ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣብ ቃለይ ጽንዑ’

‘ኣብ ቃለይ ጽንዑ’

‘ኣብ ቃለይ ጽንዑ’

“ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።” —⁠ዮሃንስ 8:31

1. (ሀ) የሱስ ናብ ሰማይ ተመሊሱ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ምድሪ እንታይ ገዲፉ እዩ ኸይዱ፧ (ለ) ቀጺልና እንመያየጠሉ ሕቶታት እንታይ እዩ፧

 እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ተመሊሱ ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ኣብ ምድሪ መጻሕፍቲ: ቅርሲ: ወይ ሃብቲ ኣይኰነን ገዲፉ ኸይዱ። የግዳስ ደቀ መዛሙርትን ደቀ መዛሙርቱ ንምዃን ዘኽእል ንጹር ብቕዓታትን እዩ ገዲፉ ኸይዱ። ብፍላይ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ: ሰዓቢ የሱስ ክኸውን ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከማልኦ ዘለዎ ሰለስተ ኣገደስቲ ብቕዓታት ተጠቒሱ ንረክብ ኢና። እዚ ብቕዓታት እዚ እንታይ እዩ፧ ብኸመይ ኢና ኸነማልኦ እንኽእል፧ ኣብዚ ግዜና ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንምዃን ብቑዓት ከም ዝዀንናኸ ብኸመይ ኢና ኸነረጋግጽ እንኽእል፧ a

2. ብመሰረት ወንጌል ዮሃንስ: ሓደ ወደ መዝሙር ከማልኦ ዘለዎ ኣገዳሲ ብቕዓት እንታይ እዩ፧

2 የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣቐዲሙ ናብ የሩሳሌም ደየበ: ነቶም ኣብኡ በዓል ዳስ ከብዕሉ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ከኣ ሰበኸሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ: ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል “ካብቶም ህዝቢ . . . ብዙሓት ብእኡ አመኑ።” የሱስ ስብከቱ ቐጸለ: ስለዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ በዓል ካልኦት “ብዙሓት ብእኡ አመኑ።” (ዮሃንስ 7:10, 14, 31, 37፣ 8:30) ኣብቲ ግዜ እቲ: ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ኸምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ መዝጊብዎ ዘሎ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም” ብምባል ደቀ መዛሙርቲ ንክዀኑ ዘድልዮም ሓደ ኣገዳሲ ብቕዓት ገለጸሎም።​—⁠ዮሃንስ 8:31 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

3. ሓደ ሰብ ‘ኣብ ቃል የሱስ ንኽጸንዕ’ እተድልዮ ባህሪ እንታይ እያ፧

3 የሱስ ከምዚ ኽብል ከሎ እቶም ሓደስቲ ሰዓብቱ እምነት ከም ዝጐድሎም ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ቃሉ እንተ ጸኒዖም: ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ንክዀኑ ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎም እዩ ዝሕብሮም ነይሩ። ቃሉ ድሮ ተቐቢሎምዎ እዮም ነይሮም: ድሕርዚ ኣብኡ ኽጸንዑ እዩ ዘድልዮም። (ዮሃንስ 4:34፣ እብራውያን 3:14) እወ: የሱስ ጽንዓት ንሰዓብቱ እተድሊ ኣገዳሲት ባህሪ ኸም ዝዀነት ገይሩ ይርእያ ብምንባሩ: ኣብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ምስ ሃዋርያቱ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ክልተ ሳዕ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” ኢሉ ተዛረበ። (ዮሃንስ 21:19, 22 NW ) ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያናት ከምዚ እዮም ገይሮም። (2 ዮሃንስ 4) ነዚ ንምግባር ዝሓገዞም ግን እንታይ እዩ፧

4. ቀዳሞት ክርስትያናት ንኽጸንዑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

4 እቲ ን70 ዓመታት ዝኸውን እሙን ወደ መዝሙር ክርስቶስ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ ጠቒሱ ኣሎ። ነቶም እሙናት ክርስትያናት “ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን: ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም” ኢሉ ነኣዶም። ቃል ኣምላኽ ኣብዞም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እዚኣቶም ይነብር ስለ ዝነበረ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ጸኒዖም እዮም። ነቲ ቓል ልባዊ ሞሳ ነበሮም። (1 ዮሃንስ 2:14, 24) ብተመሳሳሊ: ‘ክሳዕ መወዳእታ ንምዕጋስ’ ቃል ኣምላኽ ኣባና ይነብር ምህላዉ ኸነረጋግጽ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:13) ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ ናይዚ መልሲ ይህበና እዩ።

