ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት

ህይወት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት

ህይወት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት

“መዓስከር ስደተኛታት” ዝብላ ቓላት ክትሰምዕ ከሎኻ እንታይ እዩ ቕጅል ዝብለካ፧ ናብ ሓዲኡ ኼድካዶ ትፈልጥ፧ ከመይከ እዩ ዝመስል፧

እዛ ዓንቀጽ ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን ኣብ ምዕራባዊ ኽፋል ታንዛንያ 13 መዓስከር ስደተኛታት ተመስሪተን ነበራ። ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ 500,000 ዝዀኑ ኻብ እተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ እተዋጽኡ ስደተኛታት: መንግስቲ ታንዛንያ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን.​ኤ⁠ች.ሲ.ኣር.) ብምትሕብባር ይሕግዞም ነበረ። ህይወት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከመይ ይመስል፧

ናብ መዓስከር ስደተኛታት ክትኣቱ ኸሎኻ

ካንዲዳ እትበሃል ጐርዞ: ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንሳን ስድራ​ቤታን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ክኣትዉ ኸለዉ ዘጋጠሞም ነገራት ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ፈለማ መለለዪ ቝጽሪ ዘለዎ ናይ መቝነን ካርድ ሂቦምና: ስድራ​ቤትና ድማ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኒያሩጉሱ ተመደበት። ኣብኡ ድማ ናይቲ ቤትና እንሃንጸሉን ናይቲ እንነብረሉ ጐደናን ቍጽሪ ተዋህበና። ንእሽቶ ቤት ንምስራሕ ካበይ ኣእዋም ከም እንቘርጽን ካበይ ሓሰር ከም እንእክብን ተነግረና። ብጭቃ ጌርና ሕጡብ ሰራሕና። ነቲ ዩ.ኤን.​ኤች.​ሲ.ኣር. ዝሃቡና ፕላስቲክ ከኣ ናሕሲ ገበርናዮ። ኣድካሚ ዕዮ እዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን እታ ንእሽቶ ቤትና ምስ ተዛዘመት ግን ተሓጒስና ኢና።”

እቲ መቝነን ዝዕደለሉ ካርድ ኣብ ከክልተ ሰሙን ረቡዕ ረቡዕ እዮም ዝጥቀሙሉ ነይሮም። ብዛዕባዚ ኣመልኪታ ካንዲዳ “እወ: ነቲ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ዝዕድሎ መሰረታዊ መግቢ ንምርካብ ኣብቲ መዐደሊ ነቝጣ ንስራዕ ኢና” በለት።

ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ዝወሃቦ መቝነን ክንደይ እዩ፧

ካንዲዳ ከምዚ ብምባል መለሰት:- “ነፍሲ ወከፍና 3 ኩባያ ኣቢሉ ዝኸውን ሓርጭ ዕፉን: ሓደ ኩባያ ዓይኒ ዓተር: 20 ግራም ሓርጭ ኣዳጕራ: 2 ዓብዪ ማንካ ዘይቲ ብልዒ: ከምኡውን 10 ግራም ጨው ንቕበል። ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ሳሙና ይወሃበና።”

ጽሩይ ማይከ ኣለዎምዶ፧ ሪዚኪ እትበሃል ሰበይቲ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሃበት:- “እወ: ካብቲ ኣብ ጥቓና ዝርከብ ርባ ብትቦታት ኣቢሉ ናብቲ ዓበይቲ መትሓዚ ማይ ይመጽእ። እቲ ማይ ናብቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘሎ ማይ ዝዕደለሉ ቦታ ቕድሚ ምኻዱ ክሮሊን ይግበረሉ። እንተዀነ ግን: ምእንቲ ኸይንሓምም ነቲ ማይ ቅድሚ ምስታይና ኸነፍልሖ ንፍትን ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ማይ ክንወርድን ኣብቲ ማይ ዝዕደለሉ ቦታ ኼድና ክዳውንትና ኽንሓጽብን ኢና እንውዕል። ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ሳንኬሎን ፈረቓን ጥራይ እያ እትወሃበና።”

