ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድራር ጐይታ ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ድራር ጐይታ ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ድራር ጐይታ ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

“ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ: ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ።”—1 ቈረንቶስ 11:27

1. ኣብ 2003 ክበዓል ተመዲቡ ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ በዓል እንታይ እዩ: ኣጀማምርኡኸ ከመይ እዩ፧

 ኣብ 2003 ክበዓል ተመዲቡ ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ በዓል 16 ሚያዝያ ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ እዩ ዝውዕል። ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ከብዕሉ ክእከቡ እዮም። ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ: የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ዀይኑ ኣብ 14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ምስ ኣብዓለ: ነዚ ድራር ጐይታ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ በዓል ሰሪዑ እዩ። እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝቐርብ ቕጫን ወይንን ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋ ክርስቶስን ነቲ ዝፈሰሰ ደሙን ዘመልክት እዩ። ደቅሰብ ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ክናገፉ ዝኽእሉ ኸኣ ብመሰረት እዚ በጅነታዊ መስዋእቲ እዚ ጥራይ እዩ።​—⁠ሮሜ 5:12፣ 6:23

2. ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:27 እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

2 እቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስዱ ሰባት ኣርዚኖም ክርእይዎ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ንድራር ጐይታ ብግቡእ መገዲ ዘየኽብርዎ ዝነበሩ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ ነዚ ኣነጺርዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:20-22) ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ: ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ።” (1 ቈረንቶስ 11:27) እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧

ገሊኣቶም ብዘይ​ግቡእ መገዲ እዮም ዘኽብርዎ ነይሮም

3. ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ዝበዝሑ ክርስትያናት ኣብ ግዜ ድራር ጐይታ ብኸመይ እዮም ዝመላለሱ ነይሮም፧

3 ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ዝበዝሑ ክርስትያናት ካብቲ ቕጫን ወይንን ብዘይ​ግቡእ መገዲ እዮም ዝወስዱ ነይሮም። ኣብ መንጎኦም ምክፍፋል ነበሮም: ገሊኣቶም ከኣ ድራሮም ሒዞም ብምምጻእ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ወይ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ካብ መጠን ንላዕሊ ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ። በእምሮ ይኹን ብመንፈስ ንቑሓት ኣይነበሩን። እዚ ኸኣ ‘ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን ከም ዝዕግቡ ገበሮም።’ እቶም ከይተደረሩ ዝመጹ ድማ ጠምዮም ስለ ዝመጹ ኣቓልቦኦም ኣብቲ በዓል ኣይነበረን። እወ: መብዛሕትኦም ካብቲ ቕጫን ወይንን ክካፈሉ ኸለዉ ኣየኽብርዎን እዮም ነይሮም: ንርዝነት ናይቲ በዓል ከኣ ኣይተገንዘብዎን ነበሩ። ኣብ ገዛእ ርእሶም ፍርዲ የምጽኡ ኸም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:27-34

4, 5. እቶም ኣዘውቲሮም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስዱ ሰባት ርእሶም ክምርምሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

4 ዓመት ዓመት ድራር ጐይታ ክቐርብ ከሎ እቶም ኣዘውቲሮም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስዱ ሰባት ርእሶም ክምርምሩ ኣለዎም። ካብዚ ናይ ሓባር መኣዲ እዚ ብግቡእ ምእንቲ ኽካፈሉ ብመንፈሳዊ ዅነታት ጥዑያት ክዀኑ ይግባእ። ልክዕ ከምቲ ሓደ እስራኤላዊ ረኺሱ ኸሎ ካብቲ ናይ ሓባር መኣዲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ምስ ዝካፈል ‘ካብ ህዝቡ ዝምንቈስ’ ዝነበረ: ዝዀነ ይኹን ንመስዋእቲ የሱስ ዘየኽብር ወይ ዝንዕቕ ሰብ እውን ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ክምንቈስ ይኽእል እዩ።​—⁠ዘሌዋውያን 7:20፣ እብራውያን 10:28-31

