ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ብራዚል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ይሰምዑ” ኣለዉ

ኣብ ብራዚል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ይሰምዑ” ኣለዉ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣብ ብራዚል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ይሰምዑ” ኣለዉ

ኣብ ብራዚል ዝነብሩ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንጽሙማን ንኽእውጁ: ናይ ብራዚል ናይ ምልክት ቋንቋ ኽመሃሩ ኣድልይዎም እዩ። ቀጺሉ ዘሎ ተመክሮ ኸም ዝሕብሮ ኸኣ ጻዕርታቶም ጽቡቕ ፍረ የምጽኣሎም ኣሎ።

ሓንቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ እትነብር ኤቫ a እተባህለት ክትሰምዕ ዘይትኽእል ሰበይቲ ንሳን ሰለስተ ደቃን ምስ ሓደ ክሰምዕ ዘይክእል ሰብኣይ ተኣኻኺቦም ይነብሩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ናይ ምልክት ቋንቋ ክመሃሩ ጀመሩ። ኤቫን ዓርካን ኣብ ዕዳጋ ኸለዉ ኽሰምዑ ምስ ዘይክእሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸቡ እሞ ናብቲ ዝእከቡሉ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተዓደሙ። ምስ ማሕበራዊ ጕዳይ እተተሓሓዘ ኣኼባ ገይሮም ስለ እተረድእዎ ነቲ ዕድመ ተቐበልዎ።

ኤቫ ብዛዕባ ናይ ምልክት ቋንቋ ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘይነበራ ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝበሃል ዝነበረ ብዙሕ ኣይትርድኦን እያ ነይራ። ድሕሪኡ: ሰብ ሓዳር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዝኦም ዓደምዋ። በታ ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! እትበሃል ብሮሹር ዘሎ ስእልታት ገይሮም ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድራዊት ገነት ዝህሉ ዕላማ ኣምላኽ ገለጹላ። ኤቫ በቲ እተማህረቶ ባህ ኢልዋ: ኣዘውቲራ ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት።

ድሕሪኡ ኤቫ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዓ ንምምልላስ ኢላ ምስ ዓርካ ዝነበራ ርክብ ኣቋረጸቶ። ካብ ስድራ​ቤታ ብርቱዕ ምጽራር እኳ ይበጽሓ እንተ ነበረ: መንፈሳዊ ዕቤት እናገበረት ከደት ብ1995 ድማ ተጠምቀት። ድሕሪኡ ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሓ ኤቫ ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነት። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኸኣ ነርባዕተ ክሰምዑ ዘይክእሉ ሰባት ህይወቶም ወፍዮም ንኽጥመቑ ሓጊዛቶም እያ።

ካርሎስ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ክሰምዕ ኣይክእልን እዩ። ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ኸኣ ኣብ ሓሽሽን ስነ⁠-​ምግባራዊ ብዕልግናን ስርቅን ተጸምደ። ካልኦት ዓዋሉ ስለ ዘፈራርህዎ ኸኣ ናብ ሳኦ ፓውሎ ሃዲሙ ንእተወሰነ ግዜ ምስ ዥዋ ተቐመጠ። ንሱውን ክሰምዕ ኣይክእልን እዩ ነይሩ: ፋሉል ናብራ ኸኣ ይነብር ነበረ።

ካርሎስ ድሕሪ ገለ ዓመታት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ በጽሖ እሞ ናብራ ህይወቱ ኣጽፊፉ ንመርዓኡ ሕጋዊ ገበሮ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ብቕዓታት ምስ ኣማልአ ኸኣ ህይወቱ ወፍዩ ተጠምቀ። ንሱ ኸይፈለጠ ኸሎ ዥዋ እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰሚዑ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ገይሩ ነበረ። እቲ ንኣምልኾ ኢልካ ዝግበር ስእልን ምስልን የሆዋ ከም ዘይሰምሮ ስለ ዝፈለጠ ንዅሉ እቲ ዘጥረዮ ናይ “ቅዱሳን” ምስልታት ደርበዮ። ነቲ ናይ ቅድም ኣነባብርኡ ቐይሩ ድማ ተጠምቀ።

ካርሎስን ዥዋን ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተራኸቡ ነፍሲ ወከፎም ዝገብርዎ ለውጢ ኸኣ ምስ ረኣዩ ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም! ሕጂ ኽልቲኦም ንስድራ​ቤቶም ብግቡእ እናኣመሓደሩ ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብራዚል 30 ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታትን 154 ጕጅለታትን ኣለዋ: ልዕሊ 2,500 ኣስፋሕቲ ኸኣ ኣለዉወን። ካብቶም ኣስፋሕቲ እቶም 1,500 ክሰምዑ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ብራዚል ንጽሙማን እተገብረ ናይ 2001 “መምሃራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ልዕሊ 3,000 ተኣኪቦም: 36 ድማ ተጠሚቖም። በቲ የሆዋ ዝህበና በረኸት ከኣ ሓያሎ ኻልኦት ጽሙማን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክቕበሉ እዮም ዝብል ተስፋ ኣሎና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ እዩ።