ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብዙሕ ፍረ ፍረዩ’

‘ብዙሕ ፍረ ፍረዩ’

‘ብዙሕ ፍረ ፍረዩ’

“ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: . . . ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።”​—⁠ዮሃንስ 15:8

1. (ሀ) የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ንምዃን ዘድሊ እንታይ ብቕዓት እዩ ንሃዋርያቱ ዝጠቐሰሎም፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

 እዋኑ ድሮ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት እዩ ነይሩ። የሱስ ኣቐዲሙ እኹል ግዜ ወሲዱ ንሃዋርያቱ ኣተባቢዕዎም ነበረ። ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ምስ ሓለፈ እውን የሱስ ነቶም ፈተውቱ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ ዝርርቡ ቐጸለ። ድሕርዚ ኣብ መንጎ እቲ ዝርርብ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኖም ንክቕጽሉ ዘኽእሎም ተወሳኺ ብቕዓት ነገሮም። “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር: ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 15:8) ንሕናኸ ነዚ ደቀ መዛሙርቲ ንኽንከውን ዘድልየና ብቕዓት ነማልኦ ዲና፧ ‘ብዙሕ ፍረ ምፍራይ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ: ነቲ የሱስ በታ ምሸት እቲኣ እተዛረቦ ምልስ ኢልና እስከ ንርኣዮ።

2. የሱስ ኣብታ ድሮ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት ብዛዕባ ፍረ ዝምልከት እንታይ ምስላ እዩ ዝመሰለ፧

2 እቲ ፍረ ኽፈርዩ ዝሃቦ ማዕዳ: ክፍሊ ናይታ የሱስ ንሃዋርያቱ ዝመሰለሎም ምስላ እዩ ነይሩ። እታ ምስላ እዛ እትስዕብ እያ:- “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ: ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ: ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና: ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ: የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ: ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል: ድሮ ንጹሃት ኢኹም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይጸንዔ: ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል: ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም: ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ: ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም: . . . ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር: ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ: ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ: ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። . . . ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።”​—⁠ዮሃንስ 15:1-10

3. ሰዓብቲ ክርስቶስ ፍረ ንምፍራይ እንታይ እዮም ክገብሩ ዘለዎም፧

3 ኣብዛ ምስላ እዚኣ የሆዋ ተኻሊ: የሱስ ጕንዲ ወይኒ: እቶም የሱስ ዝዛረቦም ዝነበረ ሃዋርያት ከኣ ጨናፍር እዮም። እቶም ሃዋርያት ኣብ የሱስ ‘ክጸንዑ’ ጻዕሪ እንተ ገይሮም: ፍረ ይፈርዩ እዮም። ድሕርዚ የሱስ “ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም” ብምባል ሃዋርያቱ ከመይ ገይሮም ነዚ ኣገዳሲ ሓድነት ክህልዎም ከም ዝኽእል ገለጸሎም። ጸኒሑ ሃዋርያ ዮሃንስ ንክርስትያናት ብጾቱ “እቲ ትእዛዛቱ [ትእዛዛት ክርስቶስ] ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳባት ጸሓፈሎም። a (1 ዮሃንስ 2:24፣ 3:24) ስለዚ: ሰዓብቲ ክርስቶስ ትእዛዛቱ ብምሕላው ኣብኡ ይጸንዑ: እዚ እውን ብግዲኡ ፍረ ንኽፈርዩ የኽእሎም። እቲ ኽንፈርዮ ዘሎና ፍረ ግን እንታይ እዩ፧

ምምሕያሽ ንምግባር ኣጋጣሚ ኣሎ

4. የሆዋ ነቲ ዘይፈሪ ዘበለ ጨንፈር “የርሕቖ” ምዃኑ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝህበና፧

4 ኣብታ ብዛዕባ ተኽሊ ወይኒ እትገልጽ ምስላ: የሆዋ ነቲ ዘይፈሪ ጨንፈር “የርሕቖ” ወይ ይጽልጽሎ እዩ። እዚ እንታይ እዩ ዝሕብረና፧ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ፍረ ኽፈርዩ ኸም ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ኵነታቶም ወይ ዓቕሞም ብዘየገድስ ክፈርዩ ኸም ዝኽእሉ እዩ ዝሕብር። ከመይሲ: ንሓደ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዘይገበረ ኢልካ ‘ምርሓቕ’ ወይ ምግላፍ ምስ ፍቕራዊ መገድታት የሆዋ ዝጻረር እዩ።​—⁠መዝሙር 103:14፣ ቈሎሴ 3:23፣ 1 ዮሃንስ 5:3