5 ጳውሎስ ንበዓል ዝኽሪ ምስቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝግበር ዝነበረ መስዋእቲ ምስጋና ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ብዛዕባቶም ብክርስቶስ ሓቢሮም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝካፈሉ ዝነበሩ ክርስትያናት ድሕሪ ምዝራቡ ኸምዚ በለ:- “ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከአለኩምን: ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከአለኩምን እዩ።” (1 ቈረንቶስ 10:16-21) ኣዘውቲሩ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስድ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽም: ብዛዕባ እዚ ንየሆዋ ኽናዘዘሉ ይግባእ: ካብቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ከኣ መንፈሳዊ ሓገዝ ክደሊ ይግብኦ። (ምሳሌ 28:13፣ ያእቆብ 5:13-16) ብሓቂ ተናሲሑ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ኸኣ ዝፈሪ እንተደኣ ዀይኑ: ካብቲ ቕጫን ወይንን ከይተገብኦ ኣይኰነን ዝወስድ።​—⁠ሉቃስ 3:8

ብኣኽብሮት ዝዕዘቡ ተኣከብቲ

6. ኣምላኽ ኣብ ድራር ጐይታ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ናይ ምውሳድ መሰል ዝሃቦ ንመን እዩ፧

6 እቶም ሎሚ ነቶም 144,000 ኣሕዋት ክርስቶስ ሰናይ ዝገብሩሎም ሰባት ካብቲ ድራር ጐይታ ክወስዱ ይግብኦም ድዩ፧ (ማቴዎስ 25:31-40፣ ራእይ 14:1) ኣይፋሎምን። ኣምላኽ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዝሃቦም ነቶም “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ዝዀኑ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦም ውልቀ⁠-​ሰባት እዩ። (ሮሜ 8:14-18፣ 1 ዮሃንስ 2:20) ስለዚ እምበኣር: እቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ኣብቲ ድራር ጐይታ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧ (ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 21:3, 4) ከምቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም መዋርስቲ የሱስ ስለ ዘይኰኑ: ኣብ በዓል ዝኽሪ ብኣኽብሮት እዮም ዝዕዘቡ።​—⁠ሮሜ 6:3-5

7. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብቲ ቕጫን ወይንን ክካፈሉ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧

7 ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ተቐቢኦም። መብዛሕትኦም ከም እኒ ብቛንቋታት ምዝራብ ዝኣመሰለ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ ክጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም እምበኣር ብመንፈስ እተቐብኡ ምዃኖምን ካብቲ ቕጫን ወይንን ክካፈሉ ዝግብኦም እንተ ዀይኑን ክፈልጡ ኣየጸግሞምን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜና ግን ሓደ ሰብ ብመንፈስ እተቐብአ ምዃኑ ክፈልጥ ዝኽእል ብመሰረት እቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት እዩ:- “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ: ኣቦ: ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም እምበር: መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን: ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ: ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም።”​—⁠ሮሜ 8:14, 15

8. እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ስርናይ’ ንመን እዩ ዘመልክት: እቲ ኽርዳድከ ንመን የመልክት፧

8 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ማእከል “ክርዳድ” ወይ ኣብ መንጎ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ዝበቘለ “ስርናይ” ኰይኖም ጸኒሖም እዮም። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43) ካብ 1870ታት ንነጀው እቲ “ስርናይ” እናዓበየ ስለ ዝኸደ ብጋህዲ ክርአ ጀመረ: ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ተዓዘብቲ ኸምዚ ተባህሉ:- “እቶም ሽማግለታት . . . ነቶም [ኣብ ድራር ጐይታ] ዝእከቡ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከነጽሩሎም ኣለዎም:- (1) ኣብ ደም [ክርስቶስ] እምነት ምግባር (2) ክሳዕ ሞት ንጐይታን ንኣገልግሎቱን ውፉይ ምዃን። ድሕርዚ ንዅሎም እቶም እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዘለዎም እሞ ሓቢሮም ድራር ጐይታ ንምብዓል እተወፈዩ ክዕድምዎም ይግባእ።”​—⁠ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ 6ይ ጥራዝ፣ ዘ ኒው ክሪአሽን ገጽ 473 a

ነተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ምድላይ

9. ብ1935 መንነት ናይቶም “ዓብዪ ጭፍራ” ዝነጸረ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ንገለ ኻብቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስዱ ዝነበሩ ብኸመይ ተንከፎም፧

