ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ከም እትሕዝ

ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ከም እትሕዝ

ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ከም እትሕዝ

ኣብዛ ሎሚ ብሰንኪ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ: ሓያል ውድድር: ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ምህርቲ ንምፍራይ ዝገብር ጻዕሪ ጸቕጢ ዝበዝሓ ዓለም: ሓያሎ ሰባት መዓልቲ መዓልቲ ተሓጒሶም ኣይኰኑን ናብ ስራሕ ዝኸዱ። ይኹን እምበር: ብስራሕና ኽንሕጐስ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብምስሊ ኣምላኽ ኢና ተፈጢርና: ኣምላኽ ከኣ ብስርሑ ይሕጐስ እዩ። ንኣብነት: ኣብ መወዳእታ እተን ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት “መዓልትታት” ዝበሃላ ንውሕ ዝበላ እዋናት: ነቲ ስርሑ ምልስ ኢሉ ኽምርምር ከሎ ዝበሎ ኣመልኪታ ዘፍጥረት 1:31 “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ትብለና።

ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ከብሎ ዝኸኣለ ምኽንያት ስራሕ ምፍታዉ ኸም ዝዀነ ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW ) እምበኣር: ዝያዳ ንዕኡ ብዝመሰልና መጠን: ዝያዳ ሓጐስዶ ኣይኰንናን እንረክብ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ: እቲ ብሉጽ ሃናጽን ኣመሓዳርን ዝነበረ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ሰሎሞን “ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” በለ።​—⁠መክብብ 3:13

ኣብዚ ኣብ ስራሕ ቅልጡፍ ለውጥታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝሃቦም መምርሒ ዝስዕቡ ሰባት ይባርኾም እዩ። (መዝሙር 119:99, 100) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣኽቢርካ ዝረኣዩን እሙናትን ሰራሕተኛታት ይዀኑ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብ ስራሕ ንኽባረሩ ዘለዎም ኣጋጣሚ ይጸብብ። ህይወቶምን ስርሖምን ብስጋዊ ዓይኒ ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ምርኣይ እውን ይመሃሩ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ህይወቶም ከቢድ ውሳነታት ንኽገብሩ ከምኡውን ሓጐሶምን ድሕንነቶምን ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ተቐያያሪ ባህሪ ዘለዎ ስርሖም ከም ዝምርኰስ ንኸይገብርዎ የኽእሎም። (ማቴዎስ 6:31-33፣ 1 ቈረንቶስ 2:14, 15) ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኸጥርዩ ኸኣ ይሕግዞም።

ብዛዕባ ስራሕ ዘሎካ ኣረኣእያ ኣምላኽ ዝሕጐሰሉ ኸም ዝኸውን ግበሮ

ገሊኣቶም ሰባት ንስርሖም ልዕሊ ዅሉ ስለ ዝሰርዕዎ: ብስራሕ ውሉፋት እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ካብ ስራሕ ተፈዲሶም ናብ ቤቶም ዝኸዱላ ሰዓት ክትኣኽለሎም ብሃንቀውታ ዝጽበዩ እዮም። ሚዛናዊ ኣረኣእያ ግን ከመይ ዝበለ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ” ብምባል መልሲ ናይዚ ይህበና። (መክብብ 4:6) ብዓይኒ ሓቂ እንተ ተራእዩ: ካብ መጠን ንላዕሊ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ወይ ልዕሊ ዓቕምኻ ንነዊሕ እዋን ምስራሕ ኣብ ክንዲ ረብሓ ጕድኣት እዩ ዘምጽእ። እወ: “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” ወይ እውን ከንቱ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ከምኡ ኽንገብር ከሎና ኣብቲ ቐንዲ ምንጪ ሓጐስና ዝዀነ ነገራት ማለት ኣብቲ ምስ ስድራ​ቤትናን ፈተውትናን ዘሎና ርክብ: ኣብ መንፈሳውነትና: ኣብ ጥዕናና: ከምኡውን ኣብ ዕምርና ጕድኣት ከነውርድ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክበሃል ከሎ: ካብ ሕፍኒ ስራሕ ምስ ህውከትን ጸበባን: ሒደት ኣታዊ ምስ ሰላም ማለት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኽብል ከሎ: ትህኪት የተባብዕ ኣሎ ማለት ኣይኰነን። (ምሳሌ 20:4) ትህኪት ንርእስኻ ከም እትድርቢ ይገብር: ካልኦት ኣባኻ ኽህልዎም ዝኽእል ኣኽብሮት የጥፍእ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ የበላሽዎ። ክሰርሕ ዘይደሊ ሰብ: ካልኦት ዝሰርሑሉ ኽበልዕ ከም ዘይግባእ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 3:10) ኣብ ክንድኡስ: መገዱ ኸዐርን ኣበርቲዑ ኽዓዪን ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንርእሱን ነቶም ዘመሓድሮምን ዘድሊ ነገራት የማልእ። ተጊሁ ብምዕያይ ነቶም ስኡናት እውን ከማቕሎም ይኽእል ይኸውን: እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ዝድግፎ ተግባር እዩ።​—⁠ምሳሌ 21:25, 26፣ ኤፌሶን 4:28

