ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንበረ-ታቦት ኣብ ኣምልኾ እንታይ ቦታ ኣለዎ፧

መንበረ-ታቦት ኣብ ኣምልኾ እንታይ ቦታ ኣለዎ፧

መንበረ⁠-​ታቦት ኣብ ኣምልኾ እንታይ ቦታ ኣለዎ፧

መንበረ⁠-​ታቦት ኣብ ኣምልኾኻ ኣገዳሲ ኽፋል ከም ዘለዎ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ a ዝበዝሑ ቘረብትን ሰገድትን ምእመናን ንመንበረ⁠-​ታቦት ዓብዪ ኣትኵሮ ይህብዎ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: እቲ መበቈሉ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ መሰውኢ ኣብ ኣምልኾ እንታይ ቦታ ኸም ዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ሓሳብ ትፈልጦዶ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ መሰውኢ እተጠቕሰ: ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ድሕሪ ምድሓኑ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ኽስውእ ከሎ እዩ። b​—⁠ዘፍጥረት 8:20

ኣብ ባቤል ቋንቋታት ሕንፍሽፍሽ ምስ ኣተዎ: ደቅሰብ ኣብ ኵላ ምድሪ ፋሕ በሉ። (ዘፍጥረት 11:1-9) ሰባት ብተፈጥሮኦም ከምልኹን ናብቲ ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ ክቐርቡን ስለ ዝደልዩ: ልክዕ ከም ዕዉር ‘ሃሰስ እናበሉ’ የናድይዎ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27፣ ሮሜ 2:14, 15) ካብ ግዜ ኖህ ኣትሒዞም: ብዙሓት ሰባት ንኣማልኽቶም ንምምላኽ መሰውኢታት ሰሪሖም እዮም። ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እውን መሰውኢ ይሰርሑ ነይሮም እዮም። ገሊኣቶም ካብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቑ ግን ኣብ መሰውኢታቶም ሰባት ወይ እውን ሕጻናት ይስውኡ: ካልእ ዘስካሕክሕ ጽምብላት እውን ይገብሩ። ገሊኣቶም ነገስታት እስራኤል ንየሆዋ ምስ ሓደግዎ ንበዓል ዝበሃል ኣምላኽ ኣረማውያን መሰውኢታት ሰርሑሉ። (1 ነገስት 16:29-32) እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝዝውተር መሰውኢታት ንምንታይ እዩ ዝጠቅም ነይሩ፧

ኣብ እስራኤል ዝነበረ መሰውኢታትን ናይ ሓቂ ኣምልኾን

ኖህ ድሕሪ ሙማቱ: ካልኦት እሙናት ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንምምላኽ መሰውኢታት ሰሪሖም እዮም። ኣብርሃም ኣብ ሴኬም: ኣብ ጥቓ ቤት⁠-​ኤል: ኣብ ኬብሮን: ከምኡውን ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ይስሃቅ ዘዳለወሉ ድዑል ዝሰውኣሉ ከረን ሞርያ መሰውኢታት ሰሪሑ እዩ። ጸኒሖም ይስሃቅ: ያእቆብ: ከምኡውን ሙሴ ብልቦም ተደሪኾም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝኸውን መሰውኢታት ሰሪሖም እዮም።​—⁠ዘፍጥረት 12:6-8፣ 13:3, 18፣ 22:9-13፣ 26:23-25፣ 33:18-20፣ 35:1, 3, 7፣ ዘጸኣት 17:15, 16፣ 24:4-8

ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ሕጉ ኽህቦም ከሎ: ናብኡ ንክቐርቡ ዘኽእሎም ማሕደር ወይ ድንኳን​—⁠“ድንኳን ምርኻብ” እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ​—⁠ክሰርሑ ኣዘዞም። (ዘጸኣት 39:32, 40) እቲ ማሕደር ወይ ድንኳን ክልተ መሰውኢታት ነበሮ። እቲ ሓደ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ካብ ዕጨይቲ ሽጢም እተሰርሐ ዀይኑ በስራዚ እተለበጠ እዩ ነይሩ: ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ይቕመጥ እሞ ንናይ እንስሳ መስዋእቲ ድማ የገልግል ነበረ። (ዘጸኣት 27:1-8፣ 39:39፣ 40:6, 29) እቲ ናይ ዕጣን መሰውኢ እውን ካብ ዕጨይቲ ሽጢም እተሰርሐ ዀይኑ ብወርቂ እተለበጠ ነበረ: ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕደር ቀቅድሚ እቲ ናይ ቅድስተ ቕዱሳን መጋረጃ ኸኣ ይቕመጥ ነበረ። (ዘጸኣት 30:1-6፣ 39:38፣ 40:5, 26, 27) ኣብዚ መሰውኢ እዚ ንግሆን ምሸትን ፍሉይ ዕጣን ይዕጠን ነበረ። (ዘጸኣት 30:7-9) እታ ብንጉስ ሰሎሞን እተሃንጸት ቤተ መቕደስ እውን ብመሰረት ነቲ ማሕደር እተዋህበ ንድፊ ስለ እተሰርሐት ክልተ መሰውኢታት ነበራ።