5. (ሀ) እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ ፍረ ብምፍራይ ዝመጸ ምምሕያሽ ክንገብር ከም እንኽእል ዝሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ክልተ ዓይነት ፍረ ኢና ብሕጂ ኽንምርምር፧

5 የሱስ ብዛዕባ እቲ ተኽሊ ወይኒ ዝመሰሎ ምስላ: ከም ደቀ መዛሙርቲ መጠን ኣብ እንገብሮ ንጥፈታት ብዓቕምና ዕቤት ክንገብር ከም ዝግብኣና እዩ ዘርኢ። የሱስ “ነቲ ኣባይ ዘሎ: ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና: ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ: የጽርዮ” ከም ዝበለ ኣስተብህል። (ዮሃንስ 15:2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነታ ምስላ ገሊጹ ኽዛዝም ከሎ: ንሰዓብቱ “ብዙሕ ፍረ ” ኽፈርዩ ተማሕጺንዎም እዩ። (ቍጽሪ 8) ኣብዚ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኽመሓላለፈልና ተደልዩ ዘሎ፧ ከም ደቀ መዛሙርቲ መጠን ክሳዕ ኣብዚ ይኣኽለና ኽንብል የብልናን። (ራእይ 3:14, 15, 19) ኣብ ክንድኡስ: ፍረ ብምፍራይ ዝመጸ ምምሕያሽ ንምግባር ክንጽዕር ኣሎና። እንታይ ዓይነት ፍረ ግን ኢና ብብዝሒ ኽንፈሪ ዘሎና፧ (1) “እቲ ፍረ መንፈስ”: (2) ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ኢና ኽንፈሪ ዘሎና።​—⁠ገላትያ 5:22, 23፣ ማቴዎስ 24:14

ፍረ ክርስትያናዊ ባህርያት

6. የሱስ ክርስቶስ እታ ቐዳመይቲ እተጠቕሰት ፍረ መንፈስ ኣገዳሲት ምዃና ብኸመይ ኣጕልሐ፧

6 ካብቲ “ፍረ መንፈስ” እታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ እያ። ክርስትያናት ነቲ የሱስ ብዛዕባ ምስላ እታ ፍረ እትፈሪ ተኽሊ ወይኒ ቀቅድሚ ምምሳሉ ዝሃቦም ትእዛዝ ስለ ዝሕልዉ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣባታቶም ከም እትፈሪ ይገብራ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 13:34) አረ ኣብታ ቀቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸትሲ ፍቕሪ ኸርእዩ ኸም ዘድልዮም ብተደጋጋሚ ኣዘኻኺርዎም እዩ።​—⁠ዮሃንስ 14:15, 21, 23, 24፣ 15:12, 13, 17

7. ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍረ ምፍራይ ምስቲ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ምስ ምንጽብራቕ ከም ዝተሓሓዝ ብኸመይ ሓበረ፧

7 እቲ በታ ምሸት እቲኣ ኣብኡ ዝነበረ ጴጥሮስ እታ ክርስቶስ ዘንጸባረቓ ዓይነት ፍቕርን ካልእ ምስኣ ዝተኣሳሰር ባህርያትን ኣብ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክርአ ኸም ዘለዎ ተረዲእዎ ነበረ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ጴጥሮስ ንክርስትያናት ከም ምግታእ ርእሲ: ምፍቃር ኣሕዋት: ከምኡውን ፍቕሪ ኸማዕብሉ ኣተባብዖም። ኣስዕብ ኣቢሉ: ከምዚ ምስ እንገብር “ሃካያትን ዘየፍርዩን” ንኸይንኸውን ከም ዝሕግዘና ገለጸ። (2 ጴጥሮስ 1:5-8) ኵነታትና ብዘየገድስ ፍረ መንፈስ ክንፈሪ ንኽእል ኢና። እምበኣር: ፍቕሪ: ለውሃት: ህድኣት: ከምኡውን ካልእ ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ብዝበለጸ ኸነንጸባርቕ ንጽዓር: ከመይሲ “ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን” ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ደረት የብሉን። (ገላትያ 5:23) እወ: ‘ኣዚና ንፍረ።’

ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ምፍራይ

8. (ሀ) ኣብ መንጎ ፍረ መንፈስን ፍረ መንግስቲ ኣምላኽን እንታይ ምትእስሳር እዩ ዘሎ፧ (ለ) እንታይ ንዝብል ሕቶ ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

8 ዝበሰለን ምዑዝን ፍረታት ንተኽሊ ዘመልክዖ እኳ እንተዀነ: እቲ ዝህቦ ጥቕሚ ግን ኻብ ምምልካዕ ይበልጽ። ሓደ ተኽሊ ኽራባሕ እንተ ዀይኑ በቲ ኣብ ፍረታት ዝርከብ ዘርኢ ጌርካ እዩ ዝራባሕ። ብተመሳሳሊ: ፍረ መንፈስ ንክርስትያናዊ ባህርያትና ኻብ ምምልካዕ ዝዓቢ ነገር ይገብር እዩ። ከም ፍቕርን እምነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ነቲ ብዘርኢ ተመሲሉ ዘሎ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንዘርኦ ይድርኸና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሕና ድማ ንአምን [ሓንቲ ኻብተን ፍረ መንፈስ]: ስለዚውን ንዛረብ አሎና” ብምባል ነዚ ምትእስሳር እዚ ኣጕልሖ። (2 ቈረንቶስ 4:13) ብተወሳኺውን ጳውሎስ “ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ብምባል እታ ኸነንጸባርቓ ዘሎና ኻልአይቲ ዓይነት ፍረ ገለጸ። (እብራውያን 13:15) ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዝያዳ ንኽንፈሪ: እወ “ብዙሕ ፍረ” ንኽንፈሪ ኣብ ህይወትና ምቹእ ኣጋጣሚታት ኣሎዶ፧

9. ፍረ ምፍራይ ክበሃል ከሎ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ማለት ድዩ፧ ግለጽ።

9 መልሲ ናይዚ ንምርካብ: ፈለማ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦ የድልየና። ፍረ ምፍራይ ክበሃል ከሎ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ማለት እዩ ኽንብል ንኽእልዶ፧ (ማቴዎስ 28:19) እቲ እንፈርዮ ፍረ ብቐዳምነት ነቶም እተጠምቁ ኣምለኽቲ የሆዋ ክዀኑ ዝሓገዝናዮም ውልቀ⁠-​ሰባት ድዩ ዘመልክት፧ ኣይፋልን። ከምዚ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ነቶም ኣብቲ ብዙሕ ፍረ ዘይተረኽቦ ዞባታት ንሓያሎ ዓመታት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዝሰበኹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተስፋ ዘቝርጽ ምዀነ። እቲ እንፈርዮ ፍረ ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ ዝምልከት እንተ ዝኸውን ነይሩ: እዞም ጻዕራማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ኣብ ምስላ የሱስ እተጠቕሰ ፍረ ዘይፈሪ ጨናፍር ምዀኑ። እቲ ነገር ግን ከምኡ ኣይኰነን። እቲ ቐንዲ ኣብ ኣገልግሎትና እንፈርዮ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝራእ ፍረ ዝፈርዩ

10. የሱስ ብዛዕባ ዘራእን እተፈላለየ ዓይነት ሓመድን ዝመሰሎ ምስላ: እቲ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንታይ ከም ዘመልክት: ንምንታይ ግን ከም ዘየመልከት ዝሕብረና ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘራእን እተፈላለየ ዓይነት ሓመድን ዝመሰሎ ምስላ ነቶም ኣብቲ ብዙሕ ፍረ ዘይርከቦ ዞባታት ዝሰብኩ ዘተባብዕ መልሲ ይህበና። የሱስ እቲ ዘርኢ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ: እቲ ሓመድ ድማ ንምሳልያዊ ልቢ ሰብ ከም ዘመልክት ገለጸ። ገሊኡ ዘርኢ “ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ: በቘለ . . . ፈረየ።” (ሉቃስ 8:8) እንታይ ፍረ እዩ ዝፈረየ፧ ብርዒ ስርናይ ምስ ፈረየት: ንኣሽቱ ብርዕታት ስርናይ ዘይኰነስ ሓድሽ ዘርኢ እያ እተፍሪ። ብተመሳሳሊ: ሓደ ክርስትያን ፍረ ይፈሪ ኽበሃል ከሎ: ናይ ግድን ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የምጽእ ማለት ዘይኰነስ ሓድሽ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ይፈሪ ማለት እዩ።

11. ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

11 ስለዚ: ኣብዚ መዳይ እዚ ፍረ ኽበሃል ከሎ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ወይ ሰናይ ክርስትያናዊ ባህርያት ማለት ኣይኰነን። እቲ ዝዝራእ ዘርኢ ቓል መንግስቲ ስለ ዝዀነ: እቲ ፍረ ኸኣ እታ ዘርኢ ዝፈረየቶ ዘርእታት ዘመልክት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ፍረ ምፍራይ ክበሃል ከሎ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ ማለት እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኵነታትና ብዘየገድስ በዚ ኸምዚ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ክንፈሪ ማለት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ንኽእል ዲና፧ እወ: ንኽእል ኢና! ኣብታ ምስላ እቲኣ የሱስ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ።

ንኽብሪ የሆዋ እቲ ዝበለጸ ምሃብ

12. ኵሎም ክርስትያናት ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ክፈርዩ ይኽእሉ ድዮም፧ ግለጽ።

12 የሱስ “እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ . . . ፍረ ይፈሪ: ገሊኡ ሚእቲ: ገሊኡ ስሳ: ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ” በለ። (ማቴዎስ 13:23) ኣብ ግራት እተዘርአ እኽሊ: ከከም ኵነታቱ ዝፈርዮ ምህርቲ ይፈላለ እዩ። ብተመሳሳሊ: ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ እንገብሮ ጻዕሪ ከከም ኵነታትና ይፈላለ እዩ: የሱስ እውን ነዚ ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። ገሊኣቶም ዝያዳ ኣጋጣሚታት ክረኽቡ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ዝሓሸ ጥዕና ወይ ኣካላዊ ብርታዐ ይህልዎም ይኸውን። ስለዚ: እቲ ኽንገብሮ እንኽእል ካብቲ ኻልኦት ዝገብርዎ ኽበዝሕ ወይ ክውሕድ ክኸውን ይኽእል እዩ: እንተዀነ ግን ዝከኣለና ዅሉ ክሳዕ ዝዀነ የሆዋ ይሕጐሰሉ እዩ። (ገላትያ 6:4) ዋላ እኳ እርጋን ወይ ከቢድ ሕማም ኣብ ዕዮ ስብከት ከምቲ እንደልዮ ንኸይነበርክት እንተ ዓገተና: እቲ ሓላዪ ኣቦና የሆዋ ሓደ ኻብቶም ‘ብዙሕ ፍረ ዝፈርዩ’ ገይሩ ኸም ዝርእየና ኣይንጠራጠርን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ‘ዘሎና ዘበለ ዅሉ’ ንህቦ ማለት ብምሉእ ነፍስና ነገልግሎ ኢና። b​—⁠ማርቆስ 12:43, 44፣ ሉቃስ 10:27

13. (ሀ) ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንፈሪ ዘኽእለና ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ ብዙሕ ፍረ ዘይብሉ ዞባታት ብቐጻሊ ፍረ ኽንፈሪ ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧​—⁠(ኣብ ገጽ 21 ዘላ ሳጹን ርአ።)

