ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘተኣማምንን ዘዕግብን ስራሕ ምርካብ የጸግም ኣሎ

ዘተኣማምንን ዘዕግብን ስራሕ ምርካብ የጸግም ኣሎ

ዘተኣማምንን ዘዕግብን ስራሕ ምርካብ የጸግም ኣሎ

ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት: “ናይ ምስራሕ መሰል” ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ መሰላት ደቅሰብ ኰይኑ ተጠቒሱ ኣሎ። እንተዀነ ግን: እዚ መሰል እዚ ወትሩ ኣይሕሎን እዩ። ስራሕ ሒዝካ ንኸይትቕጽል ዝገብር ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ናይታ እትነብራ ሃገር ቍጠባ ዀነ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ነዚ ኽጸልዎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሰባት ካብ ስራሕ ክባረሩ ወይ ምስዚ ዝተሓሓዝ ኣስጋኢ ዅነታት ክፍጠር ከሎ: ሰላማዊ ሰልፊ: ናዕቢ: ከምኡውን ኣድማ ይለዓል እዩ። በዚ ኸምዚ ዘይትንከፋ ሃገራት ዳርጋ የለዋን። ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝበሎ እታ “ስራሕ” እትብል ቃል እኳ ኸይተረፈት “ካብ ቀደም ኣትሒዛ ብርቱዕ ስምዒት እተለዓዕል እያ።”

ስራሕ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ኣታዊ እንረኽበሉ መገዲ ካብ ምዃን ሓሊፉ: ንኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕናና እውን ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ሰባት ኣፍረይቲ ኽፍሊ ሕብረተሰብ ንምዃንን ኣብ ህይወቶም ዕላማ ንምግባርን ዘለዎም ባህጊ የዕግብ። ርእስና ንኸይንድርቢ እውን ይሕግዝ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም ገሊኣቶም ኣኺሉ ዝተርፍ ገንዘብ እናሃለዎም ወይ ጡረታ ኽወጹ እናኸኣሉ ኽነሶም ስራሕ ከቋርጹ ዘይደልዩ። እወ: ስራሕ ዘይምህላው ከቢድ ማሕበራዊ ሽግራት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ስራሕ እናሃለዎም: ብዙሕ ጸቕጢ ስለ ዝወርዶም ብስርሖም ዘይሕጐሱ ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብዚ ግዜና ሓያል ናይ ዕዳጋ ውድድር ስለ ዘሎ: ቍጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኩባንያታት ወጻኢታተን ንምንካይ ሰራሕተኛታተን የሰናብታ ኣለዋ። እዚ ኸኣ ኣብቶም ተወሳኺ ዕዮ ዝስከሙ ዝተረፉ ሰራሕተኛታት ዝያዳ ጸቕጢ ኸምጽእ ይኽእል እዩ።

እቲ ንናብራ የቃልል: ንስራሕ ከኣ የቀላጥፍ ዝበሃለሉ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ስራሕ ጸቕጢ ንኽፍጠር ጽልዋ ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኮምፕዩተር: ፋክስ: ከምኡውን ኢንተርነት ሰባት ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ንኽሰርሑ መገዲ ኸፊቱሎም ኣሎ: በዚ ኸምዚ ቤትካን ቤት ጽሕፈትካን ብንጹር ኣብ ዘይፍለየሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘለና። ሓደ ሰራሕተኛ ከም ዝገለጾ እታ ናይ ስራሕ ሞባይል ተሌፎኑ: ሓለቓኡ ኸም ከልቢ ኣሲሩ ንኽቈጻጸሮ እተገልግል መሳርሒ ዀይና እያ እትስምዖ።

ኣብዚ ቕልጡፍ ለውጥታት ዝርኣየሉ ዘሎ ዅነታት ቍጠባን ስራሕን ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ግዜኦም ከይኣኸለ ኣፍረይቲ ኸም ዘይኰኑ ጌርካ ንኸይቍጸሩ ፍርሂ ሰፊኑ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ: ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ነበር ክሪስ ሲዶቲ “ካብ ወዲ 40 ዓመት ንታሕቲ እንተ ዘይኰንካ: ንኮምፕዩተራት ኰነ ንሓድሽ ቴክኖሎጂ ዘይትበቅዕ ጌርካ ምርኣይ ቅቡል ዝዀነ እዩ ዝመስል” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ: ሕጂ ኸም ዘይጠቕሙ ጌርካ ዝረኣዩ ዘለዉ ትጉሃት ሰራሕተኛታት: ኣቐድም ኣቢሉ እንተ ዝኸውን ኣፍረይቲ ጌርካ ምተራእዩ ነይሮም። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን እዩ!

እምበኣርከስ: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ንኣስራሕቲ ብትግሃትን ብተኣማንነትን ምግልጋል እናተረፈ ምኻዱ ዘገርም ኣይኰነን። ሊቤራስዮን እትበሃል ብፈረንሳይኛ እትሕተም መጽሔት “ዕዳጋ ኣክስዮን ንእሽቶ ለውጢ ብዘርኣየ መጠን ትካላት ንሰራሕተኛታተን ምስ ዘባርራ: ነቲ እትሰርሓሉ ትካል እሙን ምዃን እናተረፈ እዩ ዝኸይድ። . . . ልክዕ እዩ: ክትሰርሕ ከድልየካ እዩ: እንተዀነ ግን ነቲ ትካል ንምግልጋል ኢልካ ዘይኰነስ ንርእስኻ ጥራይ ኢልካ ኢኻ እትሰርሕ” በለት።

እዚ ዅሉ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ: ወድሰብ ንኽሰርሕ ዘለዎ መሰረታዊ ባህጊ ኣይተቐየረን። ስለዚ: ኣብዚ ቕልጡፍ ለውጥታት እንርእየሉ ዘሎና እዋን ብዛዕባ ስራሕ ዘሎና ኣረኣእያ ሚዛኑ ኸይሰሓተ ዕግበትን ምትእምማንን ክህልወና ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ስራሕ ተወሳኺ ጸቕጢ ኣምጺኡ ክኸውን ይኽእል እዩ