ካብ ግዜ ቍልዕነት ጀሚርካ ፍቕሪ ስራሕ ምሕዳር

ፍቕሪ ስራሕ ብሃንደበት ዝመጽእ ነገር ኣይኰነን፣ ካብ ግዜ ቝልዕነት ጀሚርካ እትመሃሮ ነገር እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ብምባል እተላበዎም። (ምሳሌ 22:6) ጥበበኛታት ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ኣብነት ይዀንዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ገዛ ምስ ዕድሚኦም ዝመጣጠን ዕዮ ብምሃብ የላምድዎም እዮም። ውሉዳት ንገሊኡ ዕዮ ገዛ ዘይፈትዉዎ እኳ እንተዀኑ: ብፍላይ ናእዳ ኣደን ኣቦን ምስ ዝረኽቡ: ኣብታ ስድራ​ቤት ዋጋ ኸም ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዝስምዖም። እቲ ዘሕዝን ግን: ገሊኣቶም ወለዲ ሕያውነት ስለ ዝመስሎም: ንደቆም ስራሕ ዝበሃል ኣየትሕዝዎምን እዮም። ከምዚአቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ነቲ ኣብ ምሳሌ 29:21 (NW ) ዝርከብ “እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዓበየ ባርያ [ወይ ውሉድ]: ኣብ መወዳእታ ዘይመማሰዊ ይኸውን” ዝብል ማዕዳ ኽሓስቡሉ ይግባእ።

ሓላፍነት ዝስምዖም ወለዲ ንደቆም ኣብ ትምህርቲ ትጉሃት ንክዀኑ የተባብዕዎም እዮም። እዚ ደሓር ንውሉዳት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክጠቕሞም ይኽእል እዩ።

ኣብ እትመርጾ ስራሕ ጥበበኛ ኹን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ ከም ዘሎና ዘይነግረና እኳ እንተዀነ: ንመንፈሳዊ ዕቤትና: ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት: ከምኡውን ንኻልእ ኣገዳሲ ሓላፍነታትና ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸይነእትዎ ጽቡቕ መምርሒ ይህበና እዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ: . . . ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ: እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 7:29-31) ኣብዚ ኣገባብ እዚ ነባሪ ወይ ዘይሓልፍ ነገር የለን። ኵሉ ግዜናን ጕልበትናን ነዚ ሓላፊ ነገር ምሃብ ማለት: ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዘጋጥም ኣብ ዝፍለጠሉ ቦታ ዕድሜና ምሉእ ዘጥረናዮ ገንዘብ ካብ ምውፋር ተፈልዩ ዝርአ ኣይኰነን። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዕሽነት ዝመልኦ ወፍሪ ዀን እዩ!

ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” እትብል ሓረግ “ብእኡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተታሕዙ ይኹኑ” ኢሉ ተርጒሙዋ ኣሎ። (ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን ) ጥበበኛታት ሰባት እዚ ኣገባብ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ “ሓጺር” ምዃኑን ኣብኡ ‘ምሉእ ብምሉእ ትሑዝ’ ምዃን ከኣ መወዳእታኡ ናብ ጓህን ጣዕሳን ከም ዝመርሕ ይርድእዎ እዮም።​—⁠1 ዮሃንስ 2:15-17

‘ኣምላኽ ዕሽሽ ከቶ ኣይክብለካን እዩ’

የሆዋ ኻባና ንላዕሊ ዘድልየና ነገራት ይፈልጥ እዩ። ዕላምኡ ኣብ ምፍጻም ኣበየናይ እዋን ከም ዘሎና እውን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ “[ኣምላኽ] ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ​ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ብምባል ዘዘኻኽረና። (እብራውያን 13:5) እዘን ቃላት እዚኣተንስ ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዓ ዀን እየን! የሱስ ነቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮት ብምቕዳሕ: ካብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዝበዝሕ ክፋል ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ስራሕን ስጋዊ ነገራትን ቅኑዕ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ኣብ ምምሃር ኣውዓሎ።​—⁠ማቴዎስ 6:19-33

