ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዘይንፈልጦ ኣምላኽ ደዀን ንኣምን ንህሉ፧

ኣብ ዘይንፈልጦ ኣምላኽ ደዀን ንኣምን ንህሉ፧

ኣብ ዘይንፈልጦ ኣምላኽ ደዀን ንኣምን ንህሉ፧

ካብ ህዝቢ ጀርመን ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ኣብ ኣምላኽ ይኣምኑ እዮም። እንተዀነ ግን: ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ጀርመናውያን ነቲ ዝኣምንዎ ኣምላኽ ክገልጽዎ ምስ ተሓትቱ: ዳርጋ ዅላቶም እተፈላለየ መግለጺ ሃቡ። ጋዜጣ ፎካስ “ጀርመናውያን በብውልቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም ምርዳእ: ከምቲ ብዝሖም እተፈላለየ እዩ” በለት። ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዝነኣድ እኳ እንተዀነ: እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ኸይፈለጥካ ኣብኡ ምእማንሲ ዘሕዝንዶ ኸይኰነ፧

እዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎ ምጥርጣር ኣብ ጀርመን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ኣውሮጳ እውን ይርከብ እዩ። ኣብ ኣውስትርያን ብሪጣንያን ነዘርላንድን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ኣምላኽ “ዝለዓለ ሓይሊ ወይ ክግለጽ ዘይከኣል ምስጢር” ምዃኑ ብሰፊሑ እዩ ዝእመነሉ። ብፍላይ መንእሰያት: እቶም ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ እውን ከይተረፉ: ምስጢር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ።

ንኣምላኽ ብብሕቲ ትፈልጦ ዲኻ፧

ኣብ መንጎ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ምፍላጥን ነቲ ሰብ ብብሕቲ ምፍላጡን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ። ብዛዕባ ሓደ ሰብ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ ኸም ዘሎ ጥራይ ምፍላጡ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ኣብ ሓደ ቦታ ዘሎ ንጉስ: ብዛዕባ ብሉጽ ስፖርተኛ: ወይ ብዛዕባ ህቡብ ተዋሳኢ ዘሎና ፍልጠት ክጥቀስ ይከኣል እዩ። ንሓደ ሰብ ብብሕቲ ምፍላጡ ኽበሃል ከሎ ግን ኣብዚ እተሓጽረ ኣይኰነን። እዚ ነገር እዚ ናይቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ባህርይ: ጠባይ: ስምዒታት: ዝፈትዎን ዝጸልኦን ነገራት: ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ መደብ ምፍላጥ ዘጠቓልል እዩ። ንሓደ ሰብ ብብሕቲ ምስ እትፈልጦ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኽህልወካ መገዲ ይኸፍተልካ።

ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ውልቀ⁠-​ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይንጹር ሓሳብ ምሓዝ ወይ ህላወኡ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነ ኣሚኖምሉ ኣለዉ። ንኣምላኽ ቅርብ ኢሎም ብምፍላጥ ስጕምቲ ወሲዶም እዮም። እዚ ጠቓሚ ዀይኑዶ ረኺቦምዎ፧ ፖል ዝበሃል ኣብ ሰሜናዊ ጀርመን ዝነብር ሰብኣይ: ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓፈሻዊ ፍልጠት ጥራይ ነበሮ: ድሕሪ ግዜ ግን ብብሕቲ ንኽፈልጦ ጻዕሪ ገበረ። ፖል ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ንኣምላኽ ምፍላጥ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ: እንተዀነ ግን ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ምስ ፈጣሪ ጥብቂ ርክብ ምስ ዝህልወካ: መዓልታዊ ህይወትካ ኣጸቢቑ ይመሓየሽ እዩ” ብምባል ገለጸ።

ንኣምላኽ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኢልካ ግዜኻ ኽትስውእን ጻዕሪ ኽትገብርን የድሊዶ፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ በጃኻ ኣንብባ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብ መንጎ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ምፍላጥን ነቲ ሰብ ብብሕቲ ምፍላጡን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