ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ፧

እምነትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ፧

እምነትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ፧

“ብእምነት ቌምኩም አሎኹም።”​—⁠2 ቈረንቶስ 1:24

1, 2. እምነት ክትህልወና ዘለዋ ስለምንታይ እዩ: ብዝያዳ ኸም እትድልድል ክንገብራ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

 ኣገልገልቲ የሆዋ እምነት ክትህልዎም ከም ዝግባእ ይፈልጡ እዮም። ከመይሲ: “ብዘይ​ እምነት . . . ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ።” (እብራውያን 11:6) ስለዚ: መንፈስ ቅዱስን እታ ተበሃጊት ፍረ ናይዚ መንፈስ እዚ ዝዀነት እምነትን ንኽወሃበና ምጽላይ ጥበባዊ እዩ። (ሉቃስ 11:13፣ ገላትያ 5:22, 23) ናይ ኣመንቲ ብጾትና እምነት ምቕዳሕ እውን ነዛ ባህሪ እዚኣ ኣብ ውሽጥና ሱር ንኽትሰድድ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ እብራውያን 13:7

2 ቃል ኣምላኽ ንዅሎም ክርስትያናት ክኸውን ዘውጽኦ መገዲ ብቐጻሊ እንተ ስዒብና: እምነትና ብዝያዳ ኽትድልድል ትኽእል እያ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን በቲ ‘እቲ እሙን መጋቢ’ ዘዳለዎ ጽሑፋት ጌርና ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጊህና ብምጽናዕን: እምነትና ብዝያዳ ኸነደልድላ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 12:42-44፣ እያሱ 1:7, 8) ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከየብኰርና ብምእካብ: እምነት ሓድሕድና ነደልድል ኢና። (ሮሜ 1:11, 12፣ እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ከነዘራርቦም ከሎና እውን እምነትና ትድልድል እያ።​—⁠መዝሙር 145:10-13፣ ሮሜ 10:11-15

3. ብዛዕባ እምነት ዝመጸ: ካብ ፈቃራት ክርስትያን ሽማግለታት እንታይ ሓገዝ ኢና እንረክብ፧

3 ፈቃራት ክርስትያን ሽማግለታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ምኽርን መተባብዕን ብምሃብ እምነትና ንኸነደልድል ይሕግዙና እዮም። ከምቲ ንሰብ ቈረንቶስ “ብእምነት ቌምኩም አለኹም እሞ: ደገፍቲ ሓጐስኩም . . . ኢና” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ እዩ ዘለዎም። (2 ቈረንቶስ 1:23, 24) ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ “እምነትኩም ድልድልቲ ስለ ዝዀነት: ንኽትሕጐሱ ምሳኻትኩም ሓቢርና እንዓዪ ኢና” ኢልዋ ኣሎ። (ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን ) ጻድቕ ብእምነት እዩ ዝመላለስ። ርግጽ እዩ: ባዕልና እንተ ዘየንቂድና: ዋላ ሓደ ሰብ እምነት ከም እነጥሪ ወይ ንጽህናና ኸም እንሕሉ ኽገብረና ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ: ‘ጸጾርና ኽንጸውር ኣሎና።’​—⁠ገላትያ 3:11፣ 6:5

4. ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ዛንታታት ብኸመይ ንእምነትና ኸደልድላ ይኽእል፧

4 ቅዱሳት ጽሑፋት እምነት ናይ ዝነበሮም ሰባት ዛንታታት ብብዝሒ ዝርከቦ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንዝገበርዎ መብዛሕትኡ ቐንዲ ቐንዲ ተግባራት ንፈልጦ ንኸውን: እንተዀነ ግን ብዛዕባ እታ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ምናልባት እውን ኣብ መላእ ህይወቶም ንሓያሎ ዓመታት ዘንጸባረቕዋ እምነትከ ንፈልጥ ዲና፧ ካብዚ ቐጺልና ምስ ናትና ኣብ ዝመሳሰል ኵነታት ነዛ ባህሪ እዚኣ ብኸመይ ኸም ዘንጸባረቕዋ ምምርማርና: እምነትና ንምድልዳል ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