13 ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ እንፈርየሉ ምኽንያት ወትሩ ንዝክሮ እንተደኣ ዄንና: እቲ እንፈርዮ መጠን ብዘየገድስ: ብቐጻሊ ‘ኽንፈሪ’ ንድረኽ ኢና። (ዮሃንስ 15:16) የሱስ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር” ብምባል እቲ ቐንዲ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 15:8) እወ: ስብከትና ንስም የሆዋ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቅሰብ ይቕድሶ እዩ። (መዝሙር 109:30) ጓል 75 ዓመት ኣቢላ እትኸውን ኦነር እትበሃል እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር “ኣብቲ ብዙሕ ፍረ ዘይርከቦ ዞባታት እውን ከይተረፈ: ወኪል ናይቲ ልዑል ምዃን ዓብዪ መሰል እዩ” በለት። ካብ 1974 ኣትሒዙ ቐናእ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ዘገልገለ ክላውድዮ ኣብ ዞባኡ ብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ ዘይቅበልዎ ክነሶም: ንምንታይ ስብከቱ ኸም ዝቐጸለ ሕቶ ምስ ቀረበሉ: ነተን “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” ዝብላ ኣብ ዮሃንስ 4:34 ዝርከባ ቓላት የሱስ ጠቐሰ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ልክዕ ከም የሱስ ነቲ እተዋህበኒ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክጅምሮ ጥራይ ዘይኰነስ ክፍጽሞ እውን እየ ዝደሊ” በለ። (ዮሃንስ 17:4) ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስዚ ኣበሃህላ ይሰማምዑ እዮም።​—⁠ኣብታ ኣብ ገጽ 21 እትርከብ “ከመይ ጌርካ ‘ብትዕግስቲ ፍረ ኸም እትፈሪ’ ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ንምስባኽን ንምምሃርን

14. (ሀ) ዮሃንስ መጥመቕን የሱስን ዝፈጸምዎ ዕዮ እንታይ ክልተ ዕላማ ነበሮ፧ (ለ) ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ብኸመይ ትገልጾ፧

14 ኣብ ወንጌላት ተጠቒሱ እንረኽቦ ናይ መጀመርታ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ። (ማቴዎስ 3:1, 2፣ ሉቃስ 3:18) ቀንዲ ዕላምኡ “ኪምስክር” እዩ ነይሩ: ነዚ ድማ ብልዑል እምነትን “ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ” ተስፋ ብምግባርን ፈጸሞ። (ዮሃንስ 1:6, 7) እወ: ገለ ኻብቶም ዮሃንስ ዝሰበኸሎም ሰባት: ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኰይኖም እዮም። (ዮሃንስ 1:35-37) ስለዚ: ዮሃንስ ይሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ይገብርን ነበረ። የሱስ እውን ሰባኽን መምህርን እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:23፣ 11:1) ስለዚ እምበኣር የሱስ ንሰዓብቱ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ነቲ መልእኽቲ ዝቕበሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኽገብርዎም ትእዛዝ ምሃቡ ዘገርም ኣይኰነን። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብዚ ግዜና እንገብሮ ዕዮ እውን ምስባኽን ምምሃርን ዘጠቓለለ እዩ።

15. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ኣብዚ ግዜና ንዝግበር ዕዮ ስብከት እተራእየ ምላሽ እንታይ ምምስሳል ኣለዎ፧

15 ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ክምህር ከሎ ዝሰምዕዎ ሰባት: “ገሊኦም ነቲ እተነግረ አመንዎ: ገሊኦም ግና አበይዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 28:24) ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ዘሕዝን: ዝበዝሕ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ፍረ ኣብ ዘይፈሪ ሓመድ እዩ ዝወድቕ ዘሎ። ይኹን እምበር: ገሊኡ ዘርኢ ኸምቲ የሱስ እተነበዮ ኣብ ጽቡቕ ሓመድ ይወድቕ እሞ ሱር ሰዲዱ ይበቍል። ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም ኣብ ሰሰሙን ልዕሊ 5,000 ሰባት ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ይዀኑ ኣለዉ። ዝበዝሑ ሰባት ነቲ መልእኽቲ እኳ እንተ ኣበይዎ: እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ግን “ነቲ እተነግረ አመንዎ።” ልቦም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክቕበሎ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእይዎ ብሕታዊ ተገዳስነት​—⁠ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ሓድሽ ዝበቘለ ዘርኢ ማይ ብምስታዮም​—⁠ነቶም ሰባት ፍሉይ ጦብላሕታ የሕዲርሎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:6) እምበኣር ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት ክልተ ጥራይ እስከ ንርአ።