“ነዚ ቓል ዚሰምዖ”

5. (ሀ) የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ምስላታቱ እንታይ በበይኑ ዝዓይነቱ ሓመድ እዩ ዝጠቐሰ፧ (ለ) እቲ ዘርእን እቲ ሓመድን እንታይ እዩ ዘመልክት፧

5 የሱስ ምስላ ናይቲ ኽዘርእ ዝወፈረ ዘራኢ ኣዘንትዩ ነይሩ: ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ድማ እዚ ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። (ማቴዎስ 13:1-9, 18-23፣ ማርቆስ 4:1-9, 14-20፣ ሉቃስ 8:4-8, 11-15) ቀንዲ መልእኽቲ ናይዛ ምስላ: ሕደ ዓይነት ዘርኢ ኣብ በበይኑ ዝዓይነቱ ሓመድ ከም ዝወደቐ እሞ እተፈላለየ ፍረ ኸም ዘፍረየ እዩ ዝገልጽ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሓመድ ተሪር: እቲ ኻልኣይ ብዙሕ ዕምቈት ዘይብሉ: እቲ ሳልሳይ እሾዅ ዝበዝሖ እዩ ነይሩ። እቲ ራብዓይ ግን ከምዚ ሰለስተ ዓይነት ዘይኰነስ “ጽቡቕ” ሓመድ ነበረ። ብመሰረት እቲ የሱስ ባዕሉ ዝሃቦ መግለጺ: እቲ ዘርኢ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከመልክት ከሎ እቲ ሓመድ ከኣ እተፈላለየ ዝንባለ ልቢ ዘለዎም ሰባት እዩ ዘመልክት። እቶም ብበበይኑ ዝዓይነቱ ሓመድ እተመሰሉ ሰባት ገለ ዘመሳስሎም ነገራት እኳ እንተ ሃለዎም: እቶም ብጽቡቕ ሓመድ እተመሰሉ ግን ካብቶም ዝተረፉ ዝፈልዮም ባህሪ ኣለዎም።

6. (ሀ) እቲ ራብዓይ ዓይነት ሓመድ ካብቲ ሰለስተ ኻልእ ዓይነት ሓመድ ዝፍለ ብኸመይ እዩ: እዚኸ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ከም ወደ መዝሙር ክርስቶስ መጠን ጸኒዕካ ንምቕጻል እንታይ ክህልወካ እዩ ዘድሊ፧

6 ኣብ ሉቃስ 8:12-15 ኣብ ኣርባዕቲኡ መዳያት እተጠቕሱ ሰባት ‘ነቲ ቓል ከም ዝሰምዕዎ’ ተገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር: እቶም “ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ” ዘለዎም ‘ነቲ ቓል ሰሚዖም’ ጥራይ ስቕ ኣይበሉን: የግዳስ ‘ዓቚሮምዎን ብትዕግስቲ ፍረ ፈርዮምን’ እዮም። እቲ ጽቡቕ ሓመድ ዝለስለሰን ዕምቈት ዘለዎን ብምዃኑ ነቲ ዘርኢ ኣጸቢቑ ሱር ንኽሰድድ የኽእሎ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ዘርኢ ይበቍልን ይፈርን። (ሉቃስ 8:8) ብተመሳሳሊ: እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንቓል ኣምላኽ ይርድእዎ: የማስዉሉ: ከምኡውን ኣብ ልቦም የሕድርዎ። (ሮሜ 10:10፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:7) ቃል ኣምላኽ ኣባታቶም ይነብር። ስለዚ ድማ ብትዕግስቲ ፍረ ይፈርዩ። ከም ወደ መዝሙር ክርስቶስ መጠን ጸኒዕካ ኽትቅጽል ንኽትክእል: ንቓል ኣምላኽ ካብ ልቢ እተማስወሉ ኽትከውን የድልየካ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) እንተዀነ ግን: ንቓል ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ሞሳ ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ዝንባለ ልብን ኣዕሚቝካ ምሕሳብን