እምነት ተትብዓና

5. እምነት ንቓል ኣምላኽ ብትብዓት ንኽንእውጅ ከም እተበራትዓና እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣሎና፧

5 እምነት ንቓል ኣምላኽ ንኽንእውጅ ተትብዓና እያ። ሄኖክ “እነሆ: ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ አእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ: ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ” ብምባል ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝፍጸም ብትብዓት ተነበየ። (ይሁዳ 14, 15) እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ጸላእቱ ነዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዑ: ክቐትልዎ ኸም ዝደለዩ ኣየጠራጥርን እዩ። ንሱ ግን ብእምነት ተቢዑ ተዛረበ: ኣምላኽ ድማ ከይተሳቐየ ኸም ዝመውት ብምግባር “ወሲድዎ” እዩ። (ዘፍጥረት 5:24፣ እብራውያን 11:5) ኣብዚ ግዜና ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ኣይንርእን ኢና። ይኹን እምበር: ቃል ኣምላኽ ብእምነትን ብትብዓትን ምእንቲ ኽንእውጅ: የሆዋ ንጸሎትና ይምልሶ እዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31

6. ኣምላኽ ንኖህ ዝሃቦ እምነትን ትብዓትን ብኸመይ ሓገዞ፧

6 ኖህ ብእምነት እዩ “ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ።” (እብራውያን 11:7፣ ዘፍጥረት 6:13-22) ብዘይ​ካዚ: ኖህ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ተቢዑ ዝኣወጀ “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ማይ ኣይሂ ኸም ዝመጽእ ምስ ነገሮም ኣላጊጾሙሉ ክዀኑ ኣለዎም: ኣብዚ ግዜና እውን ገሊኣቶም ሰባት እዚ ኣገባብ እዚ ኽጠፍእ ምዃኑ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መርትዖ እናኣርኣናዮም ክነስና የላግጹ እዮም። (2 ጴጥሮስ 3:3-12) ይኹን እምበር: ኣምላኽ እምነትን ትብዓትን ስለ ዝህበና ልክዕ ከም ሄኖክን ኖህን መልእኽትና ኸነብጽሕ ንኽእል ኢና።

እምነት ንኽንዕገስ ተኽእለና

7. ኣብርሃም ኰነ ኻልኦት እምነትን ትዕግስትን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

7 ብፍላይ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ኽንጽበ ኸሎና: እምነትን ትዕግስትን የድልያና እየን። ሓደ ካብቶም “ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ:” እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣብርሃም ክጥቀስ ይከኣል እዩ። (እብራውያን 6:11, 12) ብእምነት ካብታ ጣዕሚ ናብራ ዝነበራ ኸተማ ኡር ወጺኡ: ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ ምድሪ መጻእተኛ ዀይኑ ተቐመጠ። ይስሃቅን ያእቆብን ናይቲ ተስፋ ወረስቲ እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን: ግናኸ . . . ብእምነት ሞቱ።” ብእምነት “እትሐይሽ: ማለት ሰማያዊት: ይናፍቑ” ነበሩ። ኣምላኽ ድማ “ከተማ ኣዳሊዉሎም አሎ።” (እብራውያን 11:8-16) እወ: ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ከምኡውን እተን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቶም ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ተጸብዮምዋ እዮም፣ ኣብ ትሕቲ እዛ መንግስቲ ድማ ካብ ሞት ተንሲኦም ኣብ ምድሪ ኽነብሩ እዮም።

8. ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዮም ትዕግስትን እምነትን ዘርኣዩ፧

8 ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እምነቶም ኣየጥፍኡን። እታ ምድሪ ተስፋ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ኣይኣተወትን: ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርኢ ኣብርሃም ክባረኽ ከሎ እውን ኣይረኣዩን። (ዘፍጥረት 15:5-7፣ 22:15-18) ‘እታ ኣምላኽ ዘዳለወሎም ከተማ’ ሓያሎ ዘመናት ጸኒሓ እትቐውም እኳ እንተ ነበረት: ኣብ መላእ ህይወቶም እምነትን ትዕግስትን ኣርእዮም እዮም። ኣብዚ ግዜና እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ሰማይ ቈይማ ኻብ ሃለወት: ዝበለጸ እምነትን ትዕግስትን ከነንጸባርቕ ኣሎና።​—⁠መዝሙር 42:5, 11፣ 43:5