ብሕታዊ ተገዳስነት ፍሉይ ጦብላሕታ የሕድር

16, 17. ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእዮም ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣብ በልጅዩም እትነብር ካሮሊን እትበሃል መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር: ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኽትምስክረላ ናብ ቤታ ምስ ከደት: እታ ሰበይቲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣየርኣየትን። እታ ሰበይቲ ኢዳ ተጀኒና ስለ ዝነበረት: ካሮሊንን ብጸይታን ክሕግዛኣ ፈተና። ንሳ ግን ክሕግዛኣ ኣይፈቐደትለንን። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ እዘን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ሰበይቲ ተመሊሰን ብዛዕባ ጥዕናኣ ሓተታኣ። ብዛዕብኡ እውን ካሮሊን “እዚ ነገርዚ ፍሉይ ጦብላሕታ ኣሕደረላ። ንሕና ብሓቂ ኸም ሰብ መጠን ከም እንግደሰላ ምፍላጣ ኣስደመማ። ናብ ቤታ ኽንኣቱ ዓደመትና: መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ክንሕግዛ ድማ ጀመርና” በለት።

17 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ሳንዲ ነቶም እትሰብከሎም ብሕታዊ ተገዳስነት ተርእዮም እያ። ብዛዕባ ሓደስቲ እተወልዱ ቘልዑ ዝገልጽ ኣብታ ኸተማ ኣብ እትሕተም ጋዜጣ ዝርከብ ዓምዲ ትርኢ እሞ ድሕሪኡ ነቶም ወለዲ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ሒዛ ትበጽሖም። c ዝበዝሕ ግዜ እታ ኣደ ኣብ ቤት ስለ እትጸንሕን ነቶም ክበጽሕዋ ዝመጹ ሰባት ውላዳ ተሓጒሳ ስለ እተርእዮምን: ዝርርብ ይጅመር እዩ። ሳንዲ ብዛዕባዚ ኣመልኪታ “ነቲ ሓድሽ ውላድ መጽሓፍ ብምንባብ ማእሰር ፍቕሪ ኽምስርቱ ኣድላዪ ምዃኑ ነቶም ወለዲ አዕልሎም። ጸኒሐ ኣብ ሕብረተሰብና ቘልዓ ምዕባይ ብዛዕባ ዘምጽኦ ጸገማት አዘራርቦም” በለት። ኣብዚ ቐረባ ግዜ በዚ መዳይ እዚ ምብጻሕ እተገብረላ ኣደ ምስ ሽዱሽተ ደቃ ንየሆዋ ኸተገልግል ጀሚራ ኣላ። ንሕናውን ኣብ ኣገልግሎትና ተበገሶ ምስ እንወስድን ብሕታዊ ተገዳስነት ምስ እነርእን ተመሳሳሊ ዘሐጕስ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

18. (ሀ) ‘ብዙሕ ፍረ ምፍራይ’ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እተጠቕሰ እንታይ ሰለስተ ደቀ መዛሙርቲ ንምዃን ዘኽእል ረቛሒታት ኢኻ ኸተማልእ ቈሪጽካ ዘሎኻ፧

18 ‘ብዙሕ ፍረ ኽንፈሪ’ ኸም እንኽእል ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ! ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ጥዕና ይሃልወና ኣይሃልወና: እንሰብከሉ ዞባ ብዙሕ ፍረ ዘለዎ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: ኵላትና ብዙሕ ፍረ ኽንፈሪ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ፍረ መንፈስ ዝያዳ ብምፍራይን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዓቕምና ብዝፈቕደልና መጠን ብምዝራእን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ድማ ‘ኣብ ቃል የሱስ ጸኒዕና’ ንምቕጻልን ‘ነንሓድሕድና ፍቕሪ ኽትህልወናን’ ንጽዕር ኢና። እወ: ነዚ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እተጠቕሰ ደቀ መዛሙርቲ ንምዃን ዘኽእለና ሰለስተ ኣገደስቲ ረቛሒታት ብምምላእ: ‘ብሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ’ ምዃንና ነርኢ ኢና።​—⁠ዮሃንስ 8:31፣ 13:35