7. ምስ ቅኑዕ ልቢ ኣጸቢቑ ዝተሓሓዝ ተግባር እንታይ እዩ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ንቕኑዕ ልቢ ብተደጋጋሚ ምስ ምንታይ ከም ዘተሓሓዞ እሞ ኣስተብህል። “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ።” (ምሳሌ 15:28 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) “ዎ እግዚኣብሄር: . . . ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።” (መዝሙር 19:14 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) “ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ።”​—⁠መዝሙር 49:3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

8. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እነንብበሉ እዋን: ኣናብባና ኸመይ እዩ ክኸውን ዘይብሉ: የግዳስ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ብጸሎት ክንሓስበሉ ኸሎና እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧ (ካብታ “ኣብ ሓቂ ጽንዑ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ጥቐስ።)

8 ንሕናውን ልክዕ ከምዞም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንቓል ኣምላኽን ንጥፈታቱን ብሞሳን ብጸሎትን ክንሓስበሉ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከነንብብ ከሎና: ከምቶም ብታህዋኽ ሕልፍ ሕልፍ እናበሉ ንዅሉ እቲ ዝብጻሕ ቦታታት ዝስእሉ: ግን ከኣ ብህድኣት ዘይርእይዎ በጻሕቲ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከሎና ግዜ ወሲድና ህድእ ኢልና ኽንምርምሮ ኢና እንደሊ። b ነቲ እነንብቦ ብህድኣት ምስ እንሓስበሉ: ቃል ኣምላኽ ንልብና ይጸልዎ። ንስምዒታትና ይትንክፎ ንኣተሓሳስባና ድማ ይቐርጾ። ውሽጣዊ ሓሳባትና ንኣምላኽ ብጸሎት ንኸነካፍሎ እውን ይድርኸና። ከም ውጽኢት ናይዚ: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዝጠበቐ ይኸውን: ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት እውን ንየሱስ ንኽንስዕቦ ትድርኸና። (ማቴዎስ 10:22) እምበኣር: ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ክንከውን እንተደኣ ደሊና: ነቲ ኣምላኽ ዝብሎ ኽንሓስበሉ ወይ ከነስተንትነሉ ይግባእ።​—⁠ሉቃስ 21:19

9. ልብና ንቓል ኣምላኽ ዝቕበል ኰይኑ ኸም ዝቕጽል ከነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እቲ ዘርኢ ማለት ቃል ኣምላኽ ክዓቢ ኸሎ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጥሞ እውን ተሓቢሩ እዩ። ስለዚ: እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ዄንና ንምቕጻል (1) ነቲ ኣብታ ምስላ ተጠቒሱ ዝርከብ በቲ ሕማቕ ዓይነት ሓመድ እተመሰለ ዕንቅፋታት ከነለልዮ: (2) ነዚ ንምዕራዩ ወይ ንምውጋዱ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ልብና ንዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቕበልን ፍረ ዘፍርን ኰይኑ ኸም ዝቕጽል ከነረጋግጽ ንኽእል።

“ኣብ ጥቓ መገዲ” ማለት ብኻልእ ንጥፈታት ትሑዝ

10. እቲ የሱስ ኣብ ምስላኡ ዝጠቐሶ ናይ መጀመርታ ዓይነት ሓመድ ጥቐስ: ንምንታይ ከም ዘመልክት ድማ ግለጽ።

10 እቲ ዘርኢ ዝወደቐሉ ናይ መጀመርታ ዓይነት ሓመድ “ኣብ ጥቓ መገዲ” ዝርከብ እዩ: ኣብኡ ድማ እቲ ዘርኢ “ተረግጸ።” (ሉቃስ 8:5) ኣብ ጥቓ መገዲ ዝርከብ ሓመድ ብኣጋር ስለ ዝርገጽ ተሪር እዩ። (ማርቆስ 2:23) ብተመሳሳሊ: እቶም ነቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይዛ ዓለም ንጥፈታት ግዜኦምን ጕልበቶምን ክወስዶ ዘፍቅዱ ሰባት በዚ ነገራት ትሑዛት ስለ ዝዀኑ ንቓል ኣምላኽ ልባዊ ሞሳ ኸማዕብሉ ኣይክእሉን እዮም። ነቲ ቓል እኳ እንተ ሰምዕዎ: ብዛዕባኡ ስለ ዘይሓስቡ ልቦም ኣይቅበሎን እዩ። ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ቕድሚ ምሕዳሮም “ምእንቲ ኸይአምኑን ከይድሕኑን ኢሉ: ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።” (ሉቃስ 8:12) እዚ ግን ክውገድ ይከኣልዶ፧