እምነት ዝበለጸ ሸቶታት ከነውጽእ ተኽእለና

9. እምነት ኣብ ሸቶታትናን ዕላማታትናን እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዋ፧

9 እዞም እሙናት ርእሲ ኣቦታት ዝበለጸ ሸቶታትን ዕላማታትን ስለ ዝነበሮም: ነቲ ብልሹው ኣነባብራ ከነኣናውያን ኣይቀድሕዎን። ንሕናውን ብተመሳሳሊ: እምነት እንተ ሃልያትና መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእ ተኽእለና፣ እዚውን ብግዲኡ ምስታ ብሰይጣን ድያብሎስ ተታሒዛ ዘላ ዓለም ንኸይንጽንበር የኽእለና።​—⁠1 ዮሃንስ 2:15-17፣ 5:19

10. ዮሴፍ ካብ ዓለማዊ ተፈላጥነት ኣዝዩ ዝበልጽ ካልእ ሸቶ ኸም ዝነበሮ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

10 ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ብኣምላኽ ተመሪሑ ኣብ ግብጺ እኽሊ ናይ ምምሕዳር ስልጣን እኳ እንተ ረኸበ: ኣብ ዓለም ዓብዪ ሰብ ናይ ምዃን ሸቶ ግን ኣይነበሮን። ዮሴፍ ወዲ 110 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ብምትእምማን ነሕዋቱ “ኣነ እመውት አሎኹ። ኣምላኽ ግና ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ: ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሐለሎም ምድሪ ኼደይበኩም እዩ” በሎም። ኣብታ ምድሪ ተስፋ ክቐብርዎ ኸኣ ተላበዎም። ምስ ሞተ ብቕዱይ ቅብኢ ለኽዮም ኣብ ሳጹን ገይሮም ኣብ ግብጺ ኣንበርዎ። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኽወጹ ኸለዉ ግን ነብዪ ሙሴ ንዓጽሚ ዮሴፍ ኣብ ምድሪ ተስፋ ንክቕበር ምስኡ ተማልኦ። (ዘፍጥረት 50:22-26፣ ዘጸኣት 13:19) ከም ናይ ዮሴፍ ዝኣመሰለት እምነት: ካብ ዓለማዊ ተፈላጥነት ኣጸቢቑ ዝበልጽ ካልእ ሸቶታት ንኽንስዕብ ክትድርኸና ኣለዋ።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:29-31

11. ሙሴ መንፈሳዊ ሸቶታት ከም ዝነበሮ ብኸመይ ኣርኣየ፧

11 ሙሴ ከም ሓደ ካብቶም ምሁራት ንጉሳውያን ስድራ​ቤት ግብጺ ዀይኑ ብምንባር “ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” (እብራውያን 11:23-26፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:20-22) ከምዚ ብምግባሩ ዓለማዊ ዝና: ምናልባት ከኣ ኣብ ሓንቲ ውርይቲ ናይ ግብጺ ቦታ ኣብ እተሰላለመ ሳንዱቕ ሬሳ ንክቕበር ዝነበሮ ኣጋጣሚ ኣጥፊኡ እዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ነገር እዚ: “ናይ ኣምላኽ ሰብ:” ማእከላይ ሕጊ ኺዳን: ነብዪ የሆዋ: ከምኡውን ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ምዃን ክወዳደር ከሎ እንታይ ዋጋ እዩ ዘለዎ፧ (እዝራ 3:2) ኣብ ዓለም ዓብዪ ኽትከውን ትብህግ ዲኻ: ወይስ እምነትካ ኣጸቢቑ ዝበለጸ መንፈሳዊ ሽቶታት ንኸተውጽእ ሓጊዛትካ እያ፧

