ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ጕሁር እቶን ሓዊ ዝኣመሰለ መሪር ፈተና ኣሕለፍኩ

ከም ጕሁር እቶን ሓዊ ዝኣመሰለ መሪር ፈተና ኣሕለፍኩ

ታሪኽ ህይወት

ከም ጕሁር እቶን ሓዊ ዝኣመሰለ መሪር ፈተና ኣሕለፍኩ

ፔርክለዝ ያኖሪስ ዘዘንተዎ

ኣብታ እተኣሰርኩላ ዝዓሰወት ክፍሊ ብቑሪ ኸርዲደ ነበርኩ። ነታ ረቃቕ ኮቦርታ ተኸዲነ ንበይነይ ኰፍ ኢለ ነቲ ቕድሚ ኽልተ መዓልቲ ኣባላት ሚሊሽያ እናጐተቱ ኻብ ገዛ ኸውጽኡኒ ኸለዉ ዝነበረ ዅነታት በዓልቲ ቤተይ ዘከርኩ። እታ ሽዑ ምስቶም ክልተ ሓሚሞም ዝነበሩ ሕጻናት ደቅና ዝገደፍክዋ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበረት በዓልቲ ቤተይ ኣብ ገጻ ድንጋጽ ዝበሃል ኣይነበራን። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣቶኹ ሒደት መግብን ከምዚ እትብል ሓጻር ደብዳበን ሰደደትለይ:- “ነዘን ቀጫጩ እሰደልካ ኣሎኹ: ከም ደቅኻ ክትሓምም ድማ ተስፋ እገብር።” ተመሊሰ ምስ ስድራ​ቤተይ ዝራኸበሉ ግዜ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧

እዚ ሓደ ኻብቲ ክርስትያናዊ እምነተይ ንምሕላው ዝገበርክዎ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ከቢድ ቃልሲ እዩ። ናይ ስድራ​ቤት ምጽራር: ካብ ሕብረተሰብ ምንጻል: ሕጋዊ ቃልስታት: ከቢድ መስጐጕቲ ዘጠቓለለ ቃልሲ ነበረ። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ዝፈርህን ህዱእን ሰብ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ቦታ እተዳጐንኩ ደኣ ስለምንታይ እየ፧ ቀጺለ በብሓንቲ ኽገልጸልኩም።

ድኻ ቘልዓ ኸሎኹ ዝነበረኒ ሓያል ትምኒት

ብ1909 ኣብ ስታቭሮሜኖ: ቅሬጥስ: ኣብ እተወለድኩሉ እዋን እታ ሃገር ኣደዳ ውግእን ድኽነትን ጥሜትን ኰይና ነበረት። ድሕሪኡ ኣነን እቶም ኣርባዕተ ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ካብቲ ናይ ስጳኛ እንፍሉወንሳ ንዋራ ኢና ወጺና። ወለድና በቲ ሕማም እቲ ንኸይንተሓዝ ኢሎም ንሰሙናት ዝኣክል ኣብ ገዛና ኽዓጽዉና ይዝከረኒ።

እቲ ድኻ ሓረስታይ ዝነበረ ኣቦይ: ቈራብን ሰጋድን እኳ እንተ ነበረ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣይነበሮን። ኣብ ፈረንሳን ማዳጋስካርን ተቐሚጡ ስለ ዝነበረ: ብዛዕባ ሃይማኖት ስፍሕ ዝበለ ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎ። ብስድራ​ቤትና ጽኑዓት ሰዓብቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነበርና: ሰንበት ሰንበት ቅዳሴ ንኸይድ: ኣቡን ናይቲ ዓዲ ዓመታዊ ምብጻሕ ክገብር ከሎ ኸኣ ገዛና ይሓድር ነበረ። ኣነ እውን ኣባል መዘምራን እየ ነይረ: ካህን ክኸውን ከኣ ሓያል ትምኒት ነበረኒ።

