ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልቢ ውሉድካ ብኻልኦት ክቕረጽ ኣይትሕደጎ!

ልቢ ውሉድካ ብኻልኦት ክቕረጽ ኣይትሕደጎ!

ልቢ ውሉድካ ብኻልኦት ክቕረጽ ኣይትሕደጎ!

ሓደ ኽኢላ ሰራሕ ካይላ ንዘይጠቅም ዝመስል ዝነበረ ጭቃ ናብ ማራኺ ስርሓት ካይላ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ገለ ሰባት ካብ ዘይረብሕ ነገራት ጠቓሚ ነገር ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ደቅሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል በቲ ሰራሕ ካይላ ዝሰርሖ ኩባያታት: ቢያትታት: ጻሕልታት: ዓታሩ: ከምኡውን ሳርማታት ክጥቀሙ ጸኒሖም እዮም።

ወለዲ እውን ንጠባያትን ባህርያትን ደቆም ብምቕራጽ ንሕብረተሰብ ብቐሊል ዘይርአ ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍና ምስ መሬት ጥዑም የመሳስለና እዩ: ኣምላኽ እውን ንወለዲ ነቶም ከም “መሬት” ዝዀኑ ደቆም ናይ ምቕራጽ ኣገዳሲ ዕዮ ሂብዎም እዩ። (እዮብ 33:6፣ ዘፍጥረት 18:19) ንቘልዑ ሓላፍነት ዝስምዖምን ሚዛናውያንን በጽሕታት ወይ ጐራዙ ኸም ዝዀኑ ምግባር: ልክዕ ጽቡቕ ካይላ ኸም ምስራሕ ስለ ዝዀነ ቀሊል ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ብሃንደበት ኣይመጽእን እዩ።

ንልቢ ደቅና ዝቐርጽ ብዙሕ ሓያል ጽልዋታት ኣሎ። ገለ ኻብዚ ጽልዋታት እዚ ኸኣ ጐዳኢ እዩ። ስለዚ: ጥበበኛ ወላዲ ልቢ ውላዱ ብወዝቢ ኽቅረጽ ኣብ ክንዲ ዝገድፎ: ውላዱ ‘ምስ ኣረገ ኻብኣ ኸም ዘየልግልስ’ ብምትእምማን “እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ” የላምዶ እዩ።​—⁠ምሳሌ 22:6

ጥበበኛታት ክርስትያን ወለዲ ንውላዶም ኣብ ዘዕብዩሉ ነዊሕን ኣገዳስን እዋን ነቲ ንልቢ ውላዶም ከበላሹ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታት ንምክልኻል ግዜኦም ክውፍዩ ኣለዎም። ንውላዶም “በቲ ንክርስትያናዊ ኣተዓባብያ ዝግባእ መምርሕን መአረምታን” ብትዕግስቲ ንኽሕዝዎ ጻዕሪ ኣብ ዝገብሩሉ እዋን ፍቕሮም ኣጸቢቑ ይፍተን እዩ። (ኤፌሶን 6:4 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ) ልክዕ እዩ: ደቆም ገና ሕጻናት ከለዉ ነዚ ምስ ዝጅምርዎ ዝቐለለ እዩ ዝዀነሎም።

ካብ ሕጻንነቶም ምጅማር

ሰራሕቲ ኻይላ ክቕረጽ ከሎ ፍርክሽክሽ ዘይብልን ኣመና ልምሉም ዘይኰነን መሬት ጥዑም እዮም ዝደልዩ። ነዚ መሬት ጥዑም ምስ ነፈይዎ: ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ እዮም ክጥቀሙሉ ዝደልዩ። ብተመሳሳሊ ወለዲ ንውሉዳቶም ክቐርጹሉ ዝኽእሉ እቲ ዝበለጸ እዋን ገና ተቐበልትን ብቐሊሉ ዝቕረጹን ኣብ ዝዀኑሉ እዋን እዩ።