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትምህርትታት እዚ ኽስዕቡ እዮም ዝጽዕሩ። ንኣብነት: ሓደ ኣስራሒ ንሓደ ናይ ኤለክትሪክ ሞያተኛ ናይ የሆዋ ምስክር ብቐጻሊ ኻብቲ ልሙድ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝዛይድ ንኽሰርሕ ምስ ሓተቶ: እቲ ሰራሕተኛ ነዚ ኣይተቐበሎን። ስለምንታይ፧ ዓለማዊ ስርሑ ነቲ ንስድራ​ቤቱን ንመንፈሳዊ ነገራትን ዝመደቦ ግዜ ኽዓናቕፎ ስለ ዘይፈቐደ እዩ። ትጉህን እሙንን ሰራሕተኛ ብምንባሩ ግን ኣስራሒኡ ነቲ ድሌቱ ኣኽበረሉ። ልክዕ እዩ: ወትሩ ኸምዚ የጋጥም ማለት ኣይኰነን: ሓድሓደ ግዜ እውን ሚዛናዊ ናብራ ንምምራሕ ስራሕ ክትቅይር የድልየካ ይኸውን። ይኹን እምበር: እቶም ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ዝገብሩ: ጽቡቕ ባህሪ ዘለዎምን ትጉሃትን ስለ ዝዀኑ መብዛሕትኡ ግዜ ሞገስ ኣስራሒኦም ይረኽቡ እዮም።​—⁠ምሳሌ 3:5, 6

ኵሉ ስራሕ ዓስቢ ዘለዎ ዝዀነሉ እዋን

ኣብዚ ዘይፍጹም ኣገባብ እዚ: ኵሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሽግርን ስግኣትን ክህሉ እዩ። ኣብ ዓለም ዘይምርግጋእ ምስ ዝህሉ: ቍጠባዊ ዅነታት ክብ ለጠቕ ምስ ዝብል: ወይ ከኣ ፈጺሙ ምስ ዝወድቕ እቲ ዅነታት ክጋደድ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ዅነታት እዚ ነባሪ ኣይኰነን። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኵሉ ሰብ ስራሕ ክህልዎ እዩ። ብዘይ​ካዚ: ኵሉ ስራሕ ብሓቂ ዘደንቕን ዓስቢ ዘለዎን ክኸውን እዩ። እዚ ብኸመይ እዩ ክኸውን፧ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ዘምጽእከ መን እዩ፧

የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕባ እዚ ግዜ እዚ ሓቢሩ እዩ። “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 65:17) ብዛዕባ እታ ባዕሉ ዘቝማ ሓዳስ መንግስቱን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲኣ ዝግዛእ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብን እዩ ዝዛረብ ነይሩ።​—⁠ዳንኤል 2:44

ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝህሉ ኣነባብራን ስራሕን እቲ ትንቢት ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም: ተርፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ: ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:21-23

ኣብታ ኣምላኽ ዘቝማ ሓዳስ ዓለምሲ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ ዀን እዩ ኽህሉ! ‘ንኸንቱ ኣብ ዘይትጽዕረሉ’ የግዳስ ‘ፍረ’ ጻዕርኻ ኣብ እትረኽበሉ ዓለም ክትነብር ትደሊዶ፧ እንተዀነ ግን ነዚ በረኸት እዚ ዝረኽብዎ “ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር” ምዃኖም ኣስተውዕል። ንስኻውን ብዛዕባ የሆዋ እንተ ተማሂርካን ነቲ ኸነማልኦ ዝደልየና ብቕዓታት እንተ ኣማሊእካን ሓደ ኻብዞም “ብሩኻት” ክትከውን ኢኻ። የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: በገባብ ኸም እተጽንዖ ብምግባር ነቲ ህይወት ዘውህብ ፍልጠት ንኽትረክብ ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

“ወትሩ ተጠለብቲ”

መጽሓፍ ቅዱስ “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ” ይብለና። (ቈሎሴ 3:23) በዚ ስርዓት እዚ ዝምራሕ ሰራሕተኛ ተደላዪ ኸም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ጀይ. ጀይ. ሉና ኣብታ ሃው ቱ ቢ ኢንቪዝብል ዘርእስታ መጽሓፉ: ንኣስራሕቲ ዘበሉ ንጡፋት ኣባላት ናይ ገሊአን ሃይማኖታት ክቘጽሩ ምኽሪ ሃቦም: ኣስዕብ ኣቢሉ ግን “ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና እንቘጽሮም” በለ። ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት ኸኣ ሓቀኛታት ብምዃኖም ከም ዝዀነ ገለጸ: እዚ ድማ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ “ወትሩ ተጠለብቲ” ይገብሮም።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ስራሕን መንፈሳዊ ንጥፈታትን መዘናግዕን ሚዛኑ ዝሓለወ ምስ ዝኸውን ዕግበት የምጽእ