ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃልውኩም’

‘ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃልውኩም’

‘ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃልውኩም’

ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” —⁠ዮሃንስ 13:35

1. የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ነየነይቲ ባህሪ እዩ ዘጕልሐ፧

 የሱስ ኣብታ ቐቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት ንሃዋርያቱ “ደቀየ” ብምባል ብሕያውነት ተዛሪብዎም እዩ። (ዮሃንስ 13:33) ኣብ ወንጌላት እንተ ርኢና: እዛ ኻብ ለውሃት ተበጊሱ እተዛረባ ቓል ኣብ ካልእ ቦታ የሱስ ከም እተጠቕመላ ዝገልጽ ነገር ኣይንረክብን ኢና። ኣብታ ፍልይቲ ምሸት ግን ነቲ ንሰዓብቱ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ንምግላጽ ነዛ ቓል እዚኣ ተጠቕመ። አረ በታ ምሸት እቲኣ ጥራይ እኳ 30 ግዜ ዝኸውን ብዛዕባ ፍቕሪ ተዛሪቡ እዩ። የሱስ ነዛ ባህሪ እዚኣ ኽሳዕ ክንድዚ ዘጕልሓ ስለምንታይ እዩ፧

2. ፍቕሪ ምንጽብራቕ ንክርስትያናት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 የሱስ ፍቕሪ ስለምንታይ ኣዝያ ኣድላዪት ምዃና ገሊጹ ኣሎ። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35፣ 15:12, 17) ሰዓቢ የሱስ ምዃን ምስ ሕውነታዊ ፍቕሪ ምንጽብራቕ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍሉይ ኣከዳድናኦም ወይ ብፍልይ ዝበለ ልምድታቶም ዘይኰነስ በታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘርእይዋ ሃልሃል እትብል ፍቕሪ እዮም ዝልለዩ። እዛ ሓለፍ ዝበለት ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ: ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሓደ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ከማልኦ ዘለዎ ሰለስተ ብቕዓታት እታ ኻልአይቲ እያ። ነዚ ብቕዓት እዚ ብቐጻሊ ንምምላእ ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧

‘ብዝበለጸ ግበርዎ’

3. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ማዕዳ ሃበ፧

3 እዛ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ከምቲ ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ እትንጸባረቕ ዝነበረት: ሎሚውን ኣብቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ትርአ እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና: ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ: ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። እዚ ድማ ነቶም . . . ኣሕዋት ትገብርዎ አሎኹም” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ: [“ብዝበለጸ ኽትገብርዎ:” ትርጕም 1990 ] ንምዕደኩም አሎና” በለ። (1 ተሰሎንቄ 3:12፣ 4:9, 10) ንሕናውን ነቲ ጳውሎስ ዝሃበና ምዕዶ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ንሓድሕድና “ብዝበለጸ” ኽንፋቐርን ኣሎና።

4. ከም ኣበሃህላ ጳውሎስን የሱስን ብፍላይ ንመን ኢና ኽንሓልየሎም ዘሎና፧

4 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝለኣኻ መልእኽቱ: ንኣመንቲ ብጾቱ ‘ነቶም ሕልናኦም ዝዓረቦም ከፋጥንዎምን ነቶም ድኹማት ክድግፍዎምን’ ኣተባብዖም። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ “ብርቱዓት ዝዀንና: ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር” ብምባል ንክርስትያናት ኣዘኻኸሮም። (ሮሜ 15:1) የሱስ እውን ንዝደኸሙ ብዛዕባ ምሕጋዝ መምርሒታት ሂቡ እዩ። በታ ዝተሓዘላ ምሸት ጴጥሮስ ከም ዝኽሕዶ ድሕሪ ምዝራቡ: ንጴጥሮስ “ምስ ተመለስካ: ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” በሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንሳቶም እውን ንየሱስ ስለ ዝሓደግዎ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (ሉቃስ 22:32፣ ዮሃንስ 21:15-17) ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ነቶም ብመንፈስ ዝደኸሙን ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዎም ርክብ ዘቋረጹን ሰባት ፍቕርና ኸነስፍሓሎም መምርሒ ይህበና እዩ። (እብራውያን 12:12) ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ኽንገብር ዘሎና፧ የሱስ እተዛረቦ ክልተ ንጹር ምስላታት መልሲ ናይዚ ይሕብረና።

