ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ዝቐርብ ኢዱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢሩ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ኽዛረብ እየ ኢሉ ኽምሕልሲ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ተቐባልነት ኣለዎ ድዩ፧

ብዛዕባ እዚ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ናይ ብሕቱ ውሳነ ኽገብር ኣለዎ። (ገላትያ 6:5) ይኹን እምበር: ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪብካ ‘ሓቂ ኽዛረብ እየ’ ኢልካ ምምሓል ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ኣይኰነን።

ማሕላ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኽዝውተር ዝጸንሐ ልምዲ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ግዜ ጥንቲ: ግሪኻውያን ክምሕሉ ኸለዉ ኣእዳዎም ንላዕሊ የልዕሉ ወይ ከኣ መሰውኢ ይትንክፉ ነበሩ። ንኣብነት: ሓደ ሮማዊ ኽምሕል ምስ ዝሕተት: ኣብ ኢዱ እምኒ ይሕዝ እሞ ኸምዚ ኢሉ ይምሕል ነበረ:- “ጁፒተር ንኸተማናን ዕርዳን እናሓለወ ኽነሱ ደይመደይ ኢለ እንተደኣ ኣታሊለ: ልክዕ ከምዛ ዝድርብያ ዘሎኹ እምኒ ገይሩ ንዅሉ ሰናይ ነገራት ካባይ የርሕቆ።”​—⁠ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል: ቲኦሎጂካል: አንድ ኤክለሰስቲካል ሊትረቸር ሻብዓይ ጥራዝ ገጽ 260 ብሚክሊንቶክ አንድ ጀምስ ስትሮንግ እተዳለወ ጽሑፍ።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት: ደቅሰብ ሓደ ኽዕዘበናን ክጸባጸበናን ዝኽእል መለኮታዊ ሓይሊ ምህላዉ ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ዝንባለ ከም ዘሎና እዩ ዝሕብር። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ: ፈጣሪኦም ንዝብልዎን ንዝገብርዎን ነገራት ከም ዝፈልጦ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዞም ክግንዘብዎ ጸኒሖም እዮም። (ምሳሌ 5:21፣ 15:3) ስለዚ: ኣምላኽ እናረኣዮም ወይ ምስክር ኰይኑ እናተዓዘቦም ኣብ ቅድሚኡ ይምሕሉ ነይሮም ማለት እዩ። ንኣብነት: ቦኣዝ: ዳዊት: ሰለሞን: ጼድቅያስ ከምዚ ገይሮም እዮም። (ሩት 3:13፣ 2 ሳሙኤል 3:35፣ 1 ነገስት 2:23, 24፣ ኤርምያስ 38:16) ብዘይ​ዚውን ኣምለኽቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ካልኦት ከምሕልዎም ከለዉ ፈትዮም ይምሕሉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት: ኣብርሃምን የሱስ ክርስቶስን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።​—⁠ዘፍጥረት 21:22-24፣ ማቴዎስ 26:63, 64

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝምሕል ሰብ ሓድሓደ ግዜ በእዳዉ ዝገልጸሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ኣብራም (ኣብርሃም) ንንጉስ ሶዶም “ኢደይ ናብ እግዚኣብሄር: ልዑል ኣምላኽ: ጐይታ ሰማይን ምድርን: ኣልዐልኩ” ኢሉ ነገሮ። (ዘፍጥረት 14:22) ሓደ መልኣኽ ንነብዪ ዳንኤል ክዛረቦ ኸሎ ‘ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ብምልዓል በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዝነብር መሓለ።’ (ዳንኤል 12:7) ኣምላኽ እውን እንተዀነ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ከም ዝመሓለ ተጠቒሱ ኣሎ።​—⁠ዘዳግም 32:40፣ ኢሳይያስ 62:8

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሓል ጌጋ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ንነፍሲ ወከፍ ዝዛረቦ ዘረባ ንምድጋፍ ክምሕል ኣየድልዮን እዩ። የሱስ “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 5:33-37) ወደ መዝሙር ያእቆብ እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ። “ማሕላ ኣይትምሐሉ” ኽብል ከሎ ብጢጥ ቅሚጥ ኸይምሕሉ እዩ ዘጠንቅቕ ነይሩ። (ያእቆብ 5:12) የሱስ ኰነ ያእቆብ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪብካ ምምሓል ጌጋ እዩ ኣይበሉን።

ሓደ ክርስትያን ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ዝህቦ ምስክርነት ሓቂ ምዃኑ ኽምሕል ምስ ዝሕተትከ፧ እንተደልዩ ኽምሕል ይኽእል እዩ። እንተ ዘይኰነ ኸኣ ይሕሱ ኸም ዘየሎ ብቓሉ ኸረጋግጽ ክፍቀደሉ ክሓትት ይኽእል እዩ።​—⁠ገላትያ 1:20

ሓደ ክርስትያን ብመሰረት ስርዓት ቤት ፍርዲ ኣእዳዉ ኸልዕል ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዱ ኸንብር ምስ ዝሕተት: ነቶም ክምሕሉ ኸለዉ በእዳዎም ዝገልጹ ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነታት ብምዝካር ሕራይ ክብል ይኽእል እዩ። ንሓደ ክርስትያን እቲ ዝያዳ ዘገድስ ክምሕል ከሎ በእዳዉ ዘርእዮ መግለጺ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓቂ ኽዛረብ እየ ኢሉ ምምሓሉ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ማሕላ ረዚን ጕዳይ እዩ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንዝቐርበሉ ሕቶ ኽምልሰሉ ኸም ዝኽእልን ክምልሰሉ ኸም ዘለዎን ኰይኑ ምስ ዝስምዖ: ሓቂ ንኽዛረብ ከም ዝመሓለ ኽዝክር ኣለዎ። ከመይሲ ሓደ ክርስትያን ኵሉ ግዜ ሓቂ ኽዛረብ እዩ ዝደሊ።