ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ቅድሚ ምዕያዩን ድሕሪኡን

ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ቅድሚ ምዕያዩን ድሕሪኡን

“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ቅድሚ ምዕያዩን ድሕሪኡን

ንቶኒ ኣብ መጀመርታ ናይ ኰተቴ ዕድሚኡ እንተ ትረኽቦ ኔርካ: ኣብቲ ኣብ ሲድኒ: ኣውስትራልያ: ዝርከብ ሕማቕ ጐደናታት ዝመውዓሊኡ ስድን ተባኣስን ኰይኑ ምረኸብካዮ። ኣዕሩኹ ዓዋሉ እዮም ነይሮም። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ስርቂ: ኣብ መንጎ ዓዋሉ ኣብ ዝግበር ባእሲ: ከምኡውን ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝግበር ተዅሲ ይካፈል ነበረ።

ቶኒ ገና ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከሎ ሽጋራ ኸትክኽ ጀመረ። ወዲ 14 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ማሪዋና ኣዘውቲሩ የትክኽን ብዕሉግ ናብራ ይነብርን ነበረ። ወዲ 16 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ወልፊ ሄሮይን ኣጥረየ: እዚ ኸኣ ኮከይን: ኤልኤስዲ: ከምኡውን ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ‘ዘስክሮ ዝዀነ ይኹን ነገር’ ናብ ምውሳድ መርሖ። ድሕርዚ ምስ ክልተ ዕሉላት ገበነኛታት ብምውዕዓል ሓሽሽ ክሸይጥ ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ፍሉጥ ነጋዳይ ሓሽሽ ኰነ።

ቶኒ ንሄሮይንን ማሪዋናን ዘለዎ ወልፊ ንኸርዊ ኣብ መዓልቲ ኻብ 160 ክሳዕ 320 ዶላር ኣመሪካ የጥፍእ ነበረ። እንተዀነ ግን: እዚ ጥራይ ዘይኰነ ስድራ​ቤቱ እውን በዚ ይሳቐዩ ነበሩ። ነዚ ኸኣ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ሓሽሽ ወይ ገንዘብ ደልዮም ዝመጹ ዓመጽቲ ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን ሓያሎ ግዜ ተኲሶምልናን ብኻራ ኣፈራሪሆምናን እዮም።” ሰለስተ ሳዕ ምስ ተኣስረ: ኣነባብራኡ ናበይ ገጹ ይመርሖ ኸም ዘሎ ንኽምርምር ተገደደ።

ናብ ቤተ⁠-​ክርስተያን ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ: ናብቲ ንሓጢኣተኛታት ንዘለኣለም ኣብ ሲኦል ብምቅጻል ይቐጽዕ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ ዝነበረ ኣምላኽ ግን ክቐርብ ኣይከኣለን። ሓደ እዋን ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መጽዎ እሞ ኣምላኽ ከምኡ ኸም ዘይገብር ምስ ፈለጠ ተገረመ። ህይወቱ ብምዕራዩን ካብ ኣምላኽ በረኸት ብምርካቡን ከኣ ተሓጐሰ። እቲ የሱስ ክርስቶስ “ብኣምላኽ ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ” ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት ንቶኒ ድራኸ ኣሕደረሉ። (ማርቆስ 10:27 ትርጕም 1990 ) ብፍላይ ከኣ እተን “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብላ ዘተባብዓ ቓላት ንልቡ ተንኪፈንኦ እየን።​—⁠ያእቆብ 4:8

ድሕርዚ ቶኒ ኣነባብራኡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምስምማዕ በዳሂ ዕዮ ኣጋጠሞ። ብዛዕባዚ ድማ ኸምዚ በለ:- “ፈለማ ዝገደፍክዎ ነገር እቲ ኣቐዲመ ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ጸዓርኩ ፈጺመ ኽገድፎ ዘይከኣልኩ ሽጋራ ምትካኽ እዩ ነይሩ። በቲ የሆዋ ዝሃበኒ ሓይሊ ነቲ ን15 ዓመታት ዝቈጻጸረኒ ዝነበረ ወልፊ ሄሮይንን ማሪዋናን ክገድፎ ኸኣልኩ። ነዚ ወልፊ እዚ ኸቋርጾ ዘይክእል እዩ ዝመስለኒ ነይሩ።”