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ብዛዕባ ጕንዲ ወይንን ጨናፍሩን እትገልጽ ምስላ ነቶም ሃዋርያት የሱስን ነቶም ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝወርሱ ኻልኦት ክርስትያናትን እተመልክት እኳ እንተዀነት: ንዅሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝጠቅም ሓቅታት እውን ዝሓዘት እያ።​—⁠ዮሃንስ 3:16፣ 10:16

b እቶም ብሰንኪ እርጋን ወይ ሕማም ካብ ዓራቶም ክትንስኡ ዘይክእሉ: ብደብዳበ: ዝከኣል እንተ ዀይኑ ብተሌፎን: ወይ ነቶም ክበጽሕዎም ዝመጹ ሰባት ክምስክሩሎም ይኽእሉ እዮም።

c ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት

• ብብዝሒ ኽንፈርዮ ዘሎና ፍረ እንታይ እዩ፧

• ‘ብዙሕ ፍረ ምፍራይ’ ልዕሊ ዓቕምና ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እተጠቕሰ እንታይ ሰለስተ ደቀ መዛሙርቲ ንምዃን ዘኽእል ረቛሒታት ኢና እተመያየጥናሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ከመይ ጌርካ ‘ብትዕግስቲ ፍረ ኸም እትፈሪ’

ብቲ ብዙሕ ፍረ ዘይርከቦ ዞባ ብተኣማንነት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትሰብኽ ዝሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ኽጠቕመካ ዝኽእል ነዛ ሕቶ እዚኣ እተዋህበ መልስታት እንሆ:-

“የሱስ ምሉእ ደገፉ ኸም ዝህበና ምፍላጠይ ኣብቲ ዞባ ዘጋጥመኒ ዅነታት ብዘየገድስ ኣወንታውን ሓቦኛን ንክኸውን ኣበራቲዑኒ።”​—⁠ብ1946 እተጠምቀ ወዲ 72 ዓመት ሃሪ

ካልኣይ ቈረንቶስ 2:17 ወትሩ ተተባብዓኒ እያ። ኣብ ኣገልግሎት ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና’ ኸም እንዛረብ እያ እትገልጽ። ኣብ ኣገልግሎት ምስቶም ዝበለጹ ኣዕሩኸይ ምዃነይ የሐጕሰኒ እዩ።”​—⁠ብ1974 እተጠምቀ ወዲ 43 ዓመት ክላውድዮ

“ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ዕዮ ስብከት ንዓይ ቃልሲ እዩ ዝዀነኒ። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብ መዝሙር 18:29 ዝርከብ ‘ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ’ ዝብል ቃላት ተመኲረዮ እየ።”​—⁠ብ1955 እተጠምቀ ወዲ 79 ዓመት ጀራርድ

“ኣብ ኣገልግሎት ሓንቲ ጥቕሲ ጥራይ እኳ ኸንብብ እንተ ኽኢለ: ሓደ ሰብ ንልቡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ክምርምሮ ኸፍቅድ ከሎ ብምርኣየይ የዕግበኒ እዩ።”​—⁠ብ1989 እተጠምቀት ጓል 26 ዓመት ኤለኖር

“እተፈላለየ ሜላታት እየ ዝጥቀም። ብዙሕ ሜላታት ስለ ዘሎ ኣብ ዝተረፈ ዓመታት ህይወተይ እኳ ንዅሉ ተጠቂመ ኽውድኦ ኣይክእልን እየ።”​—⁠ብ1940 እተጠምቀ ወዲ 79 ዓመት ፖል

“ሰባት ምስ ዘይቅበሉኒ ኣይጕህን እየ። ንሰባት ምቕሉል ኰይነ ብምቕራብ አዘራርቦም: ኣረኣእያኦም ከኣ እሰምዕ።”​—⁠ብ1946 እተጠምቀ ወዲ 75 ዓመት ዳንየል

“ስብከተይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንክዀኑ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረሎም ዝነገሩኒ ሓደስቲ ጥሙቓት ኣጋጢሞምኒ እዮም። ኣነ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ: ካልእ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሂርዎምን ዕቤት ንኽገብሩ ሓጊዝዎምን እዩ። ኣገልግሎትና ተደጋጊፍና እንዓዮ ምዃንና ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ።”​—⁠ብ1954 እተጠምቀት ጓል 66 ዓመት ጆኣን

‘ብትዕግስቲ ፍረ ንኽትፈሪ’ ዝሕግዘካ እንታይ እዩ፧​—⁠ሉቃስ 8:15

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ፍረ መንፈስ ብምፍራይን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን ብዙሕ ፍረ ንፈሪ ኢና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም” ኢሉ ኽዛረቦም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