ናይ ቘልዑ ኽኢላታት ከም ዝብልዎ: ሓደ ቘልዓ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ኣቢሉ ምስ ኰነ: ድምጺ ናይ ቋንቍኡ የለሊ: ንወለዱ ፍቕሪ የሕድር: ምስትውዓሉ ይውስኽ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዓለም ክምርምር ይጅምር። ስለዚ እምበኣር ልቢ ውሉድና ንምቕራጽ እቲ ዝበለጸ ግዜ ገና ብንእሽቶኡ ኸሎ እዩ። ውሉድካ ኸም ጢሞቴዎስ ‘ንቕዱሳት ጽሑፋት ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ እንተ ፈሊጥዎ’ ኣየ ኽንደይ ረብሓታት ኰን እዩ ዘለዎ!​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:15 a

መብዛሕትኡ ግዜ ሕጻናት ንወለዶም ክመስልዎም እዮም ዝጽዕሩ። ድምጺ: ኣገላልጻ: ናይ ኣእዳው ምንቅስቓስ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ወለዶም ዘንጸባርቕዎ ፍቕርን ሕያውነትን ድንጋጽን እውን ክቐድሕዎ ይጽዕሩ እዮም። ንውሉድና ብሕግታት የሆዋ ኸነዕብዮ እንተ ደሊና: ቅድም ቀዳድም ትእዛዛት ኣምላኽ ኣብ ልብና ኽህሉ ኣለዎ። ወለዲ ንሕግታት ኣምላኽ ሞሳ ምስ ዝልህዎም ንደቆም ኣዘውቲሮም ብዛዕባ የሆዋን ቃሉን ንኽዛረብዎም ይድረኹ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ብምባል እዩ ዝምዕድ። (ዘዳግም 6:6, 7) ፍራንሲስኮን ሮዛን ነዚ ማዕዳ እዚ ኣብ ክልተ ንኣሽቱ ደቆም ብኸመይ ከም ዝዓዩሉ ኽገልጹ ኸለዉ ኸምዚ በሉ። b

“ኣብ ርእሲ እቲ መዓልታዊ እንገብሮ ዕላል: ምስ ደቅና እንተ ወሓደ ኣብ መዓልቲ ን15 ደቒቕ በብሓደ ኸነዘራርቦም ንጽዕር ኢና። ጸገም ከጋጥም ከሎ: ዝያዳ ግዜ ነሕልፍ​—⁠ብርግጽ ከኣ ጸገማት የጋጥመና እዩ። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወድና ኻብ ትምህርቱ ናብ ገዛ ምስ መጸ ኣብ የሆዋ ኸም ዘይኣምን ነገረና። ሓደ ኻብቶም ደቂ ኽፍሉ ስለ ዘላገጸሉን ኣምላኽ የለን ስለ ዝበሎን እዩ ኸምዚ ኢሉ እተዛረበ።”

እዞም ወለዲ እዚኣቶም ውሉዳት ኣብ ፈጣሪ እምነት ክህልዎም ከም ዘድሊ ኣስተውዒሎም እዮም። ኣብቲ ውሉዳት ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ዘለዎም ኣድናቖት ብምምርኳስ እምነቶም ክትህነጽ ትኽእል እያ። ቈልዑ እንስሳታት ምሕቛፍ: ዕምባባ ምቕንጣስ: ወይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ምጽዋት ይፈትዉ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ወለዲ ነቲ ኣብ መንጎ ፍጥረትን ፈጣርን ዘሎ ርክብ ከረድእዎም ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 100:3፣ 104:24, 25) እቲ ንፍጥረት የሆዋ ዘሕድርዎ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ኣብ ውሽጦም ክሓድር ይኽእል እዩ። (መዝሙር 111:2, 10) እቲ ቘልዓ እዚ ዓይነት ሞሳ እንተ ኣሕዲሩ: ንኣምላኽ ንኸሐጕስ ባህጊ ስለ ዘሕድርን ንኸየጕህዮ ስለ ዝፈርህን: ‘ካብ እከይ ክርሕቕ’ ክድረኽ እዩ።​—⁠ምሳሌ 16:6