ዝጠፍአት በጊዕን ዝጠፍአት ድሪምን

5, 6. (ሀ) የሱስ እንታይ ክልተ ምስላታት እዩ ዝመሰለ፧ (ለ) እዘን ምስላታት እዚኣተን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እየን ዝገልጻልና፧

5 የሱስ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ዝጠፍኡ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ ንኸረድእ ኢሉ ኽልተ ምስላታት መሰለ። እታ ቐዳመይቲ ምስላ ብዛዕባ ሓደ ጓሳ እያ። ከምዚ ድማ በለ:- “ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ: ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ: ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ: እናተሐጐሰ ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ: ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፤ ነታ ዝጠፍኣትኒ በጊዔይ ረኺበያ እሞ: ምሳይ ተሐጐሱ: ይብሎም። ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ: ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ: እብለኩም አሎኹ።”​—⁠ሉቃስ 15:4-7

6 እታ ኻልአይቲ ምስላ ኸኣ ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ እያ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ: ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ: ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ: መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዅስትር: ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ ምስ ረኸበታ ድማ፤ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ: ምሳይ ተሐጐሳ: ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዔን። ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ: እብለኩም አሎኹ።”​—⁠ሉቃስ 15:8-10

7. ካብቲ ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት በጊዕን ዝጠፍአት ድሪምን ዝገልጽ ምስላ እንታይ ትምህርትታት ኢና ኽንወስድ እንኽእል፧

7 ካብዚ ምስላታት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ (1) ብዛዕባ እቶም ዝደኸሙ ኸመይ ክስምዓና ከም ዘለዎ: (2) ንምሕጋዞም እንታይ ክንገብር ከም ዝግባእ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ነዚ ነጥብታት እዚ እስከ ንመርምሮ።

ዝጠፍአት ግን ከኣ ዋጋ ዘለዋ

8. (ሀ) እቲ ጓሳን እታ ሰበይትን ሓንቲ ነገር ምስ ጠፍኣቶም ከመይ ተሰምዖም፧ (ለ) እቲ እተሰምዖም ስምዒትከ ነታ ዝጠፍኣቶም ነገር ብኸመይ ከም ዝረኣይዋ እዩ ዝሕብረና፧

8 ኣብ ክልቲኡ ምስላታት ሓንቲ ነገር ከም ዝጠፍአት ተገሊጹ ኣሎ: እንተዀነ ግን እቶም ዋናታት እንታይ እዮም ገይሮም፧ እቲ ጓሳ ‘99 ኣባጊዕ ከለዋኒ በዛ ሓንቲ እንታይ ዘጨንቕ ኣሎኒ፧ ኣብ ግምት እትኣቱ ኣይኰነትን’ ኣይበለን። እታ ሰበይቲውን ‘ንምንታይ እየ ብዛዕባ እታ ሓንቲ ድሪም ዝጭነቕ፧ እቲ ዝተረፈ ትሽዓተ ይኣኽለኒ’ ኣይበለትን። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ጓሳ ነታ በጊዕ ከም እንኮ ጥሪቱ ገይሩ እዩ ኣናድይዋ። ነታ ሰበይቲ እተሰምዓ ስምዒት ምስ እንርኢ እውን ካልእ ድሪም ዘይብላ እያ እትመስል ነይራ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት እቶም ዋናታት ነታ ዝጠፍአት ነገር ኣኽቢሮም እዮም ርእዮምዋ። እዚ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፈልና፧

9. እቲ ጓሳን እታ ሰበይትን ዘርኣይዎ ባህሪ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝህበና፧

