ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝኽሪ እተቐትሉ መሰኻኽር የሆዋ ተገይሩ

ዝኽሪ እተቐትሉ መሰኻኽር የሆዋ ተገይሩ

ዝኽሪ እተቐትሉ መሰኻኽር የሆዋ ተገይሩ

ብ7 መጋቢት 2002 ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ሃንጋሪ እትርከብ ከተማ ኮርመንድ ናይ ዝኽሪ ጽላት ተመረቐ። እዚ ጽላት እዚ ንዝኽሪ እቶም ብ1945 ብናዚ እተቐትሉ ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተቐርጸ እዩ።

እቲ ጽላት ኣብቲ ቕትለት እተፈጸመሉ ሕጂ ኣብ ጐደና ሁንዮዲ ዝርከብ ቀንዲ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ እዩ ዝርከብ። እቲ ንዝኽሪ እተዳለወ ጽላት ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ነበሮ:- ‘ሕልናኦም ስለ ዘየፍቀደሎም ኣብ መጋቢት 1945 እተቐትሉ ክርስትያናት:- ኣንታል ሆይኒች (1911-1945): በርታላን ሳቦ (1921-1945): ያኖሽ ዦንዶር (1923-1945): 2002: ናይ የሆዋ መሰኻኽር።’

እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኽውዳእ ክልተ ወርሒ ጥራይ ክተርፎ ኸሎ እዮም ተቐቲሎም። ስለምንታይ እዮም ግን ተቐቲሎም፧ ኣብ ሃንጋሪ እትሕተም ቫሽ ኔፐ እትበሃል ጋዜጣ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሂትለር ኣብ ጀርመን ስልጣን ምስ ሓዘ: ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰኑስ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሃይማኖታዊ እምነቶም እንተ ዘይክሒዶም መስጐጕትን ስቓይን ይወርዶም: ኣብ መዳጐኒ ደንበ ይዳጐኑ: ከምኡውን ይቕተሉ ነይሮም። . . . ኣብ መጋቢት 1945 ኣብ ምዕራባዊ ሃንጋሪ ራዕዲ ሰፊኑ ነበረ። . . . ገለ ኻብዚ ራዕዲ ዝፈጠረ ነገር ንኣባላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምጥራዝን ምቕታልን ተግባር እዩ ነይሩ።”

እቲ ነታ ጽላት ንምምራቕ እተገብረ መደብ ክልተ ኽፋል ዝሓዘ ነበረ። እቲ ቐዳማይ ክፋል ኣብ ትያትር ባትያንዪ ካስትል ዝበሃል ቦታ እተገብረ ዀይኑ ኣብኡ ድማ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝርከብ ማእከል ምስናድ ጃምላዊ ቕትለት ናዚ ፕሮፌሰር ሳቦትች ሲታ: ኣባል ባይቶ ኮሚተ ሰብኣዊ መሰላትን ውሑዳንን ሃይማኖታዊ ጕዳያትን ላስሎ ዶናች: ከምኡውን ሕጂ ናይታ ኸተማ ጸሓፍ ታሪኽ ኰይኑ ዝዓዪ ዘሎ ኣብቲ ቕትለት ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ካልማን ኮምያቺ ዝርርብ ኣቕሪቦም። እቶም ካብ 500 ዝበዝሑ ኣብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ ሰባት ኣብቲ ኻልኣይ ክፋል ናይቲ መደብ ንምክፋል ብማእከል እቲ ኸተማ ተጓዕዙ: ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ድማ ከንቲባ ኸተማ ኮርመንድ ዮዠፍ ሆንፊ ነቲ ሸፊንዎ ዝነበረ ጨርቂ ብምቕላዕ ነቲ ጽላት መረቖ።

ያን ዞንዶር (ያኖሽ ዦንዶር) ኣብታ ናይ ስንብታ ደብዳበኡ ንክርስትያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከይሓዝኑ ተማሕጺንዎም ነይሩ። ደብዳበኡ ኸምዚ ትንበብ:- “እተን ኣብ ራእይ 2:10 ዝርከባ ‘ክሳዕ ሞት እሙን ኩን’ ዝብላ ዮሃንስ ዝጸሓፈን ቃላት ሕጂውን ኣብ ኣእምሮይ ይድውላ ኣለዋ። . . . ከም ገበነኛ ዘይኰነስ ምእንቲ ሓቂ እመውት ስለ ዘለኹ: ንዅሎም ፈተውተይ ኣይትሕዘኑ ኢልኩም ንገሩለይ።”

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

በርታላን ሳቦ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ኣንታል ሆይኒች

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ያን ዞንዶር