ዝበዝሑ ቘልዑ ህንጡያትን ቀልጢፎም ዝመሃሩን እኳ እንተዀኑ: ብቐሊሉ እዙዛት ይዀኑ እዮም ማለት ግን ኣይኰነን። (መዝሙር 51:5) ሓድሓደ ግዜ ቓሕ ዝበሎም ክገብሩ ይደልዩ ወይ ዝደለይዎ ኽግበረሎም ግዲ ይብሉ ይዀኑ። እዚ ባህርያት እዚ ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ: ወለዲ ተረርቲ: ዕጉሳት: ከምኡውን ርእሶም ዝገትኡ ክዀኑ የድልዮም። (ኤፌሶን 6:4) ሓሙሽተ ቘልዑ ጽቡቕ ገይሮም ዘዕበዩ ፊለስን ፖልን ከምዚ ዓይነት ተመክሮ እዩ ኣጋጢምዎም።

ፊለስ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “ባህርያት ናይ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ እተፈልየ እኳ እንተዀነ: ኵላቶም ግን ቃሕ ዝበሎም ነገራት ክገብሩ ይደልዩ እዮም። ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ: መወዳእታኡ ግን ወትሩ ሕራይ ከም ዘይበሃሉ ኽመሃሩ ነይርዎም።” በዓል ቤታ ፖል እውን “ከስተውዕሉ ኣብ ዝኽእሉሉ ደረጃ ምስ በጽሑ: መብዛሕትኡ ግዜ ምኽንያት ናይቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ንነግሮም ኢና። ኵሉ ሳዕ ሕያውነት ከነርእዮም ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና: ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ኣኽብሮት ከርእዩ ምሂርናዮም ኢና” በለ።

ውሉዳት ገና ብንኣሽቱኦም ከለዉ ኣሸገርቲ ክዀኑ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ምስ ኰተቱ እሞ እታ ዘይበሰለት ልቦም ብዙሕ ፈተናታት ምስ ኣጋጠማ ግን ንሓያሎ ወለዲ ዝዓበየ ብድሆታት የጋጥሞም እዩ።

ልቢ ኰተቴ ምትንካፍ

ሓደ ሰራሕ ካይላ እቲ መሬት ጥዑም ብልስሉሱ ኸሎ ኽዓዪ ኣለዎ። ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽረክብ ነቲ መሬት ጥዑም ማይ እናወሰኸ የተርክሶን የለስልሶን ይኸውን። ብተመሳሳሊውን ወለዲ ልቢ ኰተቴ ውላዶም ምእንቲ ኸይሕንግድ ኣበርቲዖም ክዓዩ ኣለዎም። እቲ ቐንዲ መሳርሒኦም መጽሓፍ ቅዱስ ክኸውን ከሎ ብእኡ ኣቢሎም ‘ይግስጹ: የቕንዑ: ከምኡውን ንውላዶም ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍጹም እተዳለወ ይገብሩ።’​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​15-17

ይኹን እምበር: ሓደ ኰተቴ ልክዕ ከምቲ ሕጻን ከሎ ዝነበሮ ነቲ ወለዱ ዝህብዎ ማዕዳ ቐልጢፉ ኣይቅበልን ይኸውን። ኰተቴታት ንመዛኑኦም ዝያዳ ኣቓልቦ ናይ ምሃብ ዝንባለ ስለ ዝህልዎም: በዚ ምኽንያት እዚ ምስ ወለዶም ዝነበሮም ርክብ ድልዱል ኣይከውንን። ኣብዚ ወለድን ውሉዳትን ናብ ሓድሽ ደረጃ ዝሰጋገርሉ እዋን ዝያዳ ትዕግስትን ክእለትን ዝሓትት እዩ። እቲ ኰተቴ ነቲ ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት ክለምዶ ግዜ የድልዮ። ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝጸልዎ ውሳነታት ክገብርን ሸቶታት ከውጽእን ክጅምር ኣለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋን እዚ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኣብ ልቡ ጐዳኢ ጽልዋ ኽገብረሉ ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ኸተለልዮ ካብ እትኽእል ሸነኽ ኣይኰነን ዝመጽእ። የግዳስ ዝበዝሕ ግዜ ንርእሰ⁠-​ምትእምማን እቲ መንእሰይ ብዘዳኽም ዘረባ ወይ ኣጋጣሚታት እዩ ዝመጽእ። እዚ ተግባራት እዚ ነቲ ድኹም ጐድኒ ናይቶም ኰተቴታት እዩ ዘጥቅዕ​—⁠እዚ ኸኣ ካልኦት መንእሰያት ከየርሕቑና ዝብል ሓያል ፍርሂ እዩ። ሕፍረትን ብሰባት ተቐባልነት ክትረክብ ምድላይን ንሓደ መንእሰይ ነቲ ብመዛኑኡ ዝነኣድ “ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት ንኽፈቱ ጽልዋ የሕድረሉ ይኸውን።​—⁠1 ዮሃንስ 2:15-17፣ ሮሜ 12:2