11. ልብና ኸም ተሪር ሓመድ ንኸይከውን ክንሕልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ልብና ኸምቲ ኣብ ጥቓ መገዲ ዘሎ ሓመድ ከም ዘይከውን ክንገብረሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። እተረግጸን ተሪርን ሓመድ እንተ ተሓሪሱን ሰባት ብእኡ ኸም ዘይመላለሱ እንተ ተገይሩን: ክልስልስን ፍረ ኸፍርን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ: ግዜ ወሲድካ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕን ብዛዕባኡ ምሕሳብን ንልቢ ኸምቲ ጽቡቕን ፍርያምን ሓመድ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ነዚ መፍትሒኡ ኸኣ በዚ መዓልታዊ ሃለኽለኽ ዝመልኦ ናብራ ምሉእ ብምሉእ ትሑዝ ዘይምዃን እዩ። (ሉቃስ 12:13-15) ኣብ ክንድኡስ: ‘ነቲ ዝሓይሽ’ ነገር ንኽትሓስበሉ ግዜ ይሃሉኻ።​—⁠ፊልጲ 1:9-11

“ኣብ ከውሒ” ማለት ፈራህ

12. እቲ ኣብ ካልኣይ ዓይነት ሓመድ ዝበቘለ ብቋልያ ዝሓረረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

12 እቲ ዘርኢ ኣብቲ ኻልኣይ ዓይነት ሓመድ ምስ ወደቐ: ከምቲ ቐዳማይ ዘይኰነስ: ሱር ሰዲዱን በቚሉን እዩ። ይኹን እምበር: ጸሓይ ምስ በረቐት ብዋዒ ናይ ጸሓይ ሃጐጐን ሓረረን። ኣብዚ ግን እቲ ብቋልያ ዝሓረረሉ ቐንዲ ምኽንያት ብሰንኪ እቲ ዋዒ ኸም ዘይኰነ ኣስተብህል። ከመይሲ: እቲ ኣብ ጽቡቕ ሓመድ ዝበቘለ ብቋልያ እውን እንተዀነ ንጸሓይ እተቓልዐ እዩ ነይሩ: ኰይኑ ግን ኣብ ክንዲ ዝሓርር መሊሱ ደኣ ጠጥዐ። ስለምንታይ ደኣሉ እዚ ፍልልይ ክህሉ ዝኸኣለ፧ እዚ ብቋልያ እዚ ዝሓረረሉ ምኽንያት “ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዜብሉ” ከምኡውን “ጠሊ ስለ ዘይነበሮ” ብምባል የሱስ ገሊጽዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 13:5, 6፣ ሉቃስ 8:6) “ከውሒ” ኣብ ትሕቲ እቲ ላዕለዋይ ክፋል ሓመድ ስለ ዝርከብ: ነቲ ዘርኢ ጠሊ ንኸይረክብን ሱር ንኸይሰድድን ይኽልክሎ። ስለዚ: እቲ ብቋልያ ብዙሕ ሓመድ ስለ ዘይረክብ ይሓርር።

13. በቲ ብዙሕ ሓመድ ዘይብሉ መሬት ዝምሰሉ እንታይ ዓይነት ሰባት እዮም: ከምኡ ንኽገብሩ ዝድርኾም ቀንዲ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧

13 እዚ ኽፋል ናይታ ምስላ ነቶም ነቲ ቓል “ብሓጐስ ዚቕበልዎ” እሞ ንየሱስ “ንጊዜኡ” ብቕንኢ ዝስዕብዎ ሰባት እዩ ዘመልክት። (ሉቃስ 8:13) ናብታ እተሕርር ጸሓይ ምስ ተቓልዑ ማለት “መከራ ወይ ስደት” ምስ ወረዶም ግን ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ: ሓጐሶምን ብርታዐኦምን የጥፍኡ: ንክርስቶስ ካብ ምስዓብ ድማ የቋርጹ። (ማቴዎስ 13:21) ይኹን እምበር: እቲ ቐንዲ መፍርሂኦም ምጽራር ኣይኰነን። ከመይሲ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተኣማንነቶም ከየጕደሉ እተፈላለየ ዓይነት ፈተናታት የሕሊፎም እዮም። (2 ቈረንቶስ 2:4፣ 7:5) ገሊኣቶም ፈራሃት ዝዀኑሉን ካብ ሓቂ ዝርሕቑሉን ቀንዲ ምኽንያት: ልቦም ከም ከውሒ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ ሃናጽን መንፈሳውን ነገራት ኣዕሚቖም ብዘይ​ምሕሳቦም እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ንየሆዋን ንቓሉን ዘለዎም ሞሳ ላዕለ⁠-​ላዕሊ ጥራይ ስለ ዝዀነ ምጽራር ክጻወሩ ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ሰብ ነዚ ብኸመይ ከወግዶ ይኽእል፧

14. ሓደ ሰብ ልቡ ኸምቲ ብዙሕ ሓመድ ዘይብሉ መሬት ንኸይከውን እንታይ ስጕምትታት ክወስድ ይኽእል፧

14 ሓደ ሰብ ከም እኒ ሱር ዝሰደደ ቒም: ኣብ ውሽጡ እተሓብአ ስስዐ: ወይ ቅሉዕ ዘይኰነ ተሪር ባህርያት: ወይ ካልእ ብኸውሒ ክምሰል ዝኽእል ዕንቅፋት ኣብ ልቡ ኸም ዘየለ ኸረጋግጽ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት እንተ ሃልይዎ: በቲ ኻብ ቓል ኣምላኽ ዝርከብ ሓይሊ ገይሩ ኸወግዶ ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 23:29፣ ኤፌሶን 4:22፣ እብራውያን 4:12) ድሕሪኡ ብጸሎት ምስ ዘስተንትን እቲ ቓል ኣብ ልቡ ኸም ዝትከል ንምግባር የለዓዕሎ። (ያእቆብ 1:21) እዚ ኸኣ ተስፋ ክቘርጽ ከሎ ብርታዐ ይዀኖ: ፈተናታት እንተ ኣጋጠሞ እውን እሙን ኰይኑ ንኽቕጽል ትብዓት ይህቦ።

“ኣብ ማእከል እሾዅ” ማለት ክልተ ዝልቡ

15. (ሀ) እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ሳልሳይ ዓይነት ሓመድ ብፍላይ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዝግባእ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ሳልሳይ ዓይነት ሓመድ ዝወደቐ ዘርኢ መወዳእታ እንታይ ኣጋጠሞ: ስለምንታይከ፧

15 እቲ ሳልሳይ ዓይነት ሓመድ: ማለት እቲ እሾዅ ዝመልኦ ሓመድ: ብገሊኡ መዳይ ምስቲ ጽቡቕ ሓመድ ስለ ዝመሳሰል ፍሉይ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና። እዚ እሾዅ ዝመልኦ ሓመድ ልክዕ ከምቲ ጽቡቕ ሓመድ ነቲ ዘርኢ ሱር ክሰድድን ክበቍልን የኽእሎ እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ ኣብዚ ኽልተ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ዝበቍል ብቋልያታት ክዓቢ ኸሎ ፍልልይ የብሉን። ድሕሪ ግዜ ግን ነቲ ኣብ እሾዅ ዘለዎ ቦታ ዝበቘለ ብቋልያ ኣብ መወዳእታ ዝሓንቆ ዅነታት ይፍጠር። እዚ ሓመድ እዚ ኸምቲ ጽቡቕ ሓመድ ዘይኰነስ እሾዅ ዝመልኦ እዩ። እቲ ብቋልያ እናዓበየ ምስ ከደ: እቲ ‘ምስኡ ዝዓበየ እሾዅ’ ኽቃጸጾ ይጅምር። ኣብ ፈለማ ክልቲኡ ዓይነት ተኽሊ መግቢ: ብርሃን: ከምኡውን ቦታ ንምርካብ ይቃለስ: ኣብ መወዳእታ ግን እቲ እሾዅ ነቲ ተኽሊ ‘ይሓንቆ’።​—⁠ሉቃስ 8:7