9 ኣብ ክልቲኡ መዳይ የሱስ እተጠቕመሉ መደምደምታ “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ” ከምኡውን “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ: እብለኩም አሎኹ” ዝብል ነበረ። እቲ ጓሳን እታ ሰበይትን ዘርኣይዎ ባህሪ: ብእተወሰነ ደረጃ ንስምዒት የሆዋን ሰማያውያን ፍጥረታቱን ዘንጸባርቕ እዩ። ከምቲ እታ ዝጠፍአት በጊዕ ኣብ ዓይኒ እቲ ጓሳ: እታ ዝጠፍአት ድሪም ድማ ኣብ ዓይኒ እታ ሰበይቲ ክቡራት ዝነበራ: እቶም ካብ መገዲ ሓቂ ዝጠፍኡን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ እተቛረጸን ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት እዮም። (ኤርምያስ 31:3) እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም ብመንፈስ ድኹማት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም: እንተዀነ ግን ኵሎም ዓለወኛታት እዮም ማለት ኣይኰነን። ዝደኸሙ እኳ እንተዀኑ: ብእተወሰነ ደረጃ ስርዓታት ኣምላኽ ይሕልዉ ይዀኑ። (መዝሙር 119:176፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:19) በዚ ምኽንያት እዚ: ሕጂውን እንተዀነ የሆዋ ኸምቲ ቐደም ዝገበሮ ቐልጢፉ “ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን።”​—⁠2 ነገስት 13:23

10, 11. (ሀ) ነቶም ካብ ጉባኤ ዝረሓቑ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም እንደሊ፧ (ለ) ብመሰረት እቲ የሱስ ዝመሰሎ ኽልተ ምስላታት ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ ኢና ሓልዮትና ኸነርእዮም እንኽእል፧

10 ልክዕ ከም የሆዋን የሱስን: ንሕናውን ነቶም ዝደኸሙን ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝረሓቑን ሰባት ኣጸቢቕና ንግደሰሎም ኢና። (ህዝቅኤል 34:16፣ ሉቃስ 19:10) ብመንፈስ ዝደኸመ ሰብ ከም ዝጠፍአት በጊዕ ደኣ እምበር ክመሓየሽ ከም ዘይክእል ጌርና ኣይኰንናን እንርእዮ። ‘ስለምንታይ እየ ብዝደኸመ ሰብ ዝጭነቕ፧ ጉባኤና ብዘይ​ ብእኡ ኽትንቀሳቐስ ትኽእል እያ’ ኣይንብልን ኢና። ኣብ ክንድኡስ ነቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ: ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርና ማለት ክቡራት ጌርና ኢና እንርእዮም።

11 እንተዀነ ግን: ብኸመይ ኢና ሓልዮትና ኸነርእዮም እንኽእል፧ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ኽልተ ምስላታት (1) ተበግሶ ብምውሳድ: (2) ብሕያውነት ብምሓዝ: (3) ተጊህና ብምጽዓር ነዚ ኽንገብሮ ኸም እንኽእል ይሕብረና። ነዚ ነጥብታት እዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

ተበግሶ ውሰድ

12. እተን ‘ነታ ዝጠፍአት ክደሊ ኸም ዝኸደ’ ዝገልጻ ቓላት ብዛዕባ ኣረኣእያ እቲ ጓሳ እንታይ እየን ዝሕብራና፧

12 የሱስ ኣብታ ቐዳመይቲ ምስላ: እቲ ጓሳ ‘ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ክደሊ ከም ዝኸይድ’ ገለጸ። እቲ ጓሳ ተበግሶ ወሲዱ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ንኽረኽባ ጻዕሪ ገበረ። ሽግር: ሓደጋ: ከምኡውን ርሕቐት ኣይዓገቶን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እቲ ጓሳ “ክሳዕ ዚረኽባ” ኸይተሓለለ እዩ ደልዩዋ።​—⁠ሉቃስ 15:4

13. ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ንዝደኸሙ እንታይ እዮም ዝገበሩሎም: ነዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነታትከ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎም እንኽእል፧

13 ብተመሳሳሊ: ምትብባዕ ንዘድልዮ ሰብ ንምሕጋዝ እቲ ብርትዕ ዝበለ ሰብ ተበግሶ ኽወስድ የድልዮ። ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ነዚ ነገርዚ ይርድእዎ ነበሩ። ንኣብነት: ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦል እቲ ናይ ማሕርሮ ዓርኩ ዝነበረ ዳዊት ምትብባዕ ከም ዘድልዮ ምስ ፈለጠ “ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደ: ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ።” (1 ሳሙኤል 23:15, 16) ድሕርዚ ብዙሕ ዘመናት ጸኒሑ እቲ ምስለኔ ዝነበረ ነህምያ እቶም ኣይሁድ ኣሕዋቱ ከም ዝደኸሙ ምስ ረኣየ ‘ተንሲኡ ንጐይታ ኽዝክሩ’ ኣተባብዖም። (ነህምያ 4:14) ንሕናውን ሎሚ ንዝደኸሙ ንምብርታዕ ‘ክንትንስእ’ ማለት ተበግሶ ኽንወስድ ንደሊ ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብ ጉባኤ መን እዩ ኸምዚ ኽገብር ዘለዎ፧

14. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዝደኸሙ ኽድግፍዎም ዘለዎም መን እዮም፧

14 ብፍላይ ክርስትያን ሽማግለታት ‘ነተን ዝሰነፋ ኣእዳው ከበርትዑ: ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ከደልድሉ’ ከምኡውን “ነቶም ፈራህ ዝልቦም፣ ኣጆኹም: ኣይትፍርሁ” ኽብሉ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኢሳይያስ 35:3, 4፣ 1 ጴጥሮስ 5:1, 2) ይኹን እምበር: “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም” ዝብል ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ንሽማግለታት ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣስተውዕል። የግዳስ: ቃላት ጳውሎስ ንብምሉኦም ኣባላት “ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ” እዩ ዝምልከት ነይሩ። (1 ተሰሎንቄ 1:1፣ 5:14) ንዝደኸሙ ምሕጋዝ እምበኣር ናይ ኵላቶም ክርስትያናት ሓላፍነት እዩ። ከምቲ ኣብታ ምስላ እተጠቕሰ ጓሳ ዝገበሮ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ‘ንዝጠፍአ ኸይዱ ንኽደሊ’ ኽድረኽ ኣለዎ። ልክዕ እዩ: እዚ ብዝበለጸ መገዲ ክግበር ዝከኣል ምስ ሽማግለታት ብምትሕብባር እዩ። ኣብ ጉባኤኹም ንዝርከብ ዝደኸመ ሰብ ንምሕጋዝ ገለ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእልዶ፧

ሕያዋይ ኩን

15. እቲ ጓሳ ነታ በጊዕ ሓንጊርዋ እተመልሰ ስለምንታይ ክኸውን ይኽእል፧

15 እቲ ጓሳ ነታ ዝጠፍአት በጊዑ ምስ ረኸባ እንታይ እዩ ዝገብር፧ “ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ።” (ሉቃስ 15:5) ኣየ ክሳዕ ክንደይ ልቢ ዝትንክፍ ኣገዳሲ ተግባር ኰን እዩ! እታ በጊዕ ለይትን መዓልትን ንሓያሎ ግዜያት ኣብ ዘይትፈልጦ ኸባቢ ዀለል ኢላ: ምናልባት እውን ኣናብስ ከጥቅዕዋ ኣብ ዝኽሉሉ ቦታ ብምኻዳ ብፍርሂ ተዋሒጣ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። (እዮብ 38:39, 40) እኹል መግቢ ብዘይ​ምርካባ ኸም ዝደኸመት ኣየጠራጥርን እዩ። ናብ ደንበኣ ኽትምለስ ዘጋጥማ ዕንቅፋታት ባዕላ ኽትሰግሮ ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ: እቲ ጓሳ ተጐንቢሑ ነታ በጊዕ ቀስ ኢሉ የልዕላ እሞ ተሰኪምዋ ንዅሉ እቲ ዕንቅፋታት ብምስጋር ናብተን መጓሰ ይመልሳ። ነዚ እቲ ጓሳ ዘርኣዮ ሓልዮት ብኸመይ ከነንጸባርቖ ንኽእል፧