እቲ ዘይፍጹም ልቡ ዝብህጎ ነገራት ነቲ መዛኑኡ ዝብልዎ ዘራጕድ ብምዃኑ ኸኣ ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ክኸውን ይኽእል እዩ። “ተሓጐስ” ከምኡውን “ቃሕ ዝበለካ ግበር” ዝብልዎ ዘረባ ማራኺ ኽመስል ይኽእል ይኸውን። ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ ማሪያ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘጋጠማ ትገልጽ:- “እተን ሳዕቤኑ ብዘየገድስ መንእሰያት ምሉእ ሓጐስ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብላ ዝነበራ መሓዙተይ ዝህባኒ ምኽሪ ሰማዕኩ። እተን መማህርተይ ዝገበርኦ ኽገብር ስለ ዝደለኹ: ካብ ከቢድ ጸገም ንስክላ እየ ኣምሊጠ።” ወላዲ እንተ ዄንካ: ነቲ ኣብ ዕድመ ዀተቴ ዝርከብ ውሉድካ ነዚ ጸቕጥታት እዚ ንኽዋጽኣሉ ኽትሕግዞ ኸም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። እንተዀነ ግን: ብኸመይ ኢኻ ኽትሕግዞ እትኽእል፧

ከም እትሓልየሉ ብቓላትካን ተግባራትካን ደጋጊምካ ኣረጋግጸሉ። ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት ከመይ ከም ዝስምዖ ኽትፈልጥ ጽዓር: ጸገማቱ ኽትርድኣሉ ፈትን: እዚውን ካብቲ ንዓኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመካ ጸገማት ኣዝዩ ዝዓቢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ግዜ እዚ ውሉድካ ምስጢሩ እትሕዘሉ ሰብ ገይሩ ኽርእየካ ይግባእ። (ምሳሌ 20:25) ካብቲ ዘርእዮ ምንቅስቓሳቱ ዀነ ጠባያቱ እንታይ ጭንቀት ከም ዘለዎ ወይ ንኽርድኦ ዘሸገሮ ነገራት እንታይ ምዃኑ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣፉ ኸፊቱ ዘይዛረበሉ ሽግራቱ ምላሽ ሃበሉ: ‘ንልቡ ድማ ኣጸናንዓዮ።’​—⁠ቈሎሴ 2:2

ኣብቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገራት ተረርቲ ኽንከውን ከም ዘሎና ዘተሓታትት ኣይኰነን። ብዙሓት ወለዲ ኣብ መንጎ ድሌቶምን ድሌት ውሉዳቶምን ዘይምቅዳው የጋጥሞም እዩ: ይኹን እምበር እቲ ውሳነኦም ድልዱል መሰረት ዘለዎ እንተ ዀይኑ ኽለማመጡ የብሎምን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ፍቕራዊ ተግሳጽ ከም ዘድሊ ወይ ከም ዘየድሊ ቕድሚ ምውሳንካ ዀነ ነቲ ተግሳጽ ብኸመይ ከም እትህቦ ቕድሚ ምሕሳብካ: ነቲ ዅነታት ብንጹር ተረድኣዮ።​—⁠ምሳሌ 18:13

ኣብ ውሽጢ ጉባኤ እውን ከይተረፈ

ሓደ ዕትሮ ምስ ተቐርጸ እቲ ስራሕ እተወድአ ኽመስለና ይኽእል ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣብ እቶን ክሳዕ ዘይበሰለ: ማይ እውን እንተዀነ ኽሕዝ ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንፈተናታትን ጸገማትን ምስ ብሓዊ ምሕላፍ የመሳስሎ እዩ: ከመይሲ እዚ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና የርኢ እዩ። ርግጽ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ብዛዕባ ኣብ እምነትና ዘጋጥመና ፈተና እዩ ዝገልጽ: እንተዀነ ግን እቲ ዝህቦ ነጥብታት ኣብ ካልእ ፈተናታት እውን ዝዓዪ እዩ። (ያእቆብ 1:2-4) እቲ ዘገርም ከኣ ንገሊኣቶም መንእሰያት ዘጋጥሞም ፈተናታት ካብ ውሽጢ ጉባኤ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ዕድመ ዀተቴ ዝርከብ ውሉድና ብመንፈሳዊ ጥዑይ ኰይኑ ዝረኣየና እኳ እንተዀነ: ኣብ ውሽጡ ግን ክልተ ልቢ ብምሓዝ ይሽገር ይህሉ ይኸውን። (1 ነገስት 18:21) ንኣብነት: ሜጋን ነቲ ኻብቶም ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመጹ ኻልኦት መንእሰያት ዝመነጨ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣመልኪታ ኸምዚ ትብል:-

“ንክርስትና ኸም ዘሰልክን ንኸይትሕጐስ ዝኽልክልን ገይሮም ዝርእይዎ መንእሰያት ጽልዋ ገይሮምለይ ነይሮም። ‘ወዲ 18 ዓመት እሞ እኹን: ሓቂ ኽሓድጎ እየ’ ወይ ‘ካብ ሓቂ ዝገላገለሉ ግዜ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ ዘለኹ’ ኢሎም ይዛረቡ። ነቶም ምስዚ ዝጻረር ዘረባ ዝዛረቡ መንእሰያት ይርሕቕዎም: ብምሕጫጭ ከኣ ጻድቃን ኢሎም ይጽውዕዎም።”

ሕማቕ ኣረኣእያ ዘለዎም ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ጥራይ ንኻልኦት ከበላሽዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ ጕጅለ ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ዝበዝሕ ግዜ እቶም ብዙሓን ዝገብርዎ እዮም ዝገብሩ። ዕሽነትን ኣጕል ትብዓትን ንጥበብ ኰነ ንእሩም ጠባይ ክጐብጦ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ክርስትያን መንእሰያት ካልኦት ንዝገብርዎ ብምስዓብ ኣብ ከቢድ ሽግር ይጥሕሉ እዮም።

ርግጽ እዩ: ኰተቴታት ዘሐጕስ እዋን ከሕልፉ ይደልዩ እዮም። ከም ወላዲ መጠን ነዚ ብኸመይ ከተማልኣሎም ትኽእል፧ ብዛዕባ መዘናግዒታቶም ኣርዚንካ ሕሰብ: ምስ ኣባላት ስድራ​ቤትካ ወይ መንእሰያትን ዓበይትን ብሓባር ዝዘናግዑሉ ንጥፈታት ከተዳሉ ኸኣ ፈትን። ነዕሩኽ ውሉድካ ፍለጦም። ምሳሕ: ድራር: ወይ ከኣ ሓደ ምሸት ምሳኻ ኸምስዩ ዓድሞም። (ሮሜ 12:13) ውሉድካ ኣብ ከም ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ምውቃዕ: ካልእ ቋንቋ ምጽናዕ: ወይ ኢደ⁠-​ጥበብ ምምላኽ ዝኣመሰለ ጥዑይ ንጥፈታት ክሳተፍ ኣተባብዓዮ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ኣብቲ ሕማቕ ጽልዋ ዘይብሉ ቤትኩም ኰይኑ ኽገብሮ ይኽእል እዩ።

