ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሕያዋይ ሰብ ካብ የሆዋ ሞገስ ይቕበል’

‘ሕያዋይ ሰብ ካብ የሆዋ ሞገስ ይቕበል’

‘ሕያዋይ ሰብ ካብ የሆዋ ሞገስ ይቕበል’

ህይወት ብምሉኡ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዝምንጭ። (መዝሙር 36:9) እወ: “ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) የሆዋ ነቶም ምስኡ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሰባት ዝህቦም ዓስቢ ኽንርኢ ኸሎናስ ልብና ብሞሳዶ ኸይኰነ ዝመልእ፧ እወ: እቲ ዝህበና ዓስቢ ድማ ቀሊል ነገር ዘይኰነስ ‘ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።’ (ሮሜ 6:23) ስለዚ: ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን እዩ!

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘እግዚኣብሄር ጸጋ [“ሞገስ:” NW ] ይህብ’ ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (መዝሙር 84:11) ንመን እዩ ግን ዝህቦ፧ ኣብዚ ግዜና ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትምህርቲ: ሃብቲ: ሕብሪ ቘርበት: ቀቢላ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ተመርኲሶም እዮም ሞገስ ዝህቡ። ኣምላኽ ግን ንመን እዩ ሞገሱ ዝህቦ፧ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን “ደጊ [“ሕያዋይ:” ትርጕም 1990 ] ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበል: ንተንኰለኛ ግና ይዅንኖ” ብምባል መልሲ ይህበና።​—⁠ምሳሌ 12:2

የሆዋ ብሕያዋይ ወይ ጥዑይ ሰብ ከም ዝሕጐስ እምበኣር ንጹር እዩ። ገለ ኻብቲ ሓደ ጥዑይ ሰብ ዘንጸባርቖ ጽቡቕ ባህርያት: ርእስኻ ምግሳጽ: ኣድልዎ ዘይምግባር: ትሕትና: ድንጋጽ: ከምኡውን ምስትውዓል እዩ። ብተወሳኺውን ኣተሓሳስባኡ ቕኑዕ: ቃላቱ ዘተባብዕ: ተግባራቱ ድማ ፍትሓውን ጠቓምን እዩ። ቀዳማይ ክፋል መበል 12 ምዕራፍ ናይታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ: ሰናይ ምግባር ንመዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ክጸልዎ ኸም ዘለዎ ይገልጸልና: እዚ ባህሪ እዚ ብምንጽብራቕና እንረኽቦ ረብሓታት ድማ ይሕብረና። ነቲ ኣብኡ እተባህለ ኽንምርምር ከሎና ‘ሰናይ ንምግባር ጠቢባን’ ንኽንከውን የኽእለና። (መዝሙር 36:3) ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ምውዓልና ኸኣ ሞገስ ኣምላኽ ንኽንረክብ የኽእለና።

ተግሳጽ ኣድላዪ እዩ

ሰሎሞን “ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ: መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ” በለ። (ምሳሌ 12:1) ጥዑይ ሰብ ምምሕያሽ ክገብር ስለ ዝደሊ: ብሃንቀውታ እዩ ተግሳጽ ዝቕበል። ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወይ ብብሕቲ እተዋህቦ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣይድንጕን እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ ዝዳሎ ጽሑፋትን ዝርከብ ቃላት: ቅኑዕ መገዲ ንኽስዕብ መምርሒ ይዀኖ እዩ። ፍልጠት ይደሊ: መገዱ ትኽ ዝበለት ንምግባር ድማ ይጥቀመሉ እዩ። እወ: ተግሳጽ ዝፈቱ ፍልጠት ከኣ ይፈቱ እዩ።