16. (ሀ) ከመይ ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት እዮም በቲ እሾዅ ዝመልኦ ሓመድ ዝምሰሉ፧ (ለ) ብመሰረት እቲ ኣብ ሰለስቲኡ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዝርከብ መግለጺ ብእሾዅ ተመሲሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧​—⁠እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።

16 ከመይ ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት እዮም በዚ እሾዅ ዝመልኦ ዓይነት ሓመድ ዝምሰሉ፧ የሱስ “ምስ ሰምዑ: መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን” ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ። (ሉቃስ 8:14) ከምቲ እቲ ዘርእን እቲ እሾዅን ብሓንሳእ ዝዓበየ: ገሊኣቶም ውልቀ⁠-​ሰባት ቃል ኣምላኽን “ጣዕሚ ንብረትን” ብሓንሳእ ክረኽቡ ይጽዕሩ እዮም። ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቦም ይዝራእ: እንተዀነ ግን ኣቓልቦኦም ዝወስድ ካልእ ዝቃጸጽ ነገራት የጋጥሞም። ምሳልያዊ ልቦም ክልተ ኽልተ ይኸውን። (ሉቃስ 9:57-62) እዚ ኸኣ ንቓል ኣምላኽ ብጸሎት ንኸየስተንትኑሉን ኣዕሚቖም ንኸይሓስቡሉን ይዓግቶም። ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልቦም ኣየሕድርዎን: ንኽጸንዑ ዘድልዮም ልባዊ ሞሳ ድማ ይጐድሎም። በብቝሩብ: እቲ መንፈሳዊ ድሌቶም በቲ መንፈሳዊ ዘይኰነ ነገራት ስለ ዝወሓጥ ‘ይሕነቑ።’ c ነዞም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዘየፍቅርዎ ኣብ መወዳእታ ኸመይ ዝበለ ዘሕዝን ነገር ኰን እዩ ዘጋጥሞም!​—⁠ማቴዎስ 6:24፣ 22:37

17. በቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ምሳልያዊ እሾዅ ንኸይንሕነቕ ኣብ ናብራ ህይወትና እንታይ ምርጫታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ካብ ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ: በዚ ናይዛ ዓለም ስቓይን ሓጐስን ንኸይንወሓጥ ክንጥንቀቕ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:31-33፣ ሉቃስ 21:34-36) መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ምስትንታንን ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። ንናብራ ህይወትና ብእተኻእለና መጠን ቀሊል እንተደኣ ጌርናዮ: ብጸሎት ኣዕሚቝና ንምስትንታን ዝያዳ ግዜ ንረክብ። (1 ጢሞቴዎስ 6:6-8) እቶም ከምዚ ዝገበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እቶም ነቲ እሾዅ ብምምሓው እቲ ዘርኢ ፍረ ምእንቲ ኽፈሪ ዝያዳ መግብን ብርሃንን ቦታን ከም ዝረክብ ዝገብሩ: በረኸት የሆዋ ረኺቦም እዮም። ሓንቲ ሳንድራ እትበሃል ጓል 26 ዓመት “ነቲ ኻብ ሓቂ ዝረኸብክዎ በረኸታት ከስተንትነሉ ኸለኹ: ዓለም ምስዚ ዝወዳደር ዝዀነ ይኹን ነገር ክትህበኒ ኸም ዘይትኽእል አስተውዕል እየ” በለት።​—⁠መዝሙር 84:11

18. ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንጸንዕን ከም ክርስትያናት መጠን ብተኣማንነት ክንቅጽልን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 እምበኣር: ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ኵላትና ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ኽሳዕ ዘሎ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ንጸንዕ: ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መጠን ከኣ ብተኣማንነት ንቕጽል ኢና። ስለዚ: ናይ ምሳልያዊ ልብና ሓመድ ተሪር: ዕምቈት ዘይብሉ: ወይ እሾዅ ዝመልኦ ዘይኰነስ ልስሉስን ዓሚቝን ከም ዝዀነ ነረጋግጽ። በዚ ኸምዚ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ: ‘ብትዕግስቲውን ፍረ ኽንፈሪ’ ኽንክእል ኢና።​—⁠ሉቃስ 8:15