ትምህርቲ ብግቡእ ምክትታል ዕቝባ ክኸውን ይኽእል

ሓደ ዀተቴ ትምህርቱ ብግቡእ ዝከታተል እንተ ዀይኑ: ንመዘናግዒ ደረት ንኽገብረሉ ይሕግዞ እዩ። ን20 ዓመት ናይ ሓደ ዓብዪ ቤት ትምህርቲ ኣመሓዳሪት ኰይና ዝዓየየት ሎሊ ኸምዚ በለት:- “ብዙሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዛ ቤት ትምህርትና ሓሊፎም እዮም። መብዛሕትኦም ብጠባዮም ዝነኣዱ እዮም ነይሮም: ገሊኣቶም ግን ካብ ካልኦት ተማሃሮ ኽትፈልዮም ኣይትኽእልን ኢኻ። እቶም ሰናይ ኣብነት ዝዀኑ ብምሉኦም ተጊሆም እዮም ዝመሃሩ። ወለዲ ብዛዕባ እቲ ውላዶም ኣብ ትምህርቲ ዝገብሮ ዘሎ ምዕባለ ሓያል ተገዳስነት ከሕድሩ: ንመምህራን ደቆም ክፈልጡ: ከምኡውን ንደቆም ጽቡቕ ነጥቢ ምምጻእ ጠቓሚ ምዃኑ ንኸእምንዎም ክላበዎም እፈቱ። እቶም ብሉጻት ተማሃሮ ክዀኑ ዝኽእሉ ሒደት እኳ እንተዀኑ: ኵላቶም ግን ኣብ ዘዕግብ ደረጃ ኽበጽሑን ናይ መምህራኖም ኣኽብሮት ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም።”

ኰተቴታት ንትምህርቶም ብግቡእ ዝከታተሉ እንተ ዀይኖም: ብመንፈሳዊ ንኽዓብዩ ክሕግዞም ይኽእል። ከምዚ ምግባሮም ጽቡቕ ልማዳት: ርእስኻ ምግሳጽ: ከምኡውን ናይ ሓላፍነት ስምዒት ክምህሮም ይኽእል። ብግቡእ ናይ ምንባብን ቀልጢፍካ ናይ ምርዳእን ክእለቶም ዝሓሹ ተማሃሮን መምህራንን ቃል ኣምላኽ ንክዀኑ ኸም ዝሕግዞም ዘጠራጥር ኣይኰነን። (ነህምያ 8:8) ብቤት ትምህርቶም ዝወሃቦም ዕዮታትን መንፈሳዊ መጽናዕቶምን ንመዘናግዒ ደረት ንኽገብሩሉ ኽሕግዞም ይኽእል እዩ።

ንዓኻን ንየሆዋን ክብሪ ዘምጽኡ

ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ እተሰርሐ ሓያሎ ሳርማታት ናይቲ ሰራሕ ካይላን ሰላሚኡን ክታም ሒዙ ይርከብ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ሓንቲ ስድራ​ቤት መብዛሕትኡ ግዜ ኽልተ ሰባት ማለት ኣቦን ኣደን እዮም ንውሉዳቶም ኣብ ምቕራጽ ዝሳተፉ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸኣ ውሉድ ናይ ክልቲኦም “ክታም” ተነቢሩሉ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ዕዉት ሰራሕ ካይላ ወይ ሰላሚ ብስርሑ ዝሕበን: ንስኻውን ክብሪ ዘለዎን ባህ ዘብልን መንእሰይ ብምቕራጽካ ኽትሕበን ይግብኣካ።​—⁠ምሳሌ 23:24, 25

ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ዝግበር ሓያል ጻዕሪ ዕዉት ንኽትከውን ግን ብዓቢኡ ኣብቲ ንልቢ ውሉድካ ዝቐረጽካሉ መጠን እዩ ዝምርኰስ። “ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ: ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ” ኽትብል ተስፋ ንገብር። (መዝሙር 37:31) ልቢ ውሉድካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ኻልኦት ክቐርጽዎ ኽትገድፎ ኣይግባእን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኣቶም ወለዲ ንናጽላ ውላዶም መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡሉ እዮም። እዚ ባህ ዘብል ተመክሮ እዝን እቲ ህዱእ ድምጺ ወለድን ነቲ ቘልዓ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንባብ ንኽፈቱ ኸነቓቕሖ ይኽእል እዩ።

b ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።