9 ድሕሪ ገለ ግዜ ማሕበር የሆዋ ኣብ ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልኦት እውን ኣቓልቦ ኽትገብር ጀመረት። እዚ ኸኣ ኣብ መፋርቕ 1930ታት እዩ ተጀሚሩ። ቅድሚ እዚ ግን ህዝቢ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ዝተንስኡ 144,000 ቅቡኣት ዝሓብሩ ካልኣይ ደረጃ ዘለዎም መንፈሳውያን ክፍሊ​—⁠ልክዕ ከም ንመርዓት ክርስቶስ ዝዕጅባ ኣዳኖታት​—⁠ገይሮም እዮም ዝምልከትዎም ነይሮም። (መዝሙር 45:14, 15፣ ራእይ 7:4፣ 21:2, 9) ይኹን እምበር: 31 ግንቦት 1935 ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲ. ሕ.መ.ኣ. እቶም “ብዙሓት ሰብ” (“ዓብዪ ጭፍራ” NW ) ነቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ ዝነብሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ከም ዘመልክቱ ብቕዱሳት ጽሑፋት ተገልጸ። (ዮሃንስ 10:16) ድሕሪ እቲ ኣኼባ: ገለ ኻብቶም ኣቐዲሞም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስዱ ዝነበሩ ተስፋኦም ምድራዊ ደኣ እምበር ሰማያዊ ከም ዘይኰነ ስለ እተገንዘቡ ምውሳድ ኣቋረጹ።

10. እዞም ሕጂ ዘለዉ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዘለዎም ተስፋን ሓላፍነትን ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

10 ብፍላይ ካብ 1935 ንነጀው ኣብቲ በጅነት እምነት ዘለዎም: ህይወቶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ: ነቶም “ሒደት መጓሰ” ኸኣ ኣብቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓብርዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ክድለዩ ጀመሩ። (ሉቃስ 12:32) እዞም ካልኦት ኣባጊዕ እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም ተስፋ ዝገብሩ: ብኻልእ ኵሉ መዳያት ግን: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ቅቡኣት እዮም ዝመስሉ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ጓኖት ንየሆዋ ዘምልኹን ነቲ ሕጊ ድማ ዝእዘዙን ዝነበሩ: ሎሚ ዘለዉ ኻልኦት ኣባጊዕ እውን ከምቲ ምስ ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ኰይኖም ዝገብርዎ ስብከት ናይቲ ብስራት ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ሓላፍነታት ይቕበሉ እዮም። (ገላትያ 6:16) ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ መጻእተኛታት ንጉስ ወይ ካህን ክኸውን ዘይክእል ዝነበረ: ዋላ ሓደ ኻብዞም ካልኦት ኣባጊዕ እዚኣቶም እውን ክፍሊ ናይቶም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ዘመሓድሩ ነገስታትን ካህናትን ክኸውን ኣይክእልን እዩ።​—⁠ዘዳግም 17:15

11. ሓደ ሰብ ህይወቱ ዝወፈየሉ ዕለት: ተስፋኡ ምድራዊ ወይ ሰማያዊ ምዃኑ ክውስኖ ዝኽእል ስለምንታይ እዩ፧

11 ክሳዕ 1930ታት ብሓፈሻ እቶም ሰማያዊ ኽፍሊ ዘለዎም ሰባት ከም እተመርጹ እናነጸረ ኸደ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ንዓሰርተታት ዓመታት እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ እዮም ዝእከቡ ዘለዉ። ሓደ ቕቡእ ዘይእሙን ኰይኑ እንተደኣ ተረኺቡ: ነቲ ዝጎደለ ቝጽሪ ናይ 144,000 ንምምላእ ዝምረጽ ካብቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ብተኣማንነት ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኻልኦት ኣባጊዕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ገሊኣቶም ብጌጋ ሰማያዊ ተስፋ ኣሎና ኢሎም ዝሓስቡ ስለምንታይ እዮም፧

12. ሓደ ሰብ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዝህሉ እዩ ካብቲ ቕጫን ወይንን ምውሳድ ከቋርጽ ዘለዎ: ስለምንታይከ፧