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣጸደ ሕጻናት: መባእታዊ ደረጃ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ: ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ እውን ንዓበይቲ ሰባት ዝኸውን ትምህርቲ ይቐውም እዩ። ካብቲ መዓስከር ወጻኢ ዝርከብ መደበር ፖሊስን ቤት ጽሕፈት መንግስትን ከኣ ንድሕንነትን ጸጥታን ናይቲ መዓስከር ይሕሉ። ምናልባት እቶም ስደተኛታት ኣሕምልቲ: ፍረታት: ዓሳ: ደርሁ: ከምኡውን ካልእ መሰረታዊ መግቢ ዝዕድጉሉ ዓብዪ ዕዳጋ ትርኢ ትኸውን። ገሊኣቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነብሩ ሰባት ክሽቅጡ ናብቲ ዕዳጋ ይመጹ እዮም። እቶም ስደተኛታት ግን ካበይ እዮም ገንዘብ ዝረኽቡ፧ ገሊኣቶም ሒደት ኣሕምልቲ የብቍሉ እሞ ኣብቲ ዕዳጋ ይሸጥዎ። ገሊኣቶም ከኣ ካብቲ ዝወሃቦም ሓርጭ ወይ ኣዳጕራ ሸይጦም ስጋ ወይ ፍረታት ይዕድጉ። እወ: ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ልክዕ ከም ሓደ ዓብዪ ቝሸት ክመስል ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዕዳጋ እውን ገሊኣቶም ስደተኛታት ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓዶም ዝገብርዎ ክስሕቑን ክዘናግዑን ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ኣብ ሆስፒታል ኬድካ ንሓደ ኻብቶም ሓካይም እንተ ኣዘራሪብካ: ኣብቲ መዓስከር መሰረታዊ ሕክምና ዝገብራ ሒደት ክሊኒካት ከም ዘለዋ ከምኡውን ህጹጽን ክብድ ዝበለን ጕዳያት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝኸይድ ምነገረካ። እቲ ነፍሰ⁠-​ጾራት ዝሕከማሉን እቲ መሕረሲ ኽፍልን ስፍሕ ምባሉ ኣየገርምን እዩ: ከመይሲ ኣብቲ መዓስከር 48,000 ስደተኛታት ስለ ዘለዉ ኣብ ወርሒ 250 ዝዀኑ ሕጻናት ይውለዱ እዮም።

ብመንፈሳዊ ዝኣክል መግቢ ይረኽቡ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቶም ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ይጭነቑ ይዀኑ። ብድምር ኣብ 14 ጉባኤታትን 3 ጕጅለታትን እተኸፋፈሉ 1,200 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሎም ዝዀኑ ኣለዉ። ኵነታቶምከ ኸመይ ኣሎ፧

እዞም ውፉያት ክርስትያናት ኣብ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ምስ ኣተዉ: ፈለማ ኻብ ዝገብርዎ ነገራት ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መህነጺ ዝዀኖም መሬት ምሕታት እዩ። እዚ ኸኣ እቶም ስደተኛታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይ ከም ዝረኽብዎምን ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣበይ ከም ዝግበርን ንኽፈልጡ የኽእሎም። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሉጉፉ ብድምር 659 ንጡፋት ክርስትያናት ዝርከብወን 7 ጉባኤታት ኣለዋ። ሰንበት ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ናይዘን ሸውዓተ ጉባኤታት ድምር ተኣከብቲ 1,700 ኣቢሉ ይኸውን።

