ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ኩኑ!

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ኩኑ!

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ኩኑ!

“ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።”1 ተሰሎንቄ 5:6

1, 2. (ሀ) ፖምፐይን ሄርኩሌንየምን እንታይ ዓይነት ከተማታት እየን ነይረን፧ (ለ) መብዛሕትኦም ኣብ ፖምፐይን ሄርኩሌንየምን ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ነየናይ መጠንቀቕታ እዮም ነጺጎምዎ: ሳዕቤኑኸ እንታይ ነበረ፧

 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ጥቓ ኸረን ቬሱቭየስ ዝርከባ ፖምፐይን ሄርኩሌንየምን ዝበሃላ ኽልተ ዝበልጸጋ ኸተማታት ሮሜ ነበራ። ሃብታማት ሮማውያን ንዕረፍቲ ዝኸዱለን ዝነበሩ ቦታታት እየን ነይረን። እቲ ትያትር ዝረኣየሉ ቦታታት ልዕሊ ሽሕ ሰባት ክሕዝ ዝኽእል እዩ ነይሩ: ኣብ ፖምፐይ ከኣ ዳርጋ ንዅሎም ተቐማጦ እታ ኸተማ ክሕዝ ዝኽእል ኣምፊትያትር ነበረ። ኰዓትቲ መሬት ኣብ ፖምፐይ 118 ባራት ረኺቦም እዮም: ገለ ኻብዚ ኸኣ ንመጣልዒ ወይ መመንዘሪ ዘገልግል ነበረ። ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ፍቕረ⁠-​ንዋይን ኣስፋሕፊሑ ከም ዝነበረ ዝሕብር ናይ መንደቕ ስእልታትን ቅርስታትን እውን ተረኺቡ እዩ።

2 ብ24 ነሓሰ 79 ከ.ኣ.ዘ. ከረን ቬሱቭየስ ክነቱጕ ጀመረ። ብዛዕባ እሳተ⁠-​ጎመራ መጽናዕቲ ዘካይዱ ሊቃውንቲ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብተን ክልተ ከተማታት ዝተፍእ ዝነበረ እሳተ⁠-​ጐመራ ነቶም ተቐማጦ እተን ከተማታት ንኸምልጡ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ምንባሩ ይገልጹ: ብዙሓት ሰባት ከኣ ዘምለጡ እዩ ዝመስል። እቶም ነቲ ኸስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ሸለል ዝበልዎ ወይ ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ዝነጸግዎ ሰባት ግን ክሃድሙ ኣይደለዩን። ድሕሪዚ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ዝኸውን ውዑይ ጋዛትን ትፋእ ናይ እሳተ⁠-​ጐመራን ኣኻውሕን ናብ ሄርኩሌንየም ሸታሕታሕ ኢሉ ብምምጻእ ንዅሎም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ተቐማጦ ደፊኑ ቐተሎም። ንጽባሒቱ ንግሆውን ተመሳሳሊ ዓይነት እሳተ⁠-​ጐመራ ብምንታጕ ኣብ ፖምፐይ ንዝነበሩ ዅሎም ቀተሎም። እዝስ ንናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ነቒሕካ ካብ ዘይምክትታል ዝመጸ ከመይ ዝበለ ዘሕዝን ሳዕቤን ኰን እዩ!

መወዳእታ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ

3. ኣብ መንጎ ዕንወት የሩሳሌምን ዕንወት ፖምፐይን ሄርኩሌንየምን እንታይ ምምስሳላት እዩ ዘሎ፧

3 እቲ ንፖምፐይን ሄርኩሌንየምን ዘጋጠመን ዘስካሕክሕ ጥፍኣት ምስቲ ትሽዓተ ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ብሰባት ዝወረደ ጥፍኣት ክወዳደር ከሎ ኣብ ቍጽሪ ዝኣቱ ኣይኰነን። እዚ “ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወድሰብ ካብ እተራእየ እቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ከበባ” ተባሂሉ እተገልጸ: ናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣይሁድ ሞት ኣስዒቡ እዩ። ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ኣብ ፖምፐይን ሄርኩሌንየምን ዕንወት ቅድሚ ምውራዱ መጠንቀቕታ እተራእየ: እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጥፍኣት እውን ብዘይ​ መጠንቀቕታ ኣይመጸን።