ተግሳጽ: ብፍላይ ከኣ ርእስኻ ምግሳጽ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣዝዩ የድልዮም እዩ። ዝዓመቘ ፍልጠት ቓል ኣምላኽ ክህልወና ንምነ ንኸውን። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ዝያዳ ኣሳልጦ ኽንረክብን ዝሓሽና መምህራን ቃል ኣምላኽ ክንከውንን ንደሊ ንኸውን። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ነዚ ንምርካብ ግን ርእስና እንግስጽ ክንከውን ኣሎና። ኣብ ካልእ መዳይ ህይወትና እውን ርእስና እንግስጽ ክንከውን የድልየና እዩ። ንኣብነት: ኣብዚ ግዜና ሕማቕ ባህግታት ከለዓዕለልና ዝኽእል ነገራት ፈቐዶኡ እዩ ዝርከብ። እዝስ ዓይንና ዘይግባእ ነገራት ንኸይትርኢ ምእንቲ ኽንክልክላ ርእስና ምግሳጽ ዝሓተናዶ ኸይኰነ፧ ብዘይ​ካዚ: “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ” ስለ ዝዀነ: ብዕሉግ ሓሳባት ካብ ውሽጥና ኽምንጭ ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 8:21) ነዚ ሓሳባት እዚ ንኸነርሕቖ ርእስና ኽንግስጽ የድልየና።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን መቕጻዕቲ ዝጸልእ ሰብ ተግሳጽ ኰነ ፍልጠት ኣይፈቱን እዩ። መግናሕቲ ኽወሃቦ ኸሎ ቅር ስለ ዝብሎ: ልክዕ ከም እንስሳ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ዘይስዕብ ዓሻ ይኸውን። ንኸምዚ ዓይነት ዝንባለ ብጽኑዕ ክንጻረሮ ኣሎና።

“ክመሓው ዘይከኣል ሱር”

ቅኑዕ ሰብ ሓጥእ ወይ ዘይፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ጽድቂ ኣድላዪ እዩ። ንጉስ ዳዊት “ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 5:12) ሰሎሞን ድማ ኵነታት ጻድቃንን ረሲኣንን ብምንጽጻር “ሳላ ረሲእነት ዚቐውም ሰብ የልቦን: ሱር እቶም ጻድቃን ግና ምንቕ ኣይብልን” በለ።​—⁠ምሳሌ 12:3

ረሲእ ዝብልጽግ ዘሎ ኽመስል ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘሕለፎ ተመክሮ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። “ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል: ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ” በለ። ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝዀነ፧ ኣሳፍ ባዕሉ “ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ: ንደፋራት ቀናእኩሎም” ኢሉ መለሰ። (መዝሙር 73:2, 3) ናብ መቕደስ ኣምላኽ ምስ ኣተወ ግን: የሆዋ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ከም ዘብሎም ኣስተውዓለ። (መዝሙር 73:17, 18) እኩያት ዝረኽብዎ ዝዀነ ይኹን ኣሳልጦ ግዝያዊ እዩ። ስለዚ: ስለምንታይ ብእኦም ንቐንእ፧

ብኣንጻሩ ግን እቲ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ሰብ ጸኒዑ ይነብር። ሰሎሞን ድልዱል ሱር ዘለዎ ሓይሊ ኸም ምሳሌ ገይሩ ብምጥቃስ “ሕያዎት ሰባት ክመሓው ዘይከኣል ሱር ኣለዎም” በለ። (ምሳሌ 12:3 ዘ ኒው እንግሊሽ ባይብል ) እቲ ንትሕቲ መሬት ዘስፋሕፍሕ ሱር ናይ ዓብዪ ኦም: ንኣብነት ሱር ናይቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ሶኮያ ዝበሃል ዓይነት ኦም: ኣዝዩ ሰፊሕ ቦታ ኽዝርጋሕ ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ምዕልቕላቕ ማይ ኰነ ህቦብላ ድማ እቲ ኦም ምንቕ ንኸይብል የኽእሎ። ሓደ ነዊሕ ዝቝመቱ ሶኮያ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ከይተረፈ ኽጻወር ይኽእል እዩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ስቡሕ መሬት ዘስፋሕፍሕ ሱር: ኣእምሮናን ልብናን ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቑ ክዅዕትን ካብቲ ህይወት ዝህብ ማይ ክመጽን ኣለዎ። በዚ ኸምዚ እምነትና ድልድልትን ጽንዕትን: ተስፋና ኸኣ እተረጋገጸን ዘይነቓነቕን ይኸውን። (እብራውያን 6:19) ብናይ ሓሶት “ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን” ኣይንኸውንን። (ኤፌሶን 4:14) ርግጽ እዩ: ከቢድ ፈተና ኽመጽእ ከሎ ንሽገር: አረ ኣብ ግዜ ጸበባስ ንፈርህ ኢና። እንተዀነ ግን: ‘ሱርና ምንቕ ኣይብልን እዩ።’

“ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዱ እያ”

ብዙሓት ሰባት ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ዕዉት ሰብኣይ: ንፍዕቲ ሰበይቲ ስለ ዘላቶ እዩ” ዝብል ብሂል ይፈልጥዎ እዮም። ሰሎሞን ሓንቲ ደጋፊት ሰበይቲ ዘለዋ ኣገዳስነት ክገልጽ ከሎ “ደጊ [“ለባም: ” ትርጕም 1990 ] ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ: እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ” በለ። (ምሳሌ 12:4 ) እታ “ለባም” እትብል ቃል እተፈላለየ ሰናይ ተግባራት ዝሓቘፈት እያ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 31 ተገሊጹ ዘሎ: ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ኻብ እተርእዮ ባህርያት ትግሃት: ተኣማንነት: ከምኡውን ጥበብ ክጥቀስ ይከኣል እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ዘለዋ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽብሪ ስለ እተምጽኣሉ: ዘውዱ ኽትበሃል ትኽእል እያ። ካብ ሰብኣያ በሊጻ ኽትርአ ኣይትጽዕርን እያ። ኣብ ክንድኡስ ደጋፊቱ እያ እትኸውን።

ሓንቲ ሰበይቲ ብኸመይ እያ እተነውር ክትከውን እትኽእል: እዚኸ እንታይ ፍረ ኣለዎ፧ ዘነውር ተግባር ካብ ቈየቛ ኽሳዕ ዝሙት ክበጽሕ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 7:10-23፣ 19:13) ሓንቲ ሰበይቲ ኸምዚ ምስ እትገብር: ንሰብኣያ ትጐድኦ እምበር ኣይትጠቕሞን እያ። “ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ” እያ: ማለት ከምቲ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ዝበሎ “ከምቲ ነዕጽምቲ ዘማስን ሕማም: ብርቱዕ ጕድኣት ተውርደሉ እያ።” ካልእ መወከሲ ጽሑፍ ድማ “በዚ ዘመናዊ ቛንቋ ‘መንሽሮ’ ኽንብላ ንኽእል ኢና፣ እዚ ሕማም እዚ በብቝሩብ ንሰብ ዘማስን እዩ” በለ። ክርስትያናት ኣንስቲ ባህርያት ናይ ለባም ሰበይቲ ብምንጽብራቕ ሞገስ ኣምላኽ ክረኽባ እየን ዝጽዕራ።

ሓሳባት ግብሪ ይወልድ: ግብሪ ሳዕቤን የምጽእ

ሓሳባት ናብ ተግባር እዩ ዝመርሕ: ግብሪ ድማ ሳዕቤን ኣለዎ። ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ ጻድቃን ምስ ረሲኣን ብምንጽጻር ሓሳባት ብኸመይ ናብ ተግባር ከም ዘምርሕ ገለጸ:- “ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ: ምኽሪ ረሲኣን ግና ጥበራ እዩ። ዘረባ ረሲኣን ንምፍሳስ ደም የድቢ: ኣፍ እቶም ቅኑዓት ግና የድሕኖም።”​—⁠ምሳሌ 12:5, 6