እምነት ዓስቢ ዘለዎ ህይወት ንኽንነብር ተኽእለና

12. እምነት ኣብ ህይወት ረሃብ እንታይ ጽልዋ ነበራ፧

12 እምነት ዝበለጸ ሸቶታት ንኸነውጽእ ጥራይ ዘይኰነስ ዓስቢ ዘለዎ ህይወት ንኽንብር እውን ተኽእለና እያ። ረሃብ በዓልቲ ያሪኮ ኣመንዝራ ዀይና ኽትነብር ከላ ህይወታ ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: እምነት ምስ ኣርኣየት: ኣብ ህይወታ ብዙሕ ዓስቢ ረኸበት። ካብቶም ከነኣናውያን ጸላእቶም ምእንቲ ኸምልጡ ‘ነቶም [እስራኤላውያን] ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም: ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም: [ብእምነት ብዝገበረቶ] ግብሪ ጸደቐት።’ (ያእቆብ 2:24-26) የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ብምሃብን ምንዝርና ብምግዳፍን ድማ እምነታ ኣርኣየት። (እያሱ 2:9-11፣ እብራውያን 11:30, 31) ዘይኣማኒ ከነኣናዊ ዘይኰነስ ኣገልጋሊ የሆዋ ተመርዓወት። (ዘዳግም 7:3, 4፣ 1 ቈረንቶስ 7:39) ረሃብ እኖሓጎ መሲህ ናይ ምዃን ዓብዪ መሰል ረኺባ እያ። (1 ዜና መዋእል 2:3-15፣ ሩት 4:20-22፣ ማቴዎስ 1:5, 6) ከምቶም ዘይጽፉፍ ናብራኦም ዝሓደጉ ኻልኦት ሰባት እውን ገና ኻልእ ዓስቢ ኽትረክብ እያ፣ እዚ ድማ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ትንሳኤ እዩ።

13. ዳዊት ኣብቲ ምስ ባትሴባ እተተሓሓዘ ጕዳይ ብኸመይ እዩ ዝሓጥአ: እንታይ ዝንባለ እዩ ግን ዘርኣየ፧

13 ረሃብ ሓጢኣት ዝመልኦ ኣነባብራ ድሕሪ ምግዳፋ: ካብ ቅኑዕ መገዲ ኸም ዘየላገሰት ኣየጠራጥርን እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ንነዊሕ እዋን ህይወቶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም እዮም። ንኣብነት: ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ፈጸመ: ንሰብኣያ ኣብ ውግእ ከም ዝቕተል ገበሮ: ድሕሪኡ ድማ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። (2 ሳሙኤል 11:1-27) ዳዊት በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ ልቡ ብምንሳሕ ንየሆዋ “ቅዱስ መንፈስካ . . . ኣይተግድፈኒ” ኢሉ ለመኖ። መንፈስ ኣምላኽ ካብ ዳዊት ኣይረሓቐን። የሆዋ ብምሕረቱ ኣቢሉ ‘ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኸም ዘይንዕቕ’ እምነት ነበሮ። (መዝሙር 51:11, 17፣ 103:10-14) ዳዊትን ባትሴባን እምነት ስለ ዝነበሮም ኣብ መስመር ወለዶ እቲ መሲህ ናይ ምእታው ዓብዪ መሰል ረኸቡ።​—⁠1 ዜና መዋእል 3:5፣ ማቴዎስ 1:6, 16፣ ሉቃስ 3:23, 31