ኣብ ኵለን መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓበይቲ ኣኼባታት ይገብሩ እዮም። ኣብ ሉጉፉ ንፈለማ ግዜ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኽግበር ከሎ: 2,363 ተኣከብቲ ነይሮም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጥቓ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ እተገብረሉ ቦታ መጠመቒ ጋብላ ኣዳለዉ። እቲ ጋብላ ኣብ ምድሪ ጕድጓድ ብምዅዓት ድሕሪኡ ማይ ምእንቲ ኸዕቍር ብፕላስቲክ ብምሽፋን እተዳለወ እዩ ነይሩ። እቶም ኣሕዋት ካብቲ ኽልተ ኪሎ ሜትር ዝኸውን ርሒቑ ዝርከብ ርባ ብብሽክለታ ገይሮም ማይ ወረዱ። ኣብ ሓደ ግዜ ኸምጽእዎ ዝኽእሉ 20 ሊትሮ ጥራይ ስለ ዝዀነ: ብዙሕ ሳዕ ክመላለሱ ነይርዎም። እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ግቡእ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ንኽጥመቑ ተሰርዑ። ብጠቕላላ 56 ዝዀኑ ኣብ ማይ ብምጥሓል ተጠመቑ። ሓደ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገብረሉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ን40 ውልቀ⁠-​ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህሮም ገሊጹ። ኣርባዕተ ኻብቶም ተማሃሮኡ ኸኣ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተጠምቁ።

እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብገያሺ ተዓዛቢ ስሩዕ ምብጻሕ ክግበረሎም ምድላው ገይሩ እዩ። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ከምዚ በለ:- “ኣሕዋትና ኣብ ኣገልግሎት ቀናኣት እዮም። ክሰብኩሉ ዝኽእሉ ኣዝዩ ሰፊሕ ዞባ ኣለዎም: ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ወርሒ ዳርጋ 34 ዝኸውን ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ኣሕሊፎም እዮም። ሓያሎ ኣሕዋት ተገዳስነት ንዘለዎም ሓሙሽተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ይሕግዝዎም እዮም። ሓንቲ ፓይነር [ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት] እውን ኣብ ዝኸደት ከይዳ ካብዚ ዝበልጽ ዞባ ኸም ዘይትረክብ እያ ገሊጻ። ኣብቲ መዓስከራት ዘለዉ ሰባት ንጽሑፋትና ኣዝዮም እዮም ዘማስዉሉ።”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናብቲ መዓስከራት ዝበጽሕ ብኸመይ እዩ፧ ፈለማ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ጽሑፋት ናብታ ብምብራቓዊ ገምገም ቀላይ ታንጋኒካ እትርከብ ኪጎማ እትበሃል ከተማ ብባቡር ይሰዶ። ካብኡ ድማ ኣሕዋት ተቐቢሎም ናብ ጉባኤታት የብጽሕዎ። ሓድሓደ ግዜ ንእሽቶ ናይ ጽዕነት መኪና ተዀናቲሮም ነቲ ጽሑፋት ናብቲ መዓስከራት ይወስድዎ። እዚ ድማ ኣብ ዘይምቹእ መገዲ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ጕዕዞ ምግባር ዝሓትት እዩ።

ስጋዊ ሓገዝ

ብፍላይ ኣብ ፈረንሳ: በልጅዩም: ከምኡውን ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብዚ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ሓገዝ ልኢኾም እዮም። ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ከምኡውን ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ብዝረኸብዎ ፍቓድ ናብቲ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ መዓስከራት ምብጻሕ ገይሮም እዮም። ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኣዳጕራ ዝዳሎ ጸባ: ክዳውንቲ: ጫማታት: ንትምህርቲ ዝኸውን መጻሕፍቲ: ከምኡውን ሳሙና ብብዝሒ ልኢኾም እዮም። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ዝብል ስርዓት ብምስምማዕ ንዅሎም ስደተኛታት ተዓዲሉ እዩ።​—⁠ገላትያ 6:10