ጥዑያት ሰባት ጥዑይን ፍትሓውን ቅኑዕን ሓሳባት እዮም ዝሓስቡ። ጻድቃን በታ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላቶም ፍቕሪ ስለ ዝድረኹ ጽቡቕ ነገር እዮም ዝሕልኑ። ረሲኣን ግን ካብ ስስዐ ተበጊሶም እዮም ተግባራቶም ዝገብሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ውጥኖም ማለት ኣብ ሸቶኦም ንኽበጽሑ ዝጥቀሙሉ ሜላ ጥበራ እዩ። ተግባራቶም ምትላል ዝመልኦ እዩ። ንንጹህ ሰብ መጻወድያ ኻብ ምጽዋድ ድሕር ኣይብሉን እዮም: እዚ ድማ ምናልባት ናይ ሓሶት ክስታት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንንጹሃት ክጐድኡ ስለ ዝደልዩ: ዘረባኦም “ንምፍሳስ ደም የድቢ።” ቅኑዓት ግን ነዚ እኩይ ውዲት ስለ ዝፈልጥዎን ጥንቁቓት ክዀኑ ዘኽእሎም ጥበብ ስለ ዘለዎምን ካብዚ ሓደጋ እዚ ይርሕቑ እዮም። አረ እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ንገርህታት ከጠንቅቕዎምን ካብቲ ውዲት እኩያት ከድሕንዎምን እውን ይኽእሉ እዮም።

ጻድቃንን ሓጥኣንን መወዳእትኦም እንታይ እዩ፧ ንጉስ ሰሎሞን “እቶም ረሲኣን ይግልበጡ እሞ ኣይርከቡን: ቤት ጻድቃን ግና ይቐውም” ብምባል መልሲ ይህበና። (ምሳሌ 12:7) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነታ ኣብዛ ጥቕሲ “ቤት” ተባሂላ ዘላ “ነቶም ኣብ ቤት እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ዝነብሩን ኵሉ እቲ ብህይወት ንምንባር ዘኽእሎ ኣኽቢሩ ዝርእዮ ነገራትን እያ እተመልክት” ኢልዋ ኣሎ። ንስድራ​ቤትን ዘርእን እቲ ጻድቕ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ዝዀነ ዀይኑ ፍረ ነገር ናይዚ ምስላ: ጻድቕ ኣብ ግዜ ጸበባ ጸኒዑ ይቐውም ዝብል እዩ።

ትሑት ሰብ ጽቡቕ ይረክብ

እቲ ንጉስ እስራኤል ምስትውዓል ንዘለዎ ሓይሊ ኸጕልሕ ከሎ “ሰብኣይ ብመጠን ፍልጠቱ [“ብምስትውዓል ብዝዛረቦ ዘረባ: ” NW ] እዩ ዚነኣድ: ቄናን ዝልቡ ግና ይንዐቕ” በለ። (ምሳሌ 12:8) መስተውዓሊ ሰብ ተሃዊኹ ኣይዛረብን እዩ። ቅድሚ ምዝራቡ ይሓስብ እዩ: ከመይሲ ‘ብምስትውዓል ምእንቲ ኽዛረብ’ ተጠንቂቑ እዩ ቓላቱ ዝመርጽ። ትርጕም ዘይብሉ ወይ ዘማትእ ሕቶታት ከጋጥሞ ኸሎ: “ቃላቱ ይቝጥብ።” (ምሳሌ 17:27) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ናእዳ ይቕበል: ንየሆዋ ድማ የሐጕሶ። እዝስ ካብቲ ኻብ ‘ቄናን ልቢ’ ዝመነጨ ቄናን ሓሳባት ዝህብ ሰብ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ!

እወ: መስተውዓሊ ሰብኣይ ይነኣድ እዩ: እታ ቐጺላ ዘላ ቍጽሪ ግን ትሕትና ዘለዋ ዋጋ እያ እትገልጸልና። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ካብቲ እንጌራ ዜብሉ ኽብረት ዚደልስ: እቲ ዘይምርኡይን ሓደ ግዙእ ዘለዎን ይሐይሽ።” (ምሳሌ 12:9) ሰሎሞን ዝለዓለ ደረጃኻ ንምሕላው ኢልካ ነቲ ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ብላሽ ካብ እተህልኾ: ሓደ ግዙእ ዘሎካ ማለት ብዙሕ ጥሪት ዘይብልካ ምዃን ይሓይሽ ዝብል ዘሎ እዩ ዝመስል። እዝስ ከከም ዓቕምና ንኽንነብር እተዋህበና ኸመይ ዝበለ ጠቓሚ ምኽሪ ዀን እዩ!