16. እቲ ጓሳ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ዘርኣዮ ሕያውነት ከነንጸባርቖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ምስ ጉባኤ ዝነበሮ ርክብ ዘቋረጸ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓይሉ እተጸንቀቖ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ውልቀ⁠-​ሰብ እዚ ልክዕ ከምታ ኻብ ጓስኣ እተፈልየት በጊዕ ኣብዛ ምጽራር ዝመልኣ ዓለም ኰለል ኢሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ደምበ ማለት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እትህቦ ዕቝባ ስለ ዘይረክብ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንመጥቃዕቲ ናይቲ “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ” እተባህለሉ ድያብሎስ እተቓልዐ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8) መንፈሳዊ መግቢ ስለ ዘይረክብ እውን ደኺሙ እዩ ዘሎ። ስለዚ: ናብ ጉባኤ ንኽምለስ ዘጋጥሞ ዕንቅፋት ባዕሉ ኽሰግሮ ኣይክእልን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጐንቢሕና ቐስ ኣቢልና ኸነልዕሎን ሓንጊርና ኽንመልሶን ኣሎና። (ገላትያ 6:2) ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

17. ንሓደ ዝደኸመ ሰብ ክንበጽሖ ኸሎና ንሃዋርያ ጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ “መን እዩ ዚደክም: ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧” በለ። (2 ቈረንቶስ 11:29፣ 1 ቈረንቶስ 9:22) ጳውሎስ ንዅሎም ሰባት እንተላይ ንዝደኸሙ ይሓልየሎም ነበረ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንዝደኸሙ ሓልዮት ከነርእዮም ኣሎና። ንሓደ ብመንፈስ ዝደኸመ ክርስትያን ክንበጽሖ ኸሎና: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ምዃኑን እቶም ብጾቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዮም ከም ዝናፈቕዎን ነረጋግጸሉ። (1 ተሰሎንቄ 2:17) ክድግፍዎ ድሉዋት ምዃኖምን ‘ንግዜ ጸገም ዝውለድ ሓው’ ክዀንዎ ከም ዝደልዩን ንንገሮ። (ምሳሌ 17:17፣ መዝሙር 34:18) እቲ ኻብ ልብና ዝመነጨ ቓላት ናብተን መጓሰ ኽሳዕ ዝምለስ ከተባብዖ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ እቲ ብዛዕባ እታ ድሪም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ዝገልጽ ምስላ ኣብዚ መዳይ እዚ ይሕብረና እዩ።

ብትግሃት ጽዓር

18. (ሀ) እታ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሳ ዘላ ሰበይቲ ተስፋ ዘይቈረጸት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) እታ ሰበይቲ ብትግሃት ዝጸዓረት ብኸመይ እያ: እንታይ ፍረኸ ረኸበት፧

18 እታ ሓንቲ ድሪም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ነታ ድሪም ንምርካብ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ: ክትርከብ ከም እትኽእል ግን ትፈልጥ ነይራ። እታ ድሪም ብሳዕሪ ኣብ ዝመልአ ቦታ ወይ ኣብ ዝጨቀወ ቀላይ ጠፊኣታ ነይራ እንተ ትኸውን: ኣይትርከብን እያ ኢላ ተስፋ ምቘረጸት ነይራ። ይኹን እምበር: እታ ድሪም ኣብ ቤታ ማለት ክትረኽባ ኣብ እትኽእል ቦታ ኸም ዘላ ምፍላጣ ተጊሃ ኸተናድያ ጀመረት። (ሉቃስ 15:8) ፈለማ መብራህቲ ኣብርሀት። ድሕሪኡ እታ ድሪም ጭል ክትብል እንተ ሰምዓታ ኢላ: ነቲ ባይታ ዀስተረት። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነታ ሳንቲም ብሩር ክሳዕ እትረኽባ ኣብ ኵሉ እቲ ሸጓሹግ ተጠንቂቓ ኣናደየት። እታ ሰበይቲ ተጊሃ ብምጽዓራ ኣብ መወዳእታ ረኺባታ እያ።

19. ካብታ እታ ድሪም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ዝገበረቶ ጻዕሪ ንዝደኸሙ ብምሕጋዝ ዝመጸ እንታይ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል፧