4. የሱስ ንሰዓብቱ መወዳእታ ኣገባብ ምቕራቡ ንኸጠንቅቖም እንታይ ትንቢታዊ ምልክት እዩ ዝሃበ: እዚኸ ብመጀመርታ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

4 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ጥፍኣት ከተማ የሩሳሌም ተነብዩ ነበረ። ቀቅድሚ እቲ ጥፍኣት ከኣ ከም እኒ ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቓጥ ምድሪ: ዓመጻ ዝኣመሰለ ዘጨንቕ ነገራት ክፍጸም ምዃኑ ነገረ። ናይ ሓሶት ነብያት ክመጹ እኳ እንተ ነበሮም: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ግን ኣብ ብዘላ ዓለም ክስበኽ ነበሮ። (ማቴዎስ 24:4-7, 11-14) ቃላት የሱስ ኣብዚ ግዜና ዝዓበየ ፍጻመ እኳ እንተለዎ: ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን እውን ብእተወሰነ ደረጃ ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ይሁዳ ከቢድ ጥሜት ከም ዝነበረ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:28) ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ ቀቅድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣብቲ ከባቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝነበረ ይሕብር። ጥፍኣት የሩሳሌም እናቐረበ ምስ መጸ ግን ከም እኒ ናዕቢ: ኣብ መንጎ ናይ ኣይሁድ ፖለቲካውያን ጕጅለታት ዝርአ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ: ኣብ ሓያሎ ከተማታት ከኣ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ምትሕርራድ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ይስበኽ ነበረ።​—⁠ቈሎሴ 1:23

5, 6. (ሀ) ብ66 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ትንቢታዊ ቓላት የሱስ እዩ እተፈጸመ፧ (ለ) የሩሳሌም ኣብ መወዳእታ 70 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ዓነወት ብዙሓት ሰባት ዝሞቱ ስለምንታይ እዮም፧

5 ኣብ መወዳእታ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ካብ ሮሜ ዓለዉ። ሰስትየስ ጋለስ ሰራዊቱ ሒዙ ንየሩሳሌም ምስ ከበባ: ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት የሱስ ዘኪሮምዎ እዮም:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።” (ሉቃስ 21:20, 21) ንየሩሳሌም ገዲፎም ዝወጽእሉ ግዜ ኣኺሉ ነበረ​—⁠ግን ብኸመይ እዮም ክወጹ፧ ጋለስ ብሃንደበት ሰራዊቱ ኣንሰሓበ: ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ ቃላት የሱስ ብምእዛዝ ናብ ኣኽራን ክሃድሙ መገዲ ኸፈተሎም።​—⁠ማቴዎስ 24:15, 16

6 ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ እዋን ፋስጋ ኣቢሉ: ሰራዊት ሮሜ ብጀነራል ቲቶስ ተመሪሖም መጹ: ቲቶስ ንዕልወት ኣይሁድ ንምጭፍላቕ ቈሪጹ ነበረ። ሰራዊቱ ንየሩሳሌም ከቢቦም: ‘ቐጽሪ ብምቕጻሮም:’ ከምልጥ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። (ሉቃስ 19:43, 44) ውግእ ኣንጸላልዩ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኵሉ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ግን ፋስጋ ኸብዕሉ ናብ የሩሳሌም መጺኦም ነበሩ። ሕጂ ግን መውጽኢ የብሎምን። ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዝበሎ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ እዞም በጻሕቲ እዚኣቶም እዮም ነይሮም። a ኣብ መወዳእታ የሩሳሌም ምስ ወደቐት: ካብቶም ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ካብ ሸውዓተ ሓደ ኣቢሎም ዝዀኑ ጠፊኦም እዮም። የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ምስ ጠፍኣ ድማ ናይ ኣይሁድ ኣገባብን እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተመስረተ ሃይማኖታዊ ስርዓቱን ኣኽተመ። b​—⁠ማርቆስ 13:1, 2