ብ1929 ኣባል ፖሊስ ኰንኩ። ኣቦይ ክመውት ከሎ ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ኣብ ተሰሎንቄ ተመዲበ እዓዪ ነበርኩ። ምጽንናዕን መንፈሳዊ ምስትውዓልን ንኽረክብ ኢለ ናብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ “ቅዱስ ከረን” ኢሎም ዝጽውዕዎ ገዳማት ዝበዝሖ ከረን ኣቶስ ዝርከብ ሓይሊ ፖሊስ ተቐየርኩ። a ኣብኡ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣገልገልኩ: ናብራ ገዳም እንታይ ከም ዝመስል ከኣ ብቐረባ ረኣኽዎ። እዚ ናብ ኣምላኽ ኣየቕረበንን ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ እቲ እቶም ፈለስቲ ዘርእይዎ ዝነበሩ ቕሉዕ ብዕልግናን ብልሽውናን ክፍንፍኖ ጀመርኩ። ሓደ ዘኽብሮ ዝነበርኩ ቐሺ ምሳይ ብዕልግና ክፍጽም ምስ ደለየ ኣዝየ ተጸየፍክዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ንኣምላኽ ከገልግሎን ካህን ክኸውንን እደሊ ነበርኩ። ንመዘክርታ ክዀነኒ ኽዳን ቀሺ ተኸዲነ ተሰኣልኩ። መወዳእትኡ ኸኣ ናብ ቅሬጥስ ገዓዝኩ።

“ድያብሎስ እዩ”

ብ1942 ንሓንቲ ፍሮሲኒ እትበሃል ካብ ክቡራት ስድራ​ቤት እተወልደት ምጭውቲ ጓል ተመርዓኹዋ። እንዳ ሓሞይ ቈረብትን ሰገድትን ስለ ዝነበሩ ኸኣ መውስቦይ ነቲ ኻህን ንምዃን ዝገበርክዎ ውሳነ ኣደልዲሉለይ ኽብል እኽእል እየ። b ኣቴንስ ከይደ ትምህርቲ ስነ⁠-​ሃይማኖት ክመሃር ወሰንኩ። ኣብ መወዳእታ ናይ 1943 ናብ ኣቴንስ ንምኻድ ናብቲ ኣብ ቅሬጥስ ዝርከብ ወደብ ኢራክሊዮን እኳ እንተ ኸደኩ: እታ መርከብ ሓዲጋትኒ ስለ ዝኸደት ግን ተረፍኩ። እዚ ዘጋጠመሉ ምኽንያት: ድሮ መንፈሳዊ መግቢ ዝረኽበሉ ካልእ ምንጪ ረኺበ ስለ ዝነበርኩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንታይ እዩ ኣጋጢሙኒ ነይሩ፧

ኢማንወል ልኣኑዳኪስ እተባህለ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ትጉህ መንእሰይ ሰባኺ: ኣብ ምልእቲ ቅሬጥስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ይምህር ነበረ። c ገሊኦም ሰባት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝህብዎ ዝነበሩ ንጹር ትምህርቲ ቓል ኣምላኽ ተሳሒቦም ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ይወጹ ነበሩ። ኣብታ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ከተማ ሲቲያ: ውዕዉዕ መንፈስ ዝነበሮም ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግቡእ ተመሓዲሮም ይዓዩ ነበሩ። ናይቲ ዓዲ ኣቡን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፉዓት ሰበኽቲ ምዃኖም ስለ ዝፈለጦም ኣዝዩ ተረበጸ። ነዞም “መናፍቓን” እዚኣቶም ከኣ ካብ ግዝኣቱ ኸጽንቶም ቈረጸ። እተፈላለየ ናይ ሓሶት ክሲ እናኸሰሰ ብዙሕ ግዜ የእስሮምን ኣብ ቤት ፍርዲ የቕርቦምን ነበረ።

ሓደ ካብዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኣቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽገልጸለይ ፈተነ: እንተዀነ ግን ተገዳስነት ዘይብለይ መሰሎ። ስለዚ ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎ ኣገልጋሊ ንኸዘራርበኒ ለኣኸለይ። እዚ ናይ የሆዋ ምስክር እዚ እውን ነቲ ነቓጽ መልሰይ ምስ ሰምዐ: ናብታ ንእሽቶ ጕጅለ ተመሊሱ “ፔርክለዝ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ድያብሎስ እዩ” ኢሉ ነገሮም።

