኽእሉ እዮም። መወዳእታ ገና እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ኽበጽሑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ግን ኣብ ክንዲ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ናብቲ ብመንፈስ ዘባዕዝዘና ስጋዊ ሸቶታት ከም እነተኵር ክገብረና ይኽእል እዩ።​—⁠ሉቃስ 8:​14፣ 21:⁠34, 35

4. ንቑሓት ኴንና ኸም እንጸንሕ ክገብረና ዝኽእል እንታይ እዩ: የሱስከ ነዚ ብኸመይ እዩ ኣርእይዎ፧

4 ካብቲ የሱስ ዝሃበና ምሳሌ ኽንረኽቦ እንኽእል ካልእ ትምህርቲ እውን ኣሎ። እቶም ባሮት ጐይታኦም ዝምለሰላ ሰዓት ዘይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ: እታ ዝምለሰላ ለይቲ ግን ይፈልጥዋ ኸም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ። ‘ጐይታና ኣብ ካልእ ለይቲ እዩ ዝመጽእ’ ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም እንተ ዝዀኑ ምሉእ ለይቲ ነቒሕካ ምሕዳር መሸገሮም ነይሩ። እወ: ኣበየነይቲ ለይቲ ኸም ዝመጽእ ምፍላጦም ነቒሖም ንኽጸንሑ ኣጸቢቑ ሓጊዝዎም እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ምህላውና ኣነጺሩ ዝነግረና እኳ እንተዀነ እቲ መወዳእታ ዝመጻሉ መዓልቲ ወይ ሰዓት ግን ፈልዩ ኣይነግረናን እዩ። (ማቴዎስ 24:⁠36) መወዳእታ ኸም ዝመጽእ ዘሎና እምነት ንቑሓት ኴንና ንኽንጸንሕ ይሕግዘና: መዓልቲ የሆዋ ከም ዝቐረበት ምርዳእና ኸኣ ብዝያዳ ንቑሓት ኴንና ንኽንጸንሕ ይድርኸና።​—⁠ጸፎንያስ 1:⁠14

5. ነቲ ጳውሎስ “ንቕሑ” ብምባል ዝሃበና ማዕዳ ብኸመይ ምላሽ ክንህበሉ ንኽእል፧

5 ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ “ንቕሑ: ኣብ እምነት ጽንዑ” ብምባል ተላበዎም። (1 ቈረ​ንቶስ 16:13) እወ: ንቑሕ ኴንካ ምጽናሕ: ምስ ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ምጽናዕ እተተሓሓዘ እዩ። ንቑሓት ኴንና ኽንጸንሕ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ዓሚቝ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብምጥራይ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14, 15) ዓሚቝ ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ልምድን ኣዘውቲርካ ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ከኣ ንእምነትና የደልድላ እዩ። ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮና ኣቕሪብና ምሓዝና ኣገዳሲ መዳይ ናይ እምነትና እዩ። እምበኣር: ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ምህላውና ዘረጋግጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት በብግዜኡ ምምርማርና: ነቲ ምስቲ ዝመጽእ ዘሎ መወዳእታ እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ሓቅታት ንኸይንርስዖ ይሕግዘና እዩ። a እቲ ብትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እተነግረ ናይ ዓለም ፍጻመታት ክንርኢ ኸሎና ምስ እነስተብህለሉ እውን ክጠቕመና ይኽእል እዩ። ሓደ ኣብ ጀርመን ዝነብር ሓው “ከም እኒ ውግእ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ዓመጽ: ናይ ፕላኔትና ብከላ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ዜና ኽርኢ ኸለኹ: መወዳእታ ምቕራቡ ዝያዳ እዩ ዝርኣየኒ” ኢሉ ጸሓፈ።

6. ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን መንፈሳዊ ንቕሓት ብቐሊሉ ኽጠፍእ ከም ዝኽእል የሱስ ብኸመይ እዩ ኣብሪህዎ ዘሎ፧