ቶኒን በዓልቲ ቤቱን ነቲ ንሰባት ንዘለኣለም ኣብ ሲኦል ዘሳቒ ኣምላኽ​—⁠ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺምካ ዘይርከብ ሰረተ⁠-​እምነት​—⁠ኣብ ክንዲ ዝፈርሁ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ተቐበሉ። (መዝሙር 37:10, 11፣ ምሳሌ 2:21) ቶኒ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ህይወተይ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ንምስምማዕ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን እዩ ኣድልዩኒ: እንተዀነ ግን ሳላ ሓገዝ የሆዋ ተዓዊተ እየ” በለ።

እዚ ወልፊ ሓሽሽ ዝነበሮ ሰብ ክርስትያን ኰነ። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ብፍቓዶም ብኣሽሓት ዝቝጸር ሰዓታትን ጥሪቶምን ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር የውዕልዎ ኣለዉ። ክልተ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ውሉዳት እውን የዕብዩ ኣለዉ። እዚ ዓብዪ ለውጢ እዚ ኽመጽእ ዝኸኣለ: ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ክዕገት ዘይከኣል ሓይሊ ስለ ዘለዎ እዩ። እወ: ኸምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።”​—⁠እብራውያን 4:12

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ኣብነታት እናሃለወ ኽነሱ: ገሊኣቶም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምህርዎ ትምህርቲ ንስድራ​ቤታት ከም ዝበታትንን ነቲ መንእሰያት ዝነበሮም ስነ⁠-​ምግባር ከም ዘበላሹን ይዛረቡ። ታሪኽ ህይወት ቶኒ ግን እቲ ዝዛረብዎ ነገራት ሓሶት ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ።

ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ቶኒ ነቲ ዝነበሮም ጐዳኢ ወልፊ ኽገድፍዎ ኸም ዝኽእሉ ፈሊጦም እዮም። ብኸመይ እዮም ግን ክገድፍዎ ዝኸኣሉ፧ ኣብ ኣምላኽ ብምእማን: ኣብኡን ኣብ ቃሉን ብምውካል: ከምኡውን ሓለይትን ፈቃራትን ክርስትያናት ኣሕዋት ብዝገበሩሎም ሓገዝ እዮም ነዚ ኽገብሩ ዝኸኣሉ። ቶኒ ብሓጐስ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘረብኡ ይዛዝም:- “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንደቀይ ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዝዀኖም እርእዮ ኣለኹ። ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳረይ ካብ ምፍራስ ኣድሒንዎ እዩ። ዘስግእ ሰብ ብዘይ​ምዃነይ ድማ ጐረባብተይ ዝያዳ ቐሲኖም ክድቅሱ ኽኢሎም ኣለዉ።”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

‘በቲ የሆዋ ዝሃበኒ ሓይሊ ነቲ ን15 ዓመታት ዝቈጻጸረኒ ዝነበረ ወልፊ ሓሽሽ ክገድፎ ኸኣልኩ’

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ዝዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

እተፈላለየ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎም ሰባት ነቲ ሕማቕ ወልፎም ንኽገድፍዎ ሓጊዝዎም እዩ። ገለ ኻብዚ ስርዓታት እንሀ:-

“ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) ሓሽሽ ምውሳድ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝጻረር እዩ።

“መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ: ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።” (ምሳሌ 9:10) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ኣብ ዘለዎም ርጡብ ፍልጠት ተመርኲሶም ንየሆዋ ምፍርሆም: ካብ ወልፊ ሓሽሽ ሓራ ንኽወጹ ሓጊዝዎም እዩ።

“ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።” (ምሳሌ 3:5, 6) ኣብ ኣምላኽ ብምሉእ ልቢ እምንቶ ብምሕዳርን ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ብምውካልን ካብ ጐዳኢ ወልፍታት ሓራ ምውጻእ ይከኣል እዩ።