ምጽራር ዘጋጠመኒ ናይ መጀመርታ ተመክሮ

ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ ስለ ዘይረኣየኒ ሕጕስ እየ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ እዮም ዝምህሩ ዝብል እምነት ዝነበሮ ዲሞስቴኒዝ ሓወይ ብለካቲት 1945 ንዅሎም ዝሓዘኑ ኣጸናንዕዎም (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ። d ብትሕዝቶኣ ኸኣ ተመሰጥኩ። ብኡንብኡ ምስ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝነበረና ሕብረት ኣቋሪጽና ምስታ ኣብ ሲቲያ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ሓበርና: ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋትና ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብናዮ እምነት መስከርናሎም። ኵሎም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ። ከምቲ እተጸበኽዎ ኸኣ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓዲገ ኽወጽእ ከሎኹ ሰበይተይን ስድራ​ቤታን ብጽልኢ ኣግለሉኒ። ንእተወሰነ ግዜ ሓሞይ ክዛረበኒ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ኣብ ቤትና ዘይምቅዳውን ህውከትን ሰፈነ። እንተዀነ ግን 21 ግንቦት 1945 ሓው ሚኖስ ኮኪናኪስ ንዓይን ንዲሞስቴኒዝን ኣጠመቐና። e

ኣብ መወዳእታ እቲ ሃረር ዝብሎ ዝነበርኩ ነገር ክበጽሖን ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኰይነ ኸገልግልን ከኣልኩ። እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ክሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክሮ። ኣብ ቦርሳይ 35 መጻሕፍቲ ሒዘ: ብኣውቶቡስ ንበይነይ ናብ ሓንቲ ቝሸት ከድኩ። እናፈራህኩ ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ጀመርኩ። ክልተ ሰለስተ ኣባይቲ ምስ ኳሕኳሕኩ ኸኣ ዝያዳ ተባዕኩ። ድሕርዚ ሓደ ቑጡዕ ካህን ናብ መደበር ፖሊስ ክወስደኒ ምስ ደለየ ብትብዓት ክምልሰሉ ኽኢለ እየ። ካብታ ቝሸት ዝኸይድ ንዅሎም እቶም ነበርቲ ምስ በጻሕክዎም ጥራይ ምዃኑ ነገርክዎ: ከምኡ ድማ ገበርኩ። ኣዝየ ካብ ምሕጓሰይ እተላዕለ ኸኣ ኣውቶቡስ ከይተጸበኹ ብእግረይ 15 ኪሎ ሜተር ተጓዒዘ ገዛይ ተመለስኩ።

ኣብ ኢድ ጨካናት ገፋዕቲ

ብመስከረም 1945 ኣብታ ኣብ ሲቲያ እተመስረተት ሓዳስ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነታት ተዋህበኒ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ግሪኽ ውግእ ሓድሕድ ተባርዐ። እተፈላለያ ውድባት ንሓድሕደን ተበላልዓ። እቲ ኣቡን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ ንሓደ ጕጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሩ ገይሮም ከጽንትዎም ኣለዓዓሎም (ዮሃንስ 16:2) እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ብኣውቶቡስ ናብ ቍሸትና ኽመጹ ኸለዉ: ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበረት ሓንቲ እትቐርበና ሕያወይቲ ሰበይቲ ነቲ “ኣምላኽ ዝኣዘዞም” ተግባር ክፍጽሙ ዝመደብዎ መደብ ክዘራረብሉ ኸለዉ ሰምዓቶም እሞ ኣጠንቀቐትና። በዚ ምኽንያት እዚ ተሓባእና: ሓደ ኻብ ኣዝማድና ኸኣ ተኸላኸለልና። በዚ ኸምዚ ኽንድሕን ከኣልና።

እዚ ግን ንዝኸፍአ ምጽራር መገዲ ከፈተ። ማህረምትን ምፍርራህን ልሙድ ኰነ። ተጻረርትና ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክንምለስ ንደቅና ኸነጠምቖምን ክንሳለምን ከገድዱና ጸዓሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኸኣ ንሓወይ ሞይቱ ኢሎም ክሳዕ ዝገድፍዎ ቐጥቀጥዎ። ነተን ኽልተ ኣሓተይ ክዳውንተን ቀዲዶም ክቕጥቅጥወን ክርኢ ኸሎኹ ብዙሕ እየ ሓዚነ። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ካህናት ንሸሞንተ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓይሊ ኣጠመቕዎም።