12 ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎም ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት እዮም። እዚ ጽውዓ እዚ ዘይብሎም ገለ ውልቀ⁠-​ሰባት ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝካፈሉ እንተደኣ ዀይኖምከ፧ ሕጂ ፈጺሙ ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘይብሎም ይፍለጦም እንተደኣ ኣልዩ ዀይኑ: ሕልንኦም ንኸቋርጹ ኸም ዝድርኾም ፍሉጥ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘይብሉ እናፈለጠ ንገዛእ ርእሱ ሰማያዊ ንጉስን ካህንን ክኸውን ከም እተጸውዐ ገይሩ ዝቘጽር ዝዀነ ይኹን ሰብ ስምረቱ ኣይህቦን እዩ። (ሮሜ 9:16፣ ራእይ 20:6) የሆዋ ነቲ ሌዋዊ ዝነበረ ቆራሕ ደፊሩ ኽህነት ኣሮን ስለ ዝደለየ ኣጥፊእዎ እዩ። (ዘጸኣት 28:1፣ ዘሁልቍ 16:4-11, 31-35) ስለዚ: ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ካብቲ ቕጫን ወይንን ብጌጋ ይወስድ ከም ዝነበረ እንተደኣ ተገንዚቡ: ምውሳዱ ኸቋርጽን ትሕት ኢሉ ብጸሎት ካብ የሆዋ ይቕረታ ክሓትትን ኣለዎ።​—⁠መዝሙር 19:13

13, 14. ገሊኣቶም ብጌጋ ሰማያዊ ተስፋ ኣሎና ኢሎም ዝሓስቡ ስለምንታይ እዮም፧

13 ገሊኣቶም ብጌጋ ሰማያዊ ጽውዓ ኣሎና ኢሎም ዝሓስቡ ስለምንታይ እዮም፧ ሞት ናይ መርዓ ብጻዮም ወይ ከኣ ካልእ ዘሕዝን ኣጋጣሚታት ኣብ ምድሪ ምንባር ቅጭ ኣምጺኡሎም ክኸውን ይኽእል። ወይ ከኣ ካብ ሓደ ቕቡእ እየ ዝብል ክርስትያን ብጻዮም ክፍለዩ ስለ ዘይደልዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ነዚ መሰል እዚ ንኽረኽቡ ንኸተባብዕ ኢሉ ዝመደቦ ሰብ የለን። ነቶም ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብቶም ቅቡኣት ምዃኖም ዝምስክረሎም ድምጺ እውን ኣየስምዖምን እዩ።

14 ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ንሰማይ እዮም ዝኸዱ ዝብል ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ሓሳብ ንገሊኣቶም ሰማያዊ ጽውዓ ኣሎና ኢሎም ከም ዝሓስቡ ኽገብሮም ይኽእል እዩ። ስለዚ ብናይ ዝሓለፈ ግጉይ ርእይቶታት ወይ ብኻልእ ረቛሒታት ንኸይንጽሎ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ንኣብነት ገሊኣቶም ‘ንስምዒታተይ ዝትንክፍ መድሃኒት እጥቀም ድየ፧ ስምዒታዊ ኻብ ምዃነይ እተላዕለ ግጉይ ውሳነ እውስንዶ ዀን እህሉ፧’ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

15, 16. ገሊኣቶም ካብቶም ቅቡኣት ኢና ኣብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሖም እንታይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፧

15 ገለ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም:- ‘ምርኡይ ክኸውን ድየ ዝደሊ፧ ሕጂ ስልጣን ንምሓዝ ወይ ከኣ ንመጻኢ መዋርስቲ ክርስቶስ ናይ ምዃን ህርፋን ኣሎኒ ድዩ፧’ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን መዋርስቲ ክርስቶስ ምስ ተጸውዑ: ኣብታ ጉባኤ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበሮም ኵሎም ኣይኰኑን ነይሮም። እቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም ውልቀ⁠-​ሰባት ምርኡያት ክዀኑ ወይ ከኣ ቅቡኣት ብምዃኖም ክጀሃሩ ኣይደልዩን እዮም። የግዳስ ካብቶም “ሓሳብ ክርስቶስ” ዘለዎም ሰባት እትጽበዮ ዓይነት ትሕትና ኣለዎም።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:16

16 ገሊኣቶም ከኣ ሰማያዊ ጽውዓ ኣሎኒ ኣብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሖም ብዙሕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘለዎም ክኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ንገለ ኻብቶም ቅቡኣት ክምህሮምን ክመኽሮምን ካብ ተገደደ ብመንፈስ ቅቡእ ምዃን ሓለፍ ዝበለ ፍልጠት ከምጽእ ከም ዘይክእል የገንዝበና። (1 ቈረንቶስ 3:1-3፣ እብራውያን 5:11-14) ኣምላኽ ንዅሎም ህዝቡ መንፈሳዊ መግቢ ኽህቦም ምድላው ገይሩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) ስለዚ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ቅቡእ ብምዃኑ ካብ ጥበብ ናይቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ሓለፍ ዝበለት ጥበብ ከም ዝወሃቦ ገይሩ ኽሓስብ የብሉን። ሓደ ሰብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ብምምላስ ከምኡውን ብኣገልግሎቱ ወይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ብምሃብ ዝመጸ ኽኢላ ምዃኑ ብመንፈስ ከም እተቐብአ መረጋገጺ ክዀኖ ኣይክእልን እዩ። ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን በዚ መዳያት እዚ ብቕዓት ኣለዎም።