6 የሱስ ንሰዓብቱ ኽነቕሑ ዝሃቦም ማዕዳ ዝገልጽ ካልእ ጸብጻብ እውን ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 13 ንረኽቦ ኢና። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ተገሊጹ ኸም ዘሎ የሱስ ንዅነታቶም ምስ ኵነታት ናይቲ ኻብ መገሻ ንኽምለስ ንጐይትኡ ዝጽበ ሓደ ሓላዊ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እቲ ሓላዊ ጐይታኡ ዝምለሰላ ሰዓት ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ነቒሑ ኽጽበ ጥራይ እዩ ነይርዎ። የሱስ እቲ ጐይታ ኽምለሰሉ ዝኽእል ኣርባዕተ እተፈላለየ ሓለዋ ለይቲ ጠቒሱ ኣሎ። እታ ራብዐይቲ ሓለዋ ለይቲ: ካብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኽሳዕ ጸሓይ እትበርቕ ዘሎ ሰዓታት እያ እትጸንሕ። ኣብዛ ናይ መወዳእታ ሓለዋ ለይቲ: እቲ ሓላዊ ብቐሊሉ ኽብዕዝዝ ይኽእል እዩ። ብጸብጻብ ከም እተረኽበ: ቀቅድሚ ወጋሕታ ኣብ ዘላ ሰዓት ወተሃደራት ንጸላኢኦም ኣዳህሊሎም መጥቃዕቲ ንምፍናው ዝመርጽዋ ግዜ እያ። ሕጂ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ: ኣብዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ዓለም ዓሚቝ ድቃስ ደቂሳትሉ ዘላ ናይ መወዳእታ ሰዓት: ንቑሓት ኴንና ንምጽናሕ ዝያዳ ኽንቃለስ ከድልየና እዩ። (ሮሜ 13:⁠11, 12) ስለዚ: የሱስ ኣብቲ ዝሃቦ ምሳሌ ብተደጋጋሚ “ተጠንቀቑ: ንቕሑ . . . ስለዚ ንቕሑ። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ” በለ።​—⁠ማርቆስ 13:32-37

7. ከመይ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ኸጋጥመና ዝኽእል: ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውከ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ እንታይ ዘተባብዕ መጠንቀቕታ እዩ ዝህበና፧

7 የሱስ ኣብ ግዜ ኣገልግሎቱ ዀነ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብዙሕ ግዜ ንቕሑ እናበለ የተባብዕ ነበረ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝጠቕሶ ሓሳባት: ክንነቅሕ ዘተባብዕ መጠንቀቕታ ንረክብ ኢና። b (ሉቃስ 12:⁠38, 40፣ ራእይ 3:⁠2፣ 16:⁠14-16) እወ: መንፈሳዊ ትኻስ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኵላትና ኸምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታ የድልየና እዩ!​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠2, 6

ንቑሓት ኰይኖም ክጸንሑ ዘይከኣሉ ሰለስተ ሃዋርያት

8. የሱስ ኣብ ጌተሴማኔ ነቶም ሰለስተ ሃዋርያቱ ‘ንቕሑ’ እናበለ እኳ እንተ ኣዘኻኸሮም ንሳቶም ግን እንታይ ገበሩ፧

8 ንቑሕ ኴንካ ምጽናሕ ክበሃል ከሎ ቅኑዕ ድራኸ ካብ ምህላው ንላዕሊ ኸም ዝሓትት ካብቲ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ዘጋጠሞም ነገራት ክንርኢ ንኽእል ኢና። እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም ብተኣማንነት ንየሱስ ዝሰዓብዎ: ኣዕሚቘም ድማ ዘፍቅርዎ ዝነበሩ መንፈሳውያን ሰባት እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ንቑሓት ኰይኖም ኣይጸንሑን። እቶም ሰለስተ ሃዋርያት ካብታ ፋስጋ ዘብዓሉላ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረት ክፍሊ ወጺኦም ምስ የሱስ ናብታ ኣብ ጌተሴማኔ ዝነበረት ስፍራ ኣታኽልቲ ኸዱ። የሱስ ከኣ “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ አላ: ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ” በሎም። (ማቴዎስ 26:38) የሱስ ሰለስተ ግዜ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣዕሚቑ ጸለየ: ሰለስተ ግዜ ኸኣ ናብ ኣዕሩኽቱ ተመልሰ: ኣብ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት ግን ደቂሶም ረኸቦም።​—⁠ማቴዎስ 26:⁠40, 43, 45

9. ነቶም ሃዋርያት ከም ዝብዕዝዙ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧

9 እዞም ሰለስተ እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም በታ ለይቲ እቲኣ ኸምቲ የሱስ ዝበሎም ዘይገበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣካላዊ ድኻም ስለ ዝነበሮም እዩ። ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ ድቃስ ጸቒጥዎም “ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ።” (ማቴዎስ 26:⁠43) ይኹን እምበር: የሱስ “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም።​—⁠ማቴዎስ 26:41

10, 11. (ሀ) የሱስ ሽሕኳ ድኻም እንተ ነበሮ: ኣብቲ ኣብ ጌተሴማኔ ዝነበረ ስፍራ ኣታኽልቲ ንቑሕ ኰይኑ ኽጸንሕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ነቶም ሰለስተ ሃዋርያት የሱስ ኣብ ጌተሴማኔ ዘጋጠሞም ኵነታት እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

10 የሱስ ንገዛእ ርእሱ እውን ኣብታ ታሪኻዊት ለይቲ ደኺሙ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ረኺብዎ ዝነበረ ኽቡር ኣጋጣሚ ዓሚቝ ጸሎት ንምጽላይ ደኣ ተጠቕመሉ እምበር ኣይደቀሰን። ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ከኣ ንሰዓብቱ “ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” ብምባል ተላብዩዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:⁠36፣ ኤፌሶን 6:⁠18) ነዚ የሱስ ብዛዕባ ጸሎት ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ነቲ ሰናይ ኣብነቱ ብምስዓብን ናብ የሆዋ ልባዊ ልመና ነቕርብ እንተደኣ ዄንና ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

11 ሽሕኳ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይተረድኦም እንተ ነበረ: ንሱ ግን ቁሩብ ጸኒሑ ኽእሰርን ክቕተልን ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ፈተናታቱ በቲ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ዘሕልፎ መሪር ስቓይ ክዛዘም ነበሮ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣጠንቂቕዎም እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ዝብሎም ዝነበረ ኣይርድእዎን እዮም ነይሮም። ስለዚ: ንሱ ብጸሎት ነቒሑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንሳቶም ግን ደቂሶም ነበሩ። (ማርቆስ 14:⁠27-31፣ ሉቃስ 22:⁠15-18) ስጋና እውን ልክዕ ከምቲ ናይቶም ሃዋርያት ድኹም እዩ: ዛጊት ዘይንፈልጦ ነገራት ከኣ ኣሎ። እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ህጹጽ ምዃኑ እንተደኣ ረሲዕና: ብመንፈሳዊ መገዲ ኽንድቅስ ንኽእል ኢና። እንተ ተጠንቂቕና ጥራይ ኢና ኽንነቅሕ እንኽእል።

ሰለስተ ኣገደስቲ ባህርያት

12. ጳውሎስ ነየኖት ሰለስተ ባህርያት እዩ ምስ ምጥንቃቕ ኣተሓሒዝወን ዘሎ፧

12 ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ዓቂብናዮ ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጸሎትን ንመዓልቲ የሆዋ ኣቕሪብካ ምርኣይን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኽንምልከት ጸኒሕና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ጳውሎስ ከነማዕብለን ዘሎና ሰለስተ ኣገደስቲ ባህርያት ከምዚ ብምባል ጠቒሱወን ኣሎ:- “ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ: ድርዒ እምነትን ፍቕርን: ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና: ተኸዲንና ንጠንቀቕ።” (1 ተሰሎንቄ 5:⁠8) እምነት: ተስፋ: ፍቕሪ ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕግዛና ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንርአ።

13. እምነት ወትሩ ንቑሓት ንኽንከውን ብኸመይ እያ እትሕግዘና፧

13 የሆዋ “ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኣለዋ። (እብራውያን 11:⁠6) እቲ የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ እተነበዮ ትንቢታት ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ምርካቡ: ብዝዓበየ ደረጃ ኣብዚ ግዜና ኽፍጸም ምዃኑ ንዘሎና እምነት የደልድሎ እዩ። ብዘይ​ዚውን እምነትና እቲ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ዝነግር ‘ትንቢታዊ ራእይ ብርግጽ ክመጽእ: ዘይድንጒ ድማ ምዃኑ’ ብምትእምማን ነታ መዓልቲ እቲኣ ብሃረርታ ንኽንጽበያ ትሕግዘና እያ።​—⁠ኣንባቆም 2:⁠3

14. ተስፋ ወትሩ ንቑሓት ንኽንከውን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

14 ተስፋና ልክዕ “ከም መልህቅ ነፍሲ” ብምዃን ነቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ መፈጸምታ መብጽዓታት ኣምላኽ እናተጸበና ፈተናታት ንኽንጽመም ትሕግዘና እያ። (እብራውያን 6:⁠18, 19) ካብ እትጥመቕ ልዕሊ 70 ዓመት ዝገበረት ኣብ 90ታት ዕድመ እትርከብ ማርጋሬት እትበሃል ሓንቲ ኻብቶም ብመንፈስ ቅቡኣት ዝዀነት ሓብቲ ኸምዚ ብምባል ትእመን:- “ብዓል ቤተይ ብ1963 ብሕማም መንሽሮ ኣብ ዝሞተሉ እዋን: መወዳእታ ቐልጢፉ እንተ ዝመጽእ ጽቡቕ ነይሩ እየ ዝብል ነይረ። ሕጂ ግን ተመሊሰ ኽዝክሮ ኸለኹ ንዓይ ዝሕሸኒ ጥራይ እየ ዝሓስብ ነይረ። እቲ ዕዮ ኣብ ምልእቲ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ከስፋሕፍሕ ከም ዘለዎ ኣብቲ እዋን እቲ እንፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ሕጂ እውን እንተዀነ እቲ ዕዮ ገና ኸስፋሕፍሓሉ ዘለዎ ሓያሎ ቦታታት ኣሎ። ስለዚ: የሆዋ እንቋዕ ደኣ ተዓገሰ እየ ዝብል።” ሃዋርያ ጳውሎስ “ትዕግስቲ ድማ ምፍታን: እቲ ምፍታንውን ተስፋ: . . . እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ።​—⁠ሮሜ 5:3-5

15. ነዊሕ እዋን ከም እተጸበና ዀይኑ ኣብ ዝስምዓና ግዜ እውን ከይተረፈ ፍቕሪ እንታይ ዓይነት ድራኸ እያ እተሕድረልና፧

15 ኵሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ካብ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ተደሪኽና ስለ እንገብሮ: እዛ ባህሪ እዚኣ ኻብ ኵሉ ሓለፍ ዝበለት እያ። እቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ መዓስ ይኹን ብዘየገድስ ንኸነገልግሎ እትድረኸና ፍቕሪ እያ። የሆዋ እቲ ስብከት ክቕጽል ዝደልየሉ ግዜ ኽሳዕ መዓስ ምዃኑ ከምኡውን ንሓንቲ ቤት ክንደይ ሳዕ ተመላሊስና ኽንበጽሓ ኸም ዘሎና ብዘየገድስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ እትድርኸና እታ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ እያ። ጳውሎስ “እምነት: ተስፋ: ፍቕሪ: እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ: ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠13) ፍቕሪ ቐጻሊት እያ: ንቑሓት ኴንና ንኽንጸንሕ ከኣ ትሕግዘና። “[ፍቕሪ] ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠7, 8

“ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ”

16. ኣብ ክንዲ ምሕላል እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧

16 ኣብዚ ሕጂ እዋን: ፍጻመታት ዓለም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና በብግዚኡ የዘኻኽረና ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ስለዚ ሎሚ ‘ነቲ ዘሎና ኣጽኒዕና እንሕዘሉ’ ደኣ እምበር እንሕለለሉ ግዜ ኣይኰነን። (ራእይ 3:11) ‘ንጸሎት ንቑሓት’ ብምዃን ከምኡውን እምነት: ተስፋ: ፍቕሪ እናኣማዕበልና ብምኻድ: ኣብ እዋን እታ ናይ ፈተና ሰዓት ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 4:7) ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ክንኰነሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ብፍርሃት ኣምላኽ እናነበርና ኣብ ዕዮታቱ ዕዙዛት ኴንና ምጽናሕና ምሉእ ብምሉእ ንቑሓት ንኽንከውን ይሕግዘና።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠11

17. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ እቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገራት ኣብቲ እተጸበናዮ ግዜ ምስ ዘይመጽእ ከጕህየና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን ርአ።) (ለ) ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና: እቶም ዝመስልዎኸ እንታይ በረኸት እዮም ዝረኽቡ፧

17 ኤርምያስ “ግደይ እግዚኣብሄር እዩ: ስለዚ ብእኡ ተስፋ እገብር . . . እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ: ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ። ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ” በለ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:24-26) ገሌና ነቲ ኻብ የሆዋ ዝርከብ ምድሓን ንምርኣይ እተጸበናዮ ግዜ ሓጺር እዩ: ገሌና ግን ንሓያሎ ዓመታት ኢና ተጸቢና። ይኹን እምበር: እዚ ብምጽባይ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ምስቲ እንረኽቦ ዘለኣለማዊ ህይወት ክወዳደር ከሎስ ኣየ ኽንደይ ሓጺር ኰን እዩ! (2 ቈረንቶስ 4:16-18) ብዘይ​ካዚ: ነቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኣብ እዋኑ ኽመጽእ እናተጸበና: ኣድላዪ ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብል: ንኻልኦት ሰባት ከኣ ካብ ትዕግስቲ የሆዋ ተጠቒሞም ሓቂ ንኽቕበሉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር: ኵላትና ንንቃሕ። ዕጉሳት ብምዃን ንየሆዋ ንምሰሎ: ስለቲ ዝሃበና ተስፋ ኸኣ ነመስግኖ። ብተኣማንነት ንቑሓት ኴንና ብምጽናሕ ድማ ነታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ። ሽዑ እቲ “[የሆዋ] ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ዝብል ትንቢታዊ መብጽዓታት ኣባና ብርግጽ ክውዕል እዩ።​—⁠መዝሙር 37:34

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነቲ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2000 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-13 ቐሪቡ ዘሎ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር ሽዱሽተ መርትዖታት ምምርማርና ኽሕግዘና ይኽእል እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

b ዳብሊው. ኢ. ቫይን እተባህለ ኣዳላዊ መዝገበ⁠-​ቓላት: እታ “ንቕሑ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ ‘ድቃስ ምብራር’ ዝብል ትርጕም ከም ዘለዋ ከምኡውን “ነቲ ንቑሕ ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ንሓደ ነገር ብንቕሓት ምክትታል እውን ከም እተመልክት” ኣብሪህዎ ኣሎ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ምቕራቡ ንእምነትና ኸደልድላ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ካብቲ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ዘጋጠሞም ነገር እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

• ኣየኖት ሰለስተ ባህርያት እየን ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል ክሕግዛና ዝኽእላ፧

• ሎሚ ‘ነቲ ዘሎና ኣጽኒዕና እንሕዘሉ’ ግዜ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“እቲ ዚጽበ . . . ብጹእ እዩ።”​—ዳንኤል 12:12

ሓደ ሓላዊ ኣብታ ዝሕልዋ ዘሎ ገዛ ‘ሰራቒ ኽመጽእ እዩ’ ዝብል ጥርጠራ ኣሕዲሩ ኣሎ ኢልና እሞ ንሕሰብ። ለይቲ ጭውጭው ምስ በለ: እቲ ሓላዊ ነቲ ሰራቒ ምሉእ ለይቲ እዩ ኽጸናጸኖ ዝሓድር። ኣእዛኑ ዀና ኣዒንቱ ኻብ ሓለዋ ኣይዓርፋን እየን። ስለዚ: ዝዀነ ይኹን ድምጺ ኽሰምዕ ከሎ: ኣግራብ ብንፋስ ምስ ዝነቓነቕ ወይ ድሙ ገልጠምጠም ክትብል ከላ: ሰራቒ ዝመጸ ዀይኑ ኽስምዖ ይኽእል እዩ።​—⁠ሉቃስ 12:39, 40

ነቶም ‘ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝጽበዩ’ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠7) እቶም ሃዋርያት: የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብኡንብኡ ‘ንእስራኤል መንግስቲ ኸቕንዕ’ ይጽበይዎ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠6) ድሕሪ ገለ ዓመታት እውን እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ህላወ የሱስ ኣብ ዝመጽእ ምዃኑ መዘኻኸሪ ኽወሃቦም ኣድልይዎም ነበረ። (2 ተሰሎንቄ 2:⁠3, 8) ይኹን እምበር: እቲ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ዝነበሮም ግጉይ ትጽቢት ነዞም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ካብታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ኸም ዘላግሱ ኣይገበሮምን።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠13

ኣብዚ ግዜና እውን መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣብቲ ንሕና እተጸበናዮ ግዜ ብዘይ ምምጽኡ ኸም እንብዕዝዝ ክገብረና ኸነፍቅደሉ የብልናን። ሓደ ጥንቁቕ ሓላዊ ዝዀነ ይኹን ድምጺ ኸደናግሮ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ወትሩ ንቑሕ ክኸውን ኣለዎ። ከመይሲ ስርሑ እዩ። እዚ ኣብ ክርስትያናት እውን ዝውዕል እዩ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝቐረበት ኣሚንካሉ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣኼባ: ጸሎት: ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ንቑሓት ንኽንከውን ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ንሕና እውን ከም ማርጋሬት ዕጉሳትን ንቑሓትን ንኹን