ብ1949 ኣደይ ሞተት። እቲ ካህን ናይ ቀብሪ ሕጋዊ ፍቓድ ኣየማላእኹምን ኢሉ ብምኽሳስ እንደገና ሞኽ ከብለና ጀመረ። በዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረብኩ: እንተዀነ ግን ካብቲ ኽሲ ናጻ ምዃነይ ተረጋገጸ። እቲ ጕዳይ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ስም የሆዋ ስለ እተላዕለ ኸኣ ዓብዪ ምስክርነት እዩ ተዋሂቡ። ጸላእትና “ናብ ልብና ንኽመልሱና” ኢሎም ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ጥራይ እዩ ነይሩ። ብሚያዝያ 1949 ድማ ኸምኡ ገበሩ።

ኣብ ጕሁር እቶን ዘሕለፍክዎ እዋናት

ሰለስተ ኣሕዋት ተኣሲርና ነበርና። ሰበይተይ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ናብቲ መደበር ፖሊስ ክትበጽሓኒ መጺኣ ኣይትፈልጥን እያ። መጀመርታ ኣብ ኢራክሊዮን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኢና ኣቲና። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ ኣብታ እተኣሰርኩላ ኽፍሊ ንበይነይ ብጽምዋ ተደቚሰ ነበርኩ። ነታ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበረት ሰበይተይን ክልተ ሕጻናት ደቀይን ገዲፈ እየ ተኣሲረ። የሆዋ ንኽሕግዘኒ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩሉ። እቲ ኣብ እብራውያን 13:5 ዝርከብ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብል ቃል ኣምላኽ ተዘከረኒ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ምውካል ጥበባዊ ምዃኑ ተገንዘብኩ።​—⁠ምሳሌ 3:5

ኣብታ ኣብ ገማግም ኣቲካ: ግሪኽ: እትርከብ ባድም ደሴት ማክሮኒሶስ ክንእሰር ንኸይድ ምህላውና ኸኣ ተገንዘብና። ቤት ማእሰርቲ ማክሮኒሶስ ምስ ስቓይን ከቢድ ሸቕልን ስለ ዝተሓሓዝ ስም እታ ደሴት ክለዓል ከሎ ጥራይ እኳ ንዝዀነ ይኹን ሰብ የርዕዶ ነበረ። ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኽንከይድ ከሎና ኣብ ከተማ ፓይሪየስ ደው በልና። ብመቝሕ ተኣሲርና እኳ እንተ ነበርና: ገለ ኻብቶም ኣመንቲ ብጾትና ናብታ ጃልባ መጺኦም ሕቝፍ ኣቢሎም ምስ ሰዓሙና ተበራቲዕና ኢና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 28:14, 15

ኣብ ማክሮኒሶስ ካብ ምንባር ሞት ይሓይሽ። እቶም ወተሃደራት ነቶም እሱራት ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከጋፍዕዎም እዮም ዝውዕሉ። መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ እሱራት ተጸሊሎም: ገሊኣቶም ሞይቶም: ሓያሎ ድማ ሰንኪሎም እዮም። ለይቲ ለይቲ ናይቶም ብናይ ማህረምቲ መርመራ ዝሳቐዩ ኣውያትን ገዓርን ንሰምዕ ነበርና። ኣብ እዋን እቲ ቘራሪ ለይቲ በታ ብዙሕ ዘይተምውቕ ረቃቕ ኮቦርታይ ተጠቕሊለ እድቅስ ነበርኩ።