7. እሙናት ክርስትያናት ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝደሓኑ ስለምንታይ እዮም፧

7 ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣይሁድ ከምቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ምተቐትሉ ወይ ባሮት ምዀኑ ነይሮም። ይኹን እምበር: ታሪኻዊ መርትዖ ኸም ዝሕብሮ ኣቐዲሞም ነታ ኸተማ ጠንጢኖምዋ ብምውጻእ ድሕሪኡ ድማ ብዘይ​ምምላሶም ነቲ 37 ዓመታት ይገብር እተዋህበ መጠንቀቕታ የሱስ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ እዮም።

ሃዋርያት ዝጸሓፍዎ እዋናዊ መጠንቀቕታ

8. ጴጥሮስ እንታይ ከም ዘድሊ እዩ ዘስተውዓለ: ነየኖት ቃላት የሱስከ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙወን ክኸውን ዘለዎ፧

8 ሎሚ ንብምሉኡ እዚ ኣገባብ እዚ ዘጽንት ዓብዪ ጥፍኣት ኣንጠልጢሉ ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ቅድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም ሽዱሽተ ዓመታት ኣቐዲሙ ብፍላይ ነዞም ሎሚ ዘሎና ክርስትያናት ዘመልክት ‘ንቕሑ!’ ዝብል ህጹጽን እዋናውን ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ክርስትያናት ‘ንትእዛዝ ጐይታና’ የሱስ ክርስቶስ ዕሽሽ ምእንቲ ኸይብልዎ ነቲ ‘ግሩህ ሓሳቦም’ ከንቅሕዎ ከም ዘድሊ ኣስተብሂሉ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:1, 2) ጴጥሮስ ንክርስትያናት ንቑሓት ክዀኑ ኽላበዎም ከሎ ነቲ የሱስ ሒደት መዓልትታት ቀቅድሚ ሞቱ “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑን ጸልዩን” ብምባል ንሃዋርያቱ ዝሃቦም ማዕዳ ዘኪርዎ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ማርቆስ 13:33

9. (ሀ) ገሊኣቶም ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ኣረኣእያ እዮም ዘማዕበሉ፧ (ለ) ተጠራጣሪ ምዃን ብፍላይ ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

9 ሎሚ ገሊኣቶም “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧” ኢሎም ብምሽክዕላል ይሓቱ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ከም ዘለዎ ከም ዝቕጽል ደኣ እምበር ዝልወጥ ነገር ዘየለ ዀይኑ ኸም ዝስምዖም ፍሉጥ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣር ሓደገኛ እዩ። ብስስዐ ናብ ድሌት ርእስና ኸም እነቕልብ ብምግባር ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ከዳኽሞ ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 21:34) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መላገጽቲ ነቲ ንዓለምለኻዊ ኣገባብ ዘጥፍአ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ይርስዕዎ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ዅነታት ብሓቂ ተቐይሩ እዩ!​—⁠ዘፍጥረት 6:13, 17፣ 2 ጴጥሮስ 3:5, 6

10. ጴጥሮስ ነቶም ዘይዕጉሳት እንታይ ቃላት ብምሃብ እዩ ዘተባብዖም፧

10 ጴጥሮስ ነቶም መልእኽቱ ዝሰደደሎም ሰባት: ኣምላኽ ስለምንታይ ቀልጢፉ ስጕምቲ ከም ዘይወስድ ብምዝኽኻር ትዕግስቲ ኽገብሩ ኣዘኻኸሮም። ፈለማ: ጴጥሮስ “ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት: ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ” ገለጸ። (2 ጴጥሮስ 3:8) የሆዋ ንዘለኣለም ዝነብር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንዅሉ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ስጕምቲ ዝወስደሉ ዝበለጸ ግዜ ይመርጽ እዩ። ድሕርዚ ጴጥሮስ: የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝነብሩ ሰባት ክንስሑ ዝደልዮም ምዃኑ ይሕብረና። ትዕግስቲ ኣምላኽ ንብዙሓት ሰባት ድሕነት የምጽኣሎም እዩ። የሆዋ ብሃወኽ ስጕምቲ እንተ ዝወስድ ነይሩ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ምጠፍኡ ነይሮም። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4፣ 2 ጴጥሮስ 3:9) ይኹን እምበር: የሆዋ ይዕገስ እዩ ኽበሃል ከሎ ፈጺሙ ስጕምቲ ኣይወስድን እዩ ማለት ኣይኰነን። ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ “መዓልቲ ጐይታ . . . ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 3:10 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና

11. ብመንፈሳዊ መገዲ ንቑሓት ንኽንከውን ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ: እዚኸ ንመዓልቲ የሆዋ ብኸመይ እዩ ‘ዘቀላጥፋ፧’

11 ኣብዚ እቲ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ ነገር ዓብዪ ትርጕም እዩ ዘለዎ። ሰረቕቲ ብቐሊሉ ኽተሓዙ ኣይክእሉን እዮም: ምሉእ ለይቲ ነቒሑ ዝሓድር ሓላዊ ግን ካብቲ ጸጸኒሑ ዝታኸስ ሓላዊ: ሰራቒ ናይ ምሓዝ ዝያዳ ኣጋጣሚ ኣለዎ። ሓደ ሓላዊ ንቑሕ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ክንዲ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢሉ ዝሕሉ: ዘወርወር ዝብል እንተደኣ ዀይኑ ንቑሕ ንክኸውን ክሕግዞ ይኽእል እዩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ መንፈሳዊ ዕዮታት ትሑዛት ምስ እንኸውን ንኽንነቅሕ ይሕግዘና እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ጴጥሮስ “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ትሑዛት ክንከውን ዘተባብዓና። (2 ጴጥሮስ 3:11) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናቀላጠፍና’ ንኽንነብር ይሕግዘና። (2 ጴጥሮስ 3:12) ነቲ የሆዋ ዝሓንጸጾ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኽንቅይሮ ከም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። እታ መዓልቲ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ ክትመጽእ እያ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣገልግሎቱ ትሑዛት እንተደኣ ዄንና: እቲ ክሳዕ ሽዑ ዘሎ ግዜ ከይተፈለጠና ኽሓልፍ እዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:58

12. ከም ውልቀ⁠-​ሰባት መጠን ካብ ትዕግስቲ የሆዋ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

12 ስለዚ እምበኣር: ኵሎም እቶም መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝደንጐየት ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ነቲ ጴጥሮስ ብትዕግስቲ ኽንጽበያ ዝሃበና ምኽሪ ከቕልብሉ ይግባእ። እወ: ነቲ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ተሪፉና ዘሎ ግዜ ብጥበብ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ኣድላዪ ዝዀነ ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብልን ነቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ከነካፍሎምን ንኽእል ኢና። ንቑሓት እንተደኣ ዄንና ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ብዘይ​ ነውርን ብዘይ​ መንቅብን ብሰላም” ክንርከብ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:14, 15) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

13. እቲ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦ ነዚ ግዜና ድማ ዝኸውን ምኽሪ እንታይ ዝብል እዩ፧

13 እታ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ቀዳመይቲ መልእኽቲ እውን ንቑሓት ክንከውን ከም ዘድልየና እተዘኻኽር እያ። ጳውሎስ “ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” ብምባል ይመኽረና። (1 ተሰሎንቄ 5:2, 6) ኣብዚ ጥፍኣት ናይዚ ኣገባብ እዚ እናቐረበ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን እዚ ስጕምቲ እዚ ኽንወስድ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን እዩ! ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብዛ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ዘይብላ ዓለም እዮም ዝነብሩ ዘለዉ: እዚ ድማ ክትንክፎም ይኽእል እዩ። ስለዚ ጳውሎስ “ድርዒ እምነትን ፍቕርን: ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና: ተኸዲንና ንጠንቀቕ” ብምባል ይመኽረና። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ቃል ኣምላኽ ወትሩ ምስ እነጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ምስ ኣሕዋትና ስርዓታውያን ኴንና ምስ እንእከብን: ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕብን ክንጥንቀቕን ክሕግዘና ይኽእል እዩ።​—⁠ማቴዎስ 16:1-3

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቒሖም ኣለዉ

14. ብዙሓት ሰባት ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምኽሪ ይስዕብዎ ከም ዘለዉ ዘርእየና ኣሃዝ እንታይ እዩ፧

14 ሎሚ ነቲ ንኽንነቅሕ እተዋህበና ምኽሪ ዝስዕብዎ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ድዮም፧ እወ: ኣብ ናይ 2002 ናይ ኣገልግሎት ዓመት 6,304,645 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ​—⁠ካብ 2001 ብ3.1 ካብ ሚእቲ ዝወሰኹ​—⁠ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር 1,202,381,302 ሰዓታት የሕልፉ ኣለዉ። እዚ ድማ ብወዝቢ ዝገብርዎ ዕዮ ኣይኰነን። የግዳስ ቐንዲ ኽፍሊ ናብራ ህይወቶም እዩ። መብዛሕትኦም ከምቲ ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ እተገልጸ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዝነብሩ ኤድዋርዶን ኖአሚን ዝነበሮም ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም።

15. ብዙሓት ሰባት ብመንፈስ ነቒሖም ከም ዘለዉ ኣየናይ ካብ ኤል ሳልቫዶር እተረኽበ ተመክሮ እዩ ዝሕብረና፧

15 ገለ ዓመታት ይገብር ኤድዋርዶን ኖአሚን ነቲ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ” ዝብል ቃላት ጳውሎስ ከቕልብሉ ጀሚሮም። (1 ቈረንቶስ 7:31) በዚ ምኽንያት እዚ ናብርኦም ኣቕሊሎም ኣብ ዕዮ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምዱ። ኣገልግሎቶም እናስፍሑ ብዝኸዱ መጠን ብብዙሕ መገድታት ተባሪኾም እዮም: አረ ኣብ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ዕዮ እውን ተኻፊሎም እዮም። ከቢድ ጸገማት እኳ እንተ ነበሮም: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽጽመዱ ኢሎም ስጋዊ ምቾት ምሕዳጎም ቅኑዕ ውሳኔ ኸም ዝገበሩ ኣሚኖምሉ እዮም። ኣብ ኤል ሳቫዶር ዝበዝሑ ካብቶም 29,269 ኣስፋሕቲ​—⁠እንተላይ እቶም 2,454 ፓይነራት​—⁠ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣማዕቢሎም እዮም። እዛ ሃገር እዚኣ ዓሚ ኣብ ብዝሒ ኣስፋሕቲ 2 ካብ ሚእቲ ከም እትውስኽ ካብ ዝገበራ ረቛሒታት ሓደ እዚ እዩ ነይሩ።

16. ኣብ ኮት ዲቭዋር ዝነብር ሓደ ሓው እንታይ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎ፧

16 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ዝነበሮ ኣብ ኮት ዲቭዋር ዝነብር ሓደ መንእሰይ ክርስትያን እውን ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ዀይነ እየ ዘገልግል ዘሎኹ። ንባዕለይ ጽቡቕ ኣብነት ከይኰንኩ ግን ንኣሕዋት ‘ፓይነራት ኩኑ’ ኽብሎም ኣይክእልን እየ። ጽቡቕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ገዲፈ: ናይ ገዛእ ርእሰይ ስራሕ ሒዘ ኣሎኹ: ንኣገልግሎት ከኣ ዝያዳ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱለይ።” እዚ መንእሰይ እዚ ሓደ ኻብቶም ኣብ ኮት ዲቭዋር ዘገልግሉ ዘለዉ 983 ፓይነራት እዩ። ዓሚ ኣብታ ሃገር እቲኣ 6,701 ኣስፋሕቲ ነበሩ: ካብ ቅድሚ ዓሚ ኸኣ 5 ካብ ሚእቲ ወሲኾም።

