ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ’

‘ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ’

‘ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ’

ኣብ ከራላ: ህንዲ: ዝነብር ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጺሖምንን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበሲሮምንን እዮም። ንሸሞንተ ዓመታት ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ እኳ እንተ ነበርኩ: ብዛዕባ ኣምላኽ ግን ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ይኹን እምበር: ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራይ ብዙሕ ተማሂረ። ግምቢ ዘብዐኛ ብ139 [ሕጂ 146] ቋንቋታት ከም ዝሕተም ምስ ፈለጥኩ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ዝዀነ ይኹን ዓይነት ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ ኣምላኽ ክፈልጡ ምኽኣሎም ዘገርም እዩ።”

ብዙሓት ፈላስፋታት ንኣምላኽ ክንፈልጦ ኸም ዘይንኽእል ዝዛረቡ እኳ እንተዀኑ: ሃዋርያ ጳውሎስ ግን እዚ ኸም ዝከኣል ንጹር ገይርዎ እዩ። ጳውሎስ ተኣኪቦም ንዝረኸቦም ሰብ ኣቴና​—⁠ገለ ኻባታቶም “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ኣብ ዝብል መሰውኢ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙ ዝነበሩ እዮም​—⁠ከምዚ በሎም:- “እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም: ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ። እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ: . . . ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ: . . . ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:23-26

ጳውሎስ ነቶም ሰማዕቱ ንፈጣሪ ኽፈልጥዎ ጻዕሪ ኽገብሩ ተማሕጸኖም: ከመይሲ ‘ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ኣይኰነን።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ነቲ ዝስሕብ ባህርያቱን ንኽትፈልጥ ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።