ንግሆ ንግሆ ኣስማት ክጽዋዕ ከሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝርቁሑ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣዝዮም ተፈልጡ። ስለዚ ክንሰብከሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነይሩና እዩ። ንሓደ ብፖለቲካ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ ህይወቱ ንየሆዋ ንምውፋይ ዘኽእሎ ዕብየት ስለ ዝገበረ: ከጠምቖ መሰል ረኸብኩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎኹ: ንበዓልቲ ቤተይ ኣዘውቲረ እጽሕፈላ እኳ እንተ ነበርኩ መልሲ ሰዲዳትለይ ግን ኣይትፈልጥን እያ። ይኹን እምበር: ተስፋ ኸይቈረጽኩ ብለውሃት እናጸሓፍኩ አጸናንዓ: ዘጋጠመና ዅነታት ግዝያዊ ዕንቅፋት ጥራይ ምዃኑ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ተሓጒስና እንነብረሉ ግዜ ኸኣ ክመጽእ ምዃኑ አተስፍዋ ነበርኩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ብዙሓት ኣሕዋት ይእሰሩ ስለ ዝነበሩ ቝጽርና ወሰኸ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ክዓዪ ኸሎኹ: ምስቲ ኣዛዚ ኮሎኔል ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ተላለኹ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የኽብሮም ስለ ዝነበረ: ካብቲ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክመጸና ዝከኣል እንተ ዀይኑ ብትብዓት ሓተትክዎ። “እዚ እኳ ዘይክኣል እዩ: እንተዀነ ግን እቶም ኣብ ኣቴንስ ዘለዉ ኣሕዋትኩም ኣብ ባልጃ ዓሺጎም: ስመይ ኣብ ልዕሊኡ ጽሒፎም ናባይ ዘይሰድዎ፧” ኢሉ መለሰለይ። ኣዝየ ተደነቕኩ! ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ንሓንቲ ዝመጸት ጃልባ ኸነራግፋ ኸሎና: ሓደ ፖሊስ ነቲ ኮሎኔል ሰላምታ ኣቕረበሉ እሞ: “ባልጃኻ መጺኡ ኣሎ” በሎ። እቲ ኮሎኔል ከኣ “ኣየናይ ባልጃ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣብ ጥቕኦም ኰይነ እሰምዖም ስለ ዝነበርኩ ናብኡ ቐሪበ “ምናልባት ከምቲ ዝበልካኒ ብስምካ እተሰደደልና እዩ ዝኸውን” ብምባል ሕሹኽ በልክዎ። እዚ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ብመንፈስ ክምግበና ኢሉ እተጠቕመሉ ዘደንቕ መገዲ እዩ።

ዘይተጸበናዮ በረኸት —⁠ድሕሪኡ ኸኣ ተወሳኺ ጸበባ

ኣብ መወዳእታ ናይ 1950 ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈታሕኩ። ማሲነ: ጸምልየ: ዓቢረ ናብ ቤተይ ተመለስኩ: ጽቡቕ ኣቀባብላ ክረክብ እየ ዝብል ትጽቢት ከኣ ኣይነበረንን። ይኹን እምበር: ምስ ሰበይተይን ደቀይን ብምርኻበይ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ብዝያዳ ዝገረመኒ ድማ ፍሮሲኒ ዝነበራ ጽልኢ ዝሒሉ ተቐይራ ኽትጸንሕ ኣይተጸበኽዋን ነይረ። እቲ ዝሰደላ ዝነበርኩ ደብዳበታት ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ምጽማመይን ዘይምሕላለይን ተንኪፍዋ ነበረ። ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ኸኣ ህድእ ኢልና ነዊሕ ምይይጥ ገበርና። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ፍቓደኛ ዀነት: ኣብ የሆዋን ኣብ ተስፋታቱን ከኣ እምነት ኣሕደረት። 1952 ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ እተጠመቐትላ ዓመት ብምዃና ሓንቲ ኻብተን ኣብ ህይወተይ ኣዝየ ዝሕጐሰለን መዓልትታት እያ: ኣነ ኸኣ እየ ኣጠሚቐያ።