በቲ ኣምላኽ ዝሃበና መረጋገጺ ዝደልደለት እምነት

14. ጊዴዎን እንታይ መረጋገጺ እዩ እተዋህቦ: እዚ ዛንታ እዚኸ ንእምነትና ብኸመይ ክጸልዋ ይኽእል፧

14 ብእምነት እንመላለስ እኳ እንተዀንና: ሓድሓደ ግዜ ግን ኣምላኽ ከም ዝሕግዘና መረጋገጺ ኽህበና ንደሊ ኢና። ሓደ ኻብቶም “ብእምነት ንመንግስትታት ሰዐሩ” እተባህለሎም መሳፍንቲ ዝነበረ ጊዴዎን ከምዚ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። (እብራውያን 11:32, 33) ሚድያናውያንን ደገፍቶምን ንእስራኤል ምስ ወረሩ: ንጊዴዎን መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ። ኣምላኽ ምስኡ ኸም ዘሎ መረጋገጺ ስለ ዝደለየ ግን ኣብ ዓውዲ ኣብ ዘንበሮ ቝሩጽ ጸምሪ ዛዕዛዓ ክኸውን ፈተነ ሓተተ። ኣብታ ቐዳመይቲ ፈተነ: ኣብቲ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዛዓ ክኸውን ከሎ ብዘላ ምድሪ ንቕጽቲ ነበረት። ኣብታ ኻልአይቲ ፈተና ነዚ ብኣንጻሩ ክኸውን ሓተተ: ተፈጸመሉ ኸኣ። ጊዴዎን በዚ መረጋገጺ እዚ ተተባቢዑ: ንጸላእቲ እስራኤል ብእምነት ሰዓሮም። (መሳፍንቲ 6:33-40፣ 7:19-25) ሓደ ውሳነ ኽንገብር ከሎና መረጋገጺ ምድላይና: እምነትና ጐዲላ ማለት ኣይኰነን። ውሳነታት ኣብ እንገብረሉ እዋን መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋት ብምውካስን መንፈስ ቅዱስ ንኽመርሓና ብምጽላይን እምነት ኢና እነርኢ ዘሎና።​—⁠ሮሜ 8:26, 27

15. ነቲ ባራቕ ዝነበሮ እምነት ምስ እነስተንትነሉ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

15 ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዝነበረ ባራቕ እውን ብመልክዕ መተባብዒ እተዋህቦ መረጋገጺ ንእምነቱ ኣደልዲልሉ እዩ። ነብዪት ዴቦራ ንእስራኤላውያን ካብ ጭቈና ናይቲ ከነኣናዊ ንጉስ ያቢን ሓራ ንኸውጽኦም ንባራቕ ኣተባብዓቶ። ባራቕ ብእምነትን በቲ ኣምላኽ ከም ዝሕግዞ ዝሃቦ መረጋገጽን ተለዓዒሉ 10,000 ዝዀኑ ብግቡእ ዘይተዓጥቁ ሰራዊት ሒዙ ብምኻድ ነቲ ብሲሰራ ዝምራሕ ዝዓበየ ሰራዊት ያቢን ሰዓሮ። ዓወት ምስ ተረኽበ: ዴቦራን ባራቕን ካብ ሓጐስ ተላዒሎም ዘመሩ። (መሳፍንቲ 4:1–​5:​31) ዴቦራ ንባራቕ ኣምላኽ ዝመረጾ መራሒ እስራኤላውያን ከም ምዃኑ መጠን ስጕምቲ ንኽወስድ ኣተባቢዓቶ እያ: ንሱ ድማ ሓደ ኻብቶም ብእምነት “ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም” እተባህለሎም ኣገልገልቲ የሆዋ እዩ ነይሩ። (እብራውያን 11:34) ኣምላኽ ንባራቕ ብእምነት ስጕምቲ ብምውሳዱ ብኸመይ ከም ዝባረኾ ከነስተንትነሉ ኸሎና: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እተዋህበና ኸቢድ ዕዮ ንምፍጻም ዘሎና ፍርሂ ኣርሒቕና ስጕምቲ ንኽንወስድ ክድርኸና ይኽእል እዩ።

እምነት ሰላም ተምጽእ

16. ኣብርሃም ምስ ሎጥ ዝነበሮ ሰላም ብምሕላዉ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧

16 እምነት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከቢድ ዕዮ ንኽንፍጽም ተኽእለና ጥራይ ዘይኰነትስ ሰላምን ህድኣትን እውን ተምጽእ እያ። ኣብ መንጎ ጓሶት ኣብርሃምን ጓሶት ሎጥን ባእሲ ምስ ኰነ: ኣብርሃም ነቲ ብዕድመ ኻብኡ ዝንእስ ዝነበረ ሎጥ ወዲ ሓዉ ዝበለጸ መጓሰዪ ኽመርጽ ዕድል ሃቦ። (ዘፍጥረት 13:7-12) ኣብርሃም ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ሓገዝ ኣምላኽ ምእንቲ ኽረክብ ብእምነት ጸልዩ ክኸውን ኣለዎ። ንጥቕሚ ርእሱ ቐዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ: ነቲ ጕዳይ ብሰላም ፈትሖ። ንሕናውን ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትና እንተ ተጓኒጽና: ነቲ ሓልዮት ብምርኣይ ዝመጸ ኣብርሃም ዝገደፎ ኣብነት ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ብእምነት ንጸሊ: ‘ንሰላምውን ንድለያ።’​—⁠1 ጴጥሮስ 3:10-12

17. ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ማርቆስን እተፈጥረ ዘይምርድዳእ ተፈቲሑ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 ክርስትያናዊ ስርዓታት ብእምነት ኣብ ግብሪ ምውዓል: ሰላም ንኽንገብር ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕግዘና እስከ ንርአ። ጳውሎስ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ክጅምር ምስ ተበገሰ: ነተን ኣብ ቆጵሮስን ንእሽቶ እስያን ዝነበራ ጉባኤታት እንደገና ኽበጽሑወን ዝሃቦ ሓሳብ: በርናባስ ተቐቢልዎ እዩ። ይኹን እምበር: በርናባስ ንማርቆስ እቲ ወዲ ሓው ኣቦኡ ምሳታቶም ክማልእዎ ደለየ። ጳውሎስ ግን ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ: ክማልእዎ ኣይፈተወን። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መንጎኦም “ባእሲ” ስለ ዝዀነ: ንሓድሕዶም ተፈላለዩ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ከደ: ጳውሎስ ግን ንሲላስ ሓረየ: “ነተን ማሕበር እናጽንዔውን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 15:36-41) ጸኒሑ ግን ማርቆስ ምስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ብምንባሩን እዚ ሃዋርያ እዚ ብጽቡቕ ስለ ዘልዓሎን እቲ እተፈጥረ ዘይምርድዳእ ተፈቲሑ ክኸውን ኣለዎ። (ቈሎሴ 4:10፣ ፊልሞን 23, 24) ኣብ ከባቢ 65 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ: ንጢሞቴዎስ “ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ: ተማልኣዮ: ምሳኻ ይምጻእ” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 4:11) ጳውሎስ ነቲ ምስ በርናባስን ማርቆስን ዝነበሮ ርክብ ብእምነት ጸልዩሉ ክኸውን ኣለዎ: እዚ ኸኣ ምስ “ሰላም ኣምላኽ” ዝተኣሳሰር ህድኣት ኣምጽኣሉ።​—⁠ፊልጲ 4:6, 7

18. ኤዎድያን ስንጥኬን እንታይ እየን ገይረን ክዀና ዝኽእላ፧

18 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና።” (ያእቆብ 3:2) ኣብ መንጎ ክልተ ክርስትያናት ኣንስቲ ሓደ ጸገም ተፈጢሩ ነበረ። ጳውሎስ ድማ ብዛዕብአን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን: ንኤዎድያ እምዕድ: ንስንጥኬውን እምዕድ ኣሎኹ። ምሳይ ብወንጌል ዝጸዐራ እየን እሞ ክትድግፈን እልምነካ ኣሎኹ።’ (ፊልጲ 4:1-3) እዘን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:23, 24 ዝርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንጸገመን ብሰላማዊ መገዲ ፈቲሐንኦ ክዀና ይኽእላ እየን። ኣብዚ ግዜና እውን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል ሰላም የምጽእ እዩ።