ናብራ ሕርሻ ሰናይ ንምግባር ትምህርቲ ይህበና

ሰሎሞን ካብቲ ኣብ ሕርሻ እተመስረተ ናብራ ሓሳባት ብምውሳድ: ምስ ሰናይ ምግባር እተተሓሓዘ ክልተ ነጥብታት ኣጕልሐ። “ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ: ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ” በለ። (ምሳሌ 12:10) ጻድቕ ሰብ ንእንስሳታቱ ብሕያውነት እዩ ዝሕዞም። ዘድልዮም ነገራት ይፈልጥ: ንድሕንነቶም ድማ ይሓስብ እዩ። ረሲእ ግን ብዛዕባ እንስሳታቱ እሓስብ እየ እኳ እንተ በለ: ብሓቂ ግን ኣይሓልየሎምን እዩ። ዝገብሮ ዘበለ ብስስዐ ተደሪኹ እዩ ዝገብሮ: ንእንስሳታቱ ዝገብሮ ኣተሓሕዛ ድማ ኣብቲ ኻባታቶም ዝረኽቦ መኽሰብ እዩ ዝምርኰስ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንእንስሳኡ ጽቡቕ ገይረ እሕዞ ኣለኹ እናበለ: ብጭካነ የሳቕዮ ይህሉ ይኸውን።

እዚ ንግቡእ ኣተሓሕዛ እንስሳታት ዝምልከት መሰረታዊ ስርዓት: ነቶም ኣብ ቤትና እንሕዞም ከም ከልቢ ዀነ ድሙ ዝኣመሰሉ እንስሳታት እውን ዝምልከት እዩ። ከም ከልብን ድሙን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ድሕሪ ምጥራይና ግቡእ ጌርና ብዘይ​ምእላይና ወይ ጥዑይ ጌርና ብዘይ​ምሓዝና ኸነሳቕዮምሲ ኸመይ ዝበልዎ ጭከና ዀን እዩ! ሓደ እንስሳ ኸቢድ ሕማም ስለ ዘለዎ ወይ ከቢድ ጕድኣት ስለ ዝወረዶ ይሳቐ እንተ ሃልዩ: ምቕታሉ ሕያውነት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሰሎሞን ቀጺሉ ኻብ ማሕረስ ሓደ ሓሳብ ብምውሳድ “ምድሩ ዚወላውል ሰብ እንጌራ ይጸግብ” በለ። እወ: ጻዕራም ምዃን ዓስቢ ኣለዎ። “ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን።” (ምሳሌ 12:11) እቲ ‘ኣእምሮ ዘይብሉ’ ሰብ ከመዛዝን ስለ ዘይክእል ጥቕሚ ዘይብሉ: ኣስጋኢ: ከምኡውን ከንቱ ዕዮ እዩ ዝዓዪ። ካብዚ ኽልቲኡ ጥቕስታት እንረኽቦ ትምህርቲ: መሓርትን ጻዕራማትን ክንከውን እዩ።

ጻድቕ ፍረ ይህብ

ቀጺሉ እቲ ጥበበኛ ንጉስ “ረሲእ ነቲ ወጽመድ እኩያት ሃረር ይብሎ” በለ። (ምሳሌ 12:12ሀ) ረሲእ ብኸመይ እዩ ኸምዚ ዝገብር፧ ነቲ እተዘርፈ ንብረት ከም ዝብህጎ ኣየጠራጥርን እዩ።

ጥዑይ ሰብ ግን እንታይ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘለዎ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ተግሳጽ ይፈቱ: ድልድልቲ እምነት ከኣ ኣላቶ። ጻድቕ: ፍትሓዊ: መስተውዓሊ: ትሑት: ደንጋጺ: ከምኡውን ትጉህ እዩ። ሰሎሞን ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይህብ” በለ። (ምሳሌ 12:12ለ) ኣን አመሪካን ትራንስሌሽን ከኣ “ሱር ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ጽኑዕን ህዱእን እዩ። ብርግጽ: “ደጊ [“ሕያዋይ:” ትርጕም 1990 ] ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበል” እዩ። እምበኣር: ‘ብእግዚኣብሄር ንማዕቈብ: ሰናይ ድማ ንግበር።’​—⁠መዝሙር 37:3

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እምነት ጻድቕ ልክዕ ከም ሓደ ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ኦም ድልድልቲ እያ