ብ1955 እታ ኣየነይቲ እያ “ብርሃን ዓለም ”​—⁠ህዝበ⁠-​ክርስትያንዶ ወይስ ክርስትና፧ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ንነፍሲ ወከፍ ቀሺ ንምዕዳል ወፈራ ጀመርና። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትየ ምስ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾተይ ንፍርዲ ቐረብኩ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ብዙሕ ክስታት ስለ ዝቐረበሎም እቲ ቤት ፍርዲ ንዅሉ በብሓንቲ ንኽሰምዖ ፍሉይ መደብ ገበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ኣውራጃ ዝነበረ ዅሉ ናይ ሕጊ ትካላት ቀረበ: እቲ መጋባእያ ኸኣ ብኻህናት ቅጽጽ በለ። እቲ ኣቡን ኣብቲ መተሓላለፊ ዀይኑ ኣዕለበጠ። ሓደ ኻብቶም ኣቕሽሽቲ ‘ኣገዲዱ ሃይማኖት ዘቐይር እዩ’ ኢሉ ኸሰሰኒ። እቲ ዳኛ ኸኣ “ሓንቲ ብሮሹር ብምንባብ እትቕየርሲ እምነትካ ክሳዕ ክንድዚ ድኽምቲ ድያ፧” ኢሉ ብምሕታት ኣፉ ኣትሓዞ። ኣነ ናጻ ተለቐቕኩ: ገለ ኣሕዋት ግን ንሽዱሽተ ወርሒ ኽእሰሩ ተፈርዱ።

ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት እውን ብተደጋጋሚ ንእሰር ነበርና: እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኽስታት እውን እናበዝሐ ኸደ። ጠበቓታትና በቲ ናይ ፍርዲ ጕዳያት ዕረፍቲ ሰኣኑ። ብጠቕላላ 17 ግዜ ዝኸውን ናብ ቤት ፍርዲ ቐረብኩ። ሽሕኳ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር የጋጥመና እንተ ነበረ ኣብ ዕዮ ስብከትና ስርዓታውያን ነበርና። ነቲ ብድሆ ሓንጐፋይ ኢልና ተቐበልናዮ: እቲ ጕሁር ፈተናታት ከኣ ንእምነትና ዀልዓ።​—⁠ያእቆብ 1:2, 3

ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት መሰላትን ብድሆታትን

ብ1957 ናብ ኣቴንስ ገዓዝና። ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ ኸገልግል ተመደብኩ። በዓልቲ ቤተይ ብምሉእ ልባ ምሳይ ብምትሕብባራ: ናብራና ቐሊል ብምግባር ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኰርና። ዝበዝሕ ግዜና ኸኣ ንዕዮ ስብከት ወፈናዮ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት ሓገዝ ናብ ዘድልየን እተፈላለያ ጉባኤታት እናኸድና ኸነገልግል ንሕተት ነበርና።

ብ1963 ወደይ 21 ዓመት ምስ መልአ: ንውትህድርና ክኽተብ ነበሮ። ኵሎም እቶም ንክኽተቡ ዕድሚኦም ዝኣኸለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ገለልትነቶም ኣደዳ ምቕጥቃጥን ላግጽን ውርደትን ኰይኖም እዮም። ወደይ እውን በዚ ፈተና እዚ ሓለፈ። ስለዚ ኣብነት ናይቶም ንጽህናኦም ዝሓለዉ ቀዳሞት ኣሕዋት ንኽስዕብ ምእንቲ ኸተተባብዖ ነታ ኻብ ማክሮኒሶስ እተማላእኩዋ ኮቦርታይ ሃብክዎ። እቶም እተጸውዑ ኣሕዋት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ እዮም ዝቐርቡ ነይሮም: ዝበዝሕ ግዜ ኸኣ ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመታት ክእሰሩ ይፍረዱ ነበሩ። መምስ ተፈትሑ ይጽውዑ እሞ እንደገና ድማ ይእሰሩ ነበሩ። ከም ናይ ሃይማኖት ኣገልጋሊ መጠን ንእተፋላለዩ እሱራት ክበጽሕ እኽእል ነይረ: ምስ ወደይን ምስ ካልኦት እሙናት መሰኻኽርን ከኣ ብመጠኑ እራኸብ ነበርኩ። ወደይ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ።

የሆዋ ኣናበረና

ኣብ ግሪኽ ሃይማኖታዊ ናጽነት ምስ ተረኽበ: ኣብ ደሴት ሮዶስ ግዝያዊ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኸብኩ። ብ1986 ኣብታ ክርስትያናዊ ጕዕዞ ህይወት ዝጀመርኩላ ሲቲያ: ቅሬጥስ: ኣገልገልቲ ኣድለዩ። እንደገና ምስቶም ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ዝፈልጦም ዝነበርኩ ፍቑራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሕዋተይ ሓቢረ ንኸገልግል እተዋህበኒ መዝነት ሓንጐፋይ ኢለ ተቐበልክዎ።

ካብ ስድራ​ቤተይ ዝዓበኹ ኣነ እየ: ካብ ኣዝማደይ ብጠቕላላ 70 ዝዀኑ ብተኣማንነት ንየሆዋ ኸገልግሉ ብምርኣየይ ከኣ ሕጉስ እየ። እቲ ቝጽሪ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ገለ ኻብዚኣቶም ሽማግለታት: ኣገልግልቲ ጉባኤ: ፓይነራት: ቤትኤላውያን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። እምነተይ ንልዕሊ 58 ዓመታት ከም ጕሁር እቶን ሓዊ ብዝኣመሰለ መሪር ፈተና እያ ሓሊፋ። ሕጂ ወዲ 93 ዓመት እየ: ንድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ ኸሎኹ ኸኣ ንየሆዋ ብምግልጋለይ ምንም ዘጣዕስ ነገር የብለይን። ነቲ “ወደየ: ልብኻ ሀበኒ: ኣዒንትኻ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን” ዝብል ፍቕራዊ ጻውዒት ኣወንታዊ ምላሽ ኽህበሉ ሓይሊ ሂቡኒ እዩ።​—⁠ምሳሌ 23:26

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ታሕሳስ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ርአ።

b ኣብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ክምርዓዉ ይፍቀደሎም እዩ።

c ታሪኽ ህይወት ኢማንወል ሊኣኑዳኪስ ኣብ ናይ 1 መስከረም 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-9 ርአ።

d ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እያ: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

e ንሚኖስ ኮኪናኪስ ብዝምልከት እተረኽበ ሕጋዊ ዓወት ኣብ ናይ 1 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-31 ርአ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ማክሮኒሶስ እተርዕድ ደሴት 

እታ ምድሪ ኣጻምእን ምድረ⁠-​በዳን ዝዀነት ማክሮኒሶስ ካብ 1947 ክሳዕ 1957 ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ልዕሊ 100,000 ዝዀኑ እሱራት ተሓዪሮምላ ነበሩ። ካብዚኣቶም ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም እተኣስሩ ሓያሎ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከብዎም። ዝበዝሕ ግዜ ነዚ መቕጻዕቲ እዚ ከም ዝበጽሖም ዝገብሩ ዝነበሩ ቐንዲ መለዓዓልቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ካህናት እዮም ነይሮም: እዚኣቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኮሚኒስት እዮም እናበሉ ብሓሶት ይኸስዎም ነበሩ።

ፓፒሮስ ላሩዝ ብሪታኒካ እተባህለ ናይ ግሪኽ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማክሮኒሶስ ዝዝውተር ዝነበረ መስርሕ “መአረሚ” ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣገባብ ናይቲ ብጭከና ዝግበር ዝነበረ ዘሳቒ መቕጻዕቲ . . . ኣብ ሓንቲ ዝሰልጠነት ሃገር ተቐባልነት ዘይብሉ ዅነታት ናብራ: እቶም ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብቶም እሱራት ዘንጸባርቕዎ ዝነበሩ ዘዋርድ ጠባያት: . . . ኣብ ታሪኽ ግሪኽ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ።”

ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምነቶም እንተ ዘይገዲፎም ፈጺሞም ከም ዘይፍትሑ ይንገሮም እኳ እንተ ነበረ ኽሳዕ መወዳእታ ንጽህናኦም ሓልዮም እዮም። ብተወሳኺ እውን ገሊኦም ናይ ፖለቲካ እሱራት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምርኻቦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽፈልጡ ኽኢሎም እዮም።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን (ካብ ጸጋም ራብዓይ ) ሚኖስ ኮኪናኪስን (ካብ የማን ሳልሳይ ) ኣብታ ናይ ማሕዩር ደሴት ዝነበረት ማክሮኒሶስ ኴንና እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ዘገልግለላ ዝነበርኩ ሲቲያ: ቅሬጥስ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር እናኣገልገልኩ ኸሎኹ