17. ብመንፈስ ምቕባእ ኣብ ምንታይን ኣብ መንን እዩ ዝምርኰስ፧

17 ሓደ ኣማኒ ብዛዕባ ሰማያዊ ጽውዓ እንተደኣ ሓቲቱ: ሓደ ሽማግለ ወይ ካልእ ብሱል ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስኡ ክመያየጠሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ነቲ ሓደ ኽውስነሉ ኣይክእልን እዩ። ብሓቂ እዚ ጽውዓ እዚ ዘለዎ ሰብ ሰማያዊ ተስፋ ኽህልወኒ ይኽእል ድዩ ኢሉ ንኻልኦት ክሓትት ኣየድልዮን እዩ። እቶም ቅቡኣት “ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር: ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም” ተባሂሉሎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:23) ኣምላኽ ብመንፈሱን ብቓሉን ገይሩ ነቲ ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎ ሰብ “ሓድሽ ፍጥረት” ዝገብሮ “ዘርኢ” ይዘርኣሉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:17) ዝመርጾ ኸኣ የሆዋ እዩ። ምቕባእ “ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር: ናይቲ ዚደልን ዚጐይን ኣይኰነን።” (ሮሜ 9:16) ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ብሓቂ ሰማያዊ ጽውዓ እንተልይዎ ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

ርግጸኛታት ዝዀኑሉ ምኽንያት

18. መንፈስ ኣምላኽ ምስ መንፈስ እቶም ቅቡኣት ኰይኑ ዝምስክር ብኸመይ እዩ፧

18 እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝህቦ ምስክርነት ንቕቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎም እዩ ዘእምኖም። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ: ኣቦ: ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም . . . ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ: ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ: ወረስቲ ድማ ኢና: ንኣምላኽ ወረስቱ: ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ: ምስኡውን ክንከብር ኢና።” (ሮሜ 8:15-17) መንፈስ ቅዱስ ንመንፈስ ናይቶም ቅቡኣት ስለ ዝጸልዎ ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መንፈሳውያን ውሉዳት የሆዋ ዝብሎ ነገራት ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎ ይድርኾም እዩ። (1 ዮሃንስ 3:2) መንፈስ ኣምላኽ: ውልድነት ይህቦም ፍሉይ ተስፋ ኸኣ የሕድረሎም። (ገላትያ 4:6, 7) እወ: ፍጹማት ሰባት ኰይኖም ምስ ኣባላት ስድራ​ቤቶምን ኣዕሩኽቶምን ዘለኣለማዊ ምድራዊ ህይወት ክረኽቡ ዘደንቕ ተስፋ እኳ እንተዀነ: ኣምላኽ ነዚ ተስፋ እዚ ኣይሃቦምን። ብመንፈሱ ገይሩ ንዅሉ እቲ ምስ ምድሪ እተተሓሓዘ ስምዒታቶምን ተስፋታቶምን ንምስዋእ ፍቓደኛታት ከም ዝዀኑ ዝገብሮም ሓያል መንፈሳዊ ተስፋ ኣሕዲሩሎም እዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 5:1-5, 8፣ 2 ጴጥሮስ 1:13, 14

19. እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ህይወት እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

19 ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ወይ ከኣ ኣባላት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ምዃኖም ርግጸኛታት እዮም። የሱስ በዓል ዝኽሪ ክሰርዕ ከሎ ነዚ ጠቒስዎ ኣሎ: ከምዚ ኸኣ በለ:- “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።” (ሉቃስ 22:20) ኣምላኽን ቅቡኣትን እዮም ሓድሽ ኪዳን ዝተኣታተዉ። (ኤርምያስ 31:31-34፣ እብራውያን 12:22-24) እቲ ማእከላይ የሱስ እዩ። እቲ ሓድሽ ኪዳን በቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ስለ ዝዓዪ: ካብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ኣህዛብ እውን ንስሙ ዝዀኑ ህዝቢ ኣውጺኡ ኽፍሊ “ዘርኢ” ኣብርሃም ገበሮም። (ገላትያ 3:26-29፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:14) እዚ ‘ናይ ዘለኣለም ኪዳን’ እዚ ንዅሎም መንፈሳውያን እስራኤል ተንሲኦም ዘይትመውት ህይወት ንኽረኽቡ መገዲ ዝኸፍተሎም እዩ።​—⁠እብራውያን 13:20

