ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኢሳይያስ 30:20 “ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ [“ነቲ ዓብዪ መምህርካ:” NW ] ኽርእያ እየን” ብምባል ንየሆዋ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዘሎ ገይራ እናገለጸት ክነሳ: ኢሳይያስ 30:21 ቃል የሆዋ ካብ “ድሕሬኻ” ኸም ዝመጽእ ገይራ እትገልጽ ስለምንታይ እያ፧

ኢሳይያስ 30:20, 21 ከምዚ ትብል:- “ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ [“ነቲ ዓብዪ መምህርካ:” NW ] ኺርእያ እየን እምበር: ደጊምሲ መምህራንካ [“እቲ ዓብዪ መምህርካ:” NW ] ኣይኪስወሩን እዮም። ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።”

ነዛ ጥቕሲ ቓል ብቓሉ እንተ ወሲድናያ: እቲ ኣንባቢ ነቲ ዓብዪ መምህር ማለት ንየሆዋ ኣብ ቅድሚኡ ይርእዮ: ድምጹ ግን ካብ ድሕሪኡ ይሰምዕ። ይኹን እምበር: እዚ ቓላት እዚ ምሳልያዊ እዩ: ስለዚ ድማ ብምሳልያዊ መገዲ ኽንርድኦ ይግባእ።

ኣብ ቍጽሪ 20 ዘሎ ምሳልያዊ ኣዘራርባ: ካብ ጐይታኡ መምርሒ ብምቕባል ንኸገልግሎ ተዳልዩ ዘሎ ጊልያ እዩ ኣብ ኣእምሮኻ ዝስእለልካ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጊልያ ነቲ ጐይታኡ ዝደልዮ ንኽፈልጥ ኣተኲሩ ዝከታተሎ: ሎሚውን ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣምላኾም ብምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ በብግዜኡ ዝህቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒታት ኣዒንቶም ተኺሎም ይከታተሉ እዮም። (መዝሙር 123:1, 2) እወ: ነቲ የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዝገልጾ መምርሒኡ ነቒሖም እዮም ዝስዕቡዎ።​—⁠ማቴዎስ 24:45-47

እቶም ገላዉ ብድሕሪኦም ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ኽበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ኣብ ድሕሪኦም ዝሰምዕዎ ድምጺ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እተዛረቦ ማለት ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ በቲ ‘እሙን መጋቢ’ ኣቢሉ ኸነጽሮ ኸሎ እዩ ዘመልክት ክበሃል ይከኣል። (ሉቃስ 12:42) ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ወይ ‘እሙን መጋቢ’ ዘዳልዎ ጽሑፋት ገይሮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ብምጽናዕን ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዮም ቃሉ ዝሰምዕዎ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲ ዓብዪ መምህርና ዝህቦ መምርሒታት ብምክትታልን ነቲ ቕድሚ ሓያሎ ዘመናት እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ብምጽናዕን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ቅድሚኦም ይርእይዎ ኸምኡውን ብድሕሪኦም ቃሉ ይሰምዕዎ ክበሃል ይከኣል እዩ።​—⁠ሮሜ 15:4