እቲ “ድንኳን ሓቅን” ምሳልያዊ መሰውእን

የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ዘውጽኣሉ ምኽንያት: ነቶም ህዝቢ መምርሒ ዝዀኖም ስርዓታት ከምኡውን ብመስዋእትን ጸሎትን ገይሮም ብኸመይ ከም ዝቐርብዎ ንምሕባር ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ኻብቲ ዝገበረሎም ምድላዋት ‘ናይታ ሰማያዊት ምስሊ:’ ‘ምሳሌ:’ ወይ ‘ጽላሎት’ ዘመልክት ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ እዩ። (እብራውያን 8:3-5፣ 9:9፣ 10:1፣ ቈሎሴ 2:17) ብኻልእ ኣዘራርባ: ዝበዝሕ ክፋል ናይቲ ሕጊ: ክርስቶስ ክሳዕ ዝመጽእ መሪሕዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝፍጸም ዕላማ ኣምላኽ እውን ጽላሎት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። (ገላትያ 3:24) እወ: እተፈላለየ ኽፋል እቲ ሕጊ ትንቢታዊ ፍጻመ ነይርዎ እዩ። ንኣብነት: እቲ እስራኤላውያን ከም ምልክት ድሕነት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ደም ናይ ገንሸል ፋስጋ ጽላሎት የሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። የሱስ ካብ ሓጢኣትና ሓራ ምእንቲ ኽንከውን ደሙ ስለ ዘፍሰሰ: “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” እዩ።​—⁠ዮሃንስ 1:29፣ ኤፌሶን 1:7

መብዛሕትኡ ምስቲ ኣብ ማሕደርን ቤተ መቕደስን ዝግበር ኣገልግሎት እተተሓሓዘ ነገራት እውን ንመንፈሳዊ ነገራት እዩ ዘመልክት። (እብራውያን 8:5፣ 9:23) አረ: ጳውሎስ እሞ ኸኣ “ጐይታ ደኣ እምበር: ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ መጸ: በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ: ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 8:2፣ 9:11) እቲ ‘ብሉጽን ፍጹምን ድንኳን’ ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ናይ የሆዋ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ እዩ። እዚ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ሰባት ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ናብ የሆዋ ንምቕራብ ዘኽእሎም ምድላው ምዃኑ: ካብ ኣበሃህላ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንርድኦ ንኽእል ኢና።​—⁠እብራውያን 9:2-10, 23-28

ገሊኡ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ምድላዋትን ስርዓታትን ንዝዓበየን ዝያዳ ትርጕም ንዘለዎን መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘመልክት ካብ ቃል ኣምላኽ ምፍላጥና: መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምዃኑ ዝያዳ ንኽንተኣማመን ከም ዘኽእለና ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብፍሉይ መገዲ እተገልጸ ጥበብ ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ድማ የስፍሖ።​—⁠ሮሜ 11:33፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16

እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ መሰውኢ እውን ትንቢታዊ ኣገዳስነት ነበሮ። ነቲ “ፍቓድ” ኣምላኽ ወይ ነቲ የሱስ ከም ፍጹም ሰብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣምላኽ ንምቕባል ዘርኣዮ ፍታው ዘመልክት እዩ ዝመስል።​—⁠እብራውያን 10:1-10

ጳውሎስ ጸኒሑ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን “ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ አሎና” ብምባል ሓደ ኣገዳሲ ሓሳብ ሂቡ እዩ። (እብራውያን 13:10) ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣየናይ መሰውኢ እዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ብዛዕባ እዚ ሕጂ መንበረ⁠-​ታቦት ዝበሃል ዘሎ ድዩ ዘመልክት ነይሩ፧