20. እቶም ቅቡኣት ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣየናይ ኪዳን እዮም እቱዋት ዝዀኑ፧

20 እቶም ቅቡኣት ብዛዕባ ተስፋኦም ርግጸኛታት እዮም። ኣብ ካልእ ዓይነት ተወሳኺ ኪዳን ማለት ኣብ ኪዳን መንግስቲ ኣምላኽ እውን እቱዋት እዮም። የሱስ ብዛዕባ እቲ ምስኡ ዘለዎም ግደ ክዛረብ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። . . . ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።” (ሉቃስ 22:28-30) እዚ ኣብ መንጎ ክርስቶስን መናግስቱን ዘሎ ኺዳን ንዘለኣለም እዩ ዝቕጽል።​—⁠ራእይ 22:5

እዋን በዓል ዝኽሪ ዘሐጕስ እዋን እዩ

21. ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ብዙሕ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

21 ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ብዙሕ በረኸት ኢና እንረክብ። ካብቲ ነዚ እዋን እዚ እተመደበ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ንጸሎት: ኣብ ምድራዊ ህይወትን ሞትን የሱስ ንምስትንታን: ከምኡውን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስታፍ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። (መዝሙር 77:12፣ ፊልጲ 4:6, 7) እቲ በዓል ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን መስዋእታዊ በጅነት ብምድላው ዘርኣይዎ ፍቕሪ ዘዘኻኽረና እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) እዚ ምድላው እዚ ተስፋን ምጽንናዕን ክህበና ከምኡውን ነቲ ደድሕሪ ክርስቶስ ንኽንስዕብ ዝወሰድናዮ ቈራጽነት ከደልድሎ ይግባእ። (ዘጸኣት 34:6፣ እብራውያን 12:3) ብዘይ​ዚ እውን እቲ በዓል ዝኽሪ ነቲ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ዝገበርናዮ ወፈያ ንኽንፍጽምን ነቲ ኽቡር ወዱ ኸኣ ብተኣማንነት ንኽንስዕቦን ሓይሊ ኽህበና ይኽእል እዩ።

22. እቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዝሃቦ ዝዓበየ ውህበት እንታይ እዩ: ነዚ ሞሳና ኽንገልጸሉ እንኽእል ሓደ መገዲኸ እንታይ እዩ፧

22 የሆዋሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጽቡቕ ህያብ ኰን እዩ ዝህበና! (ያእቆብ 1:17) በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓና: ብመንፈሱ ይሕግዘና: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ከኣ ሂቡና ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ እቲ የሱስ ምእንቲ ሓጢኣት ቅቡኣትን ምእንቲ እቶም ኣብኡ እምነት ዝገብሩ ብዙሓት ካልኦትን ዝገበሮ መስዋእቲ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ስለዚ: ንሞት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧ ምስቶም ኣብ 16 ሚያዝያ 2003 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝበዓል ድራር ጐይታ ሓቢሮም ብምእካብ ሞሳኦም ዝገልጹ ሰባት ክትህሉ ዲኻ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ

• ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዝቐርብ ቅጫን ወይንን መን እዩ ክካፈል ዘለዎ፧

• እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከም ክቡራት ተዓዘብቲ ዀይኖም ኣብ ድራር ጐይታ ኽእከቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

• ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቲ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝቐርብ ቅጫን ወይንን ክካፈሉ ኸም ዘለዎም ዝፈልጡ ብኸመይ እዮም፧

• እዋን በዓል ዝኽሪ እንታይ ንምግባር እዩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝዀነና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ

ሚልዮን

15,597,746

15

14

13,147,201

13

12

11

10

9

8

7

6

5

4,925,643

4

3

2

1

878,303

63,146

1935 1955 1975 1995 2002

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ዓመት እዚ ድራር ጐይታ ኽበዓል ከሎ ኣብኡ ክትህሉ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

እዋን በዓል ዝኽሪ ተወሳኺ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባርን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ንምስታፍን ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዝዀነና ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወሰዱ