ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅንዕና ንበይኑ ኣኻሊ ድዩ፧

ቅንዕና ንበይኑ ኣኻሊ ድዩ፧

ቅንዕና ንበይኑ ኣኻሊ ድዩ፧

ቅንዕና ኣብ ናብራ ህይወትና ብሓቂ ዘድልየና ባህሪዶ እዩ፧ ሓደ መዝገበ ቓላት ነታ “ቕንዕና” እትብል ቃል “ተንኰል ዘይምህላው፣ ግርህና፣ ሓቅነት፣ ንጽህና፣ ተኣማንነት” ብምባል ገሊጹዋ ኣሎ። እዛ ባህሪ እዚኣ ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ከም ዝህልወና እትገብር ባህሪ እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ: ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ: ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተአዘዝዎም” ብምባል መዓዶም። (ቈሎሴ 3:22) ከምዚ ዝኣመሰለ ብቕንዕና ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ኽህልዎ ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧ ሎሚ ቕኑዓት ሰባት ስራሕ ናይ ምርካብን ኣብ ስራሕ ናይ ምቕጻልን ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኣለዎም።

ይኹን እምበር: ቅንዕና ተፈታዊ ባህሪ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዝትንክፎ ብምዃኑ እዩ። ጥንታዎት እስራኤላውያን ነቲ ሕግታትን በዓላትን ተጠንቂቖም ክሕልውዎ ኸለዉ በረኸት ኣምላኽ ይረኽቡ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ብዛዕባ ንጽህና ጉባኤ ክዛረብ ከሎ ንክርስትያናት ከምዚ ብምባል ተላበዎም:- “ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይ​መጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር: በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን።” (1 ቈረንቶስ 5:8) ኣምልኾና ብኣምላኽ ተቐባልነት ንኽረክብ ቅንዕና ናይ ግድን ክህልወና ኣለዎ። ይኹን እምበር: ቅንዕና ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። ኣብ ሓቂ እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ።

እቶም ንታይታኒክ ዝሰርሑዋን ብእኣ ዝጐዓዙ ዝነበሩን ኣይትጥሕልን እያ ኢሎም ብቕንዕና ይኣምኑ ነበሩ። ይኹን እምበር: ብ1912 ንመጀመርታ ግዜ ክትጐዓዝ ከላ ምስ ከውሒ በረድ ተጋጭያ 1,517 ሰባት ለኪማ ጠፍአት። ገለ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ንኣምላኽ ብቕንዕና የምልኽዎ ከም ዝነበሩ እዮም ዝኣምኑ ነይሮም: ይኹን እምበር ቅንኦም ‘ብፍልጠት ኣይነበረን።’ (ሮሜ 10:2) ብኣምላኽ ተቐባልነት ክንረክብ ንደሊ እንተደኣ ዄንና እቲ ቕኑዕ እምነትና ኣብ ርጡብ ፍልጠት እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ብቕንዕናን ብሓቅን ምምላኽ ክበሃል ከሎ እንታይ ከም ዘጠቓልል ንኸረድኡኻ ሕጕሳት እዮም።