17. ሓንቲ ኣብ በልጅዩም እትነብር መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር በቲ ዘጋጠማ ጽልኢ ኸም ዘይጃጀወት ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

17 እቶም ኣብ በልጅዩም ዝነበሩ 24,961 ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሕቲ: ዘይተጻዋርነት: ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ: ከምኡውን ኣድልዎ ሽግራት የምጽኣሎም ኣሎ። ይኹን እምበር: ቀናኣት እዮም: ኣይፈርሁን ከኣ እዮም። ሓንቲ ጓል 16 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ቤት ትምህርታ ኣብ ናይ ስነ⁠-​ምግባር ትምህርቲ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንቈራታት እዮም’ ዝብል መግለጺ ምስ ተዋህበ: ርእይቶኣ ኽትገልጽ ኣጋጣሚ ኽወሃባ ሓተተት። ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ዘ ኦርጋናይዘሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮን ጂሆቫስ ዊትነስስ ሁ ኣር ዘይ ዘርእስታ ብሮሹርን ተጠቒማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ መን ምዃኖም ክትገልጸሎም ክኢላ እያ። እቲ ሓበሬታ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኸበ: ኣብ ሰሙኑ ድማ እቶም ተመሃሮ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዝምልከት ሕቶታት ዝሓዘ ፈተና ተዋህቦም።

18. ኣብ ኣርጀንቲናን ሞዛምቢክን ዝነብሩ ኣስፋሕቲ ቝጠባዊ ጸገማት ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ዕንቅፋት ከም ዘይገበረሎም ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

18 መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ዓበይቲ ሽግራት የጋጥሞም እኳ እንተሎ: እዚ ሽግራት እዚ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል እንቅፋት ንኸይገብረሎም ይጥንቀቑ እዮም። ኣብ ኣርጀንቲና ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም እኳ እንተሎ: ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 126,709 እዩ ነይሩ። ኣብ ሞዛምቢክ እውን ገና ኣብ ኵሉ ዘስፋሕፍሐ ድኽነት እኳ እንተሎ: ኣብ ኣገልግሎት እተኻፈሉ 37,563 ኣስፋሕቲ ከም ዝነበሩ ጸብጻብ ቀሪቡ እዩ: ካብ ቅድሚ ዓሚ 4 ሚእታዊት ወሰኽ ተረኺቡ። ኣብ ኣልባንያ ናብራ ህይወት ንብዙሓት ሰባት ኣጸጋሚ ይዀኖም እኳ እንተሎ: እታ ሃገር 12 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ጽቡቕ ወሰኽ ኣርእያ እያ: ጸብጻብ ዝሃቡ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኸኣ 2,708 ነበሩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ቅድም መንግስቱ ምስ ዘቐድሙ መንፈስ ኣምላኽ በቲ ኣሸጋሪ ዅነታት ኣይዕገትን እዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:33

19. (ሀ) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክረኽቡ ሃረር ዝብሉ ሓያሎ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ከም ዘለዉ ዝሕብረና እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) ካብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣገልገልቲ የሆዋ ብመንፈስ ነቒሖም ከም ዘለዉ ዘርእየና ኣየናይ ካልኦት ነጥብታት እዩ፧ (ኣብ ገጽ 12-15 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።)

19 እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብዘላ ዓለም እተመርሐ ወርሓዊ ገምጋም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ 5,309,289 ምንባሩ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝቐንኡ ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ሰባት ከም ዘለዉ እዩ ዘርእየና። እቲ 15,597,746 ዝኸውን ብዝሒ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝነበረ እቲ ዝለዓለ እዩ: መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ንየሆዋ ብንጥፈት ኣየገልግልዎን እዮም ዘለዉ። በቲ ንየሆዋን ንኣሕዋቶምን ዘለዎም ፍልጠትን ፍቕርን እናወሰኹ ዝኸዱ ይግበሮም። እቶም ክፍሊ ናይተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ዓብዪ ጭፍራ” (NW ) ምስቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋቶም ኰይኖም ንፈጣሪኦም ‘ለይትን መዓልትን ኣብ መቕደሱ’ እናኣገልገልዎ ጽቡቕ ፍረ ኽፈርዩ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕጕስ እዩ።​—⁠ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9, 15