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኻብዚ ብቕዓታት እዚ ነቲ ቐዳማይ ከተጕልሕ እያ። እቲ ዝተረፈ ኽልተ ብቕዓታት ድማ ኣብዘን ዝስዕባ ኽልተ ዓንቀጻት ክግለጽ እዩ።

b ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ብጸሎት ምእንቲ ኽትሓስበሉ: ‘ንገሊኡ ባህርያት የሆዋ ይገልጸለይ ድዩ፧ ምስቲ ፍረ ነገር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ ኣብ ህይወተይ ወይ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ እጥቀመሉ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት።

c ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ ዝገልጽ ኣብ ወንጌላት ዝርከብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ: እቲ ዘርኢ በዚ ናይዛ ዓለም ስቓይን ሓጐስን እዩ ተሓኒቑ። እዚ ድማ “ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን” “ምዕሻው ሃብትን” “ካልእ ትምኒትን” “ጣዕሚ ንብረትን” ተባሂሉ ኣሎ።​—⁠ማርቆስ 4:19፣ ማቴዎስ 13:22፣ ሉቃስ 8:14፣ ኤርምያስ 4:3, 4

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ‘ኣብ ቃል የሱስ ክንጸንዕ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብና ንኽነብር ከነፍቅደሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• በቲ የሱስ ዝጠቐሶ ኣርባዕተ ዓይነት ሓመድ እተመሰሉ ከመይ ዝበሉ ውልቀ⁠-​ሰባት እዮም፧

• ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንምሕሳብ ብኸመይ ግዜ ኽትረክብ ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

‘ኣብ ሓቂ ጽናዕ’

ንንውሕ ዝበለ ግዜ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኰይኖም ዝጸንሑ ብዙሓት ሰባት ‘ኣብ ሓቂ ኸም ዝጸንዑ’ ኣርእዮም እዮም። (2 ጴጥሮስ 1:12) ንኽጸንዑ ዝሓገዞም ግን እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ዝሃብዎ ሓሳባት እስከ ንርአ:-

“ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብን እጽልን። ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዎ እሓስብ።”​—⁠ብ1939 እተጠምቀት ጂን

“እቲ ልዕሊ ዅሉ ኽብ ዝበለ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘፍቅረና ከስተንትን ከለኹ ዕቝባ ይስምዓኒ: ብተኣማንነት ንክቕጽል ድማ የተባብዓኒ።”​—⁠ብ1946 እተጠምቀት ፓትሪሻ

“ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብን ብዛዕባ እቲ ‘መዓሙቝ ኣምላኽ’ ብምስትንታንን ኣገልግሎተይ ክቕጽል ክኢለ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 2:10፣ ብ1939 እተጠምቀት ኣና

“ልበይን ውሽጣዊ ድራኸይን ንምምርማር ዕላማ ብምግባር እየ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትናን ዘንብብ።”​—⁠ብ1943 እተጠምቀት ዘልዳ

“ብእግረይ እናተዛወርኩ ብጸሎት ንየሆዋ ዝዛረበሉን ናይ ሓቂ ስምዒተይ ዝገልጸሉን እዋን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣብሊጸ እየ ዝርእዮ።”​—⁠ብ1947 እተጠምቀ ራልፍ

“ንግሆ ንግሆ ዕለታዊ ጥቕስን እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስን አንብብ እየ። በዚ ኸምዚ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ዘስተንትነሉ ሓድሽ ሓሳባት እረክብ።”​—⁠ብ1935 እተጠምቀት ማሪ

“ንመጽሓፍ ቅዱስ በብጥቕሲ ምምርማሩ ሓይሊ ይህበኒ እዩ።”​—⁠ብ1946 እተጠምቀ ዳንየል

ንስኻኸ ንቓል ኣምላኽ ኣበየናይ እዋን ኢኻ ብጸሎት እተስተንትነሉ፧​—⁠ዳንኤል 6:10ለ፣ ማርቆስ 1:35፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:9

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ: ‘ብትዕግስቲ ፍረ ኽንፈሪ’ ንኽእል ኢና