እምነት ንኽንጻወር ተኽእለና

19. ከመይ ዝበለ ፈታኒ ዅነታት እዩ ንእምነት ይስሃቅን ርብቃን ዘየጥፍኦ፧

19 ንጸበባ እውን ብእምነት ክንጻወሮ ንኽእል ኢና። ምናልባት ሓደ እተጠምቀ ኣባል ስድራ​ቤትና ንዘይኣማኒት ብምምርዓው ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራሱ ንጕሂ ንኸውን። (1 ቈረንቶስ 7:39) ኤሳው ወዶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብለን ኣንስቲ ምስ ኣእተወ: ይስሃቅን ርብቃን ተኸኽ ኢሎም እዮም። እተን ሔታውያን ኣንስቱ “ጓሂ ልቢ” ዀይነናኦም ነበራ። ርብቃ እሞ ኸኣ ኣዝዩ ስለ ዝመረራ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት: ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ: ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ዀይኑስ: ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧” በለት። (ዘፍጥረት 26:34, 35፣ 27:46) እንተዀነ ግን: እዚ ፈታኒ ዅነታት ንእምነት ይስሃቅን ርብቃን ኣየጥፍኦን። ንሕናውን ኣጸጋሚ ዅነታት ምስ ዘጋጥመና እሞ ንምውጽኡ ምስ ዘሸግረና: ነታ ድልድልቲ እምነትና ኣይነጥፍኣያ።

20. ናእሚን ሩትን እንታይ ናይ እምነት ኣብነት እየን ገዲፈናልና፧

20 እታ ብዕድመ ዝደፍአትን መበለትን ናእሚ ኣይሁዳዊት እያ ነይራ: ገሊኣተን ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ኣባሓጎ እቲ መሲህ ክኸውን ዝኽእል ውላድ ክወልዳ ኸም ዝኽእላ ድማ ትፈልጥ ነበረት። ይኹን እምበር: ደቃ ውሉድ ከይወለዱ ብሙማቶምን ንሳ ኽትወልድ ዘይትኽእል ብምዃናን: ስድራ​ቤታ ኣብ መስመር ወለዶ ናይቲ መሲህ ንምእታው ዝነበሮም ኣጋጣሚ ጸቢብ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እታ መበለት ዝነበረት ሩት እትበሃል ሰበይቲ ወዳ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ቦኣዝ ተመርዓወቶ እሞ ኣባሓጎ የሱስ እቲ መሲህ ዝዀነ ወዲ ድማ ወለደት! (ዘፍጥረት 49:10, 33፣ ሩት 1:3-5፣ 4:13-22፣ ማቴዎስ 1:1, 5) እምነት ናእሚን ሩትን ብዙሕ ጸበባ ንኽሓልፋን ሓጐስ ንኽረኽባን ኣኽኢላተን እያ። ንሕናውን ኣብ ግዜ ጸበባ እምነትና እንተ ዘየጕዲልና ዓብዪ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።

21. እምነት እንታይ እያ ትገብረልና: እንታይ ቈራጽነትከ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

21 ጽባሕ እንታይ ከም እትወልድ እኳ እንተ ዘይፈለጥና: ብእምነት ግን ንዝዀነ ይኹን ፈታኒ ዅነታት ክንጻወሮ ንኽእል ኢና። እምነት ተባዓትን ዕጉሳትን ትገብረና እያ። ኣብ ህይወትና ዝበለጸ ሸቶታት ንኸነውጽእን ዓስቢ ዘለዎ ህይወት ንኽህልወናን ተኽእለና። ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ብኣወንታዊ መገዲ ትጸልዎ: ጸበባ ኸጋጥመና ኸሎ ኸኣ ኣይትጐድልን እያ። እምበኣር “ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ንኹን። (እብራውያን 10:39) በቲ ፈቃር የሆዋ ኣምላኽና ዝህበና ሓይልን ንኽብሩን ኢልና ድልድልቲ እምነት ካብ ምንጽብራቕ ድሕር ኣይንበል።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እምነት ከተትብዓና ኸም እትኽእል እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣሎና፧

• እምነት ዓስቢ ዘለዎ ህይወት ንኽህልወና ተኽእለና እያ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

• እምነት ሰላም እተምጽእ ብኸመይ እያ፧

• እምነት ንጸበባ ኽንጻወሮ ከም እተኽእለና እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እምነት ንኖህን ሄኖክን መልእኽቲ የሆዋ ንኽእውጁ ትብዓት ሃበቶም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ከም ናይ ሙሴ ዝዓይነታ እምነት መንፈሳዊ ሸቶታት ንኽንስዕብ ትድርኸና

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ባራቕን ዴቦራን ጊዴዎንን ሓገዝ ኣምላኽ ከም ዝረኽቡ መረጋገጺ ብምርካቦም ተበራቲዖም እዮም