19 እዚ ዝርዝር ነጥብታት እዚ ንዝደኸሙ ክርስትያናት ንምሕጋዝ ዘሎና ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ከም ዘይኰነ የዘኻኽረና። ብዘይ​ካዚ: ተጊህና ኽንጽዕር ከም ዘሎና እውን ንፈልጥ ኢና። ከመይሲ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት “ከምዚ ጌርካ: ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ” ገሊጹሎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እታ ሰበይቲ ነታ ድሪም ኣብ ቤታ ኣብ እተፈላለየ ቦታ ሓሓሊፋ ብምንዳይ ብኣጋጣሚ ኣይኰነትን ረኺባታ። ክትዕወት ዝኸኣለት “ክሳዕ እትረኽባ” ኣጸቢቓ ስለ ዝደለየታ እያ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንሓደ ብመንፈስ ዝደኸመ ሰብ ከነበራትዖ ኽንጽዕር ከሎና: ስርሐይ ኢልና ኽንለዓልን ብትግሃት ክንጽዕርን ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

20. ንዝደኸሙ ንምሕጋዝ እንታይ ክግበር ይከኣል፧

20 ንሓደ ዝደኸመ ሰብ እምነትን ሞሳን ንኸማዕብል ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ ብዘበራትዖ ጽሑፋት ጌርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ክጠቕሞ ይኽእል እዩ። ንዝደኸመ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ምሕጋዙ ብቐጻሊ ንንውሕ ዝበለ እዋን ንኽንሕግዞ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መን ሓገዝ ከም ዘድልዮ ዝውስን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ እዩ። ኣየናይ ነጥብታት ክጽናዕ ከም ዘድልዮን ኣየናይ ጽሑፍ ክትጥቀሙ ኸም ዝግባእን እውን ሓሳብ ይህብ ይኸውን። ከምቲ ኣብታ ምስላ እተጠቕሰት ሰበይቲ ዝሕግዛ መሳርሒታት ብምጥቃም ዕላምኣ ዝወቕዐት: ንሕናውን ነቲ ኣምላኽ ንዝደኸሙ ኽንሕግዝ ዝሃበና ሓላፍነት ንምፍጻም ዘኽእለና መሳርሒታት ኣሎና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጻ ኽልተ ጽሑፋትና ኣብዚ መዳይ እዚ ብፍላይ ጠቐምቲ ክዀና ይኽእላ እየን። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ከምኡውን ንየሆዋ ቕረቦ ዝብል ኣርእስቲ ዘለወን (እንግሊዝኛ) እየን። a

21. ንዝደኸሙ ምሕጋዝ ንዅላትና በረኸት ዘምጽእ ስለምንታይ እዩ፧

21 ንዝደኸሙ ምሕጋዝ ንዅላትና በረኸት የምጽኣልና እዩ። እቲ እተሓገዘ ምስ ናይ ሓቂ ፈተውቱ እንደገና ብምሕባሩ ይሕጐስ። ንሕና ድማ ነቲ ኻብ ምሃብ ጥራይ ዝርከብ ሓጐስ ንረክብ። (ሉቃስ 15:6, 9፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ንኻልእ ክሓሊ ስለ ዝጅምር: እታ ጉባኤ ብሓፈሻ ፍቕሪ ዘለዋ ትኸውን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቶም ሓለይቲ ጓሶት: የሆዋን የሱስን: ንዝደኸሙ ሰባት ንምሕጋዝ ዘለዎም ባህጊ ብምድራውያን ኣገልገልቶም ስለ ዝንጸባረቕ: እዚ ተግባር እዚ ኽብሪ የምጽኣሎም። (መዝሙር 72:12-14፣ ማቴዎስ 11:28-30፣ 1 ቈረንቶስ 11:1፣ ኤፌሶን 5:1) እምበኣር: ‘ነንሓድሕድና ፍቕሪ ንኽህልወናስ’ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብቑዕ ምኽንያት እዩ ዘሎና!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

ክትገልጾዶ ትኽእል፧

• ነንሓድሕድና ፍቕሪ ኽትህልወና ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

• ንዝደኸሙ ፍቕርና ኸነርእዮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ካብቲ ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት በጊዕን ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት ድሪምን ዝገልጽ ምስላታት እንታይ ትምህርታት ክንወስድ ንኽእል፧

• ንዝደኸመ ንምሕጋዝ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ንዝደኸሙ ኣብ እንሕግዘሉ እዋን ተበገሶ ንወስድ: ብሕያውነት ንሕዞም: ከምኡውን ብትግሃት ንጽዕር ኢና

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ንዝደኸሙ ምሕጋዝ ንዅላትና በረኸት የምጽእ