በዚ ናይ ግብረ⁠-​ሰናይ ጻዕርታት ብዙሓት ስደተኛታት ስለ እተሓገዙ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ኣብ ሓደ ካብቲ መዓስከራት ዝርከብ ኮሚተ ማሕበረ⁠-​ኮም ስደተኛታት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ሞሳኡ ገለጸ:- “ብስም ኵሎም ማሕበረ⁠-​ኮምና: ነቲ ማሕበርኩም ሰለስተ ግዜ ዝገበረቶ ናይ ግብረ⁠-​ሰናይ ጻዕርታት ከነመስግነኩም ከሎና ኽብሪ ይስምዓና። . . . እቲ ኽዳውንቲ ን12,654 ስኡናት ሰብኡት: ኣንስቲ: ቈልዑ: ከምኡውን ናጽላታት ኣገልጊሉ እዩ። . . . ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሙዮቮዚ 37,000 ዝዀኑ ህዝቢ ኣለዉ። ኵሉ ዅሎም 12,654 ሰባት ወይ 34.2 ሚእታዊት ናይቶም ስደተኛታት ተሓጊዞም።”

ኣብ ካልእ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ 12,382 ስደተኛታት ሰሰለስተ ክዳውንቲ ተዋሂብዎም: ኣብ ካልእ ሳልሳይ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ኸኣ ንካልኣይን ቀዳማይን ደረጃ ኣብያተ⁠-​ትምህርትን ንኣጸደ ሕጻናትን ዘገልግል ብኣሽሓት ዝቝጸር መጻሕፍቲ ተዓዲልዎም። ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ሓላፊ ሎጂስቲክ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ኰይኑ ዘገልግል ውልቀ⁠-​ሰብ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “ነቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ሰባት ኣዝዩ ዘድልዮም ነገራት ብምውፋይኩም ኣዚና ኢና እነማስወሉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተቐበልናዮ 5 ኮንተይነራት መጻሕፍቲ ነቶም ስደተኛታት ተዓዲሉ እዩ። . . . ኣዚና ነመስግነኩም።”

ኣብቲ ዓዲ ዝርከባ ጋዜጣታት እውን ከይተረፋ ብዛዕባ እዚ ሓገዝ ጽሒፈን እየን። ብ20 ግንቦት 2001 ዝወጸት ሳንደይ ኒውስ “ነቶም ኣብ ታንዛንያ ዘለዉ ስደተኛታት ዝኸውን ክዳውንቲ ይመጽእ ኣሎ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ወጸት። ብ10 ለካቲት 2002 ኣብ ዝወጸ ሕታማ ኸኣ “ገሊኣቶም ክዳን ብምስኣኖም ትምህርቶም ኣቋሪጾም ዝነበሩ ቘልዑ ናብ ትምህርቶም ስለ እተመልሱ: እቶም ማሕበረ⁠-​ኮም ስደተኛታት ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣማስዮምሉ እዮም” በለት።

ዝጸበቦም ግን ከኣ ተስፋ ዘይቀበጹ

ዝበዝሑ ስደተኛታት ነቲ ሓድሽ ናብራኦም ንኽለምድዎ ሓደ ዓመት ኣቢሉ እዩ ዝወስደሎም። ቀሊል ናብራ እዮም ዝነብሩ። ኣብዘን መዓስከራት እዚኣተን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበዝሕ ግዜኦም ነቶም ስደተኛታት ብጾቶም ካብ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጸናንዕ ብስራት ኣብ ምክፋል እዮም ዘሕልፍዎ። ብዛዕባ እታ ዅሎም ሰባት ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶም ንገዘሞታት ዝሰርሑሉ: ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ዘየልዕሉሉ: ከምኡውን ደጊም ውግእ ዘይመሃሩሉ’ ሓዳስ ዓለም ይነግርዎም እዮም። ሽዑ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” እምበኣር: ኣምላኽ በረኸቱ ኣብ ዘፍስሰሉ እዋን እዛ ዓለም እዚኣ መዓስከር ስደተኛታት ዘይብላ ኽትከውን እያ።​—⁠ሚክያስ 4:3, 4፣ መዝሙር 46:9

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዱታ ዝርከብ ኣባይቲ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሉኮለ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ (የማን ) ኣብ ሉጉፉ እተገብረ ጥምቀት (ታሕቲ )

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሉጉፉ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