ካብ ሎጥ እንረኽቦ ትምህርቲ

20. ካብቲ ናይ ሎጥን ሰበይቱን ኣብነት እንታይ ኢና እንመሃር፧

20 እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን እንተዀኑ ንግዜኡ ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ከጥፍኡ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ዝዀነ ሎጥ እሞ ንሕሰብ። ኣምላኽ ንሶዶምን ጎሞራን ከጥፍአን ምዃኑ ኽልተ መላእኽቲ ልኢኹ ነገሮ። እዚ መልእኽቲ እዚ ነቲ “ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ” ሎጥ ኣየሰምበዶን። (2 ጴጥሮስ 2:7) እቶም ክልተ መላእኽቲ ኸውጽእዎ ምስ ደለዩ ግን “ደንጐየ።” ሽዑ እቶም መላእኽቲ ንሎጥን ንስድራ​ቤቱን ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኸውጽእዎም ተገደዱ። ድሕርዚ ሰበይቲ ሎጥ ነቲ በቶም መላእኽቲ ንድሕሪት ንኸይጥምቱ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባላ ህይወታ ኣጥፍአት። (ዘፍጥረት 19:14-17, 26) ስለዚ ድማ እዩ የሱስ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ብምባል ዘጠንቀቐ።​—⁠ሉቃስ 17:32

21. ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ክንከውን ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧

21 እቲ ኣብ ፖምፐይን ሄርኩሌንየምን ዝወረደ ጥፍኣት: የሩሳሌም ክትጠፍእ ከላ ዝነበረ ዅነታት: ብመዓልትታት ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ: ከምኡውን ኣብ ግዜ ሎጥ ዝወረደ መዓት ንመጠንቀቕታ ኣርዚንና ኽንርእዮ ከም ዘሎና ዝሕብር እዩ። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ነቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ምልክት ንግንዘቦ ኢና። (ማቴዎስ 24:3) ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተፈሊና ኢና። (ራእይ 18:4) ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ከነቀላጥፎ’ ከድልየና እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:12) እወ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ክንከውን የድልየና! ምእንቲ ኽንነቅሕ ክንወስዶ ዘሎና ስጕምትን ከነማዕብሎ እንኽእል ባህርያትን እንታይ እዩ፧ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ዝነበረት የሩሳሌም ካብ 120,000 ዘይሓልፉ ተቐማጦ እዮም ነይሮምዋ። ዩሲቤስ ከም ዝጸብጸቦ ናይ 70 ከ.ኣ.ዘ. ፋስጋ ኸብዕሉ ካብ ይሁዳ ናብ የሩሳሌም ዝኸዱ ኣይሁድ 300,000 ኣቢሎም ዝዀኑ እዮም ነይሮም። እቶም ዝተረፉ ግዳያት ከኣ ካብ ካልእ ክፍሊ ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝመጹ ክዀኑ ኣለዎም።

b ሕጊ ሙሴ ብዓይኒ የሆዋ ኽርአ ኸሎ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. በቲ ሓድሽ ኪዳን ተተኪኡ እዩ።​—⁠ኤፌሶን 2:15

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጥፍኣት ንኸምልጡ ዝሓገዞም ነገራት እንታይ እዩ፧

• ሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝሃቡና ምኽሪ ንኽንነቅሕ ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• ምሉእ ብምሉእ ነቒሖም ከም ዘለዉ መርትዖ ዝህቡ ዘለዉ መን እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12-15 ዘሎ ሰሌዳ]

2002 Service Year Report of Jehovah’s Witnesses Worldwide

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብ66 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ንመጠንቀቕታ የሱስ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ እዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ዕዮታት ትሑዛት ምስ ዝዀኑ ንኽነቕሑ ይሕግዞም እዩ