ብዙሓት ካቶሊካውያን ተርጐምቲ እቲ ኣብ እብራውያን 13:10 ተጠቒሱ ዘሎ መሰውኢ: ነቲ ኣብ ግዜ ቝርባን ቅዳሴ ኽግበር ከሎ መስዋእቲ ክርስቶስ ዝሕደሰሉ ፍጻመ እዩ ዘመልክት ይብሉ። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ መሰውኢ ኽብል ከሎ ንምሳልያዊ ነገር የመልክት ከም ዝነበረ ኻብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ገሊኣቶም ምሁራት ነታ ኣብዚ “መሰውኢ” ተባሂላ ዘላ ቓል ምሳልያዊ ምዃና ይገልጹ እዮም። ጁሰፔ ቦንሲርቨን ዝበሃል ጀስዊት “እዚ ኣብታ [ናብ እብራውያን እተላእከት] መልእኽቲ ምስ ዝርከብ ካልእ ምሳልያዊ ኣገላልጻ ዝሰማማዕ እዩ” በለ። ብተወሳኺውን: “ብናይ ክርስትያናት ኣዘራርባ እታ ‘መሰውኢ’ እትብል ቃል ፈለማ ብመንፈሳዊ መዳይ እዩ ዝዕየየላ፣ ድሕሪ ኢሪንየስ ብሕልፊ ድማ ድሕሪ ተርቱልያንን ቅዱስ ሳይፕሪያንን እዩ ምስ ቍርባን ብፍላይ ከኣ ምስ ጠረጴዛ ቝርባን ክትተሓሓዝ ዝጀመረት” በለ።

ኣብ ሓንቲ ናይ ካቶሊክ መጽሔት: እቲ ኻብ መሰውኢ ዝመበቈሉ እዩ ዝበሃል መንበረ⁠-​ታቦት “ብዘመነ ቆስጣንጢኖስ” ዓበይቲ “ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት” ክህነጽ ከሎ ኸም ዘስፋሕፍሐ ትገልጽ። እታ ሪቪስታ ዲ ኣርከዮሎጂያ ክሪስቲያና (ምርምር ስነ⁠-​ጥንቲ ክርስትያን) እትበሃል መጽሔት ድማ ከምዚ በለት:- “ኣብ መጀመርታ ኽልተ ዘመናት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ . . . ንኣምልኾ ኢልካ ኣኼባታት ይግበር ከም ዝነበረ ደኣ እምበር ፍሉይ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ከም ዝነበረ ዝሕብር መርትዖ የለን። እቲ ዝእከቡሉ ክፍልታት እውን እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ብኡንብኡ ኸም ቀደሙ ንብሕታዊ ጕዳይ ንኸገልግል የተዓራርይዎ ነበሩ።”

ህዝበ⁠-​ክርስትያንን መንበረ⁠-​ታቦትን

ላ ቺቪልታ ካቶሊካ እትበሃል ጋዜጣ ካቶሊክ “መንበረ⁠-​ታቦት ማእከል ናይ ህንጻ ቤተ⁠-​ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ: ማእከል ናይታ ህያው ቤተ⁠-​ክርስትያን እውን እዩ” በለት። ይኹን እምበር: የሱስ ክርስቶስ ኣብ መንበረ⁠-​ታቦት ዝፍጸም ዋላ ሓንቲ ስርዓት ናይ ሃይማኖታዊ ጽምብል ኣየተኣታተወን፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምኡ ኽገብሩ እውን ኣይኣዘዞምን። የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:23, 24 ዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት መሰውኢ ምጥቃሱ ነቲ ኣብ ኣይሁድ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ልምዲ ደኣ እዩ ዘመልክት ነይሩ እምበር: ሰዓብቱ ብመንበረ⁠-​ታቦት ገይሮም ንኣምላኽ ከምልኽዎ ኣይኰነን ዝሕብር ነይሩ።

ኣመሪካዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆርጅ ፉት ሙር (1851-​1931) “እቲ ቐንዲ ስርዓታት ኣምልኾ ክርስትና ኣይቀያየርን እዩ ነይሩ: እናሓደረ ግን ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ብጀስቲን እተገልጸ ተራ ጽምብላት ዓብዪ ግምት ዝወሃቦ ስርዓት ኣምልኾ ዀነ” በለ። ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝገብርዎ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ኣዝዩ ብዙሕን እተሓላለኸን ካብ ምዃኑ እተላዕለ ቅዳሴ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ካቶሊክ ክጽናዕ ጀመረ። ሙር ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ክርስትያናት ኣቕሽሽቲ መተካእታ ናይቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኻህናት ጌርካ ኽርኣዩ ምስ ጀመሩ: እዚ ኣብ ኵሉ ጽምብላት እተንጸባረቐ ኣካይዳ [ማለት ንተራ ጽምብላት ዓብዪ ግምት ምሃብ] በቲ ብሉይ ኪዳን ዘሕደሮ ጽልዋ ኣጸቢቑ እናተጋደደ ኸደ። እቲ ውቁብ ኣከዳድና ናይ ሊቀ ኻህናት: ካልኦት ካህናት ኣብ ጽምብል ዝለብስዎ ልብሲ: ብጥንቃቐ ዝግበር ጽምብል: ሌዋውያን መዘምራን ዝዝምርዎ መዝሙራት: ካብቲ ዘወዛውዝዎ ጽንሃህ ዝወጽእ ዕጣን: ኰታስ ብምሉኡ እዚ ጽምብላት እዚ ነታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣምላኽ ኣብነት ክኸውን ዝሃቦ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ስለ ዝመሰላ: ምስቲ ድምቀት ዘለዎ ትርኢት ናይ ጥንታዊ ኣምልኾ ክትወዳደር ጀመረት።”

ሓያሎ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ኣምልኾ ዘዘውትራኦ እተፈላለየ ስርዓት ጽምብላት: ልብሲ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ነቲ ኣብ ወንጌላት ዝርከብ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ዘይኰነስ ናይ ኣይሁድን ኣረማውያንን ልምድታት ዝስዕብ ምዃኑ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። ኢንቺክሎፐዲያ ካቶሊካ ኣብዚ መዳይ እዚ እምነት ካቶሊክ “መንበረ⁠-​ታቦት ብዛዕባ ምጥቃም ዝመጸ ኻብ ኣይሁድነት: ብእተወሰነ ደረጃ ድማ ካብ ኣረማውነት ወሪሱ እዩ” በለ። ሚኑክዩስ ፈሊክስ ዝበሃል ኣብ ሳልሳይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ንእምነት ዝጣበቕ ዝነበረ ጸሓፊ: ክርስትያናት ‘ኣብያተ⁠-​መቕደስ ኰነ መሰውኢ ወይ መንበረ⁠-​ታቦት’ ከም ዘይነበሮም ጽሒፉ እዩ። እቲ ረሊጂዮኒ ኤ ሚቲ (ሃይማኖትን ጽውጽዋይን) ዝበሃል መዝገበ⁠-​ቓላት እውን ብተመሳሳሊ “ቀዳሞት ክርስትያናት ገዛእ ርእሶም ካብ ናይ ኣይሁድን ኣረማውያንን ኣምልኾ ንምፍላይ መሰውኢ [ዀነ መንበረ⁠-​ታቦት] ኣይጥቀሙን እዮም ነይሮም” በለ።

ክርስትና ብቐዳምነት ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ክዕየየሉ እውን ስለ ዝግባእ: ኣብ ምድሪ እትርከብ ቅድስቲ ኸተማ: መሰውኢ ወይ መንበረ⁠-​ታቦት ዘለዎ ቤተ መቕደስ: ወይ ክብ ዝበለ መዓርግ ዘለዎምን ፍልይ ዝበለ ልብሲ እተኸድኑን ሰብኣውያን ካህናት ኣየድልዩን እዮም። የሱስ ‘ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ እዮም’ በለ። (ዮሃንስ 4:21, 23) ብዙሓት ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት እተሓላለኸ ጽምብላትን መንበረ⁠-​ታቦትን ምጥቃመን ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክምለኸሉ ዝግባእ መገዲ እተዛረቦ ነገር ዕሽሽ ከም ዝበላኦ እዩ ዘርኢ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a መንበረ⁠-​ታቦት ዝብል ቃል ኣብ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ነቲ ጽላት ዝቕመጠሉ ነገር የመልክት። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግን ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ መስዋእቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ ቦታ ወይ ብዛዕባ እቲ ሰዓብቲ እምነት ናይ ሮማ ካቶሊክ ዘዘውትርዎ መንበረ⁠-​ታቦት ዝብልዎ ጠረጴዛ ቝርባን ኢና እንገልጽ ዘሎና።

b ኣቐዲሞም ቃየልን ኣቤልን ንየሆዋ ኣብ መሰውኢ ሰዊኦምሉ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።​—⁠ዘፍጥረት 4:3, 4